መስከረም
መስከረም ቦኽሪ
ናይ ዓመት ናይ ዝኽሪ
ናይ ዕለት ቆጻሪ
መዋእል መሳገሪ።


መስከረም ቦኽሪ
ትህንድሲ ትመጣጠሪ
ንመርዓ ንጥሪ
ንመውስቦ ንፍቕሪ
መቐጸሊ ሕድሪ
ናይ ታሪኽ ፈልፋሊ
መሰሰን ባህሊ።

መስከረም መስተርሆት
ናይ ቀውዒ ናይ እቶት
ናይ ፍቕሪ ናይ ፍቶት
ናይ ጽጋብ ዕንጋሎት
ዘይብሉ ሻቕሎት
ንሓረስቶት ንጓሶት።

መስከረም ሕዮባ
ትልለዪ!
ብስልማት ዕንባባ
ኣልባሶ ወለባ
ኣርሓ-በጠስ ጽጋባ
ፍስሃ መርሓባ።
መስከረም ቅሚጦ
ንኣኺ ኣሚኑ!
ክበኩዕ ልንቃጦ
ይደሃኽ ሕሾ
ካብ ሓምሊ ካብ ሽንጦ
ይስገር!
ናብ ሰዊት ህንኩቶ።

ይበሃል ዓኾዃይ!
ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ
ቁራዕ እኽሊ እቶ
ገዓት ጠስሚ ክንፍትፍቶ።

መስከረም ቅሚጦ
ናትኪ ትሕዝቶ
እንስሳ’ኳ ዝፈልጦ፣
ሽዑንድ’ዩ ዝሃብብ ወጦጦ
ዝፍንትር ዘረንጦ
ትዕንድር ኣርሕዶ።

ሽዑንድ’ያ!
ትሰሓል ወረጦ
ንእሾኽ ክትነቕሶ
ንሓሳረ-መከራ ክትግልብጦ።

መስከረም ቅሚጦ
ናትኪ ትሕዝቶ
መርዓት’ኳ ትፈልጦ
እታ ሓፋር ጓል ኩስቶ
ትስለሞ ትውቀጦ።

ንኣኺ ኣሚና!
ትዓኩኽ ሕንጦ
ኣርኩብ ሓንዳይ ክትጻወቶ
ነ’ዛሒት ብኣዛሒት ትቕጥቅጦ።

መስከረም ዓውዲ
ንኣኺ ሒዙ!
መሊኡስ ይተርፍ መኣዲ
ይጽረግ መንገዲ
ክንቀሳቐስ ንግዲ
ከተማ ምስ ዓዲ።

መስከረም ምህርቲ
ንኣኺ ኣሚኑ
ይዕጸድ ዘራእቲ
ይኹመር ንዳእቲ
ይሕለባ ኣሓውቲ
ይሕሎ ሕዛእቲ
ይመውቕ ኣባይቲ።

መስከረም መጎጎ
ሕምባሻ ምስ ጎጎ
ጠዓመት ብኣጅቦ
ኩሉ ይጸግቦ።

ዓዊል ምስ ጸጎጎ
ቆቛሕ ምስ ብርኒጎ
ንኹሉ ይረኽቦ።
መስከረም ወሓለ
ተናግፊ!
ካብ ጸልማት ካብ ሓምለ
ትዕድሊ ብርለ
ስርሕ ንዝወዓለ
ሩፍ ምስ በለ
ኣምላኹ እናመስገነ
ትስስዪ!
ሓዲሽ ዘይወዓለ
ትምግቢ!
ውዑይ ዘይዘሓለ።

መስከረም ጸሓይ
ዕረፍቲ ንብዕራይ
ጥራዝ ንተመሃራይ
ዕምባባ ንሰኣላይ
ጡጥ ንኣላማይ
ሽሻይ ንለማናይ
ፍስሃ ወሰናይ
ንላዕላይ ንታሕታይ
ብዘይ ኣፈላላይ።

ንኣይ ዝገርመኒ
እዛ መስከረም ናይ ሎሚ
ንሳ’ድያ ከምታ ናይ ዓሚ
እንድዕ’ላ!
ትጠራጠር ተዕነኒ
ትፈላሊ ትመሚ
ትመስል ቂሐ-ጽልሚ
ንሓደ ተጽግብ ንኻልእ ተጥሚ
ንሕንቲ ተስሕቕ ነ’ዳነኣ ተድሚ።

ኣበ’ሎኺ መስከረም
ንስኺ’ውንዶ!
ክትበሃሊ ደሊኺ ናይ ቀደም።

መስከርም ስየ
ንኣኺ’ኮ እየ!
ንኣኺ ዝደለየ
እናሃለኸ እናጎየየ
እናበኸየ እናጎሃየ
ዘይመበልኺ ሃየ
እዋን’ድዩ ሰብ ዘይጠዓየ
ንፋስ’ድዩ ባይቶ ዘይቀርዓየ።

መስከረም ቀውዒ
ሃየ’ባ ሽግ ወልዒ
ባይቶ’ንዳባ ኣብርሂ
ክእከቡ ወራዙት ንወግዒ
ክዝትዩ ብገርሂ
ኣብ’ቱ ጎሎጎል ኣብ’ቱ ጸግዒ
ኣብ’ቱ ሳዕሪ ኣብ’ቱ ለምዒ
ክማጎቱ ከናድዩ ፍትሒ።

እወ!
ኣባትሮም ኣጸጊዖም
ነጸላ ተወንዚፎም
በዓል-ዓቢ ተላቢሶም፣
ስጋይ-ስጋኻ
ትዓቢ ንስኻ
ምሁር እንዲ’ኻ
ኣይዛረብን ቅድመኻ።

ኣይፋል!
ትሕሾ ንስኻ
ወድቶም ዓበይቲ እንዲ’ኻ
ወስ ደኣ በል ግደኻ።

ይበሃሃሉ!
ብቛንቋ ይዝትዩ
ይሽምግሉ ይዳንዩ።

ብኡሳት ይዓርቁ
የዋሕሱ የዋስቡ
መናበሪ የርቅቑ
ተሰማሚዖም የጽድቑ
ከይጠሓስ የጠንቅቑ
ኣብ መስርሕ ይቋየቑ
ምስ ወድኡ ይስሕቁ
ብሓባር ይምረቑ።

ኣበ’ሎኺ መስከረም!
ጠፊኦምዶ ተደፊሮም ዓበይቲ
ዋሕሰ-ግብእ ኣትከልቲ
ንመሰል ንርስቲ
ንመቓብር ንጉልቲ
ንታቦት ቅድስቲ
ኣይንገድፍን በሃልቲ።

መስከረም!
እንተ’ሎኺ ከም ቀደም
እስከ ንተኣከብ
ሆየ! ሆየ! ንበል
ዓደቦ’ና ንኹለል
ሽግ ኣንዲድና ሓዊ ንስገር
ንቡር ክምለስ ሓቢርና ንማህለል።

  “ዓመት ንዓመት የድግመና
   ዕለት ከም ዕለት የስግረና
   ንዓመታ ከም’ዙ እዋን ደሓን የጽንሕና።”

ንጻወት ንድረፍ

“ዮሃንሰየ ኣቶ ኣብሪህዋ ንባይቶ”
“ሓንሰይ መስቀለይ ጥቓ ጥቓ
ሃበኒ ሽቶለይ ክዕጠቓ።”

መስከረም ቦኽሪ
በዓል በረምበራስ በዓል ፊተውራሪ
ተማሊኦሞ’ድዮም እቲ ዕሊ
እቲ ባህሊ መናበሪ።

መስከረም ምድሪ!
ክንዲ ንገዛ ንበረኻ
ምፍልላይ ምስ ደቅኻ
ትስጎግ ካብ እንዳኻ!
ወይለይ!
ተማሊኦሞ’ዶ ዳጌት
በዓል ራኣሲ በዓል ደግያት
እዙ ኹሉ ኣውያት እዙ ኹሉ ብኽያት
ሓሊፉ ዓዲ-ግራት
ጸሚሞም ቀላያት።

በዚሑ ቁዘማ
ኪኖ’ትሩብሊ በጺሑ ሮማ
ደቂ ስኞራ ደቂ ማማ
መጽሓፍ ሙሶሊኒ ገንጺሎማ
ንኤርትራ ዳግም ፈቲሾማ
ነ’ስመራ ገግዮማ
እታ ዋና ዓሰብ ማሳዋ
ደቀምሓረ ማይድማ
ኣቑርደት ሃረንድዋ
እዚኣ!
ኣይኮነትን ከምታ ናይ ፕሪማ
ትብል ኣላ ፈረንጂ ተገሪማ።

ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...