Sacttism - ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ብሃለፍታ ዝቐዝፋ …ሕጊ-ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ

(ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ)

6ይ ክፋል

ብኢሳይያስን ዕሱባቱን ዝፍጸሙ ጠንቂ ናይ ኩሎም ዓይነት ግፍዕታትን ገበናትን፡ ኣብ ሃገርና ቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን ስለ ዝተጨወየ እዩ። ን27 ዓመታት ዝቐጸለ ጎናጻዊ ኣታኣላልያ ውን ሳዕቤን ናይዚ መሰረታዊ ርግጸት ቅዋም እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ሃገርና ሕግን ልዕልና ሕግን ተጎሲዩ፡ ብምልኪን ጎነጽን ዝተዓብለለ፡ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይሕሰበሉ፡ ኣንጻር ክብርታት ወዲ ሰብ ዝቖመ፡ ብኢሳይያስን ሒደት ወትሃደራውያን መኮናንትን ዝዝወር፡ ዝንቡዕ ኣገባብ ፍርድን ፍርዳዊ መስርሕን ተኸሲቱ’ዩ።

ልዕልና ሕግን ስርዓትን፡ ኣብ ዝሰፈነለን ሃገራት ዓለም፡ ጥሕሰት ሕግን ቀይዲ በተኽ ዝንባለታትን፡ ብሲቪላዊ ኣገባብ፡ ብኣካላት ፍትሕን ፖሊስን እዩ ዝዕመም። ብርግጽ ኣብ ሃገርና ውን ብኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ዝእዘዝ ኮሚሽን ፖሊስ፡ ከምኡ ውን ብወ/ሮ ፎዝያ ሓሽም ዝምራሕ ሚኒስትሪ ፍትሒን ኣሎ። ካብ ኮማዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተዘርገሐ፡ ቅርጺ ዘለወን “ኣካላት ፍርዲ” እውን ኣለዋ። ብዓይኒ ሓቂ ግን፡ እዘን ሲቪላውያን ትካላት፡ ብግብሪ ጥር ትብል ጽልዋ ዘይብለን፡ ብጀካ ከም ስርቂ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምጉዳል እምነትን ዝኣመሰሉ ገበናት፡ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ከይነጥፋ ዘይተፈቐደለን ኣካላት መንግስቲ እየን።

ኣካላት ፖሊስን ፍትሕን፡ ብሰብኣዊ ዓቕሚ ሰብ፡ ብጠለባትን ቀረባትን ብምድኻም ኣብ ዕንክሊል ክጥሕላን ትርጉም ኣልቦ ትካላት ንክኾናን ተገይረን እየን። ካልእ ይትረፍ፡ ኣብተን ዝርካበን ኣብያተ ፍርዲ ዝምደቡ ኣባላት፡ ቐለልቲ ገበናት፡ መርሚሮም ፍርዲ ንምሃብ ክሳብ ሕጂ ዝውከስሉ መጻሓፍትን ሰነዳትን”ውን፡ ኣብ እዋን ሃይለስላሰን ደርግን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተዳለው’ዮም። ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት፡ ብቋንቋ ትግርኛን ካልኦት ቋንቋታትን ዝተዳለወ ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጋዊ ሰነዳትን ናይ ሕጊ መጻሕፍትን ዘየዳለወት ሃገር ተሓቒፍና ምትራፍና ካልእ መርኣያ ምልካዊ ባህግታት ኣባጓይላ ኢሳይያስ እዩ።

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስን ኣብያተ ፍርድን ዝተወዝዑ ብዙሓት ተጋደልቲ፡ እቶም ኣብ ሜዳ ኣብ ትሕቲ እንዳ 72 ምስ ጴጥሮስ ሰለሙን ተዋፊሮም፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘስደምም ስለያዊ ስርሓት ዝዓመሙ፡ ገዳይም ተጋደልቲ’ዮም። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ እንዳ 72 ሕዱር ስግኣት ስለዝነበሮ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ፈለማ ዓመታት ብስም ተኽሊጥ ንእንዳ 72ን ሙኩራት ኣባላቱን ፋሕ ክብል ጌርዎ እዩ። ነቶም ኣባላት እንዳ 72 ውን ናብ ፖሊስን ድጓናታትን ፋሕፋሕ ክብሉን ብዝተፈላለየ ምስምሳት ክድስከሉን ገይርዎም እዩ። ሰብ ቅያ ተጋደልቲ፡ ሞስኦም ተረሲዑ፡ ተጠሊሞም፡ ብዕድመን ብሕማማትን ተሃሲዮም ደልዓስዓስ እንዳበሉ፡ ኣብዚ ሕሱም እዋን ውን፡ ሃገርና መዕንደሪት በዓል ጀነራል ፍሊጶስ ኮይና እንዳተዓዘቡ፡ ከም ሰቦም ተረጊጾም፡ ደኒኖም ይነብሩ ኣለው።

ቅዋም፡ ስርዓተ ሕግን ኣግባባቱን፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ኣብ ዘይሕሰባላ ሃገር፡ ቅድም ቀዳድም ናብ ጥሕሰትን ሕጊ ኣልቦነትን ዝሽመም ዓውዲ እንተሎ፡ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ህዝቢ እዩ። ለይትን ቀትርን ከይደቀሰ፡ ንዓመታት “ከይተሓለለ”፡ ንጥፍኣት ኤርትራዊ መንነት ዝተዓጥቐ ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ቅዋምና ነጺጉ፡ ትካላት ሕጊ ኣዕኒዩ ከብቅዕ፡ መጋበርያ ምልካዊ ባህግታቱን መናውሒ ዕምሪ ስልጣኑን ብምኻን፡ ንመሰረታዊ ዕማማት ፖሊስን ፍትሕን ተኪኦም ክዓዩ ዝሓረዮም ድማ፡ ከም በዓል ጀነራል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቱን ብስም “ፍሉይ ቤት ፍርዲ” ዝርቋሕ ትካልን፡ ማእለያ ዘይብለን ቤት ማእሰርታት ብምቋምን እዩ።

ኣብ ስርሓት ሕግን ሕጋዊ መስርሕን፡ ብጀካ ምቅይያር ሓለፍትን ዕሱባቶምን፡ ኣብ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ዝተለወጠ ዋላ ሓደ መስርሕ የልቦን። ኣብ ዞባ ማእከል ክሳብ 2005፡ በዓል ጀነራል ውጩ፡ ቅጫ፡ ወዲሙቁር፡ ወዲወለላን ኮሎኔል እዝራን ህዝቢ የበሳብሱ ኔሮም። ካብ 2006 ጀሚሩ ድማ ብጀነራል ፍሊጶስ ዝምርሑ በዓል ወዲ ከበደ፡ ሚኪኤለ ኢሳቕን ካልኦት መርመርትን ንህዝቢ የበሳብሱ ኣለው።

ኣብዚ ቅንያት፡ ብተኸታታሊ ዝፍንወልኩም ዘለኹ ሓበሬታ፡ ኢሳይያስ መስርሕ ሕግን ልዕልና ሕጊን ንምጥሓስን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ብዛዕባ ዝደኮነን ቤት ማእሰርታት እዩ። ኣብዝሓለፈ ክፋላት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርታት ዓላ፡ ዓዲኣቤቶ፡ ቀሓውታን ፍሊጶስ ዝጎበጦ ሃገራዊ ንዋትን ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ፈነኹልኩም፡ ብዙሓት ኣንበብቲ ደንጺይኩም እዩ። እንሆ ብኢሳይያስ ሙሉእ ዘይጉዱል ስልጣን ዝተዓደሎ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሙሉእ ነባሪ ሓንቲ ዓዲ ዝቐየደሉ ሓጺር ዛንታ ብምቕዳም ናብቲ ናይ ሎሚ መደብ ከስግረኩም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲኻላ እትርከብ ዓዲወደርኪ፡ ብሰንኪ ሓደ ኩብሉል ኣባል ክ/ሰ 84 ብዝተፈጠረ ዕግርግር፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይፈለየ ንሙሉእ ነባሪ እታ ምምሕዳር ዓዲ፡ ክልተ በጣሓት ሊኡኹ ብጃምላ ተሰቒሎም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ክእሰሩ ጌሩ ኔሩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕልፊ ስልጣን ዝተዓደሎ ፍሊጶስ፡ ካብ ዝመርሐን ቤት ማእሰርታት፡ ንሎሚ ድማ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ዝምልከት ሓበሬታ እንሆ።

 

ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ

ኣብ ኣስመራን ከባቢ ኣስመራን ንዝነብር ዜጋ፡ ከባቢታት ማይስርዋ፡ ብሰለስተ ጉዳያት ይፍለጥ። ቀደም ብእንዳ ሕርሻን መናፈሻ ማይስርዋን፡ ካብ ፈለማ 2000 ንደሓር ድማ ብቤት ማእሰርትን ኣሰቃቒ ግፍዕታትን። ብልሙድ ኣጸዋውዓ፡ ኣብ ማይስርዋ ዝተደኮና ቤት ማእስርታት፡ ናይ “ዝረኣዩ”ን ናይ “ዘይረኣዩ”ን ተባሂለን ይምቀላ። ንሎሚ ኣብታ ብ “ዘይረኣዩ” ትጽዋዕ ላዕላይ ማይስርዋ፡ ወይ ከኣ ሸላ ኣድሂበ ሓበሬታ እፍንወልኩም።

ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ካብ ኣስመራ ብኣስታት 6 ኪ/ሜትር ርሕቐት፡ ኣብ ጥቓ ዓዲ ሃብተስሉስ እትርከብ ቤት ማሕቡስ እያ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 18 ዓመታት፡ ፈለማ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ደሓር ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ክትመሓደር ጸኒሓ እያ።

ቀቅድሚ ምቋም ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ ኣብ ፈለማ 2000 ብ“ፖለቲካዊ” ገበናት ንዝጥርጠሩ ዜጋታት ንምቕያድን፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቢሎም ንዝመጹ ፍሩዳትን ብትሪ ንምሓዝ ዝቖመት ቤት ማእሰርቲ እያ። ከም ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ንክልቲአን (ማይስርዋን ዒራዒሮን) ዝሃነጸን ሓላፊ ድማ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጸቕጥታት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኣብ ኢናይል ዝሞተ እሙን ኢሳይያስ ነበር ኮሎኔል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ እዩ።

ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ንምሕላው ዝቖማ ሰቪላዊ ትካላት፡ ኣብ ትሕቲ ስጡም ወትሃደራዊ ትካላትን መኮነናትን ከም ዝኾና ብወግዒ ንምርኣይን፡ ንካልኦትን ንምፍርራህን፡ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ምስተደኮነት፡ ፈለማ ብምስምስ “ኣባላት ማወስ (CIA) ፖለቲካዊ ዕላልን’’ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ውን፡ ሓለፍቲ ኮሚሽን ፖሊሰ ኤርትራ ኔሮም። በቲ እዋን፡ ኣብ ኮንቴኔራት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ዝተኣሰሩ ሓለፍቲ ፖሊስ፡ ኮ/ል የማነ ፍስሃየ (ወዲ ርግኦ)፡ ሌ/ኮ ንጉስ ኣልኣዛር (ችንቶ)ን ኮ/ል ካሕሳይ እምባየ ይርከብዎም።

ክሳብ 2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ማይስርዋ ብሜ/ጀነራል ውጩ ዝተሃንጻ 37 ሸላታት ጥራይ ኔረን። ኣብ 2007 ድማ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 05ን ተወርዋሪ እዝን ምስ ኮነ፡ ተወሳኺ 39 ሸላታት ተሃኒጸን። ዓይነትን ትሕዝቶን ዝተጠርጠረሉ ገበናት መሰረት ብምግባር፡ እቶም እሱራት ኣብ ጸልማት ሸላታት ወይ ድማ ኣብ ኮንቴነራት ይቕየዱ።

ናይቶም “ዘይረኣዩ” እሱራት፡ ጨንፈር ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ዚንጎ ማዕጾ ዘለዎ፡ ብደጊኡ ጽኑዕ ቤት ማሕቡስ ዘይመስል፡ ብሓጹር ኳና ዝተኸበበ፡ ኣብ ውሻጠኡ ሸለታትን ኮንቴኔራትን ዝሓዘ ቤት ማእሰርቲ እዩ። ማዕጾ ሓሊፍካ ምስ ኣተኻ፡ ንኢድ የማን ሓደ ናይ መርመርቲ ገዛ ትረክብ፡ ቁሩብ ምስ ሰጎምካ ድማ ክፍሊ ሕክምና ናይ ተኣለይቲ እሱራት ትረክብ። ድሕሪ ክፍሊ ሕክምና ናእሸቱ ቀጽርታት ሓሊፍካ ንኢድ ጸጋም እቶም እሱራት ዝዳጎንለን 76 ሸላታትን 85 ኮንቴናራትን ትረክብ። ብካልእ ሸነኽ፡ ነተን ሸላታትን ናይ መርመርቲ ክፍልታት ሓሊፍካ፡ ትኽ ኢልካ ምስትቕጽል፡ መንበሪ ኣባላትን ምግብናን ትረክብ። እተን ሸላታት በቢ 6ተን ልዕሊኡን ተላጊበን ዝተሃንጻ ኮይነን ኣቀማምጠአንን ዝተዓደለን መጸውዒ ኣስማትን ድማ ዝስዕብ’ዩ።

- ካብ 1 – 12 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 12 ይጽውዓ

- ካብ 13- 24 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 24 ይጽወዓ

- ካብ 25- 36 ዘለዋ ሸላታት እንዳ 36 ይጽውዓ

- ካብ 37- 42 ዘለዋ ሸላታት እንዳ 42 ይጽውዓ

- ካብ 43- 48 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 48 ይጽውዓ

- ካብ 49- 54 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 54 ይጽውዓ

- ካብ 55- 60 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 60 ይጽውዓ

- ካብ 61 – 66 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 66 ይጽውዓ

- ካብ 67-72 ዘለዋ ሸላታት ብእንዳ 72 ዝጽውዓ ኮይነን ሸላ ቁጽርታት 73፡ 74፡ 75ን 76 ድማ እንዳ 76 ዝብል ሓበራዊ ስም ኣለወን።

ኩለን ሸላታት ብካሳሽስትሮስ ዝተሃደማ፡ ነፍሰወከፈን ክሳብ 2 ብ 2 ሜትሮ ስፍሓት ዘለወን፡ ናይ 30 cm ምስ ማዕጾ ዝለገበት መቐበሊት መግቢ ፊኒስትራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናሕሲ ጸቢብ መንፊት መተንፈሲ ዘለወን እየን። እቶም እሱራት ኣብ መሸማዕ ወይ ከኣ ተንኮበት እዮም ዝድቅሱ። ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ካብ ዒራዒሮ ዘይፍለ ተሪርቲ ሕጋጋት እዮም ዝትግበሩ። ዝኾነ እሱር፡ ብጀካ ንቀልቀል፡ ካብ ውሽጢ እተን ሸላታትን ኮንቴነራትን ክወጹ ኣይፍቀደሉን።

ካብ ምዱብ ሰዓታት ወጻእ እሱራት ደገ ምውጻእ እንተደሊዮም ኣብ ውሽጢ እታ ሸላ (ኮንቴነር) ዝርከብ ቆራዕራዕ ክጥቀሙ ይግደዱ። ዝኾነ እሱር፡ ኣብ ውሽጢ’ተን ሸላታት ድምጺ ክገብር፡ ወይ ከኣ ምስ ኣብ ካልእ ሸላ ዝርከብ እሱር ከዛረብን ከዕልልን ፍጹም ኣይፍቀድን። ኣብ ውሽጢ ሸላ ዝኾነ ዓይነት ወረቐት፡ ጋዜጣ፡ ሬዲዮ፡ ፒሮ፡ ሓጺን ክጥቀሙ ኩልኩል እዩ። ነቶም ብቀጥታ ብጀነራል ፍሊጶስ ዝተፈረዱ ካብ ሰብ ዝተኸወሉ “ዘይረኣዩ” እሱራት፡ ካብ ስድራ ዝመጽእ መግቢ ወይ ከኣ ኮሎኪዮ ክኣትዎም ኣይፍቀደሎምን።

ንሕና ኤርትራውያን ኣዴታትና፡ ኣቦታትና፡ ደቅና፡ ጎረባብትናን መቕርብናን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዘይፈጸምዎ ገበናት ካብ ጥቓና ተሓኒቖም ክውሰዱ እንከለው “ገለ ገበን ተረኺብዎ/ዋ ይኸውን” ምባል ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ዝተምሃርናዮ ካብቶም ስረ ዝፈታሕናሎም ባህልታት ሓደ እዩ። ብዝተፈላለዩ ምስምሳት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተጨውዮምን ተሓኒቖምን፡ ካብ ዝውሰዱ ዜጋታት፡ ናይ ገሊኦም መዕለቢ፡ ኣብቲ ናይ ዘይረኣዩ ሸላታትን ኮንቲኔራትን ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ እዩ። ብናይ ልኡኻት 03 ወፍርታት፡ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ብፖለቲካዊ ገበናት ዝተጠርጠሩ እሱራት ዝቕየዱላ ከም ዝኾነት ተገይሩ ይዕለል እዩ። እንተኾነ ማይ ስርዋ ውን፡ ከም ዓዲኣቤቶ፡ ብኹሉ ዓይነት ገበናት ዝተጠርጠሩ እሱራት፡ ዝዳጎንላ ማእለያ ዘይብሉ ክውል ተግባራት ዝሓቖፈት ቤት ማእሰርቲ እያ።

ኣብ ቀጽሪ ማይስርዋ፡ ብዘይሰማዒ ኣውያት፡ ክሳብ ሕጂ ዝማስኑ ዘለው ዜጋታት፡ ብምስምስ ፖለቲካ፡ ፈተነ ቅትለት፡ ምትህልላኽ ምስ ሓለፍቲ፡ ሓዋላ፡ ኮንትሮባንድ፡ ባህላዊ እምነት፡ ዘይሕጋዊ ዕደና፡ ስግረዶብ፡ ወዘተ ዝተጠርጠሩ’ዮም። ፍርድን ፈራድን ከይፈለጡ፡ ኣብ ቀጽሪ ማይስርዋ ተሰዊኦም ብኸውሊ ዝተቐበሩ’ውን ብዙሓት’ዮም። ቅድሚ ገለ ዓመት ኣቢሉ፡ ተስፋገርግሽ ዝተብሃለ ብስገረዶብ ተተርጢሩ ዝተኣሰረ ብሌናይ (ወዲ ከረን)፡ ብሰንኪ ሕሱም ማህረምትን ሕጽረት ሕክምናን ኣብ ሸለኡ ነቐጹ ዘልዕሎ ስኢኑ እቲ ከባቢ ብጨና ተበኪሉ ኔሩ።

ከም”ቶም ኣብ ዒራዒሮ ዝርከቡ ብጾቶም፡ ትሕቲ ህልዋት ልዕሊ ሙውታት ብምኻን፡ ጸሓይ ብርሃን ዝተሓረሙ፡ ብሰንኪ ሕርቃንን ኣመጋግባን ጋስትራይት ዝገበሩ፡ ብሰንኪ ዛሕልን ሙቐትን መሓውራቶም ዝነቐጾም፡ ብሰንኪ ዶሮና ሕጽረት እስትንፋስ ዘጓነፎም፡ ብሰንኪ ጸልማት ጸገም ዓይኒ ዘጋጠሞም እሱራት፡ ሕጂ ውን ኣብ ቀጽሪ ማይስርዋ ንሞት ይጽበዩ ኣለው። መብዛሕትኦም እሱራት ብሰንኪ ሕሱም ኣተኣላልያን ኣመጋግባን፡ ግዳይ ሕማማት ውጽኣት፡ ብሮንካይት፡ ልምሰት፡ ድኻም ዓይኒ፡ ድኻም መሓውርን ጸገም ኣእምሮን ዝኾኑ እዮም። ብሰንኪ ዝፈጸምዎ ገበን ብዘይግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣሰሩ ገለ እሱራት ዋላ እንተሃለው፡ ኣብ ልዕሊ ሕማማት፡ በቶም ኣባላት ሓለዋ ብቐንጠመንጢ ጌጋታት ብኣባትር ዝስልዑ፡ ፍኒስትራ ዝዕጸወሎም፡ ኦቶ ዝቕጥቀጡ ንጹሃን እሱራት’ውን ብዙሓት’ዮም።

ክሳብ ቀረባ ዓመታትን ኣብዚ እዋንን፡ ኣብ ቀጽሪ ማይስርዋ ተሓይሮም፡ ኣምላኽ ዝዓደሎም ብርሃን ጸሓይ ጩራ ከይሪኡ፡ ብጀነራል ፍሊጶስን ኣሳሰይቱን ዝተሓረሙ፡ ዝርዝር ናይ ገለ እሱራትን ዝርከብሉ (ዝነበርሉ) ሸላታትን ዝስዕብ እዩ።

1. ኮ/ል ኣስመሮም ገብረወልድ (ወዲ ገረወልድ)፡ ሓላፊ ገበን ምክልኻል ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ብጉዳይ በዓል ፍቕረን ሳምሶምን ዝተኣሰረ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 46 ኣሎ። ብጸገም ዓይንን ዝሕታለ መሓውራትን ይሳቐ ኣሎ።

2. ኮ/ል ጎይቶኦም ገብረትንሳኤ (ወዲ በኺት)፡ ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ብጉዳይ በዓል ፍቕረን ሳምሶምን ካብ 2007 ጀሚሩ ዝተኣሰረ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 6 ይርከብ። ብሕማማት ሳምቡእ ምጥላም መሓውር ይሳቐ ኣሎ።

3. ኮ/ል ሰለሙን ብርሃነ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ ብጉዳይ በዓል ፍቕረ ዝተኣሰረ፡ ኣብ ሸላ ኣሎ።

4. ኮ/ል ኢሳያስ ዮሴፍ (ወዲ ዮሴፍ)፡ ምክትል ሓለፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ፡ ብጉዳይ በዓል ፍቕረ ዝተኣሰረ ኣብ ኮንቴነር ኣሎ።

5. ሜጀር ኣስመሮም ኣስገዶም (ባርባ)፡ ሓለፊ መርመርቲ ፍሉይ ገበናት ዝነበረ፡ ብጉዳይ በዓል ሳምሶም ዝተኣሰረ ኣብ ሸላ ኣሎ።

6. ሜጀር ፍረዝጊ ሃብታይ፡ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ሓላፊ ጨንፈር ድራግን ናርኮቲክን ዝነበረ መቕረብ ሳምሶም ወዲ ቀሺ ዝነበረን ኣብ ሸላ ኣሎ።

7. ሜጀር ክብረኣብ ኣብርሃ፡ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ መርማሪ ዝነበረ፡ ብጉዳይ በዓል ሳምሶም ዝተኣሰረ ኣብ ኮንቴኔር ኣሎ።

8. ሜጀር ጎይቶኦም ሰጊድ (ወዲ ቢኒ) ብጉዳይ በዓል ስምኦን ዝተኣሰረ ኣባል እንዳ ጸጥታ (ኣካል ግብረሽበራ ዝነበረ) ኣብ 2012 ተፈቲሑ ንካልኣይ ግዜ “ፈቐዶ ባራት ሃተፍተፍ ክብል ጀሚሩ” ብዝብል ዝተኣሰረ ኣብ ሸላ ኣሎ።

9. ካፒተን ተስፋልደት እያሱ፡ ሓላፊ ንኡስ ጨንፈር ገበን መርመራን መርማሪን ዝነበረ ኣብ ሸላ ኣሎ።

10. ተለንተ ተኪኤ ገብረሂወት፡ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ሓላፊ ምክትታልን ሓበሬታን ጨንፈር ድራግን ናርኮትክስን ዝነበረ ብጉዳይ በዓል ፍቕረ ዝተኣሰረ ኣብ ሸላ ኣሎ።

11. ሰርጌንቲ ኪሮስ ዓንደብርሃን፡ ወኪል ኮሚሽን ፖሊስን ኣብ ካርሸሊ መርማሪን ዝነበረ ኣብ ሸላ ኣሎ።

12. ሳሚኤል የዕብዮ፡ ኣባል ክፍሊ ድራግ ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ ኣብ ኮንቴነር ኔሩ

13. ሳሚኤል ትኩእ፡ ኣባል ክፍሊ ድራግ ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ ኣብ ኮንቴነር ኔሩ፡

14. ተስፉ ዘካርያስ፡ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ነባሪ ከባቢ ገዛ ባንዳ ኣብ ሸላ ቁሪ 52 ምስ ሰለስተ ዲሒሮም ዝተቐየዱ መንእሰያት ኣሎ

15. ተስፉ፡ ብጉዳይ በዓል ፍቕረን ሳምሶምን ዝተኣሰረ ኣባል ሃ/ኣገልግሎትን ኣውቲስታ ሜ/ጀ ውጩን ዝነበረ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 8 ይርከብ

16. ተስፋአለም (ታማኮ)፡ ብጉዳይ በዓል ፍቕረን ሳምሶምን ዝተኣሰረን ንብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝተጠርጠረ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 42 ኣሎ፡

17. ወዲ ሃብተ፡ ዝተብሃለ መራሕ ብርጌድ ክ/ሰ 28 ሰብኣይ ሓፍቱ ንሳምሶን ወዲ ቀሺ፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 76 ንበይኑ ዝተኣሰረ ኮይኑ፡ ካፒተን የማነ ዝተብሃለ መርማሪ ውን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 75 ኣሎ።

18. ዘርኣጋብር ገብረሂወት፡ ምስ በዓል ሳምሶምን ፍቕረን፡ ኣብ ኣታዊን ሰደድን ብዝነበሮም ምትፍናን ተኣሲሩ ኣብ ኮንቴነር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሽቓቕ ክወጽእ ከሎ ብናይ ሰርዲን ዚንጎ መትኒ ኡዱ ቆሪጹ ነብሰ-ቅትለት ክፍጽም ፈቲኑ ኔሩ። ቀልጢፎም ስለዘርከብሉ ናብ ፕሪዚን ዋርድ ተወሲዱ ተሓኪሙ። የማነ ዘርኣጋብር ዝተብሃለ ወዱ ውን ኣብ ሸላ ተኣሲሩ ኣሎ።

19. ተኽለ ኢሳቕ (ወዲ ኢሳቕ) ብጉዳይ ፈተነ ቅትለት ስምኦን ዝተቐየደ ንበይኑ ኣብ ሸላ 71 ኣሎ።

20. ኣስገዶም ዓዲንፋስ ኣውቲስታ ቀያሕታይ ዝነበረ ብተመሳሳሊ ገበን ተጠርጢሩ ንበይኑ ኣብ ሸላ 28 ኣሎ።

21. ጸጋይ ዕቑባይ ዝተብሃለ ኣባል 5ይ ዙርያ መራሕ ሓይሊ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ፡ ቅዩድ ንበይኑ ኣብ ሸላ ኔሩ ኣብ ጥቕኡ ተስፋልደትን ተስፉን ዝተብሃሉ ኣባላት ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ኣለው።

22. ሕሩይ ኣስመላሽ፡ ዝተብሃለ ቅዩድ ንበይኑ ኣብ ሸላ ኔሩ፡ ከምኡ ውን ወናኒ እንዳፌራሜንታ ወዲ በኹረ ካብዞም ክልተ ቅዩዳት ንኢድ ጸጋም፡ ኣብ ትርከብ ሸላ ኣሎ። ብጀካ ብጉዳይ ፍቕረን ሳምሶምን ካብ ዝተቔዱ እሱራት ካልኦት ንምጥቃስ፡

23. ሜጀር ግርማይ ምስግና (ወዲ ምስግና) ብጉዳይ ቤ/ት ማእስርቲ ብድሆ፡ ብናይ ፍሊጶስን ተኽለ ማንጁስን ምትፍናን ዝተቐየደ፡ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ምክትታል ዶባት ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 49 ኣሎ።

24. ወልዱ ዘርኣይ፡ መርማሪ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ዝነበረ፡ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 56 ኣሎ። ኣብ ጥቕኡ እዮብ ዝትብሃለ ናይዛ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ፐርሰኔል ውን ኣሎ።

25. ዑመር፡ ዝተብሃለ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ነባራይ ባጽዕ፡ ብባሕሪ ሰብ ኣስጊሩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ፡ ኣብ ሸላ ቁሪ 53 ኣሎ። ምስኡ ሚሊየን ዝተብሃለ መንእሰይን፡ ኣይናለም ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊን ሓዊሱ ካልኦት 2 መንእሰያት ኣለው።

26. ሰመረ ሰለሙን (ወዲ ዓዲቀይሕ)ን ህንጻ ፍስሃየ (ወዲ ከባቢ ማይምነ)ን ብጉዳይ ስግረ ዶብ ተጥርጢሮም ኣብ ሸላ ቁጽሪ 54 ይርከቡ።

 

27. ሃብተ ተወልደ (ወዲ ዓዲኳላ)፡ ሓበን ጠዓመ (ወዲ ዓዲቀ)፡ በረኸት (ወዲ ማይምነ) ከምኡ’ውን ሓደ ነባሪ ዓዲ ኳላ ዝኾነ ቀሺ፡ ብስግረ ዶብ ተርጢሮም ኣብ ሸላ ቁጽሪ 55 ይርከቡ።

28. ተኽለ መንግስትኣብ፡ ኣባል ክ/ሰ 53፡ ኣቦይ ተስፋይ ዝተብሃሉ ኣቦ (ነባራይ ባረንቱ)፡ ዳኒኤል ራሻይዳ ዝተብሃለ (ወዲ ማይተመናይ)፡ ብርሃነ ዝተብሃለ (ወዲ ዓዲኳላ)፡ ብተመሳሳሊ ብጉዳይ ስግረ ዶብ ተጥርጢሮም ኣብ ሸላ ቁጽሪ 58 ብሓባር ተዳጊኖም ይርከቡ።

29. ዮሴፍ መኮነን (ወዲ ሞኬ)፡ ዝትብሃለ ሓላፊ መጓዓዝያ ሓራት፡ ምስ ሓቢብ ዝትብሃለ “ናይ ተቓወምቲ ሬዲዮ ሰሚዕኻ” ተባሂሉ ዝተጠርጠረ (ወዲ 4 ኣስመራ) መንእሰይን፡ ሚሊዮን ዝተብሃለ ብ”ምሕጻብ” መንቀሳቐሲ ዝተጠርጠረ (ወዲ ባጽዕን) ብሓባር ኣብ ሸላ ቁጽሪ 64 ተኣሲሮም ኣለው።

30. ተስፋለም ምሕረትኣብ፡ ዝተብሃለ ምስ ጀነራላት ብምሽራኽ ዘይተኣደነ ሃብቲ ወኒንካ ተባሂሉ ዝተኣስረ፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 69 ንበይኑ ተኣሲሩ ኣሎ።

31. ዳዊትን ማቲዎስን፡ ዝተብሃሉ ኣሕዋት ብምኽንያት ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ዝተጠርጠሩ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 43 ተኣሲሮም ኣለው።

32. ለገሰ ገብረመድህን፡ (ኢትዮጵያዊ) ኣብ ኣስመራ ፍሉጥ ጠበቓ ዝነበረ ምስ ሳምሶም ወዲቀሺ ርክብ ኔሩካ ተባሂሉ፡ ኣብ ሸላ ዝተኣሰረ፡ ብክቱር ማህረምቲ ብክልተ ሙርኩስ ክኸይድ ዝተገደደ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2018 ፍሊጶስ፡ ዑደት ክገብር እንከሎ ሃንደበት ፍትሕዎ ስለዝበለ ተፈቲሑ እዩ።

33. ተስፋልደት፡ ዝተብሃለ ካብ ዓሰብ ተዓፊኑ ዝመጸ ናይ 90 ተጋዳላይ ኣብ ሸላ “እንዳ 12” ኣሎ። ብተወሳኺ ብዝተፈላለየ ምስምስ ተጠርጢሮም (ተዓፊኖም) ናብ ማይስርዋ ካብ ዝኣተውን፡ ኣብ ጸልማት ሸለታታን ኣብ ኮንቴነራትን ንበይኖምን ብሓባርን ካብ ዝርከቡ እሱራት ገለ ንምጥቃስ፡

34. ወ/ሮ ስላስ ዝተብሃላ ኣደ ምስ በዓልቤተን፡

35. ኣደይ በላይነሽ፡ ዝተብሃላ ካብ ዓሰብ ዝመጻን ኣደይ ኣብርሀት ዝተብሃላ ኣዶን

36. ሰላም ዝተብሃለት ሰርሕተኛ ሰቪል ኣቬሽን ነበር

37. ወዲ ኣስራት ዝተብሃለ ገዲም ተጋዳላይ

38. ኣቦይ ሓዱሽን፡ ደበሳይ ዝትብሃለ ስንኩልን፡ (ፍሊጶስ ብብልሽውና ዝጠርጠሮም)፡

39. ኣቦይ ተስፋስላሰን ኣብርሃም ዝተብሃለ መንእሰይን

40. በሪሁ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ዘለው ኮይኖም፡ ካብ “እንዳ 12” ክሳብ “እንዳ 76” ኣብ ዝርከባ ሸላታት ድማ፡ በዓል ዘካርያስ፡ ወዲ ዓጻኒት፡ ኣሚት፡ ወዲ መሓሪ (ካብ ቤ/ጽ ቀሓውታ)ን ወዲ ዮሴፍ (መርማሪ ዓዲኣቤቶ)ን ተዳጊኖም ኣለው።

41. ሃለቃ በርሀ (ወዲ ዓዲያቆብ)፡ ምስ ፍሊጶስን ኢሳይያስን ጽቡቕ ሌላ ዝነበሮ ፈላጣይ ኮይኑ፡ ኣብ ኮንቴነር ኔሩ። ጥቓ እዚ ፈላጣይ ብምንጻል ጥንሲ ዝተጠርጠራ ኣይዳ፡ ሑሩያ ፡ ዳናይትን ሚካልን ዝተብሃላ ኣዋልድ ኣብ ኮንቴነራት ኣለዋ። ኪኖ እዘን ኣዋልድ ዝርከባለን ኮንቴነራት ድማ፡ ኪዳነ ጎባጥ ዝተብሃለ (መራሕ ሓይሊ ዓዲኣቤቶ)፡ ወዲ ዕምረ ዝተብሃለ (ኣባል ቤት ማእስርቲ ቢንቢና) ሓጂ ሙሳ ዝተብሃሉ (ኣውቲስታ ዓዲ ኣቤቶ)፡ ወዲ ጅኦሜትራን መሓሪ ቢንቶን ዝተብሃሉ ቅዩዳት ኣብ ኮንቴነራት ኣለው።

ካብቶም ኣዚዮም ኣብ ሕማቕ ጥዕናዊ ኩነታት ዝርከቡ እሱራት ሓደ ንልዕሊ 9 ዓመት ዝተኣሰረ ሄኖክ ንዋይ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ እዩ። ሄኖክ ንዋይ፡ መንነት ስድራቤቱ ንምፍላጥ ስድርኡ ከናዲ ናብ ኤርትራ ዝመጸ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፈልጦ ስድራ ስለዘይነበሮ፡ “ናይ ወያነ ሰላሊ” ተባሂሉ እዩ ተዳጊኑ። ብተኸታታሊ ብበዓል ሚኪኤለን ሳንዲያጎን ብሕሱም ስለዝተቐጥቀጠ የማነይቲ እግሩ መሽሚሻ፡ ዓጽሙ ዝተቐልቀለን፡ የማናይ ኡዱ ዝሰንከለን እሱር እዩ። ንበይኑ ኣብ “እንዳ 24” ኣብ ትርከብ ሓንቲ ሸላ ኣሎ። ኣብ ጥቓ እሱር ኢትዮጵያዊ ሄኖክ ንዋይ ኣብ ምዕራባዊ እዚ ስታፍ ስለያ ዝነበረ ሜጀር ተኸስተ ዘውደ (ወዲ ዘውደ) ውን ኣብ ሓንቲ ሸላ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ!

 

ደሃይ እሱራት ንዘይፈልጡ ስድራቤታት፡ ሎሚ ናይ ዝፈነኹዎም እሱራት ዝርዝር፡ ገለ ሩፍታ ከምዝኾኖም ብምእማን፡ ብጀካ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ እሱራት፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ዝተኣሰሩ ኣስታት 12 ዝኾና ኣዴታት ዝርከብኦም 40 እሱራት፡ ሕጂ’ውን ኣብ ሸለታትን ኮንቴነራትን ማይስርዋ ከምዘለው በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረኩም እፈቱ። ከም ኣድላይነቱ ኣብ ቀጻሊ ዝርዝር ናይቶም ዝተረፉ እሱራት ክፍንወልኩም እየ።

ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመሓደራ ቤት ማእሰርታትን፡ ኣብ ካርሸሊ ዝርከቡ እሱራትን፡ ጥዕናዊ ኩነታቶም ምስተጋደደ ዝለኣኹሉ ክፍሊ ሕክምና፡ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ሓሊበት ዝርከብ “ፕሪዚን ዋርድ” ተባሂሉ ድጽዋዕ ጨንፈር እዩ። ኣብዚ ጨንፈር፡ ሓደ “ክፋእ ምስረኣየ” ብወለንትኡ ክሕግዝ ዘፍቀደ፡ ኣሌክስ ዝተብሃለ ራሻዊ ሓኪምን ገለ ተሓጋገዝቲ ሓኻይምን ዘለው ኮይኖም፡ ነቶም ዕለታዊ ተጸይሮም ዝመጽዎም እሱራት ብጀካ ቀዳማይ ረዲኤት ካልእ ሓገዝ ክገብሩ ዘኽእል ቀረባት የብሎምን። ካብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ውን ኣብ ኣዚዩ ተኣፋፊ ጥዕናዊ ኩነታት ዝርከቡ ከም በዓል ወዲ ገረወልድ፡ ዘርኣጋብርን ወዲ በኺትን ዝኣመሰሉ እሱራት እቲ ራሻዊ ሓኪም (ኣሌክስ) ብቕልጡፍ ደገ ሪፈር ክኸዱ ዋላ እንተጸሓፈሎም፡ ጀነራል ፍሊጶስ ግን፡ ካብ ሃገር ከይወጹ ስለዝኸልከሎም ብዘይዝኾነ ፍታሕ ይሳቐዩ ኣለው።

ይትረፍ ዶ ንዓመታት ንመዓልታት እኳ፡ ኣብ ሸላታትን ኮንቴነራትን ማይስርዋ ዝተቐየደ ሰብ፡ ብሓደ ግዜ ናብ ጸማልያ እዩ ዝልወጥ። ጥዕናዊን ኣካላዊን ኩነታት ናይ እቶም ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝተኣሰሩ ዜጋታት ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

እቶም ብዘይፈጸምዎ ገበን ተጠርጢሮም፡ ንልዕሊ 4 ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ ሸላታት ማይስርዋ ዝማሰኑ፡ ኣባላት ራዲዮ ባና ‘ውን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ግዳያት ዝተፈላለዩ ሕዱር ሕማማት ኮይኖም እዮም። ካብኣቶም እታ ደንጊያ ዝተፈትሐት ጋዜጠኛ ይርጋለም ፍስሃየ፡ ብዘጋጠማ ጥዕናዊ ጸገማት ዳርጋ ናይ “ፕሪዚን ዋርድ” ዓሚል ኮይና ነይራ። ኣብዚ ቅንያት ድማ ብምኽንያት “ስርሒት ፎርቶ” ኣብ ካሜራታት ካርሸሊ ካብ ዝተጓሓፉ ሓለፍቲ ዓብደላ ጃብር፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጂዓሊን ካልኦትን ይመላለሱ ኣለው።

ንሕሙም መድሓኒት፡ ንምውት መሬት ዓዲቦ ኣብ ዝተነፈገላ ሃገር፡ ብጀካ ዛንታ ጥፍኣትን ጥልመትን ካልእ ቅያ ምስማዕ ሕሩም ኮይኑና ኣሎ። እንሆ! በዓል ጀነራል ፍሊጶስ ውን፡ ዕለታዊ ሃብቲ ሃገር እንዳጓሕጉሑ፡ ንጹሃት እንዳቀዘፉ፡ ዕምሪ ስልጣን ኣባጓይላ የናውሑ ኣለው። እቲ ጎራሕን ኣዲቢዩ ዝጎብጥ ጨካን ጀነራል ፍሊጶስ’ውን፡ ብጀካ ኣብ ቤት ማእሰርታት ሃንደበታዊ ዑደት ክገብር እንከሎ ዘፍትሖም እሱራት፡ ነቶም ዝተረፉ ዳርጋ ረሲዕዎም’ዩ። ነቶም ዕድል ገይሮም ዝፈትሖም ገለ እሱራት ውን፡ ምስተፈትሑ ክረኽቦም እንከሎ ንብዓት ሓርገጽ እንዳነብዐ መእሰሪ ምኽንያቶም ከምዘይፈልጥ ከምስል እዩ ዝረአ። ካብቶም ዕድል ጌሮም ዝተፈትሑ እሱራት ገለ፡ ሓላፊ ክፍሊ ኦዲት ገዲም ተጋዳላይ ገብረስላሰ መሓሪን፡ ማናጀር ዕደና ወርቂ ቢሻ ነበር፡ ዶክተር ኮሎኔል እዮብ ተኸስተን ይርከብዎም።

ገዲም ተጋዳላይ ገብረስላሰ መሓሪ፡ ኣብ 2013 ብትእዛዝ ፍሊጶስ ካብ መንበሪ ገዝኡ ተዓፊኑ፡ ናብ ማይስርዋ ኮንቴነር ኣትዩ ኔሩ። ቀንዲ መእሰሪ ገረላሰ፡ ምስ ሓለፍቲ ብምትህልላኹ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ፍሊጶስ ሃንደበት ናብ ማይ ስርዋ ምስገሸ፡ ብናይ ኣባላት ጥቆማ ምስ ዘከሮ፡ ናብ ቤ/ጽሕፈት ቀሓውታ ኣጸዊዑ “ብምትእስሳር ምስ ጉጅለ-15ን ኣውራጃውነትን” ከም ዝተኸሰሰ እንተኾነ፡ ብናይ ባዕሉ ሓላፍነት ከምዝፈትሖ ብምጥባር እዩ ፈኒይዎ።

ብተመሳሳሊ ንሓላፊ ዕደና ወርቂ ቢሻ ዝነበረ፡ ዶክተር እዮብ ተኸስተ’ውን፡ ንሓደ ዓመት ኣሲርዎ ኔሩ። ዶክተር እዮብ፡ ምስ ሜ/ጀነራል ውጩን ብ/ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህርን) ብሰንኪ ዝነበሮ ቅርበት፡ ስሪኡ ከርኢዮ፡ ብ“ብልሽውና” ኣመሳሚሱ፡ ኣብ ማይስርዋ ምስኣሰሮ፡ ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ ክፍታሕ ጌርዎ እዩ። ማእሰርቲ ዶክተር እዩብ ካልእ ዋጢጥ ውን ነይርዎ’ዩ። በዓልቲ ቤቱ ንዶክተር እዮብ ገዲም ተጋዳሊት ዘምዘም ሙሳ፡ ምስ በዓልቲ ቤት ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ገዲም ተጋዳሊት ዘምዘም ዓብደላ ደቂ ክልተ ኣሕዋት እየን። ንቻይና ብቀጥታ ከርክበሉ ዘይከኣለ ፍሊጶስ፡ ብሰብኣይ ሓፍታ ንሰበይቱ ኣቢሉ ከርክበሉ እዩ ፈቲኑ። ብዝኾነ፡ ግዳይ ምትፍናን ናይዞም ሓራምዝ ዝኾነ ዶክተር እዮብ’ውን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ስደት ኣምሪሑ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ንሓላፊ ዕደና ወርቂ ቢሻ ዝነበረ፡ ዶክተር እዮብ ተኸስተ’ውን፡ ንሓደ ዓመት ኣሲርዎ ኔሩ። ዶክተር እዮብ፡ ምስ ሜ/ጀነራል ውጩን ብ/ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህርን) ብሰንኪ ዝነበሮ ቅርበት፡ ስሪኡ ከርኢዮ፡ ብ“ብልሽውና” ኣመሳሚሱ፡ ኣብ ማይስርዋ ምስኣሰሮ፡ ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ ክፍታሕ ጌርዎ እዩ። ማእሰርቲ ዶክተር እዩብ ካልእ ዋጢጥ ውን ነይርዎ’ዩ። በዓልቲ ቤቱ ንዶክተር እዮብ ገዲም ተጋዳሊት ዘምዘም ሙሳ፡ ምስ በዓልቲ ቤት ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ገዲም ተጋዳሊት ዘምዘም ዓብደላ ደቂ ክልተ ኣሕዋት እየን። ንቻይና ብቀጥታ ከርክበሉ ዘይከኣለ ፍሊጶስ፡ ብሰብኣይ ሓፍታ ንሰበይቱ ኣቢሉ ከርክበሉ እዩ ፈቲኑ። ብዝኾነ፡ ግዳይ ምትፍናን ናይዞም ሓራምዝ ዝኾነ ዶክተር እዮብ’ውን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ስደት ኣምሪሑ ‘ዩ።

ብኣባጓይላ ኣብ እትምራሕ ሃገርና፡ ብሰንኪ ምትፍናን ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣብ ሞንጎ ግዳይ ሞትን ማእሰርትን ዝኾኑ ብዙሓት ዜጋታት ሪእና ኢና። ኣብ 2012 ምዕጣቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ምስ ተኣወጀ፡ ከም ሓለፍቲ ህዝባዊ ሰራዊት ኮይኖም ዝተመዙ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስን፡ ብ/ጀነራል ፍጹም ገበረሂወት (ወዲ መምህርን) ናብ ስልጣን ምስተወጥሑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ኣቦታትናን ኣያታትናን የከላብቱ ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። በቲ እዋን ተኽለ ማንጁስ ብግዲኡ፡ ከም ናይ ፍሊጶስ ዓይነት ቤት ማእሰርታት ኣብ ዞባ ማእከል ናይ ምድኳን ባህጊ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ከባቢ ፊንላንድ ሚሲዮን፡ ፊት ቤት ትምህርቲ ብድሆ፡ ብስም “ብድሆ” እትጽዋዕ 3 ኣንደራት ዘለዋ ቤት ማእሰርቲ ኣቑሙ ኔሩ። እዛ ቤት ማእሰርቲ’ውን፡ ከም ዓዲኣቤቶ ንኹሉ ዓይነት “ገበናት” ብምብሓት መወዳደርቲ ቤት ማእስርታት ፍሊጶስ ምስኮነት፡ ኣብ ሞንጎ ፍሊጶስን ተኽለ ማንጁስን ሓያል ምትፍናን ተፈጢሩ ኔሩ። ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤ ኮይኑ ምስተመዘ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ካብ ዝወሰዶም ውሳነታት ሓደ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣሳሰይቲ ተኽለ ማንጁስ ዝነበሩ ኣባላት ምቕያድን ቤት ማእሰርታት ምቁጽጻርን እዩ ኔሩ። ብውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ቪላጆ ናይ ግለ ሰብ ገዛ ወሲዶም፡ ሰባት ዝዕፍኑ ዝነበሩ 12 ኣባላት ተኽለ ማንጁስ፡ ዓፊኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ዳጊንዎም ‘ዩ።

ካብዚኣቶም የማናይ ኢድ ተኽለ ማንጁስ ብምኻን፡ መላእ ኣስመራ ዘናወጸ፡ ኣባል ምክትታል ዶባት ነበር፡ እድሪስ ዝተብሃለ መንእሰይ ሓደ እዩ። እድሪስ ንተኽለ ማንጁስ ተኣማሚኑ፡ ንመላእ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ንጹሃት ዜጋታት ብምጥቃንን ብምፍርራህን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገቢቱ ኔሩ። ብዛዕባ እድሪስ ዝምልከት ሓበሬታ ንካልእ እዋን ሓዲገ፡ ፍሊጶስ ኣባላቱ ሊኢኹ ክኣስሮ እንከሎ፡ ካብ መንበሪ ገዝኡ ጥራይ ፍርቂ መሸማዕ ዶላርን 5 መሸማዕ ናቕፋን ተሃጊሩ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቃሓውታ (ናብ ፍሊጶስ) ኣታዊ ከምዝተገብረ ክሕብረኩም እፈቱ።

ንተኽለ ማንጁስ ተኣማሚኖም ኣብ ትሕቲ እድሪስ ብምኻን ህዝቢ ከበሳብሱ ዝጸንሑ በዓል ስምረት፡ ዓንዶም፡ ዑስማን፡ ያኢቆብን ተስፋለምን ዝተብሃሉ ኣባላት ውን ተቐይዶም’ዮም። እቶም ክብ ኢሎም ኣብ ተራ ቁጽሪ 23ን 24ን ዝተጠቕሱ (ሜጀር ግርማይ ምስግናን ወልዱ ዘርኣይን) እውን ብምኽንያት ምትፍናን እዞም ሓራምዝ ዝተቐየዱ ‘ዮም። ፈለማ ነዞም ኣባላት ብምእሳር ስሪኡ ከርኢ ዝጀመረ ፍሊጶስ፡ ኣብ 2015 ወርሒ 1 እውን ንባዕሉ ንተኽለ ማንጁስ ን8 መዓልታት ኣብ ቀጽሪ ማስርዋ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 1 ዳጊንዎ ኔሩ።

…….ይቕጽል