ናጽነት ማለት እንታይ ኢዩ?

ናጽነት ማለት፡ ምስትምሳልን ምሹቕራርን ኣብ ዘይብሉ ሃውህዉ ምንባር ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ እፎይታ ምርካብ ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ከምቲ የማነ ባርያ ዝበሎ፡ ቄናንን መዳለውን ፍርዲ ወዲ ጓና፣ ብመደላደልን ርትዓውን ፍትሒ እንዳባ፡ ምትካእ ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ቋሬጣ ምልማን ተሪፉ፡ ብእኽልኻን ብጠስምኻን ምንብባር ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ዝተቐንጠጠ ክብረትካ ምምላስ ማለት ኢዩ፡፡ ናጽነት ማለት፡ ኣብ ክንዲ ጨቋኒ - ሓብሓቢ፣ ኣብ ክንዲ ገፋዒ - ሓላዪ፣ ኣብ ክንዲ ረጋጺ - ደጋፊ፣ ኣብ ክንዲ ቀታሊ - መሓሪ መንግስቲ ምትካል ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ወሊድካ ብሕንቃቐን ሓልዮትን ዘዕበኻዮም ደቅኻ፡ ከይእሰሩ፡ ከይቅትሉ፡ ከይስደዱ ከይፈራሕካ፡ “ኪዱ ተመሃሩ፡ ኪዱ ተመራመሩ” ክትብሎም ምኽኣል ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ጎይታ ነብስኻ - ሕልናኻ፣ ጎይታ ስጋኻ ድማ፡ ባዕልኻ ክትከውን ምኽኣል ማለት ኢዩ።

ናጽነት ማለት፡ ስጋውን መንፈሳዊ ሓርነትን ምጉንጻፍ ማለት ኢዩ።


Latest

ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!

    መስራቲ፡  ዳይሬክተር፡  ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡  ናይቲ፡  ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡  ድሕሪ  ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ...