ንበል እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝኮነ ተረኽቦ’ዩ። እዛ ኩሉ ግዜ ብሰላም ክትናበር ዝጸንሐት ዓዲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣጋጠማ። ከም ዓለማ ሕማቕን ንፉዕን፡ ፈራሕን ተባዕን፡ ድኻን ርኹብን ወዘተ… ዝነብሩላ ኮይና እንዳ’ብቅዐት፡ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ዝበሃሉ ሓደ ሃብታም ሓያልን ሰብኣይ ሓደ ካብ መንጎ ነባሮኣ ነበሩ። ንሃብቶምን ጥበቦምን ክእለቶምን ዝመሳሰል ሓውሲ ሳጓ ዝጥዕም ሽም ይንበሮም’እንበር፡ ሓቂ ብሓቂ’ውን ኩሉ ከምድላዩ እዮም ዝነበሩ’ሞ፡  ኣብቲ ዓዲ ሕዙእ ክብረት ኣጥረዩ።

ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ዝነበሮም ዝና ጥራሕ ከይእኽሎም፡ ልዕልና ክውስኹሉ ደለዩ’ሞ፡ ነዚ ዝበቅዕ ሓደ ጥበብ ፈጠሩ። ንብዓዱ እውን ቀርኒ ሓሪሽ ዓደሉዎ’ሞ፡ ኣብ ለልዕሊ ልዳት ቤታቶም እውን ንኽጠኽሉወን ኣዘዙ። ቀርኒ ሓርሽ ዝተኸለ ዘበለ ኹሉ’ውን ጻማ ረኸበ፡ ኣወ ሞቕሽሽ። ኣቦይ ኩሉከምድላዩ’ውን ኣብ ኣፋፈት ኩሉ ዓዲ ተወጥዊጦም ኣብ ብዓዳ ተተኽሉ። ንወየን እቕርንቲ ሓሪሾም  እውን ጽባሕ-ጽባሕ ብኣካል ይኹን ብወካይል ኩነታተን ፈለጡን ተቖጻጸሩወንን። ወዮ ደኣ ብቐሊሉ ዝርከባ ከምዘይኮና ምእንቲ ከርእዩ በቒቖም ይዕድሉወን ስለዝነበረሩ እንተዘይኮይኑ ተወሳኺ ኣቕርንቲ ንምስቃል ዝደልዩን፡ መንከ ኸማይ ክብሉ ምእንታን ካልኣይ ቀርኒ ዝጠልቡ እንተነበሩ፡ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ግን ብዘይካ ሓሓንቲ ኣቕበጹ። ግን ህያብ ሰብ ኩሉ ኣበር መዓስ ይሰኣኖ ኮይኑ፡ ኣቦይ ከምድላዩ ንኹሉ ዓዲሎም ከብቅዑ፡ ከም ሰቡ ኣብ ኣፋፈት ቤቱ ቀርኒ ሓሪሽ ከይሰቅል ዝተሓረመስ፡ ስድራ እንዳ ኣቦይ ዓንዱ ነበረ። ብርግጽ ኣቦይ ዓንዱ ድኻ ምንባሮም ጥራሕ ከይኣክል፡ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ከምድላዮም ምዃኖም ንመርኣዪ ክጥቀሙሎምን በጃ ክገብሩዎም ከምዝመረጹ ኣስተውዒሎም፡ ካብ ኩሉ ከባቢኦም ከትርፉዎምን ገሪሙዉዎም ጉሃዩ። ግንከኣ ከምታ ኩሉ ዝሰቐላ ቀርኒ ሓሪሽ ክሰቕሉ ስለዝበሃጉ፡ ናብ ኣቦይ ከምድላዩ ቀሪቦም ንምንታይ ንበይነይ ኣትሪፍካኒ ክብሉ ተወከሱ። ኣቦይ ኩሉከምድላዩ’ውን ኮነ ኢሎም ዝገበሩዎ ተግባር ምንባሩን  ወሃብን ከላእን ቀርኒ ሓሪሽ ምንባሮም ንምርግጋጽ፡ ቀርኒ ሓሪሽ ስለ ዝወዳእኩ’የ። ከምኡ’ውን እቶም ሓሪሽ ተሳኢኖም ስለ ዘሎዉ ሕጂ ክህበካ ስለዘይኮነለይ፡ ድሓን ምስ ጎረባብትኻ ተማቒልካ ኣብ ሰሙን ሓዲ መዓልቲ ክትሰቕላ ምእንታን ክዛረበልካ’የ እሞ፡ እንዳ  ማሕለፋዶ ይሕሹኻ ወይስ እንዳ ሓለፋ? በሉዎም። ኣቦይ ዓንዱ ዓቕሞም ፈሊጦም መጋጥምተ’ዩ ንዝበሉዎም ምስ ኣቦይ ሓለፋ መረጹ’ሞ፡ እቲ እዚ ንእንዳቦይ ሓልፋ ተመሓላለፈ።

ግን ብኡ ንብእኡ ኣቦይ ዓንዱ ሓዲሽ ጸገም ኣጋጠሞም፡ ብቐንዱ ኣቦይ ሓለፋ ቀርኒ ሓሪሾም ኮታ እዛ ብጽሒቶም ንሓንቲ መዓልቲ እውን ይኹን ካብ ኣፋፈት ቤቶም ከተልግስ ስለ ዘይደለዩ፡ ንኣቦይ ዓንዱ ሓንቲ ካብ ቀርኒ ብዕራይ ዝተሰነዐት ቀርኒ፡ ንዓኻ እዚኣ ትኣኽለካ’ያ ኢሎም ኣበርከቱሎም። ኣቦይ ዓንዱ በዚ ነገር ጉህዮም ከም ኣመሎም ናብቶም መምጽእ ጸገም ናብ ኣቦይ ኩሉከምዳላዩ ቀሪቦም ተገፍዑለይ በሉ። ኣቦ ኩሉከምዳላዩ ነቲ ነገር ሰሚዖም፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኣይትመጣጠር ይኣኽለካ’ዩ። እዛ ቀርኒ ብዕራይ ዓቕምኻ’ያ ማለት ንዓኣ ንስኻ ከም ቀርኒ ሓርሽ ቁጸራሞ ኣብ ኣፋፈትካ ስቐላ ብምባል ንጥርዓኖም ኣቃለሉ። ዘይብሱሩ፡ ኩላቶም ኣየናይ ሓሪሽ ቀቲሎም ዝሰቐሉዎ ቀርኒ ኮይኑ? ንዓይ ክብሉ’ዮም ሰቒሎሞ ዘሎዉ። ስለዚ እውን ደጊም ኩሉ ንዓይ ተባሂሉ ዝተሰቕለ ስለዝኾነ፡ ኣነ’ውን ከየጥፍኡወን ዝቆጻጸረን ስለ ዝኾንኩ፡  ሕጂ ንስኻ ነዛ ቀርኒ ብዕራይ፡ ቀርኒ ሓሪሽ ኢኺ ኢልካ ንነብስኻ እንተኣእሚንካያ፡ ኣነ እውን ከምኡ ክቖጽረልካ’የሞ ኪድ ደኣ ቅሰን በሉዎም። ኣቦይ ዓንዱ ለካ’ቲ ምኽሪ ኣቦይ ሓለፋ ምኽሪ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ምንባሩ ኣስተውዒሎም ብውሽጦም ጉህዮም ንቤቶም ተመልሱ’ሞ፡ ደቆም ኣኪቦም ዘጋጠሞም ኣዘንተዉ። ደቆም’ውን ኣብ ልዕሊ ኣቡኦምን ስድራኦምን ዝተፈጸመ ምቁንጻብ ርእዮም ጉሃዩ።

ገባርቅያ ዝተባህለ ሓደ ካብ ደቂ ኣቦይ ዓንዱ ሓሪሽ ብኢዱ ቀቲሉ ቀርኑ ኣብ ልዕሊ ኣፋፈት ቤቶም ንኽተክል ንበረኻ ተበገሰ። ወላዲኡ’ውን ጽዕዳ ይጽናሕካ ኢሎም መሪቖም ኣፋነዉዎ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት’ውን፡ ገባርቅያ ሓንኪሱን፡ ቆርዩን፡ ዒሩን ኮታ ሳባ ላቃ ተሰሪሑ ግን ቀርኒ ሓሪሹ ተኾልኪሉ ንዓዱ ተመልሰ። ኣቦይ ዓንዱን ደቆምን ኣዝዮም ተሓጎሱ። ገባርቅያ ነታ ንወላዲኡን ስድራኡን ዘጉሃየት ቀርኒ ብዕራይ ጉሒፉ ነታ እንተናኡ ዘዕነወት ቀርኒ ሓሪሹ ንኽሰቕላ ተሸባሸበ። ግን ድልየት ወላዲኡ ዘይከምናቱ ኮይኑ ተረኽበ። መኽንያቱ ነታ ቀርኒ ሓሪሹ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ እንተዘይመሪቖማ ኣብ ኣፋፈት ቤቶም ክትስቀል ከም ዘይከኣል ተነግሮ። ገባርቅያ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ንምእማኑ ኣሸገሮ። መኽንያቱ፡ ንተመሊስካ ልማኖስ እዚ ኩሉ ነብሰ ዕንወት ኣሕዚኑዎ ተዓዚሙ ተዓንዘዘ።

ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ነቲ ዝኾነ ሰሚዖም ገረሞም። ለካ ነቲ ኩሉ ብቐደሙ ዝዓደሉዎ ብቐርኒ ሓርሽ ዘፋለጡዎ ኣቕርንቲ፡ ቐርኒ ሓሪሽ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጡዎን’ዮም ነይሮም። ብገንዘቦም ዝዓደጉዎ ኣቕርንቲ’ዩ ነይሩ። ስለዚ’ውን እዛ ቀርኒ ሓሪሽ ተባሂላ መጺኣ ዝእነሃ እሞ ቁመና ገባርቅያ ዝበልዐት፡ ዘይተደልየ ህውከት ከተለዓዕል ስለ’እትኽእል ብኡ ንብእኡ ጸልኡዋ። ንኽምርቑዋ ተባሂላ ኣብ ኢዶም ምስ ኣተወት’ውን ብቐደሙ ጎይታ ዕንክሊል እንድዮም፡ ሓቅነት ሓሪሽነታ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብ ትሕቲ መጽናዕቲ ክትጸንሕ’ያ ኢሎም፡ ቀርኒ ሓሪሽ ገባርቅያ ረስተዩዋ። ብመተካእታኣ ግን ከምተን ንበዓዱ ዝመንጠዉወን ኣቕርንቲ ተሪፉ፡ ኣነ ቀርኒ ሓሪሽ’ዩ ዝበልኩዎ መንዩ ኣይኮነን ዝብሎ ኢሎም እንዳኣጉባዕብዑ፡ ቀርኒ ብዕራይ’ውን ተሪፉ ቀርኒ ጤል ብስም ቀርኒ ሓሪሽ ኣብ ኣፋፈት እንዳቦይ ዓንዱ ክትስቀል በየኑ። በዚ መሰረት’ውን ኣብ ኣፋፈት እንዳቦይ ዓንዱ ቀርኒ ጤል ተተኽለት። ወያ ቀርኒ ሓሪሾም ድማ ኣብ ከብሒ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ተሸሪባ ተረፈት።

ኣንበብቲ ክገርመኩም፡ ቀርኒ ዝደለት ምኾነት። እቲ ጸገምሲ ስድራ ኣቦይ ዓንዱ በዚ ኩነታት’ዚ ስለዘይዓገቡ ቀርኒ ሓርሽ እንዳቦይ ኩሉከምድላዩ ኣብ ኣፋፈት ቤቶም ንምትካል ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተቖሪኖም ካብ ዝርከቡ እዋን ኣቑጺሮም ምህላዎም’ዩ።
 እዚኣ እንተረሲዕኩም ሞት ትረሲዕኩም።

ድሓን ቀንዩ!
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና።
ሃይለ፡ ወልዱ።
ሎንዶን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...