ኣብ ዓመተ 2009 ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ተኸፊቱ  ዘሎ ስነ-ኣእሙራዊ  ክዊናትን ደሚርናን ኣጉዲልናን እንተገምጊምናዮ ዝህበና ንጹር ስእሊ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውኑነት ብፍጥነት ይሕቆን ከም ዘሎን እቲ ዘይተርፍ ለውጢ ይቀራረብ ምህላዉንዩ ዘመላኽተና።

እዚ ብሩህ ተስፋታት ዝሓዘለ ፖለቲካዊ ሕንባበ’ዚ እናተራእየ ከሎ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባቱ ብመንጽር’ዚ ሕምባበ’ዚ ነብሱ ወዲቡን ዓቕምታቱ ኣዋሃሂዱን ንዝፍጠር ሃጉዋፍ ክመልእ ድሉዊ ድዩ ዝብል ሕቶ ይቕጀለካ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እንተርኢና ግን፡ ገለ ገለ ሓደስቲ ናይ መንእሰያትን ነጻ ወብ ሳይታትን ንጡፍ ተበግሶታት ገዲፍካ፡ መብዝሕትኡ ዓቕምታትን ውዳበን ደምበ ተቓውሞ፡ ንዝፍጠር ሃግዋፍ ክመልኣስ ይትረፍ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ሃግዋፋት ንክመልኣ ኣብ ዘካይድኦ ቃልሲ ገገሊኤን  ካብቲ ዝተኣኻኸብኦ ግምባር ፈጋዕጋዕ ክብላ ከለዋ፡ ገሊኤን ድማ ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንኽተል ዝብላ፡ ክተሓናፈጻን ነቲ ምስ ኪዳን ዘለወን ዝምድናታት ዝሃሲ ብዝመስል መልክዕ ብመንጽር ራእየንን፡ ከዓውትኦ ዝደልያ ዕማምን፡ ምስ ዝመሳሰልኤን ሃገራውያን ይኹና ኣህጉራውያን ውድባት ተነጺለን ክእከባን ክዝትያን ኣብ ዝጀመራሉ፡ በተን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘለዋ ካልኦት ውድባትን ውልቀ ሰባትን እዚ ዘይብሃል ናይ ዘይምትእምማን ተቓውሞን ነቐፌታን ክዘንበን ትርኢ። ነዚ ኣብ ባይታ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ሓቂ ብምግንዛብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ስርዓት ህግደፍ ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝሓለፉ መለኽቲ ስርዓታት፡ ብሃንደበት ኣብ ዘይተቐረብናሉ እዋን ኣብ ኢድና ረማዕ ኢሉ እንተዝወድቀናስ እንታይ ምገበርና?? ዝብል ኣሻቓሊ ሕቶ ንመልሱ ካብ ሕጂ የሾቕርረካ።

ኣብ’ቲ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ከዳሉ ዝደፋፍኣኒ ቀንዲ ጉዳይ ክምለስ፡ ጽሑፈይ ኣብ ኣምር ነጻ ኮንካ ሓሳባትካ ምግላጽ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ውልቃዊ ርእይቶይን ዝመስለኒን ንምግላጽ እምበር ንሓደ ነቒፍካ ነቲ ኻሊእ ንምምግዋስ ወይ ውን ጸግዒ ሓደ ኮንካ ነቲ ካሊእ ንምህራም ኣይኮነን፡፡ ዕላማ ጽሑፈይ፡ ነቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ኣቦታትና ዝውንንዎ ዝነበሩ ምዕቡልን ሃብታምን ፖለቲካዊ ባህሊ፡ (ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣባና ዘይተሰጋገረ) ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ርእይቶታት ህ ኢልካ ምስማዕን ምጽውዋርን፡ ንዝኽሰቱ ግርጭታት ብሰላማዊን ደሞክራስያውን ኣገባብ ብዘተ ወይ ብሽምግልና ምፍታሕ፡ ዝኣመሰሉ ዘሐብኑ ፖለቲካዊ ባህሊታት ኣቦታትና፡ ብኸመይ ነሰስኖምን ነማዕብሎምን ንምዝኽኻር እንተዘይኮይኑ ጽሑፈይ ካሊእ ዘይቅዱስ ዕላማ ከምዘይብሉ ኣንባባይ ክግንዘበለይ እምሕጸን።

እምብኣር ፡ ንህሉው ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክዉንነት ካብ ዝኾነ ጸጊዕነት ነጻ ኮይነ ብኤርትራዊ መነጽር ከነንብቦ ኣብ ዝፈተንኩሉ፡ ዝህበኒ ስእሊ ነዚ ይመስል፡፡ ብሸነኽ እቲ ስርዓት፡ ማለት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብልዕልና ሕጊ ስለ ዘይግዛእን ዘይምሕደርን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ስለ ዝግህስ፡ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዘይሳነ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ህዝባዊ ሰረቱ ስለ ዝተባሕጎገ፡ ካብ ክዊናትን ምቱኽታኽን ወጻኢ ዝንበር ስለ ዘይመስሎ፡ ብኹሉ መዓቀኒታቱ ፍጮ ስርዓትን ጨካን መላኺን ምኽዋኑ ዝተገንዘበ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነታ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጻወተላ ካርታ ኣልዒሎም፡ ብመልክዕ እማመ- እገዳ፡ ሓያል ስነ-ኣእሙራዊ ክዊናት ክኸፍተሉ ከሎ፡ በቲ ካሊእ ሸነኽ ድማ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተራእየ ፈርከሽከሽን፡ ኣብተን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልስ ኢና እንኽተል ዝብላ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝርኤ ዘሎ ምትሕንፋጽን ምትሕኻኽን፡ ጎኒ ጎኑ ውን ብስም ሲምፖዚዩማት ካብ ዕለት 09 ክሳብ 10 ሕዳር፡ ኣብ ብሩሰልስ ብናይ ኤውሮጳ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኻሪ ጉጂለን፡ ብኤርትራዊ ሓይሊ ዕማምን፡ ተበግሶን ኣኣንጋድነትን፡ ብመንጽር ራእዪኡን ንሱ ከዓውቶ ዝደሊ ዕማምን፡ ብመርገጽ ንዝመሳሰልኦ ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ጥራሕ ዝኽተላ ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዓዲሙ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ዘስገድግድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ንግጠሞ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ምዝታዩ ርኢና። ቀጺሉ ውን ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ታሕሳስ ኣብ ሎንዶን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ ዝብል ቴማ ከብስል ከም ዝጋባእ ይውረ ኣሎ።

ኣብ’ዞም ልዕል ኢለ ዝዘርዘርኩዎም ፖለቲካዊ ፍጻሜታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ይኹኑ ውልቀሰባት ብርክት ዝበሉ ገለ ናይ ደገፍ ገለ ውን ናይ ነቐፌታን ኩነኔን ጽሑፋት ክውሕዙ ቀንዮም። ህ.ግ.ደ.ፍን መራሒኦምን “ብሰበብ’ዚ ንስም ኤርትራ ክድውን ዝተኣልመ ሽርሒ’ዚ፡ እንተድኣ ተኣጊድና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ተመሊሱ ዘጣዕሶ ጌጋ ክሕምብስዩ” (It will be a regrettable move if it’s meant to blackmail or intimidate Eritrea) ክብሉ ከለዉ፡ ደምበ ተቓውሞን ነቐፍቲ ህግደፍን ድማ “እዚ እገዳ’ዚ ናይቲ መወዳእታ መጀመርታ’ዩ ደንጉዮሞ ከማን” ይብሉ። እቲ ጉዳይ እቲ ኸልቢ ይነብሕ እቲ ገመል ግን ጉዕዙኡ ይቕጽል ስለ ዝመስል፡ እቲ እገዳ ድዩ ንህግደፍ ክቐትሎም ወይስ እቲ ፈኸራ’ዩ ንዓለም ከጣዕሳ ኣብ ጉዕዞ ዝረኤ ጉዳይ’ዩ ክኸው ይመስለኒ።

እቲ ቀንዲን ባዕላዊን ጉዳይና ዝመስለኒ ግን፡ እቲ ኣብ ነንሓድሕድናን ኣብ ውልቃዊ ናጽነትናን ዝኽፈተና ዘሎ ክዊናት’ዩ ዝመስለኒ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንኽተል ዝበሉ ምትእኽኻባት ክወርድ ዝቐነየን ገና ውን ዝቕጽል ዘሎን ነቐፌታን ኩነኔን ንመልከት። ብወገነይ ነቲ ነቐፌታ ወይ ውን ኩነኔ ምስ’ቲ ዝተዘተየሉ ኣርእስትታት ኣገናዚበ ክርእዮ ከሎኹ፡ መንን ብኸመይን ተሳቲፎሞ ብዘየገድሽ፡ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝኾነነን ነዚ ግህሰት እዚ ንዝፈጸሙ ውልቀሰባት ይኹኑ ትካላት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪብካ ዝቕጽዑሉ ኣገባባት ሃሰው ንምባል ዝተጋብኤ ሲምፖዚዩም ምኹናን ምኽኑይ ዝገብሮ ጭብጥታት ኣይረኣኹን። እቲ ድሒሩ ዝስዕብ ናይ ሎንዶን ርክብ ውን፡ ንሰላምን ርግኣትን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዝነግሰሉ ፍታሕ ንምንዳይ ብዓቕመይ ሃሰው ክብል’የ ዝብል ሲምፖዚዩም፡ ከም ኣዕናዊን ሓደገኛን ጌርካ ምውንጃሉን ምኽሳሱን፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ናይቶም ኣዳለውቱ ማለት ፡ውልቃዊ ናጽነትን ሓሳባትካ ብነጻ ናይ ምግላጽን መሰሎም ከም ምግዳብ ወይ ክትግህስ ከም ምፍታን ከይከውን የሰክፈኒ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መሰል ናይ ዝኾነት ውድብ ወይ ውን ውልቀሰብ ከይተንከፉን ከየራኸሱን። ንዝመስሎም ሓሳባት ምስ ዝመስሉዎም ሰባት ወይ ትካላት፡ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውኑነት፡ ንህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያንን ምጥባቖም ይኹን ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ንጉዳይ ኤርትራ ምንዳዮም፡ ኣበየናይ ጎኑዩ እቲ ኩነኔ ወይ ስክፍታ ብንጹር ኣብቲ ሓሳባት ዝቐንዔ መርትዖ ኣይረኣኹን።

እቲ ኩነኔ ነቲ ሓሳባት ወይ ንትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ዘይምኽዋኑ እቶም ነቐፍቲ ውን ባዕሎም ዝእመኑሉ ዘሎዉ ይመስለኒ። እቲ ኩነኔ ናብቶም ተጋባእቲን ናብቲ ምትእኽኻብን’ዩ ዝቐንዕ ዘሎ ይመስለኒ። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ክንዮ’ቲ ዝተባህለ ሓሊፍና እንተፈቲሽና፡ ኣብቶም ነቐፍቲ ሓደ ዓቢ ስክፍታ ከም ዘሎ ንግምግም፡፡ ወይ ነዞም ተጋባእቲ ናይ ደምበ ለውጢ ከይገብሩ( ምስ ህግደፍ ብጥቕሚ ከይተዓረቑ) ጠርጢሮሞም ኣሎዉ፡ ወይ ድማ ምዞም ተጋባእቲ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ኣሎውም። እቲ ሕቶ ጥርጠራ ለውጢ ደምበ እንተኾይኑ ብመርትዖ ክሳብ ዘይተሰነየ ንተቓናቐንትኻ ፖለቲካዊ ስብእነቶም ንምቕታል እትጥቀመሉ ዝኣረገ ሜላ “ጸለመ” ጥራሕ’ዩ ከስምዕ። እቲ ሕቶ፡ ኣብ ውልቀሰባት ዘሎ ውልቃዊ ቅርሕንቲ እንተኾይኑ ድማ፡ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዙ ሸንኮለል ከብለና ዝጸንሔ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝበልዔን ብሰንኪ ምትፍናን ውልቀሰባት ነታ ቀያሕቲ ዝተኸፍላ ናጽነትና ከይተረፈ ዝደናደን ዘሎ ሓደገኛ ሕማም’ዩ። ነዚ ኢና እምበኣር መጀመርያን ቅድሚ ኩሉን መድሃኒት ከነናድየሉ ዝግብኣና ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።

ነዞም ኩነኔታት እዚኣቶም ከንብብ ከሎኹ ሓንቲ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ብሓደ ህቡብ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ብኣቶ ኣያሌው ልደቱ ንኣቶ ስየ ኣብራሃ ዝተጻሕፈት ፖለቲካዊት ሰነት ኣዘኻኺሩኒ። ኣብታ ሰነድ ካብ ዝመሰጡኒ ሓሳብት፡፡ ኣቶ ስየ ነቲ ብ 65 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝተፈረመ ናይ ሰልፍታት ስነ-ምግባር ረቂቕን መራሕቲተን ሰልፍታት ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ሃገር ሓቢሮም ንኽሰርሑ ዝኣተዉዎ ዉዕልን ብዝምልከት፡ ኣብቲ ሰነድ’ሞ ተቓውሞ የብለይን ነቶም ተዋዓዓልቲን ነቲ ዉዕሎኦምን ግን ይኹንኖ ዝብል ተቓዊሙ ዝጸሓፎ ሓደ ሰነድ፡ ካብ ኣቶ ኣያሌው ልደቱ ዝተዋህቦ መልሲ ከምዚ ይብል። “40 ዓመት ኣብ ውቅያኖስ ዝተቐመጠት እምኒስ ምሕምባስ ከይለመደት ትነብር” ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ዝጅምራ። ሓሳባቱ ብምቕጻል “ኣቶ ስየ !! ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ሽግር የብልካን !! ሽግርካ ኣብቶም ተዋዓዓልቲ ሰባትን ኣብቲ ምትሕብባሮምን ካብ ኮነ ናይ ቅርሕንቲ ፎብያ ወይ ሓደገኛ ሕማምዩ እዚ !! ወዮ ደኣ ከም ህዝቢን ከም ትውልዲን ኣይተዓደልናን እምበር ኣብተን ዝተዓደላ ሃገራትሲ ካብ ከምዚ ናትካ ዝኣመሰሉ ፡ ከም ኣባል መሪሕነት ህወሓት ን 27 ዓመታት ዝመራሑን ኣብ ዲሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ከም መከላኸሊ ሚኒስተር ኮይኖም ዝሰርሑን ህቡብ ፖለቲከኛ፡ ከብ በዓል ዶክቶር ነጋሶ ጊዳዳ ፕረሲደንት ሃገር ዝነበሩን፡ ከም በዓል ኣቶ ገብሩ ኣስራት ገዛኢ ሓደ ክልል ዝነበሩን፡ ኣገልግሎቶም ወዲኦም ክወርዱ ከለዉ፡ ንህዝቦም ምጽውዋርን ንናይ ሃገር ሓባራዊ ጉዳይ ብሓባር ምስራሕን ንህንጸት ሃገርን ዲሞክራሲን ብስኒትን ሓልዮትን ምስራሕ’ዮም ዝምህሩዎም። ከምታ ኣብ ውቅያኖስ 40 ዓመታት ዝተቐመጠት እምኒ ምሕምባስ ዘይትለምድ፡ ምሕምባስስ ይትረፋ ጸሚቕካያ ውን ጥብ ትብል ንጣብ ማይ ዘይትህበካ፡ ካባኻ ውን ህዝቢ ዝተጸበዮስ ይትረፍ፡ ንህንጸት ዲሞክራሲ ትኸውን ካብቲ ኩሉ ተመክሮኻ፡ ጥብ ትብል ንጣብ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣይረኸብናልካን። ተመክሮኻ ኣብ ናይ ቅርሕንቲ ፎብያ ዝተሰረተ፡ ዝኣረገን ታሪኽ ዝጎሓፎን ፖለቲካዊ ሜላ ስለ ዝኾነ፡ ሞዕቡልን ዘመናዊን ፖለቲካ ስለዘይትቕበል ጥራሕ ኢኻ ካብቶም ምሳኻ ዝኣተዉ ተሪፍካ ማዕበል ገፊዑ ኣትሪፉካ፡ ፖለቲካ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝምዕብል ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ዝምርኮስ ስነጥበብ”ዩ፡ ምስቶም ኣብ ባይታ ዘሎዉ ሓቅታት እናኣጋናዘብካ እንተዘይተለዊጥካ መድረኽ ክጉሕፈካ ናይ ግድን’ዩ፡ በቲ ዝኣረገን ታሪኽ ዝጎሓፎን ፈናጫሊን ዓሌታዊን ሜላ ስለ ዝቐጸልካ ካብቶም ምስ ክዉንነትን ሓቅን ዝመረሹ ብጾትካን መሳርሕትኻን ተሪፍካን ተወጊንካን ” ክብልዩ ዝገልጾ። ኣቶ ኣያለው ሓሳባቱ ብምቕጻል “ ኣቶ ስየ፡ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ፡ ንፖሎቲከኛታት መኻራኽርትና ብመስርሕ ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ክንምክቶም እንተደኣ ዘይክኢልና፡ እንጥቀመሉ ኣገባብን ቀሊል መሲሉ ዝረኣየና ግን ከኣ ሓደገኛን ኣዕናዊን ኣገባብ ቃልሲ፡ ንመኻራኽርትና ሓንሳብ ብኹርኩርነት፡ ሓንሳብ ብወገንነት፡ ሓንሳብ ውን ብትሕተ-ሃገራውነት ወይ ብጸረ-ሃገርነት ንስሞም ብምጽላም፡ ንፖለቲካዊ ስብእነቶም ክንቀትል ምፍታንና’ዩ። ኣቶ ስየ ዝተጠቐምኩሙሉ ሜላ ውን ካብ ዘበን ኢህኣፓ ኣትሒዝኩም ዝተጠቐምኩሙሉ ዝኣረገን ታሪኽ ዝጎሓፎን ሜላ’ዩ። ኣነ በዚ ዝመረጽኩሞ ኣረጊት ሜላ ዘይኮንኩ ክምጉተኩም ብመርትዖ ብዝስነ ምኽንያታዊ ብዝኾነ ናይ ሓሳባት ክርክርን ብጭቡጥ ሓቅታትን’የ (Facts) ክገጥመኩም። እስከ በሉ ንሰነድ ስምምዕ ደጊፍኩም ነቶም ተሰማማዕቲን ነቲ ስምምዕን ምኹናንኩምስ ሓደ ሕልና ዘሎዎ ፖለቲካዊ ባእታ ይብሎ’ዩ ኢለ ስለ ዘይኣምን እቲ ጉዳይ ሕንቅልሕንቅሊተይ’ዩ ኮይኑኒ። ኽድገፍ ድዩ ክኹነን ዝግቦኦ እቲ ሓሳብ ወይ እቲ ሰነድ’ዩ፡ ክኹነን እንተኾይኑ ነቲ ሓሳብ ብሓሳብ ሞግትዎ እምበር ነቶም ሰባት ምምግዋትኩም ቅርሕንቲ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምኡ ዝበሃል ፖለቲካ ኣብዚ ዘሎናዮ ምዕቡል ዘመን የለን” ይብል።
 
እቲ ጉዳይ መሲልክን እንታይ ኣምጻእክን እንድዩ’ዩ፡፡ ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ስለዘይኮነ ንለባምን ኣምተሉ ንዓሻንከ ደርጉሓሉ’ዩ’ሞ፡ ካብ ናይ ኣርብዓን ገለን ዓመታት ፖለቲካዊ ተሞክሮታትና ንህንጸት ደሞክራሲ ብዝምልከት ምጽውዋር ይኹን ሓድሕዳዊ ምክብባር ተማሂርናዶ ንብል? እታ ጽባሕ ክትኮነልና እንጽበያ ኤርትራኸ ብሰላማዊ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልሲ ንኹሎም ርእይቶታት ዘኣንግድ ሃገራዊ ባይቶ ዝህልዋ ኤርትራዶ ኣይኮነትን ሕልምና? ሎሚ ዓቕምና ንእሽቶ ከሎ ዘይተጻወርናዮ ርእይቶታት፡ ጽባሕ ከምዚ ናይ ህግደፍ ሓይሊ ምስ ደለብና፡ ገብራይ እንተጠፍኤስ ተኽላይ ተተኽለ ድዩ ክኸውን? ኣብ ክልቲኡ ኣገባባት ቃልሲ ማለት ኣብሞንጎ’ቲ ብሰላማዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ዝብልን፡ እቲ ብዝጥዕመካ ዋላ ጎነጽ ውን ከይተረፈ ዝብልን ፡ዘሎ ዓቢ ናይ ሜላ ጋግ ርዱእ’ዩ፡፡ ግን ዋላ”ክዋ  መለኽቲ ስርዓታት ብጎነጽ እንተዘይኮይኑ ብሰላማዊ ኣገባብ ክትኣልዮም ኣጸጋሚን ብዙሕ ዘይተለምደን ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓመጽ ምእማን ኩሉ ጊዜ ብዓመጽ ዝሕፈስ ዓወት፡ ውሕስነት ዘይምህላዉ ጥራሕ ከይኣክል፡ ዓመጽ ንኽልመድን ሕጋውነት ንኽለብስን ደገፍካ ከም ምሃብዩ ዘስምዕ። ብዓመጽ ኣብ ስልጣን ዝመጹ ስርዓታት ዳርጋ ኩሎም መለኽትን ብሰላም ስልጣን ዘየረክቡን ስለ ዝኾኑ፡ ዓመጽ ከም ዝእለሞም ስለዘይስሕቱ ኩሉ ሳዕ ኣብ ተጠንቀቕ’ዮም። እቲ ብዝያዳ ዘስግኦም ሓይሊ፡ እቲ ዓቕሚ መለኽቲ  ክቆጻጸሮ ዘይክእል ልቢ ሓፋሽ እንተሸፊቱ ጥራሕዩ። በዚ ይኹን በቲ ግን እቲ ኣማራጺታት ክሳብ ስርዓት ህግደፍ ዝእለ ንኽልቲኡ ዝምባሌታት ዝጻወርን ዘኣንግድን ክኸውን ናይ ግድን’ዩ።

ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ግን እዚ ካብ ሕጂ ክንለማመዶ ዝግብኣና ጸረ ጎነጽ ዝኾነ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ክኸውን ታሪኻዊ ግዴታ ኣሎዎ። ንምንታይሲ ነዚ ብዘይካ ሓደ ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ዝንባሌ ካልእ ዝንባሌ ዘይቅበል መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምጉሓፍና፡ ዝተፈላለየ ዝንባሌታት እተኤንግድ ንሓሳብ ብሓሳብ ጥራሕ እትስዕረሉ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ ቃልሲ ጥራሕ ዝካየደላ ቅስንቲ ኤርትራ ንምፍጣር’ዩኮ ሕልምና።       

ቅርጡውን ተሓታትነት ዘለዎን ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ብጽባሕ ከርክበሉየ ወይ ውን ብእግዝኣብሄር ይፈልጥ እትጽበዮን ከይተዳሎኻ ዱብ ኢሉ ምስ ወደቐካ፡ ብረቢ ሃቦ እትጣልዓሉ ኣቕሓ ዕዳጋ ስለዘይኮነ፡ ሓያልን ዝተወሃሃደን ዓቕሚ፡ ንሓድሕድካ ናይ ምክብባርን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣኣያታት ናይ ምጽውዋር ፖለቲካዊ ባህሊን፡ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክዉንነት ዝቃዶ በብእዋኑ ዝምዕብል ፖለቲካዊ ስነ-ጥበብ ዝሓትት፡ ሰፍ ዘይብል ህዝባዊ ጾር’ዩ። እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለገቱ፡ ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰረቱ፡ ናይ ምጽውዋርን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ባህሊ’ዚ፡ ካብ ሕጂ ሱር ክሰድድን ክጥጥዕን እንተዘይተሰሪሑሉ፡ ኣብ ዘይምትእምማንን ቅርሕንትን ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ሓደገኛን ኣዕናውን ከም ዝኸውን ብኣግኡ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ጉዳይ ይመስለኒ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...