Sacttism - ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ተስፋ ሚሊዮናት ዝመጸዉ ቢሊዮነራት 
(ቁጠባዊ ኣምራት)

ክቡራት ተኸታተልቲ!

1ይ ክፋል

ከም መቐጸልታ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክፍንወልኩም ዝሓሰብኩዎም ጽሑፋት፡ ካብ ሎሚ ጀሚረ ድማ፡ ንቑጠባ ሃገርን መዓላ ጸጋታትናን ዝምልከቱ፡ ብዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣምራትን ዝተሰነዩ ጽሑፋት፡ ከቕርበልኩም ኢየ፡፡ ብፍላይ ንጸጋታት ሃገርናን መዓልኦምን ዝምልከት፡ ንዓመታት ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ሕቡእ መስርሕ ኢሳይያስ ብጭብጥታት ተሰኒዩ ናብ ቃልዕ ክወጽእ እዩ፡፡

 

ኣብ ናይ 1994 ቻርተር፡ ንቑጠባዊ ዉጥናት “መጻኢ መንግስቲ ኤርትራ” ኣመልኪቱ፡ ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት፡ እቲ ቀንዲ ሓሳብ፡ “ዕላማ ሰውራና ሃገራዊ ናጽነት ጥራይ ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመስረተ፡ ቁጠባዊ ምዕባሌ ምፍጣር ውን ኢዩ” ብምባል፡ እዚ ዕላማ ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል፡ ኣብ ሃገርና “ድሌት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርውን፡ መነባብሮ ዘመሓይሽን፡ ኣብ መላእ ሃገር ምዕሩይ ዝርገሐ ዘለዎ፡ ብሕግታት ዕዳጋ ዝሰርሕ፡ ግላዊ ወፍርን ተበግሶን ውድድርን ዘተባብዕ፡ ዝተመዛዘነ ቁጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ፡ ቁጠባዊ ስርዓት ክህነጽ ኢዩ” ዝብል ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ ብሰነ ቑጠባዊ ኣምር ክረአ እንከሎ “ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈኖ” ቁጠባዊ ስርዓት ማለት እዩ፡፡

ብዓይኒ ሓቂ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ኩናት ዝነበረት ሃገር፡ ናጻ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ናጽነታ ዘውሕስ ቀንዲ ዕማም “ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕንወታ ናይ ምሕዋይ” ኣጀንዳ፡ ካብ ቀዳምነታት ቀዳማይ ክስራዕ ዝግበኦ እዩ፡፡ ህዝብና እውን ንዘመናት ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኪኖ ናጽነት ቁጠባዊ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ እዩ፡፡ ቁጠባዊ ዲሞክራሲ ማለት፡ ብሓጺሩ ምዕባለ ናይ ህዝቢ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ ምስፋን ማለት እዩ፡፡ ብመንጽር እዚ “ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሶ፡ ቁጠባዊ ዲሞክራሲ ምህናጽ” ዝብል ኣምራት፡ ቁጠባዊ ቻርተር 1994 ብግብሪ ምስ እንምርምሮ ከምቲ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝወረደና ደልሃመት ኣብ ቁጠባና ውን ክሳብ ምንታይ ከም ዝሳዕረረ ይበርሃልና፡፡

  ፈለማ፡ እቲ ኣብ ወረቓቕቲ ህግደፍ ጥራይ ዝተረፈ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ፡ “ምስፋን ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፍትሒ”፡ ብሳይንሳዊ ጭብጥታት ብምድራኽ ምስ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቡጥ ቁጠባዊ ኩነታት ብምንጽጻር ንርኣዮ፡፡

“ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፍትሒ” ማለት፡ ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን፤ ርኹባትን ስኡናትን፤ ዘሎ ጋግ ቁጠባዊ ዕድላትን ሃብትን ንምጽባብ፤ ንኹሎም ዜጋታት ምዕሩይ ቁጠባዊ ዕድላትን ርትዓዊ ኣከፋፍላ ሃገራዊ ሃብትን ምርግጋጽ ማለት ኢዩ፡፡ “ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፍትሒ” ማለት ማእከላይ ዕላምኡ፡ ድሌት ህዝቢ ንምርዋይ፡ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣምር ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ገጠርን ከተማን፡ ማእከልን ወሳናወሰን ዘሎ ጋግ፡ ምዕባለ ንምጽባብ፡ ምዕሩይን ርትዓዊን ዝርገሐ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ኣብ መላእ ሃግር ምርግጋጽ ማለት ኢዩ፡፡ እምበኣር ከስ ካድራት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ “ቑጠባዊ ማሕራበዊ ፍትሒ ክነረጋግጽ ኢና” ክብሉ እንከለው፡ ነዞም ኩሎም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ረብሓታት፡ ኣብ ኤርትራ ክነረጋግጽ ኢና ማለቶም ኢዩ፡፡ እንተኾነ ብሰንኪ ገባቲ ባህሪያት ኢሳይያስን ግስሩጥ ምሕደርኡን፡ ንዓና ንኤርትራውያን ግን እዞም ረብሓታት ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣይቀደውናን፡፡

ንሕና ከም ኤርትራውያን ብመንጽር ዘሕለፍናዮ፡ ናይ መግዛእትን ጭቆናን ታሪኽ፡ ዋላ ኣብ ኤርትራ ገነታዊ (utopian) ሕ/ሰብ ንምኻን እንተዘይተበገስና፡ ብውሑዱ ካብ ስእነት ሕማምን ድንቁርናን ዝተገላገለ፡ ንሰብ ዝበቅዕ ህይወት ዝመርሕ፡ መነባብርኡ ዘመሓይሽ፡ ጻማ ራሃጹ ዝረኽበሉ፡ ብዕዮኡ ዝኸብረሉ፡ ደቁን ደቂደቁን ከኣ ዝሓሸ መጻኢ ዘለዎም፡ ፍትሓዊ ሕ/ሰብ ዝፈጥር ፖሊሲን መሪሕነትን ክህልወና ይግባእ ኔሩ፡፡

እዚ ምስ ዘይከውን እዩ፡ እቲ ብነዊሕ ኩናት ዝዓነወ ቁጠባና ከይሓወየ፡ ብሰንኪ ኩናት መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታትና፡ ምስ በሰለኦም ካልእ ዘይርህው ዘመን ክቖጽሩ ዝኽእሉ፡፡ ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንድሕሪት ዝተሃንጸ ቁጠባ ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎ ምንዮትን ክውንነትን ዘሎ ጋግ፡ ዚያዳ ገፊሑ ናብ ኣዚዩ ዘስክፍ ደረጃ ክጥሕል ዝበቓዓሉ ቀንዲ ምኽንያት ምግባትን ጎበጣን ዝመለለይኡ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ እዩ፡፡

ግደ መንግስቲ ኣብ ቁጠባ ሃገር

ናይ ዝኾነት ሃገር መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገር ርኡይ ለውጥታት ክፈጥርን፡ መነባብሮ ዜጋታት ከመሓይሽን ዘኽእል “ቅዱስ” ዕላማ እንተሃሊይዎ፡ ግዲኡ ከነጽርን ከፍልጥን ይግባእ፡፡ ግደ መንግስቲ ኣብ ቁጠባ፡ “ቁጠባዊ ምዕባለ ዝረጋግጸሉ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር፡ ብቑዕ ስትራተጂን ፖሊሰን ብምቕራጽ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሃገር ክበራበር፡ ርትዓዊ ኣጠቓቕማ ባህሪያዊ ከባቢን ሃብትን ከረጋግጽ”፡ ምግባር እዩ፡፡

ግደ መንግስቲ ዕዙዝ ክኸወን ምቕባል ማለት፡ ብኹሉ መለኪዒታት ብመንግስቲ ዝተዓብለለ ቁጠባ ክህሉ ምቕባል ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተዓዘብናዮ መንግስታዊ ግደ ኣብ ቁጠባ ግን፡ “ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዕብለላ” (Pure Monopoly) ዝተመስረተ ጥራይ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ “ቁጠባ ኤርትራ ብመንግስታዊን ግላዊን ክፋላት ዝቖመ ሕውስዋስ ቁጠባ (Mixed Economy)፡ ናይ ትእዛዝ ቁጠባ (Command Economy) ዘይኮነ፡ ናይ ዕዳጋ ቁጠባ (Market Economy) ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ እዩ ተበጊሱ፡፡ እቲ ናይ ዕዳጋ ቁጠባ ዝበሃል ኣምር፡ ብቐንዱ ግላዊ ትካል ከሕይልን መሪሕ ተራ ክጻወትን ዝፈቅድ፡ ንመንግስቲ ውን ግቡእ ባይታ ከጣጥሐሉ ሓላፍነት ዘስክም እዩ፡፡ ህግደፍ ከም ህግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ ዝወጸኣሉ ናይ 1990ታት መድረኽ ግን፡ ይትረፍ ዶ ምትብባዕ ግላዊ ክፋል፡ ኣብ መንጎ ሰልፍን መንግስትን ዘሎ ርክብን ኣፋላላይን እኳ ንኽትርድኦ ዘጸግም ኮይኑ፡ ኣዚዩ ጥቡቕን ምእኩልን ናይ እዚ ቑጠባ (Command Economy) እዩ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ፡፡

ነዚ ዘይፍትሓዊ ዕብለላ ምኽኑይ ንምግባር፡ ፈለማ “ንብረት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ፡ ዳግማይ ክውደብን ክነጥፍን “ርትዓዊ መኽሰብ” ብምርካብ ኣብ ህንጻ ሃገር መሰረታዊ ኣበርክቶ ንምፍጣር” ብዝብል ምስምስ ናብ ዕዳጋ ዝኣተዋ ትካላት ህግደፍ፡ ቀስብቐስ ቁጠባ ሃገርና ብምብሓት ባህሪያዊ ጸጋታት ብምጉሕጓሕ፡ ሃገር ብሃገራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓብላሊ ሰልፊ ክትቅፈድ ተገይራ እያ፡፡ መብዛሕትአን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ብምህዞ ዝተጠመቕኦ፡ “ናይ ሓባር ወፍሪ” ዝብል ኣስማት ዋላ እንተሃለወን፡ ብግብሪ ግን፡ ብፍቕዲ ብዝቑጸሩ እሙናት መዳኸርቲ ኢሳይያስ ዝውነና፡ ብሕታዊ ኩባንያታት እየን፡፡ እተን ፈቐዶ ኣንጎሎታት ዝተደኮና፡ ማእለያ ዘይብለን ናኣሽቱ ሓዲግና፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት፡ ቁጠባ ሃገር ሙሉእ ብሙሉእ ዝበሓታ ትካላት ህግደፍን ምንጪ ኣታዊታትን ምስ እንፈቅድ፡ ህግደፍ ካብ መሸጣ ፈሓም ክሳብ ዓበይቲ ሃገራዊያን ትካላት ወኒኑ ዝርከብ፡ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ንግዲ ዝነጥፍ እንኮ “ሰልፊን መንግስትን” ምኻኑ ይበርሃልና፡፡

ብሓፈሻ ንርብዒ ዘመን ኣብ እንግዳዕ ሃገርና ዝተኾየጠ፡ “ግዝያዊ መንግስቲ” ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ እንኮ ሰልፊ ህግደፍ ዝውንኖም ትካላትን፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ዓውድታት ቑጠባ ዝነጥፉ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ግዳምን ውን መሓውራት ዝዘርግሑ እዮም፡፡ ንኣብነት

  • ኩባንያታት ህንጻ፡ (ሰገን፡ ሮዳብ፡ ገደም፡ ሃንገር፡ ምኹዓት ማይ ማዕድን፡ ኣስቤኮ፡ ጀዴክ ) ኣብ ሃገርና ዳርጋ ኣብ ኩሉ ህንጻዊ ጽላታት ማለት ኣብ ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ፡ ካፊተርያ፡ ደርሚቶሪ፡ መኻዚኖታት፡ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ወትሃደራዊ መዓስከራት፡ ኮለጃት፡ ሃንገራት፡ ጽርግያታት፡ ዲጋታት፡ ቀረብ ሕጡብን ጃያን፡ ቢንቶታትን ስርሓት ሕርሻን ክሳብ ምኹዓትን ምድልዳልን ድፋዓት ዝነጥፋ መብዛሕትአን ኩባንያታት ናይ ህግደፍ እየን፡፡
     
  • ትካላት መጓዓዝያ፡ ናይ መጓዓዝያ ምድርን ባሕርን ትካላት ውን ብህግደፍ ዝተብሓታ እየን፡፡ ንኣብነት ኣብ ትሕቲ መስመር ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ዝርከባ ኩለን መራኽብን ጀላቡን ከምኡ ውን ትራንስሆርን ዝተብሃለ ክሳብ 350 ዓበይቲ መካይን ዝውንን ትካል ትራንስፖርት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት “ብጓይላን ደበላን” ተሰኒየን ብስም መንግስታዊ ጋራዣት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዋ ዝተፈላለያ መካይንን ማሽነሪታትን ኩለን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝጥርነፋ እየን፡፡
     
  • ትካላት ፋይናንስ፡ ንግድን ኣገልግሎትን፡ ዋላ ኣብ ርብዒ ዘመን መግዛእቲ ህግደፍ ዝረኸብናዮ ኣገልግሎት እንተዘይሃለወ፡ እተን ዝርካበን ፊናንሳዊ ትካላት እውን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝውነና እየን፡፡ ካብ ዓምበርበብ ጀሚርካ ክሳብ ጋራዥ ፈንቅል፡ ኤረ ኤኩብ፡ ኣከፋፋልቲ ድኳናት ሕድሪ፡ ትካል እዋን፡ ቀረብ መካይንን ማሽነሪታትን፡ ጽገና ማሽነሪታት፡ ኤረ ቴክ፡ ንግዳዊ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09)፡ ቀረጽ ናጻ ማእከል (Free Zone)፡ ኤሪሶክ፡ ማርጋረን፡ ማሕተም ሳቡር፡ ኖቫስ ሳስብረ፡ ባንኪ ኣባይትን ንግድን፡ ሂንቦል ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ምውህላል ወጻኢ ሸርፊ፡ ሕርሻታት ዒላበርዕድ፡ ጸባን ውጽኢት ጸባን፡ መፍረ ከብትን ሓሰማን፡ ኣግሮ ኢንዱስተሪታት ኣለቡ፡ ኣስመራ ፍላዎር፡ ሕርሻን መፍረን ዘይሕጋዊ ዕጻፋርስ (marijuana & cannabis)ከባቢታት ፍልፍል ሰሎሙና፡ ፎርኖ ባኒ፡ ሆቴላት ሮያልን ኣስማራ ፓላስን፡፡
     
  • ካብ መሸጣ ወደብ ዓሰብን ልፍንቲ ሃገራት ከልጅን ዝርከብ ብኣማኢት ሚሊዮናት ዝቑጸር እቶት ናይ ወጻኢ ሽርፊ ውን ናብ ኣብ ወጻእ ኣብ ዝርከብ ናይ ህግደፍ ባንክ ኣካውንት ኣታዊ ዝግበር ኢዩ፡፡
     
  • ካብ ሊዝ መሸጣ ዳህላክ (ንመንግስቲ ቀጠር) ዝተረኸበ ገንዘብ እውን መንግስቲ ቀጠር ናብ ህግደፍ ዝለኣኾ ኢዩ፡፡
     
  • ካብ መሸጣ ጸጋታት ባሕሪ (ምግፋፍ ዓሳ፡ ሕርካ፡ ሕድራን ጽፍሪ ዓሳን) ብኮ/ል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ኣቢሉ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝለኣኽ እዩ፡፡
     
  • ካብ ማእለያ ዘይብለን ማሕዩራትን ቤት ማእሰርታትን ብዝተፈላለየ ምስምስ ማለት ብዋሕስ፡ ብምህጋር፡ ብምፍርራሕ፡ ብምምንጣል ዝርከብ እቶት ውን ብተዘዋዋሪ ናብ ህግደፍ ዝበጻሓሉ እዋናት ኣሎ፡፡
     
  • ብስም “ብርኪ” ካብ ዝተፈላለዩ ብሕታዊ ትካላት ዝርከብ እቶትን ኣብ ኤምባሲታትን ቆንስሊያታትን ብስም “ማዕከን መሰሰኒ ሰማእታት”፡ ካብ ምሕዳስን መሸጣን ፓስፖርት፡ “ምድያፍ ቆልዑት”፡ ካብ መሸጣ መንነትን ወረቐታዊ መሳለጢያታትን፡ ካብ 2 ሚእታዊትን መሸጣ ኣጽዋራት ራሻይዳን ዝርከብ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊን ብዲፕሎማቲክ ፖች ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎታት ውን መዓልኦም ናብ ህግደፍ እዩ፡፡ (ንኣብነት ካብ ስዑዲያ ጥራይ ብሰገን ገብረሃንስ ትበሃል ተቐባሊት ገንዘብ ቆንስል ጅዳ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 12 ሚሊዮን ሪያል ዝኸውን፡ ብስም ሓጎስ ኪሻ ናብ ዝተኸፍተ፡ ኣብ ጀርመን ናብ ዝርከብ ባንኪ፡ ንዓመታት ክስደድ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ ድሕሪ እገዳ፡ ብሓሙሽተ ናይ ባንኪ ኣካውንት ቁጽርታት፡ ኣብ ስዑዲያ ናብ NCB ዝተብሃለ ባንኪ ክኣቱ ዝጸንሐ፡ ናይ ወጻእ ሸርፊ ስም ተለዊጡ ብሓንቲ ኣካውንት ናብ ናይ ሆላንድ ባንኪ ብስም የማነ ገብረኣብ ኣታዊ ይግበር ኣሎ፡፡
     
  • ካብ ትካላት ዕደና (ኣብ መፍረ ናይ ዝርከቡ ዕደና ወርቂ ቢሻን ዛራን ከምኡ ውን ብባህላዊ ዕደና ካብ ሓረስቶት ዝህገር ወርቅታትን ካልኦትን ውን ብህግደፍ ዝውነን ኢዩ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ሙሉእ ብሙሉእ ሃገራዊ እቶትን ጸጋታትን ቢሒቱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንነፍሰወከፍ ጸጋታትን መዓልኡን ድማ፡ ኣዚዩ ብዝተሓላለኸ ናይ ጸጥታን እሙናት ኣገልገልትን መሓውራት ብምዝርጋሕ፡ ክቆጻጸሮ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ንባህሪያዊ ጸጋታትና እንዳመዝመዙ፡ ንርብዒ ዘመን “ተስፋ ሚሊዮናት ዝመጸው እቶም ቀንዲ ቢሊዮናራት” ከኣ ባዕሉ ኢሳይያስ ዘሰወዶም፡ ሓጎስ ኪሻን፡ የማነ ገብረኣብን እዮም፡፡ ብዙሓት “ደቂ ገርሂ ልባ” ኢሳይያስ ሕሳር ካምቻ ለቢሱ ብሰንደል ጫማ ክንቀሳቐስ ክርእይዎ እንከለው፡ ብደሞዙ ዝመሓደር “ምስኪን ኣገልጋሊ ሃገር” ይመስሎም እዩ፡፡ እንተኾነ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ሽርሕን ጉርሕን ኢሳይያስ ኣጸቢቑ ንዝፈልጥ ሰብ፡ ይትረፍ ዶ ብደገ ዝካየዱ መናውራታት፡ እቶም ብኸውሊ ዝካየዱ ኣነዋሪ ተግባራት ውን ኣይክስሕቶን፡፡

እቲ ንኣስመራ ጥራይ “ኣጸባቢቑ” ዝወጸ ዝመስለና መግዛእቲ ኢጣሊያ ውን፡ ክሳብ 1940 ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ዘቖሞም ትካላት ምስ እንዕዘብ፡ 642 ትካላት ህንጻ፡ 728 ፈኮስቲ እንዱስቱሪታትን፡ 2,198 ትካላት ንግድን ከምዝነበራ ታሪኽ ይሕብር፡፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ (ሃይለስላሰን ደርግን) እውን፡ ቁጽሩ ዘይወሓደ፡ ትካላት ንግድን ኢንዱስትሪን ከምዘረከቡና ታሪኽ ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ፈለማ በቲ ዝተረኸበ ዓወታት ዝሰኸረን፡ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ተሓንጊሩ፡ ዘይስሩዕ ቁጠባ ክሃንጽ ዝተመነየ ኢሳይያስ፡ ብወትሃደራዊን ኣምባገነናዊን ባህሪያቱ፡ ዘይተደለየ ተጻብኦን ኩናት ኣንጻር ጎረባብቲ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ከፊቱ ቁጠባ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ክጥሕል ገይርዎ እዩ፡፡ ቁጠባ ሃገር ናብ ድቕድቕ ጸልማት ጢሒሉ ኣብዝቐጸለሉ ህሞት ኣታዊታት ህግደፍ ግን ይሃጥር ኣሎ፡፡

ኢሳይያስ ብኩናት ኣመሳሚሱ፡ ምስ ቁጠባና ዘይዳረግ ኣመና ገዚፍ ወትሃደራዊ ሓይልን፡ ጸጥታዊ ትካላትን ብምህናጽን፡ ኣፍራይ ሓይሊ ዝኾነ ምንእሰይ ብምዕስካሩ ሃገር ብሃገራ ናብ ወትሃደራዊ መዓስከር ለዊጡ፡ ብኣማኢት ሚሊዮናት ዝግመት ሃብቲ ሃገር ብምዕናው፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ከቢድ ስምብራት ገዲፉ እዩ፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ “ምልክነት” ኣብ ዝተለወጠሉ ድሕሪ 2000 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ከኣ፡ ሃገራዊ ባጀት ዘይፍለጠሉ፡ ኣታዊታትን ወጻኢታትን መንግስቲ ዕላዊ ዘይግበረሉ፡ ኢዲትን ቁጽጽርን ዘይሕሰበሉ፡ ቁጣባዊ ፖሊሲ ዘይብላ ብፍቕዲ ኣዳኸርቲ እትምራሕ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትምስረት ገይሩ እዩ፡፡

“ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኻሓደ ብሴፍ” ኣብ ዝኾነሉ ኢሳይያሳዊ መድረኽ፡ ንቑጠባዊ ምሕደራን ኣተኣላልኡን ዝምልከት ስክፍትኦም ዝገለጹ ዉሑዳት ዜጋታት ውን ኣይተሰኣኑን፡፡ ክሳብ 2014 ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ካብኣቶም ሓደ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ክንሱ፡ ኣታዊታት ቢሻን መሸጣ ባሕርን ስለ ዘይተሓበሮ፡ ብኢደ ዋኒኑ መዝነቱ ብምሕዳግ ተባዕ ስጉምቲ ወሲዱ ኢዩ፡፡ ገለ ተባዓት ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ማዕረ “ንምንታይ ኣታዊታት ወርቂ፡ ባሕርን ክራይ ወደብን ንህዝቢ ዘይሕበር?” ብምባል በዳህቲ ሕቶታት ዋላ እንተልዓሉ፡ እቲ ልሙድ ህግደፋዊ መልሲ ግን፡ “ እዚ ናይ ግዳም ሓይልታት ብኮ ክረኽቡ ዘበጋግስዎ ሕቶን፡ ዝኾነ ዘይሰለጦ ወይ ውን ከም ድላዩ ክብሕት ዝደሊ፡ ዝዛረቦ ጭብጢ ዘይብሉ ዘረባ እዩ” ዝብል እዩ፡፡

ካልእ ይትረፍ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዳያእ ኣል-እስላሚያ ዝተበጋገሰ ተቓዉሞታት፡ ህግደፍ ብሚ/ሪ ትምህርቲ ተኸዊሉ ክትግብሮ ዝወጠኖ ብስም “ብርኪ” ዘተኣታተዎ ቁጠባዊ ዕብለላ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ሃይማኖታዊ ትካላት ውን ኢዱ ብምትእትታው ኣታዊታት ክምእርር ብዘውጽኦ ሓዱሽ መምርሒ ዝተበገሰ ኢዩ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ምስ ኣታዊታት ዕደና ወርቂ ዛራ ብምትእስሳር፡ ብጭብጥታትን መርትዖታትን ዝተሰነየ ሰነዳት ቁጽሪ ናይ ባንኪ ኣካውንት፡ ፊናንሳዊ ዑደት ኣታዊታት ዛራ፡ ምስ ህግደፍ ምትእስሳር ዘለዎም ወጻእተኛታት ብዝርዝር ዘቕርበልኩም ኮይኑ፡ ህግደፍ ኣብ ምዕናው ቁጠባ ሃገር ዘስዓቦ ኪሳራ ብምትንታን፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሕን፡ ንኣህጉራዊ ትካላትን ዝጠቅም፡ ተለቃቢታት ክዝርገሓልኩ ኢየ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ እዋናዊ ኩነታት፡ ንህልው ኩነታት ተምሃሮ 29 ዙርያ ዝምልከት ሓበሬታ ውን ክፍንወልኩም ኢየ፡፡

 

…….ይቕጽል