ዝኸበርኩም አብምሉእ ዓለም ብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡-

ስመይ ተስፋልድት ዓለም መሓረና እ'ዩ

ወዲ ሰብ፡ ሓንሳብ ተወሊዱ፡ ሓድጊ ውሉድን፡ ታሪኽ ዝኽርን ገዲፉ ንሓዋሩ ብሞት ዝሰናበት ፍጡር ኢዩ፡፡ 

ወዲ ሰብ፡ ሰላምን ጥዕናን ምስ ዝረክብ፡ ብጻማ ጻዕሩን ርሃጹን፡ መግቢ እለቱ እናማእረረ፡ ሱሳ ሰብዓ ዓመታት ክነብር ይኽእል፡፡ 

ሰላም ምስ ዝስእን ኣካላዊ ጥዕና ምስ ዝጎድሎ መንፈሳዊ ቅሳነት ምስ ዝርሕቖ 

ከም ሳዕሪ መንገዲ፡ ዘርከበ ምስ ዝረግጾ፡ ከም ሸዊት ገደና፡ ዝሓለፈ ምስ ዝሽምጥጦ ግን፡ ተኸላቢቱ ተዋሪዱ ሓሲሩ ኣብ ንእስነቱ ናይ መዋእል ሓሳረ መከራ ጸጊቡ 

ብጎበዙ፡ በሪሑ - ሸይቡ

ብለይለዩ፡ ኣሪጉ - ጎቢጡ

ብውልዶኡ፡ ዓጢሩ - ማዕጢጡ፡ 

ትርጉም ህይወት ከይፈለጠ፡ መቐረት ናብራ ከይጠዓመ ካብዛ ዓለም፡ ብሞት ይሰናበት፡፡

ስለዚ፡ ትርጉም ዘለ ዎ ህይወት ማለት፡ ስጋዊ ዕግበትን መንፈሳዊ ርውየትን ዘለዎ ናብራ ማለት ኢዩ፡፡ “እኽሊ፡ ይምእኩት ምስ ፍቕሪ!” ዝተባህለ'ድማ፡ 

ስኒትን ስሓቕን ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ዘለዎም ኣገዳስነት ንምግላጽ ኢዩ፡፡

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡-

ቅድሚ ከባቢ ሱሳ ዓመታት፡ ማለት፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዓብላልነት ኣመሪካን እንግሊዝን ምስ ተዛዘመ ንህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ዘሳቒ ዝነበረ ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ጥልያን፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ተተኪኡ።

እቲ እዋን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣፍሪቃ፡ ዝተፈላለየ ናይ ናጽነት ምንቅስቓሳት ዝተ ጀመረሉ እዋን ብምንባሩ ኣብ ኤርትራና'ውን፡ ሃረርታ ሓርነት ዘበገሶ ልዑል ወኒ፡ ናጽነት ዝጠለበሉ መድረኽ ነበረ፡፡ 

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝቐጸለ ዕስራ ዓመታት፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጽነተን ክውንና ዕድል ረኸባ፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ግን፡ እዚ ዕድል'ዚ፡ ተነፊጉና፡፡

እተን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓብለልቲ ኮይነን ዝወጻ እንግሊዝን ኣመሪካን ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ሃይለስላሴ ንጉስ ናይ ኢትዮጵያ መስሪተንኦ ካብ ዝጸንሓ ዝምድና ተበጊሰን" ምእንቲ ረብሓታተን ክብላ፡ ነቲ ውሕስነት ህዝብታትን ሃገራትን ዓለም ከረጋግጽ ዝjመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጓዕጺጸን፡ ኤርትራ፡ ብፈደረሽናዊ ምምሕዳር፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ መሻርኽተን ንጉስ ሃይለስላሴ ከም እትቁረን ገበራ፡፡ 

ፈዴረሽናዊ ምምሕዳር ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ ነዊሕ ኣይጸንሐን፡፡ 

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት እንዳጠለበ፡ ብሓያላት ሃገራት ተጓዕጺጹ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽናዊ ምምሕዳር ምቑራኑ ከይኣኽሎ ዕድመ ፈደሬሽን ከየብቅዐ፡ ህርፋን ስልጣንን ሹመትን ብዘዕወሮም ኤርትራውያን ተታሊሉን ሓድነቱ ተዘሪጉን፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ክነብር ተገደደ። ህይወት ኤርትራውያን ድማ፡ ብኡ ንቡኡ፡ ትርጉማ ክትቅይር ጀመረት፡፡ 

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ህይወት፡ ድድሕሪ ንፋስን ማይን፡ መግቢ ኢዩ፡፡ ወዲ ሰብ ግን፡ ንከብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር፡፡ ወዲ ሰብ፡ ትርጉም ዘለ ዎ ህይወት ክነብር፡ ማዕረ መግብን ንፋስን ማይን"ውሕስነትን ቅሳነትን የድልዩ ዎ ፡፡ 

ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ ብፍላይ ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ መደናገርቲ ንክጥዕሞም ብዘተኣታተዉ ዎ ርኹስ ባህሊ፡ ሓርነት ዘይትርጉሙ ሒዙ ስለዘሎ፡ ንምርድኡ ዝሕግዝ ቀሊል ኣብነት ምጥቃስ ዘኽፍእ ኣይመስለናን፡፡

ሕጻን እግሪ ተኽሊ፡ ከይዕንቀፍ ከይወድቕ ከይበለ"ብዘይስክፍታን ፍርሕን ካብቲ ናብቲ እናተመላለሰ፡ ሕjኡን ኣብራኹን ከደልድል ዘኽእሎ" ኣብ መንገዱ እሾኽ ከም ዘየልቦ፡ እንተተዓንቀፈ፡ ከም ዝሕቖፍ እንተወደቐ ከም ዝድገፍ፡ ብወለዱ ዝተረጋገጸሉ ውሕስነት ከም ዘሎ ስለዝፈልጥ ኢዩ፡፡ 

ብተመሳሳሊ፡ ለይቲ፡ ከይተሰከፈ በጥ ኢሉ ክድቅስ ዘኽእሎ ማሙቕ ሕቑፊ ወላዲት ዝህቦ ቅሳነት ስለዝፈልጥ ኢዩ፡፡ 

በንጻሩ፡ ብየማን ርግምቲ ሰይተቦ፡ ብጸጋም ቀናእ ወደቦ ዝኸበቡ ዎ ሕጻን እግሪ ተኽሊ ንመሬት ኣትሪሩ ክረግጽ፡ ውሕስነት የብሉን፡፡ ለይቲ ድማ፡ ማሙቕ ሕቑፊ ኣደ ከም ዘይብሉ ስለዝፈልጥ፡ ቅሳነት ኣብ ዘይብሉ ለይቲ እናዕለበጠ ህዋሳት ሓንጎሉ፡ ብዛዕባ እታ ብእን ጀራ ሰይተቦ ጎደሎ ከብዱ ዝውዕለላ ጽባሕ ክሓስብን ክብህርርን፡ መቐረት ድቃስ ከይጠዓመ ይሓድር፡፡

ህዝቢ፡ ሓርነት፡ ሃገር፡ መንግስቲ፡ ቅሳነት፡ ውሕስነት ዝብሉ ኣምራት ድማ፡ በዚ ናይ ወለድን ሕጻንን ኣብነት ክግለጹ ዝኽእሉ ቀለልቲ ኣምራት ኢዮም፡፡ 

ቅኑዕ መንግስቲ፡ ከም ርሕሩሕን ፈቃርን ማሕጸን ኣደ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ዓመጽቲ ድማ፡ ካብ ርግምቲ ሰይተቦን ወደቦን ዝገድድ፡ ልክዕ ከምዚ ኣብ ውሽጢ ቅልጽም በጊዕ ንዘሎ ኣንጉዕ ክምጥምጥ ዓጽሚ ዝፍልጽ ኢድ በላዒ ኣንጉዕ ሕብረተሰብ ክምጥምጥ፡ መጻውር ባህልን መላግቦ ሕብረተሰብን ዝፍልጽ ምትእኽካብ ስስዐ ስልጣንን ንብረትን ሃብትን ዘለዎ ም ሃርጋፍ ሽውሃት ኢዩ፡፡ 

እቲ መግስቲ ንህዝቢ ዝሓሊ ምስ ዝኸውን፡ መጻኢኻን መጻኢ ደቅኻን ባዕልኻ፡ ብጻዕርኻን ሓኾትኮትካን ንምውሳን፡ ሓሳብ ልብኻ ንምፍጻም፡ ቀትሪ - ንመሬት ኣትሪርካ ረጊጽካ ክሳድካ ኣቕኒዕካ፡ ክትወፍር ክትኣቱ ውዒልካ ለይቲ - ኣብ ልዋም ዘለ ዎ ዕረፍቲ ሓዲርካ፡ ትማሊ ዝ ጀመርካዮ ዕማም ክትዛዝም፡ ኣንጊህካ ብሰላም ክትወፍር፡ ብሰላም ክትምለስ ስለእትኽእል፡ ትርጉም ህይወት ክትፈልጥን መቐረት ዓለም ክትጥዕምን ዕድል ትረክብ፡፡ 

ኣብ ከምዚ ዝበለ፡ ውሕስነትን ቅሳነትን ዝተረጋገጸሉ ሃዋህው፡ 

ሸቓላይ ክነድቕ ክቕጥቅጥ

ሓረስታይ፡ ክኹዕት ክጫኹር 

ጓሳ፡ ኣመት ጥሪቱ ክገብር 

ነጋዳይ፡ ክገይሽ ክምለስ 

ጸሓፋይ፡ ክስንድ ክደርስ

ተመሃራይ ፍልጠት ክድልብ 

መንእሰይ ዓለም ከስተማቕር - ከፍቅር ክዘምድ 

ሄዋን ክትመስል ክትወልድ

ዕሸል፡ ክሕንቅቕ ክስውድ

ሽማግለ፡ ክምርቕ ከጻልት

ፈላሲ፡ ክባርኽ ክመርሕ ዕድል ስለዝረክብ፡ ኣብታ ሃገር፡ ቁጠባዊ ምዕባሌ ክመጽእ፡ ናይ ግድን ኢዩ፡፡ 

 

በንጻሩ፡ እቲ መንግስቲ፡ ከም ርግምቲ ሰይተቦ፡ መዳለዊ" መሓውራት ምምሕዳሩ ድማ፡ ከም ቀናእ ወደቦ፡ ዓመጽን ምልኻዕን ዝፈትዉ ምስ ዝኾኑ እቲ ህዝቢ፡ ልክዕ ከምዚ ዝከላኸለሉን ውሕስነቱ ዘረጋግጸሉን ኣቦ ዝሰኣነ ሕጻን፡ ህይወት ዝኽትምና ከሕልፍ ይግደድ፡፡ ኩልና ከም እንፈልጦም፡ ቀንዲ መለለዪታት ህይወት ዝኽትምና ጥሜት ዝጠንቁ፡ ኣካላዊ ዕብራን ምሹቕራር ዝጠንቁ፡ መንፈሳዊ ራዕዲ ምስትንዓቕ ዝጠንቁ፡ ምጉዳል ነብሰ ተኣማንነት ምቁንጻብ ዝጠንቁ፡ ምድካም ንያት፡ ኢዮም፡፡

መሰረት መንቀሊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ህይወት ዝኽትምና ስለዝመረረ፡ ናብራ ብሓፈሻ ስለዝጸንከረ ኢዩ፡፡

መሰረት መንቀሊ ህዝባዊ ተጋድሎና፡ ንሕና ኤርትራውያን ዓድና ክንውንን መሰልና ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ስርዓት ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምዕማጽን ምግፋዕን፡ ምስድዳድን፡ ዕለታዊ ዕማሙ ስለዝገበሮ ኢዩ፡፡ 

መሰረት መንቀሊ ገድሊ ንናጽነት ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ በቲ ዝወረዶን ዝርኣዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ዓመጽን ግፍዕን፡ ኣካላዊ ስምብራትን መንፈሳዊ በሰላን ስለዘሕደረ ኢዩ፡፡ 

ዕላማ ከርተት ሰላሳ ዓመታት፡ ዓለም ብቀትራ፡ ኤርትራውያን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ይነብሩ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ ሓረስታዩ ሸቃላዩ"ወዱ ጓሉ"ምሁሩ ተመሃራዩ"ንስሙር ቅልጽም ኣሕዋት ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየልቦ ብምትእምማን ተዘራርዩ ውሕስነቱን ቅሳነቱን ዝረጋገጻሉ፡ ሓርነት ዝሰፈና ኤርትራ ንምጭባጥ ኢዩ፡፡

ምኽንያት መስዋእቲ ሚእቲ ሽሕ ብሉጻት ደቅናን ኣሕዋትናን፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢኡ ባዕሉ ንክውስን ዘኽእሎ ሃዋህዉ ንምፍጣር ኢዩ፡፡ 

ጅግና በጃ ህዝቡ ዝወደቐ" ኤርትራዊ ወገኑ፡ ኣብ'ዛ ሓጻር እንኮ ህይወት፡ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም እናኣተወ፡ ትርጉም ምንባር ከስተማቕር፡ ስለዝበሃገ ኢዩ፡፡ 

ፍትሓውን ህዝባውን ተበግሶ፡ ወትሩ፡ ተዓዋቲ ኢዩ፡፡ ተጋዳላይ ድማ፡ ከም ሕድሩ፡ ንሰላሳ ዓመታት፡ ጥሜትን ጽምእን፡ ድኻምን መውጋእትን ተጻዊሩ፡ ኣዕጽምቱ ዕንጨይታ፡ ዛራ ደሙ ነዳዲኣ ክኸውን ለጊሱ ሃገራዊት ሽግ ሓርነት፡ ኣብ 1991 ወሊዑዋ፡፡ 

ሽግ ሓርነትና ግን፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ከመይ ኣላ?

መንግስቲ ህግደፍ ዝብሎ፡ ሽግ ሓርነትና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣማሙቓ ንካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣብነት ክትከውን፡ ባናኣ ትፍኑ ኣላ፡፡ 

ንሕና ንብል ድማ፡ ሽግ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ" ከም ሽምዓ ጎቦታት፡ ብንፋስን ህቦብላን ተኸላቢታ፡ ንሓዋሩ ክትቅህምት፡ ውልዕ ጥፍእ ትብል ኣላ፡፡ 

ኣብ ሞንጎ እዚ ፈጺሙ ዘይረከብ ተጻራሪ እምነታት'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣሎ፡፡ እቲ ሓቂ፡ ንሕና እንብሎ፡ ወይ መንግስቲ ህግደፍ ዝብሎ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሎን ዝኣምኖን ኢዩ፡፡ 

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ስለዝመረሮ፡ ብስደት፡ ብተቓውሞ ብስቕ፡ ብኣብያ ይገልጾ ኣሎ፡፡ ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ቅኑዕ መስመር ከም ዘለና መንግስቲ ህግደፍ ድማ፡ ኣብ ሓሸውየን ምድንጋርን ከም ዘሎ፡ ዳግማይ መረጋገጺ ኣይንደልየሉን ኢና፡፡

እምብኣርከስ መንግስቲ ህግደፍ፡ ከም ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት፡ ውድቀቱ ዘይተርፎ ወላ እንተኾነ፡- 

1. ክሳብ ዘሎ፡ ንህዝብና ናብ ዝጸበበ መስገደል ባርነት ክቖርኖ ከም ዝኽእል ብምርዳእን፡

2. ዘይሰመረ ተቓውሞን ዘይተወሃሃደ ኣብያ ብተናጸልን፡ ነዚ ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብ መድረኽ ዝበቅዕ ኣገባብ ከም ዘይኮነ ብምስትውዓልን"

ህይወትናን ህይወት ደቅናን ባዕልና ንምውሳን፡ 

ውድበይ - ውድብካ

ጃንዳይ - ጃንዳኻ

ቅዋመይ - ፕሮግራምካ

መስመረይ - እምነትካ፡ 

ሕንጻጸይ - ትልምኻ"

ከይተበሃሃልና፡ ነዛ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ክትገድፈና ጽልግልግ እትብል ዘላ ሽግ ሓርነትና፡  መሊስና ኣድሚቅና ክንውልዓ ክንብገስ፡ ናይ ኩልና ኤርትርውያን ሓላፍነት ከም ዝኾነ፡ ብትሕትና እንዳዘካኸርኩ እቲ ብኣካል ክሳተፍ ዝኽኣል ኣብ ዕለተ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፍ እቲ ክሳተፍ ዘይክእል ድማ ብንዋት ክተሓባበር እምሕጸን!

https://www.youcaring.com/geneva-23-demo-donatenow-579149