ዘይትሓፍር ድሙ፡ ኣብ ባይቶ ትፈሓስ
ዘይትሓፍር መርዓት፡ ንዓሻ ትወሓስ!
 
በዓል ንሰባሃከ !........

ሕፍር  ከይበሉ፡ ሕንኽ  ከይበሉ
ጉልባቦም ቀሊዖም፡ ከምዚ'ብሉ...

ሳላ ጽፍርና፡ እንታይ ተሳኢኑ
ሳላ ቅልጽምና፡ እንታይ ቀጢኑ

ኩሉ ጸባ ሰትዩ ፡ ኩሉ ተዓንጊሉ
ኩሉ ጠጢዑ፡ ኩሉ ለምሊሙ ።

ብዘይ ስክፍታ.............

ክንዲ ሕሰም ፡ ክንዲ መስደመም
ክንዲ ብድዐ ፡ ክንዲ መርመም

ክንዲ ጥሜትና፡ ክንዲ ጽምኣትና
ክንዲ ሕሰምና፡ ክንዲ ምረትና

ክንዲ ዝቖረርና፡ የሐወ የሐው ዝበልና
ጽጋብ ተጠሚቕና፡ ሕንቃቐ ተሰሊምና ።

ብዘይ ስክፍታ.............

ዘይሓፍር መርዓዊ፡ ኣብ ዳሱ ይጀሃር
ዘይሓንኽ ማዓኮር፡ ብዓሻ ይመሃር

ዘይሓፍር ውሉድ፡ ወላዲኡ ይኸስስ
ዘይስከፍ መልሓስ፡ ዘየሎ የንፍስ

ከም ደግለል ዝራብዕ፡ ሞግስዑ ይመልስ  
ሓቂ መሲልዎ፡ ለባም ዘይቅልስ ።

እንተዘይ ተሰኪፍካ............

ተባዕታይ ሓሶትካ፡ ሓቂ ይመስል
ኣምሳሊ መልሓስካ፡ ልቢ የቑስል

ገመድ ፍሕሶኻ፡ ተስታይ የንጠልጥል
ማሕጸ ቶንኮልካ፡ ገረድ ይሰቅል

ፍላጻ መልሕስካ፡ ዓዲታት ይነቅል
ሓሳዊ ከናፍርካ፡ ኮላሊት ይመቅል ።

መስጣ ኣለዎ..............

ዝራባዓት ሓሪድካ፡ ኣይወዓልኩን
ዒሸላት ኣጥሚኻ፡ ኣይቀዋዕኩን

ኣፍላጋት ኣንጺፍካ፡ ኣይረኣኹን
ሕድሪ ጠሊምካ፡ ኣይጠለምኩን

መሰል ቀቢርካ፡ ኣይነበርኩን
ህይወት ኣጥፊእካ፡ ኣይኣበስኩን

ኤእ!ሚካኤል ይመስክር !



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...