ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ  ደቀይ፡

ሰላም ንኩሉኹም ንኩላትካን ይኹን።

እምበኣር ንሎሚ “ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክትከውን  እያ” ዝብል እምነት ነይሩ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ቀሪበ ኣሎኹ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሰርቀ ነጻነቱ ካብ ኣርባዓታት ኣትሒዙ ብሰላማዊ መንገዲ ምምላስ ምስ ሰኣነ ብረት ክጥቀም ተገዲዱ። ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣሽሓት ህይወት ዝተኽፍሎ፡ ኤኮኖሚያዊ ዕንወትን፡ ምጉሕጓሕ ባህርያ ሀብትን፡ ምውሓድ እንስሳታት በረኻን፡ መሬት ዳርጋ ኣብ ምድረ በዳ ምኻድን፡  ስደትን፡ ምብትታን ስድርቤታትን፡ ሕማምን ድኽነትን፡  ኩሉ  ኣሎ ዝብሃል ዓይነት ሓሰራ መከራን ዘስዓበ  ድማ መሬቱ ነጻ ኣውጺኡ። ዓወት ጨቢጡ።  ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ጓል ምስ ወዲ፡ ሓቢርና ማይን ጸባን፡ ኢድን ጓንትን ኮይና፡  መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና፡ ከይተሓለልና ንገዚፍ ሰራዊት ኣላሽ ኣቢልና ካብ ሰዓርና፡  ከም ሲንጋፖር ዘይነኾነሉ ምኽንያት የልቦን፡ ብምባል እዩ ይመስለኒ ብዙሕ ሰብ ድሕሪ ነጻነት ኣሰር ሲንጋፖር ምስዓብ ፈጺሙ ጸገም ኮይኑ ኣይተራእዮን።

ሲንጋፖር  ካብ መግዛእቲ ማለዝያ ኣብ 1965 ነጻነታ ክትረክብ ከላ፡ ህዝባ ኣብ ብርቱዕ ድኽነት ወዲቁ፡ ፍርቁ ፈጺሙ ዘይተማህረ፡ ሰብዓ ካብ ሚእቲ ኣብ ዝተጫቃጨቅ ገዛዊቲ ክነብር ከሎ፡ እቲ 30 ካብ ሚኣቲ ድማ ኣብ ወሰናስን ከተማታት ብዚንጎ ወዲ ዝንጎ ተሸፋፊኑ ዝተስርሔ መጽለሊ ገይሩ ዝነበር ዝነበረ እዩ። ሎሚ ግን ሲንጋፖር ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝሃብተማ ሀገራት ኮይና እቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ቀሲኑ፡ ሃብቲሙ፡ ተሓጉሱ ይነብር ኣሎ።

ሲንጋፖር ዓለም ዘደነቀ ሰላምን፡ ቅሳነትን፡ ብልጽግናን፡ዝተጓናጸፈትሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ እዚ ዝስዕብ እዩ፡

       ቀዳማይ፡  ቅዋሞም ሰረቱ ናይ ዓዲ እንጊልዝ እዩ።

ካልኣይ፡   መሰል ኩሉ ወዲ ህገር ዝተሓለወ እዩ።  ስርዓተ ሕጊ ንኹሉ ሓደ እዩ። ሌላን ጉላላን ምግባር የለን። ንምሳሌ ቅድሚ ገለ ዓመታት  Mr. E.W. Barker ዝተባህለ ናይ ሕጊ ሚንስተር ዝነበረ ሰኺሩ ማኪና እናዘወረ ምስ ፓሎ ተጎኒጹ ከም ተራ  ሰቡ ሓደ ለይቲ ተኣሲሩ ብገንዘብ ተቂጺዑ ወጺኡ።

ሳልሳይ፡   ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብብቅዓቱ ብኽእለቱ ድኣ እዩ ዝሽየመን ስራሕ ዝኣቱን እምበር ብሰበይ ሰብካ ፡ ብወገነይ ወገንካ፡ ወይ ዓርከይ ዓርክኻ ኣይኮነን።

ራብዓይ፡   ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ይዕበ ይንኣስ መዝነቱ እንተ ኣብ ዓዓመት ወይ ክልተ ዓመት ስርሑ ይግምገም። KPI – Key Performance Indicator ዝብሃል ናይ ስራሕ መለክዒ ኣሎ። በቲ መለክዒ መሰረት እንተድኣ ስርሑ ብግቡእ ዘየሰላስል ኮይኑ ተረኺቡ ካብ ስርሑ ይሳናበት።  ከም ርስቲ ኣብኡን ወሲዱ ሓንሳእ ኣትየ እየ ኢሉ ኣራጢጡ ክቅጽል ኣይክእልን እዩ።

ሓሙሻይ፡ ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ደሞዙ ልክዕ ከምቲ ናይ ግላዊ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት እዩ ዝኽፈል።  እዚ ኣሳራርሓ እዚ ንብልሽውና ዕድል ኣይህብን እዩ።

ሸዱሻይ፡  ትምህርትን ሕክምናን ንኹሉ ነጻ እዩ።

እምበኣር ህዝቢ ሲንጋፖር  እዚ ዓይነት ዓወት እዚ ዝረኸብሉ ምኽንያት፡ ፍሉይ ህዝቢ ኮይኑ ዘይኮንስ፡ ጽቡቅ ምምሓዳር ስለ ዘለዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝኸፈሎ ወጋን፡ ከምቲ ናይ ስራሕ ድልየቱን፡ ተሞክሮኡን፡ ትግሃቱን፡ ንሰላምን ምዕባለን ህርፋኑን፡ ሃንቀውትኡን፡ ከም ሲንጋፖር ከኽውን ምኸኣለ: ግን ከምቲ ብጨናዊ ስጋ ጥዑም ጸብሒ ዘይስራሕ፡ ካብ እሾኽ ድማ ወይኒ ዘይቅንጠብ፡ ኢሳያስ ምስ ጉጅልኡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምኡ ኮይኖሞ።

ብጽሞና ክትሓስቦ ከለኻ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ከም ሲንጋፖር ክንክውን ከይንኸውንሲ ከም ህዝብን ሀገርን  ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ንኽእል ዲና? እናብልካ ትፈርሓሉን  ከብድኻ ትሐቁፈሉን እዋን እዩ።

 እወ፡ ከምቲ ደቂ ኣርማንያ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ብዘጎነፎም ህልቂት - genocide ኣብ ዓለም ክሳብ ለይተ ሎም ፋሕ ብትን ኢሎም ተሪፎም ዘለው፡ ውሕጅ እናሳሓቅካ እዩ ዝወስደካ ከም ዝብሃል፡ ንሕና ውን ዕድልና ከምቲ ዕድሎም ክኽውን ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ዘዘለናዮ፡ ብስሚዒት ከይከድና፡ ብህድኣት  ኣርሒቅና ሓሲብና፡ ካብ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዳኛና ሕልናና ጌርና እቲ ንደልዮ ለውጢ ከይወዓልና ከይሓደርና  ብርእስና ክንጅምሮ  ከም ዘለና ኣሚና፡ ምስ እንብገስ፡ ሕጂ ውን  ክንብል በለእምበር ኣይተደፍኤን፡ ኣሰር ሲንጋፖር ክንስዕብ ንኽእል ኢና።

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሻህ  ጃህን ዝተባህለ ኣብ መበል 16 ዘመን ንጉስ ህንዲ ዝነበረ፡ ሙምታዝ ማሃል ዝተባህለት ዘፍቅርራ ዝሓልፈላ በዕልቲ ቤቱ፡  ማሓዛ ንእስነቱ፡ መማኽርቱ፡ ኣደ 14 ደቁ ምስ ሞተት፡ ዝኽራ ህያው ኮይኑ ክነበር ኣብ ኣግራ, ህንዲ ብታጅ ማሃል ትጽዋዕ ብጻዕዳ እምነ በረድ ዝተነድቀት ክትስራሕ 22 ዓመታት ዝወሰደት  ህንጻ /monument ኣስሪሑላ። ካበተን ሸውዓተ ኣብ ዓለም ዘደንቃ ህንጻ ድማ እያ። ሚሰተር ፖል ዝተባህለ ህንዳዊ ኣብ ልኡል መኮንን ኣብ መጀመርታ ስሳታት መምህርና ዝነበረ፡ ዛንታ ታጅ ማህል ክነግረና  ከሎ፡ ንጉስ  ሻህ ጃሃን ንኽንድዚ ዓመታትን፡ ገንዘብን፡ ጉልበት ሰባትን፡ ዝወስደ ህንጻ ከስርሕ ን ዓለም ዘይበሊ ዘይሃስስ ኣብነት ፍቅሪ እዩ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ሓደ ጊዚ ኣብ መንጎ እቲ ኹሉ ስራሕ ኣስኬረና ዝሓዘ ሳንድቅ ኣብ ዘቀመጦ ጠፊእዎ ክሳብ ዝረኽቦ  ከምዚ ኹሉ ራዕዲ ኣትይዎ ነይሩ ክብለና ይዝከረኒ፡   ንሕና ኤርትራውያን ድማ ዝተሰርቀ ናጽነትና ክንመልስ ክንብል፡ ኣብቲ መስርሕ  ብዙሕ ካብቲ ጽቡቅ ባህልታትና ኣጥፊእና፡ ሰይጣነዊ  መርክሰ ለኒንነት ዝሰረቱ ናይ ኩናት ባህርያት ንሰላም ዘየገልግል ባህልታት ሒዝና ንርከብ ዘለና ኮይኒ ይስማዓኒ።  ብተወሳኺ፡ ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ዘይምድላይ፡ ትምክሕቲ - arrogance: ርኡይ ርእስኻ ሓፍ ሓፍ ምባል ማልት፡ ክትፍለጥ ምጽዓር -  self-promotion፡ ምድድጋፍ - ገዲፍካ ምውዳዳር ኣብ ክንዲ ነቲ ሓሳብ ምቅዋም፡ ሓሰባቱ ምስ ዘይሳማማዓካ ከም ጸላኢ ጌርካ ምርኣይ፡ ወዝተረፈ ገኒኑ ይርከብ ኣሎ። እዚታታ ንዓይ ብጣዕሚ የሰክፈኒ: ከምይ ዓዲ ዘየግብርን፡ ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ውጺኡቱ ሰናይ ዘይህብን ስለ ዝኾነ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቅይ፡

ስቅይ ነዊሑ ሰላም ሪሒቃትና፡ ሰላም ንጸምኣ ኣለና። እንተኾነ መን ከም ዘሎ ኣብ ስልጣን ብዘይኣገድስ፡ ሓደን ጾሙ ክሓድር መኾርመይ ክስእን፡ ሓደን ከኣ ገዛውቲ ምስ መኪናታት ክውንን፡ ሓደን ከም ድላዩ  ኣብ ወጺኢ ከይተረፍ ክሕከም፡ ሓደ ድማ ሰኣን ሕክማና ክመዉት፡ ምስ ዝኸውን  ሰላም ኣይምጽእን እዩ፡ ሰላም እንተዘይሎ ድማ ጥጡሕ መነባብሮ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ጥጡሕ መነባብሮ እንተዘይለ ድማ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ክልቲኤን ተታሓሒዘን እየን ዝኸዳ።  ነዚ ኹሉ መሰረቱ ትምሃርቲ እዩ። ርግጽዩ ትምሃርቲ ብዝይ ሕልና ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብናይ ጃንሆይ ጊዜ ተማሃራይ ኮይኑ ንባዕሉ ኣድማ ከም ዘይገበረ ዘይዕገርገረ፡ ተማሃሮ ስለ መሰሎም ተዚሪብኩም ኢሎ ኢሳያስ ዊዓ ክስዶም ከሎ እቲ ናይ ይኒቨርሲቲ ዲይረክተር ዘይተማህረ ኣይንበረን ምሁር እዩ ኔይሩ። ግን ምስ ኢሳያስ ከይቃያየም ክብል ሕልንኡ ሸይጡ፡ ከምቲ  ክትጥሕል ከላ መንገዳኛታታ ገዲፉ ርእሱ ዘድሕን፡ ካፕተን ባቡር ባሕሪ ኮይኑ። 

እወ፡  መሰርት ኩሉ ነገር ትምህርቲ እዩ - ትምህርቲ ንዝተወልደ ዘበለ ኩሉ። ናይ ሳዋ ብርነትን፡ ምስያፍን፡ መቃብር ባሕሪ መዲተራንያን ዝነሓፎም፡  ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መንእሰያት፡  ባራት ኣብዚሑ፡  እብ መስታን ሽጋራን ካልእ ተጻብኦታት ጥዕናን ነቁትዎም ዘሎ ኢሳያስ፡  መንእሰያት ኣድማዒ ትምርቲ ክምሀሩ ክርኢ ባህሪኡ ኣይገብረሉን እዩ። ድንቁርና ክሓዊ ዝኽእል ሕማቅ ሕማም እዩ።  እዘን ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ ዝብላ ኪሎ ወርቂ ኣብ እዝነን ክሳደንን፡  ኣእዳዋንን፡ ንቡር ዘይብሉ፡ ኣብ ጸጉረን  ከይተረፈ፡ ተሰሊመን ዘይኮናስ ተሲኪመን፡ ጓይላ ህግደፍ ዘድምቃ፡ መብዛሕትኤን ማሃይምነት ዘይጥፍኣ እየን።  ኣዴታተን ኣብ ዘመናዊ ቤትትምህርቲ ኣይከዳን ግን ሰብ ሕልና፡ ሰብ ፍትሒ እየን ነይረን። ከምዚ ሕጂ ሸምጊለን፡ ዐዲ ኣትየን ኪዳ ኣብ ዝነበርክንኦ ተባሂለን ከይተደርበያ፡ ተሰዲደን፡ ሰሪሔን ኣብ ዓዲ ንዘልው ቤቴሰብንን ገድለንን ዓንጊለን፡  ወርቀን ከይተረፈ ቀንጢጠን ዝሃባ’የን።  እቲ ናይ ሽዑ ወርቂ ኣምሳያ ገንዘብ ኣብ ባንክ ዝትሓዝ ንሕማቅ ጊዜ ትጥቀመሉ እዩ ነይሩ።

እምበኣር መሃይምነት ካብ ህዝብና ኣብ ዘለዎ ኣልዩ ክጠፍእ ኣለዎ። ከነጥፍኦ ኣለና። መሃይህምነት ጠፊኡ ቁሩብ ምስ ተሰጎመ ድማ ከም በዓል Khan Academy ዝኣመሰሰላ websites  ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ብነጻ ትምሃረሉ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ እቲ ገንዘብ ዝኸፍል ጥራይ ዝጥቀመሉ Internet Café ኣሎ። ገለ ካብኣቶም ተማሃሮ ዝተማሃርዎ ሓቲሞም print ገይሩሮም ምስ ብጾቶም ክካፈልዎ ይኽእሉ እዮም።  ክወጽእ’የ ኢልካ ምስ ሓሰብካ ኣቃልቦኻ ኣብ ትምህርቲ ምግባር ቀሊል ኣይኮነን፡ ግን ይክኣል ድማ’ዩ።  እቲ ኣብ ሰላም ዘሎ መንእሰይ ዝልዓለ ትምህርቲ ክቀስም፡ ኣብ ማዓሳክር ስደተኛታት ዘሎ ድማ ስቃዩ ተቃሊሉል ብዘመነቂ ተክኖሎጂ ክምሃር፡ ንዝጸልመተ ልብና ኣብሪህና ብኹሉ መዳይ ማላት ብሓሳብናን፡ ጉልበትናን፡ ገንዘብንን ምሕጋዝ ናይ ነብሲ ወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰብይቲ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሀገራውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣለና። ኣብ ፖለቲካ ኣይንኣቱን ኢና፡ ኢልካ ትም ምባል ሸፈጥ ጥራይ ዘይኮነ ገብን እውን’ዩ ክብል እደፍር።

እቲ ኣብ ሰላም ጊዜ ሰላም ዘይህብ ባህልታት ሰላምን ፍቅርን ዘይምጽእ ዓዲ ዘየግብር ውዓል ሕር ከይበልና ክንምክቶ ኣለና።  ኣብ ባህልናን ባህሊ   ምዕራባውያን ሰረት ዘለዎ ሰሚናራት  ከምኒ effective communication - ዘስርሕ ምውሳእ፡ Peace and Conflict Resolution/ ሰላምን ኣፋታትሐ ግርጭትን፡ ወዘተረፈ   ኪኢላታት ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ክውሃብ  ይኽእል እዩ።

 

ገለ ሰባት ኣብ ወጻኢ ዘለው፡ “ንሕና ደጊም ዓቢና ኢና ዓድና ኣይንኸይድን ኢና። ሕክምና’ኳ የልቦን ደቅና ድማ ዓዶም ኣብዚ እዩ” ይብሉ። እወ ብሕልፊ ኣብ ወጸኢ ተወሊዶም፡ ዝዓበዩ ደቂ እታ ሃገር እዮም ዝኾኑ። ዝልዓለ ትምህርቲ ቀሲሞም፡ ኣብ ጥጡሕ ቦታታት ስራሕ ሒዞም፡ ናይ ብሕቶም ስራሓታዊቲ business ገይሮም፡ ንርእሶም ዝኸብሩሉን ንሰብ ዝሕግዝሉን፡  ኣብ መንግስቲ ከይተረፈ ዝዋስኡ ምስ ዝኾኑ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሐጎስን፡ኩርዓትን እዩ። ግን ኣብ ኣመሪካ እንተሎኻ ኩሉ ጊዜ ጸሊም ኢኻ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ከም በዓል ጀርመን፡ ፈረንሳይ፡ ዓዲ እንጊሊዝ፡ ሲፊጸራ ድማ ወትሮ ስደተኛ refugee ኢኻ ትቁጸር፡ ኣብ በዓል ከም እስራኤል እሞ ኸኣ ናይ ባርያ ባርያ ኢኻ። ስድተኛ ዝበዝሐሉን ዝጽልኣሉን እዋን እዩ።  ዋላ ኣብ  ዘዘለውዋ ዓዶም እንተኾነ ካልኣይ ዓዲ ምግባር መኽስብ እዩ ።  ግና እቲ ካልኣይ ዓድኻ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ራህዋን፡ ቅሳነትን ክኽውን ኣለዎ።   ካብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ዘመናት ዝመጹ፡ጸለምቲ ኣመሪካውያን መቦቆልና ካብ ኣየናይ  ሀገር ናይ ኣፍሪቃ እዩ ኢሎም ክፈልጡ ከም ዝሃለኹ ዝዝክር እዩ።   ድሕር ድማ ስለ ሓቂ መንዩ ኣብ ዓዲ ሎሚ ቀረባን ርሑቁን ዓጽመ ስጋ ዘይብሉ፡ ዋላ ብኣፉ መዓሸዊ ሕልንኡ ካልእ እንተበለ ኤርትራዊ ዓዲ ዘይፈቱ የልቦን እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን።  ምስ ክንደይ ወጺኢታቱን ዕላጃቱን ሬሳታትና ተሲኪምናን’ዶ ንጓዓዝ ከይለና። እሞ ከም በዓል Dan Connell, ኣመሪካዊ፡ ካብ ካብ ቃልሲ ጀሚሩ ምስ ኤርትራውያን ደው ዝበለ፡ Yvan Patry ካናዳዊ፡  ማሞ ውድነህ ኢትዮጵያዊ፡  Martin Plaut እንጊሊዛዊ፡ Jim Baynard Smith ምስ በዓልቲ እንድኡ Sally፡ እንጊዛውያን ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ኣስመራ ናይ Moral Re-Armamen ዝነብሩ ዝኣማሳሰሉ ኤርትራ መኣስ ዓዶም ኮይና፡ ግን ንሓቅን ፍትሕን ውረድ ደይብ ዘይብሉ መሓዙት ኤርትራ እዮም።

 

 ሓድ ሓደ ሰባት መርገም ኣለና መስለና ክብሉ ትስምዕ።  እንታይ ምስ ገበርና ኢና ተረጊምና? መንዩኸ ረጊሙና?  ሎሚ ኾነ ሓምለ ኾነ፡ ሕግን ስርዓትን ዘለና፡  በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት ንብል ህዝቢ ኢና።  ሓደ ነገር ምስ ወረደ  ምኽንያቱ ስለ ዘይትፈልጦ ስቅ ኢልካ ስም ኣይትህቦን ኢኻ።  ኣብ ዓለም ክትገልጾ ወይ ክትርድኦ ዘይትኻል ብዙሕ ነገራት ኣሎኢ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓሶት ከም ሓቂ፡ ንጸልማት ከም ብርሃን፡ ንሞት ከም ህይወት ትወስዶ እንተኾንካ፡  ጳጳስ ንዓመታት ተኣሲሮም ኣብ ሱባኤ ኣለው ትብሎም እንተኾናካ ኣብ ከምዚ ወዲቅናዮ ዘለና ዓዘቅቲ ኢኻ ትወድቅ።   ከይንጸንት ንፈርሓሉ ኣብ ዘለናሉ እዋን፡  ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘረባይ ዝበልክዎ ብጀካ ጀጋኑ ሙዃን ካልእ ምርጫ የበልናን።      

ንኹሉ ክትገብርሲ  ጥዕና ክህልወካ ኣለዎ። በቲ ዘሕለፍናዮን ነሕልፎ ዘለናን ዋላ ሕጉሳት እንተመሰልና፡ ጠገለ ዘይብሉ ጉዳያትን፡ ጓይላታትን እንተብዛሕና፡  እቲ  ናይ ዓለም ወረ ብሕልፊ ድማ ናይ ዓድና ካብ ንፈልጦ ንላዕሊ ኣእሙራዊ ጸቅቲ - stress  ይገብረልና እዩ። ካብ ዘይሳማማዓና መግብን መስተን ሪሕቅና መንፈስና ኣርግእ ኣቢልና ኣመት ጥዕናና ንግበር፡ ኣጣቃቅማቅ ግዜና ነስተብህለሉ፡ ሓቂ ወትሮ ሓቂ’ያ፡ ስለ ሓቂ ደው ንበል። ህልኽን፡ ቅርሕንትን፡ ሕማም እዩ ዘምጽእ፡ ፍቅርን ምትሕልላይን ግን ጥዕና እዩ ዘምጽእ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ሕልና ንግበር ክብሉ ሰባት ትስመዕ። ሊላይ። ግን ግዜ  ኣናኽፍኤ ይኸይድ ኣሎ።  ሰብ ደቂሱ ተጸሊእዎ ኣሎ ክብሉኻ ከለውን፡ ሓደጋ ኣጊጥምዎ ኣብ ኣፍ ሞት ኣሎ ክብሉኻ ከለው ትጕየዮ ጉያ ሰማይን መሬትን እዩ።  ኣብ  ኣፍ ሞት ኢና ዘለና። ኣቱም ብ G-13 ትፍለጡ ክቡር ሓወይ ዶክቶር ሃይለ ደባስ እቦ መንበርኩም ኣብ ውሽጢ ሓጸር ጊዜ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መዳይ ክምዕል፡ ክርህዎ፡ ክቀስን መደባት ሒዝኩም ዓዲ ኣቲኹም ኣይተድልዩናን ኢኹም ዝተበሃልኩም፡ ሃየ ሕጂ ብሓዲስ መንፈስ ተንስኡ።

 

ኣቶም ሙሁራትና ጠረብ እናብልኩም ገሊኹም ትንቃሳቀሱ ኣለኹም ። ግን ባሕሪ ብጭልፋ  ኮይኑ። ህዝቢ ባህሉ ሒዙ ይጠፍእ ኣሎ።  ህይወት ሓንቲ እንዳያ፡ ኣነዶ ንዓኻትኩም ክነግረኩም ኮይነ።  ናይ ምሁራት ደናቁር ዝተባህሉ ሽለታት ኣልው። ከምኡ ከይትኾኑ ሓደራ። እዘን ኩለን ተዳኺመን ዘለው ሲቪካውያን ማሕበራት ኣንቀሳቅስወን። ጊዚኡ ዝጠልበን ሓደስቲ’ውን ከድልያን። ምሁራት ኣይወሓድኩሙናን። ሓቢርኩም  ትሰረሑሉን፡ ትጓየዩልይን እዋን ሕጂ እዩ።ሎሚ ዘይተጕየኹምዳኣ መኣስ’ሞ። ትምህርትን ሕርሻን ውዓል ሕደር ዘይባሃሎ ነገር እዩ። ፍገረ ሜራት ኤርትራ ዘፍርሕ እዩ።  ትብዓት “ልበሱኒ” እናበለት ትጽውዕ ኣለ። “ኣብየት” በልዋ። 

ኣቶ የማነ ገብሩ ዝተባህለ ፍሉጥ ኤርትራዊ፡ ኣባል ቦርድ ናይታ ኣብ 1974 ናይ ኤርትራ ማሕበር ረዲኤት - Relief and Rehabilitation Association of Eritrea -  ነቲ ሽዑ ናይ ሕጽረት ማይን ውግእን ዘኸተሎ ሽግር ንምቃላል እተፈጥረት - ሓደ ጊዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስመራ ክመለስ ከሎ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ  ሓደ ወታሃደር “መታወቅያ ወረቅት” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ንሱ ድማ “ኣነ እየ ንዓኻ ዝሐተካ’ምበር ንስኻ ኣይኮንካን ንዓይ ትሓተኒ። ኣብ ዓደይ ኣብ ኣስመራኮ ኢና ዘለና” ምስ በሎ “እዚ ገለ ብዓል ስልጣን ሙኳን ኣለዎ” ኢሉ’ዩ ይመስለኒ ምንም ኣይበሎን።  ሓደ ጊዜ ድማ ኣብቲ ናይ ቦርድ ኤኻባ ሐደ ወታሃደር ከንቅሕ መጺኡ ብዛዕባ ሶሻሊዚም ይዛረብ ኔይሩ የማነ እቶኩሩ እናጠሞቶ፡ “ስማዕ ንሕና ብዛዕባ ድኻ ህዝቢ ክህብትም እምበር ማዕረነት ተባሂሉ ክደኪ ኣይንደልን ኢና” ኢልዎ። ወዮ ወታሃደር ዝብሎ ጠፊእዋ ስቅ ኢሉ ትምሃርቲ ቀጺሉ።  እሞ ዘረባ ድኣ ኣብዚሔልኩም እምበር፡ ኣሰር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ  ዓበይቲ እሕዋትኩም ክትስስዕቡ ሓደራ ይብለኩም።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር እዋን ሓገዝካ ምውፋይ ሓጎስን ክብረትን እዩ ዘምጽኣልካ።

 ኣትን ሙዑታት ደቂ ኣንኢትዮ ኣብዚ መሪር እዋን ታሪኽ ዘይርስዖ ጎባታት ሲናይ እናከድክን ክንደይ ትንፋስ ዘድሓንክንን ገና ተድሕና ዘለኽንን፡   ኣብ ማዓስክራት ዝርከቡ ስድተኛታት ብሕልፊ ንሕጻንት ቆልዑ ምስ ኣዴታቶም ናይ መግብን ፡ጥዕናን ሐገዝ ትገብራ ዘለኽን፡ ኢ-ሰብኣዊነት - crime against humanity ይግበር ከም ዘሎ መርትዖታት ከተምጽኣ ብዘይ ምሕላል ዝጽዓርክን፡   ኣቲ ርኣዩለይ ስምዑለይ ከይበልኪ ኣብታ ዘይብልኪ ኣብታ ጸባብ ገዛኺ ኣብ ሱዳን ስደተኛታት መንእሰይ ዘጋጠሙኺ (ወይ ደቀይ ኣዴኹም ትደፋእ እናበልኪ) በታ ዓቅምኪ ትዕንግሊ ዘለኺ፡   ኣቲ ካብ ኢድኪ ወሲዶም ብጾቱ ኣሕሊፉ ከይህብ ከይዛረብ ብምቅቃጥ ኣብ ኢድ ደርጊ ዝዓረፈ ዝተሰውኤ በዓል ቤትኪ፡ ንኽብሩን ሕድሩን ከይትጠልሚ፡ ምስብጾትኪ ናይ ሓርበኛታት መዓልቲ ብመንግስቲ ደረጃ ክትከብር ትጽዕሪ ዘለኺ።    ኩሉኽን በብይንኽን ትጽዕራ ዘለኽን እግዚእቦሆኤር ዕድመን ጥዕናን ይሃብክን፡ እስኪ ሓቢርክን ስርሓ፡ ሓደ ካብቲ ዓቢ ተስፋ ናይ ኤርትራ ንስኻትካን ኢኺን፡

ኣቱም ኩሉኩም ወንነንትን፡ ኣካየድትን ናይ ኤርትራ ደምቤታት - websites - ከምኡውን ረድዮታት፡  ጨካን ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ዝፈጸሞ ትንኩልናን፡ ቅትለትን  ሕጂ ምስ መሻርኽቱ ዓለም ዘስካሕክሕ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት  ዝገብሮ ዘሎን፡ ልሳን ዕጽው መልሓስ ኴንኩም ብቀጻሊ ነጊርኩም ኢኹም ፡ ታሪኽ ጅግና ህዝብና ምስ ጀጋኑ ተጋደልትና፡ ካብ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብራሃ ጀሚርካ ነጊርኩም ኢኹም። ኢሳያስ ኣብ ትሕቲኡ ንዘሎ ህዝቢ እሱር ከይዝከር ዘይገብሮ የብሉን። ሳላ ደምቤታትኩምን፡ ደምቤታት ፍትሓውያን መሰል ወዲሰብ ዝጣበቃ ግን ድሌቱ ኣይተፈጸመሉን። ወዮ ድኣ እቲ ጭካኔ ኣብ ርኡይ ድንቁርና ኣድሂቡሉ እምበር፡ ሰብ ሓቂቁ ኣይሓቅቅን እዩ። ዓዲ እግዚኣቤሄሮም ከይዶም እንተኾይኖም። ንሱ ምስ ኣልገሰ የዕጽምቶም ንምርካብ መሬት ኢርትራ ክትኳዕት እያ። እምባኣር ሕጂ ደምቤታትኩም ብዘይካ ሓዲስ ሓበራታት ዋና ኣጎልጉለተን ብዝሐልፈ ዘይኮነስ - ንሱ ይሰነድ ንግደፎ - ብዛዕባ ስተታኛታትናን፡  ኣፈታትሓ ሽግር ዓድናን ፡ ብዛዕባ ሰኣን ድልዱላ community centers -  ኣብ ወጻኢ-  ብሕልፊ ኣብ ዓበይቲ ከትማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ስድራቤታት ዘጋጥም ብቀሊል ዘይርኤ ዘሎ ሽግራት መማየጢ፡ ክኸውን ሓደራ።  ብዙሕ ሰብ ከም መዛናግዒ ገይሩ ዝውስዶ ዘሎ ኮይኑ ይርኣየኒ።  ኩሉ ሰብ እግዚኣቢሄር ዝሓቦ ሓይሊ/ክእለት ኣለዎ፡ ምፍላጡን ኣብቲ ዘድሊ ምትግባርን እዩ።  ንሶቶም ይግበርዎ ካብ ማለት “ኣነኽ  ስለምናታይ ዘይገብሮ ምባል የድሊ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር ንሕና እቲ ናይ ሓቂ ጅግነነት ለቢስና፡ ሕልናና ዳናኛ ጌርና፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጥሰቀስክውን ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ብዙሕ ሰብ ዘተሓሳስቦን ዘተኩረሉን ዘሎ እንድሕሪ ጌርና፡ ከም ሲንጋፖር ክንከውን ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ። ንነዊሕ ዓመታት ዝተሐረመትና ሰላም ንጸምኣ ኣሎና። እወ ኣብ ሀገርና ሰላም ንደሊ ኣለና፡ ልዑላውነትና ክሳብ ዝተከበረልና ድማ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ክንበር ንደሊ ኢና።

እምበኣር ዘረባይ ብጾሎት ክዕጽዎ እየ።         

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንዓኻ  ዝስኣነካ የልቦን’ሞ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተና ብጸጋኻ ከልለና። ብኽያትን፡ ማእሰርትን፡ ሞታን፡ ህልቂትን ይእከልኩም በለና። ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ኣብ ዓለምና ክነግስ ባዕልኻ ርድኣና።  ዘለዓለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዓካ ይኹን። ኣሜን።

ኣበባ