ሓበረታ ካብ ኣስመራ
 

ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብጉዳይ ማዕተብን ሕጃብን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኽልካሉ ዝተቖጡዑ ተመሃሮ ካብ ኣኽርያ ተበጊሶም።

ኣብ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ ድሕሪ ምትእኽኻቦም ብማእከል ከተማ ኣስመራ ማለት ንጎደና ሓርነት ሰንጢቖም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሰልፊ ክገብሩ ድሕሪ ምንቃሎም፣ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊቶም ተመሃሮ ቶኽሲ ድሕሪ ምኽፋቶም እቲ ሰልፊ ክብተን እኳ እንተኸኣለ፣ ተመሃሮ ግን ነቲ ቶኽሲ ከም ግብረ መልሲ ብዶናጉላ ከምዝመከትዎ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ሎሚ ኣማስያኡ ከተማ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ሓለዋ ከም እትርከብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣኽርያ ሰፊሕ ናይ ምእሳር ዘመተ ይካየድ ከምዘሎ እቲ ምንጭና ወሲኹ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቶም ኣብ ዓቢ መስጊድ ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት "ኣሕዋት ክርስትያን ተሓጋገዙና እዚ ናይ ኩላትና ጉዳይ እዩ! " ክብሉ ከምዝተሰምዑ'ውን ሓበሬታ መጺኡና'ሎ። ክቡራት ተኸታተልትና፣

ንዝስዕብ ሓበሬታ ተኸታቲልና ናባኹም ከነብሎ ኢና ንምዕባለታት ምሳና ጽንሑ


Latest

ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!

    መስራቲ፡  ዳይሬክተር፡  ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡  ናይቲ፡  ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡  ድሕሪ  ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ...