Sidebar

ዓይኑ ይብራህ ዝራኣየ እንተሎ

ዓርከይ ክንዲ ሓወይ ሰብ ጠፊእኒሎ

ትኽ ትንፋሰይ ኔሩ ናይልቢ መማኽርቲ

ማዓቢተይ ዓርከይ ማንዛይ መጻውቲ

       ዝራኣየ ዶሎ     መንዩ ዝነግረኒ

       ሓወይ ምቃል ጎነይ ዓርከይ ጠፊእኒ

       ምስ ሰቡ ወፊሩ ገዝኡ ዘይተመልሰ

        ተኣሲሩ ኢሎሞ   ገለ ከይ ኣበሰ

ኣብ ዓሰብ ዶ ይህሉ ኣብ ዳህላክ ኣብ ናኹራ

ኣብቲ ሃሩር ጉድጏድ ናይ ደንካልያ ሸላ(ሳህራ)

ኣብ ገደም ዶ ይህሉ ኣብ ሚዒጢር ገልዓሎ

ወይስ ኣብ ጋሕቴላይ ኣብ ዓላ ዶንጎሎ

             ኣብ ዓጊብ ዶይህሉ ኣብ ገደም ዒራዒሮ

             ኣብ ሰምበል ዶ ዳኣ ኣብ ጸጸራት ካርሼሎ

            ወይስ ዓዲ ንፋስ    ኣብ ዓዲ ኣበይቶ

            ትራክቢ ዶይህሉ     ተኣሲሩ ኦቶ

ኣብ ኣደርሰን ዶ ይህሉ ተሰነይ ኒብራ ኣርባዓ

ግርማይካ ተማራት ናይቀደም እንዳ ሰብዓ

ባረንቱ ዶ ይህሉ ብሪሞ ካንትሪ

ወይስ ኣብ ማይ ስርዋ ፍሉይ መሐየሪ

        ማይ ዓይኒ ዶ ህሉ ወይስ ዓዲ ኳላ

         ወይካኣ  ሰንዓፈ ካምቦ ፍርስታላ

          ማይ ዱማ ዶ ይህሉ ሾልቂ ቆላ ሰረ

          ወይድማ ብንቢና ጥቓ እንዳ ባድረ

ይሳቐ ይግረፍ  ብሓለንጊ በትሪ

ምስኩቱር ጥሜቱ ኣብ ኣፈሞት ጻዕሪ

ዓርከይ ክንዲ ሓወይ ዝራኣዮ ዶሎ

ኣብገዛእ መሬቱ ሰብ ጠፊእኒ ኣሎ

          ኣብኩለን ሓቲተ ዝራኣየ ኢለ

           ደልየ ሲኢነዮ ኮሊለ ኮሊለ

           ተስፋ ምስሳኣንኩ ኣነ ድማ ኣንቂለ

           ኤርትራ ወጼላ ዶባ ተሳጊረ

ናብራ መሪርኒ ሓሽከር ኮይንካ ምንባር

ኣርዑት ናይ ምልካውያን ሲኢነ ምጽዋር

ናፉቖተይ ቋጺረ ሾው ኢለ ወጼላ

ክሳብ ዝምለሳ ዓደይ ወጊሕላ።