ሓበረታ ካብ ኣስመራ
 

ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብጉዳይ ማዕተብን ሕጃብን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኽልካሉ ዝተቖጡዑ ተመሃሮ ካብ ኣኽርያ ተበጊሶም።

ኣብ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ ድሕሪ ምትእኽኻቦም ብማእከል ከተማ ኣስመራ ማለት ንጎደና ሓርነት ሰንጢቖም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሰልፊ ክገብሩ ድሕሪ ምንቃሎም፣ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊቶም ተመሃሮ ቶኽሲ ድሕሪ ምኽፋቶም እቲ ሰልፊ ክብተን እኳ እንተኸኣለ፣ ተመሃሮ ግን ነቲ ቶኽሲ ከም ግብረ መልሲ ብዶናጉላ ከምዝመከትዎ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ሎሚ ኣማስያኡ ከተማ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ሓለዋ ከም እትርከብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣኽርያ ሰፊሕ ናይ ምእሳር ዘመተ ይካየድ ከምዘሎ እቲ ምንጭና ወሲኹ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቶም ኣብ ዓቢ መስጊድ ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት "ኣሕዋት ክርስትያን ተሓጋገዙና እዚ ናይ ኩላትና ጉዳይ እዩ! " ክብሉ ከምዝተሰምዑ'ውን ሓበሬታ መጺኡና'ሎ። ክቡራት ተኸታተልትና፣

ንዝስዕብ ሓበሬታ ተኸታቲልና ናባኹም ከነብሎ ኢና ንምዕባለታት ምሳና ጽንሑ