አብዚ ጊዜ’ዚ ንሀገርና ኤርትራ እገዳ ንኽግበረላ ሓደ ህጹጽ ዛዕባ ዄይኑ’ሎ። እገዳ ንምግባር ንክውሰድ ዝዕድሙ ብዙሓት መሠረታውያን ረቋሕታት ከም ዘሎ እውን ዝርሳዕ አይኾነን። ነዚ ብምትንታትን ድማ እቲ ወጺኡ ዘሎ ረቂቕ ከምዚ ይብል፤
  1. ኩሉ ናብ ኣስመራ ዝኸይድ መሸጣ “ናይ ኣጽዋርን ጠያይትን፣ ወተሃደራዊ መኻይንን መሳርሕን፣ ሓውሲ ወተሃደራዊን መለዋወጢ ኣቑሑን” ምእጋድ።
  2. ንኤርትራ ዝገበር፣ “ተክኒካዊ ሓገዝ፣ ምዕላምን፣ ምስ ወተሃደራዊ ንጥፈት ዝዛመድ ፊናንሲኣውን ካልእ ሓገዛትን” ኩሉ ደው ክብል። 
  3. ኣባላት ሕ.መ. ዝኾና ሃገራት ዝተኸልከለ ኣቑሑ ኣሎ ተባሂሉ እንተድኣ ተጠርጢሩ “ካብ ሶማልን ኤርትራን ዝንቀሳቐስ ጽዕነት” ብባሕሪ ይኹን ብመሬት ክፍትሻ ስልጣን ይህብ።
  4. ኣብ ልዕሊ “ኣባላት ናይ ኤርትራ መንግስትን ወተሃደራትን” ንሑሉፋት እስላማውያን ናዕበኛታት ይድግፉ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ካልኦት ውልቃውያን ኤርትራውያንን ትካላትን ናይ ምጋሽን ናይ ዋንነት ንብረት ምድስካል።

ኤርትራ፡ ከም ሀገር ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ. “ነጻ“ ካብ እትኸውን፡ ብዙሓት አህጉራዊ ውዑላት ከቲማን ብዝከተምትሎም ውዑላት ክትቅየድ ከአ ተሰማሚዓትሉ ኢያ። እዚ ከም እቲ አድማሳዊ ውዑል ሰብአዊ መሰላት(Universal Declaration of Human Rights - UDRH) ምስ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝኸይድ አብ ሰብአውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዘተኰረ ዓቢ ሚዛን ዘለዎ ሕጊ ዝኣመሰሉ ማለት እዩ። አባላት ውድብ ሕቡራት ሀገራት ዓለም አባልነተን ምስኣረጋገጻን ምስተሳማምዓን ብውዑላት ቕዩዳት ምዃነን ብተግባር ከመስክራ ይግደዳ። ኤርትራ ድማ ብ28 ግንቦት 1993 ዓ. ም. ፈ. መበል 182 አባል ውድብ ሕቡራት ሀገራት ዓለም ዄይና ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን ዜጋታትን ሕዝቢን ካብ “እገዳ” መራሕ ህግደፍ ሓራ ንክወጽእ ንዕዑ እገዳ ይገበረሉ ጥራሕ ዘይኾነ ጠለብና፤

  1. መራሕ ጃንዳ ህግደፍ ብዘይ ውዓል ሕደር ሥልጣን ንሕዝቢ ከረክብ አለዎ።
  2. ብዘይ ቅድመ ኲነት ኲላቶም እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ አለዎም።
  3. ብስም ሀገራዊ አገልግሎት ዝፍለጥ መሳርሒ ዘመናዊ ጊላነት ስለ ዝኾነ ደው ክብል።
እዚ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራን ጎረባብትን ዝገብርዎ ግፍዒ ዓለም ብመላአ እትፈልጦ ሓቂ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ንመራሕ ጃንዳ ህግደፍን ሰዓብቱን ብዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ግፍዕታት ብእገዳ ጥራይ ዝሓልፍ ዘይኾነስ ክሳብ ናብ ዓለምለካዊ ቤት ፍርዲ ዘቕርቦም ገበናት ዝፈጸምዎ ብዙሕ ስለ ዘሎ፤ ሕጂ ይኩን ቀደም ገሊጽናዮ ኢና።
 
ክቡራት ዜጋታት፡ አብ ስደት ምጉዓዝናን ምንባርናን ጥራይ ከይተወሰነ እቲ ሀናጺ ሀገርን ተቐባል ሕድርን ዝኾነ ወለዶና እውን ሀገሩ ረመጽ ዄይናቶ ካብቲ አስካሕካሒ ግፍዒ ህግደፍ ንከምልጥ ኣብ ፈቀዶ ክፍለዓለማትን ምድረበዳታትን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ይጠፍእ ዘሎ ጥራይ እኩል መርትዖ ኢዩ።
 
እቲ ብነጻ ዓለምለኻዊ ትካላት ሕቡራት ሀገራት ዓለም ዝኸባኸብ ዘሎ ጻዕርታት ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት ዘማእከለ እዃ እንተኮነ ኣብ ጠቕሚ ሕዝቢ ኤርትራ ንምውዓሉ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ዜጋታት ብተዓጻጻፍነትን ብቕዓትን ክእለትን ዝሓተና ጉዳይ ኢዩ።  ነዚ ክልተ ሓደጋታት እዚ ብዕምቈት ክንርእዮ ይግባእ።
  1. ቀዳማይ ሓደጋ፡ ብጃንዳ ህግደፍ ዝካየድ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ዘማእከለን ናይ ካልኦት ህልውና ዝነፍግ ንጥፈታት ስለ ዝኾነ፤
  2. ካልኣይ ሓደጋ፡ ናይ ወጻእተኛታትን ጎረባብትን ተራ ማለት እዚ መራሕ ጃንዳ ህግደፍ ጐብለል ንክኸውን ዘኽአልዎ ብዘይነጻነታዊ (ዶብ ዘይብላ) ውዕል ሀገር ንክትህሉ ዝገበሩ፤ ሕጂ ብድሕሪት ኮይኖም እገዳ ንክግበረሉ ዝእዝዙ ዘለዉዶ አይኮኑን? እቲ አሎኹ ንድሕነት ዝብል አካል’ውን እንተኾነ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝለዓለ ዝሰማማዕ ኣብ ዝነአሰ ምስምምዑ ግዙእ ናይ ሰንዓ ፎርምዶ አይኾነን?
እምበአር ከስ ሓደጋ ስለዘሎ ብመንጽሩ ድማ ፍታሕ አሎ። ንሕና ዜጋታት ክንጻወቶ ወይ ክንገብሮ ዘሎና እንታይ ክኸውን አለዎ ዝብል ሕቶ የስዕብ። ከም ትዕዝብትና ከአ ውጽኢት እቲ ሓደጋ፤ አብ ሀገርና ኤርትራ ውድቀትን  ናይ ሥልጣን ባዶነትን ስለ ዝፈጥር፤ ነዚ ንምፍታሕ ፤ ካባና ናባና ዄይኑ ሕዝብን ሀገርን ንከነድሕን ከነጥፍእን ካባና ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብ ኢዩ። እዚ ከም ስትራተጂካዊ ፍታሕ ክወሰድ ዘለዎ እዩ። እቲ ናይ እገዳ ምግባር ድማ ከም መቕጻዕትን ናይ ተሓታትነትን ሕቶ ኣብ ደንበ ዓለማዊ መጋባእያ ይኸውን።
 
አብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት እቲ ቀዳማይ ምርጫና ክኸውን ዘለዎ  ሕዝብን ሀገርን ንምድሓን ድአ እምበር ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ማኅበራትን ምብዛሕ አይኾነን። እዘን  ትካላት እዚአተን ትሕቲ ሀገርን ሕዝብን ዝስርዓ ኢያተን። ነቲ ንኃይሊ ሕዝብና ዝመቓቕል ዘበለ ዂሉ አወጊንና፤ ንሕጊ አልባነት (ቅዋም አልቦነት) ብሀገራዊ ቅዋም ተኪእና፤ ንዝመጽእ ንሕዝባውን ሀገራውን ሓደጋታት፤ መፍትሒ ቀሪብካ ምጽናሕ ኃላፍነት ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ኃይልታትን ማኅበራትን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኲሉ ኤርትራዊ ዜጋ፤ ዘየማትእ ክንገብሮ ዘሎና ጊዝያዊ መሰጋገሪ መንግሥቲ ወኪል ሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ዝኸውን አብ ደገ ብዝቐልጠፈ ንምግባር ግዴታዊ ግቡእና ምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።

እቲ መፍትሒ ክኾነና እንብሎ ዘሎና፤ ተዋሳእቱን ተካፈልቱን ንኲሉ ሀገራዊ ዜጋ ብምሉእነት (ማዕርነት) ዝሓቈፈ ንክኸውን ነተሓሳስብ።

ሀገር ናይ ብዙኃት፡
ብዙኃት ንሀገር።
 
ኤርትራዊ ማኅበር ተጣባቂ ሰብአዊ መሰል
ሽቱትጋርት
በደን ባደን ቩርተምበርግ ጀርመን        
email:- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...