“ እምቢ ንባጤራ እሺ ንጣይታ? ”

 ኣብዚ ዘመነ ሃረምረም
ውሉዱካ ሃባ… ጥሪትካ ድገም..
መሬትካ ኣመንኬላ ተነስኒስዋ..
ዝሓዝካ ሒዝካ
ሃጽ ኢልካ ህደም…

ንመን ድኣ’ዩ
ሕራይ ንጣይታ
እምቢ ንባጤራ ዝበሃሎ…?
ድሮ ዲዩ ተረሲዑ
ስርናይ ረዲኤት
ኣብ መሸጣ ከም ዘውዓሎ

እቲ “ ሓንቒቖም” ዝብል መስመያ
ገና እኳ ቀለሙ ዘይነቐጸ…
ሓኒቒቝ ንዘሕንቐቐ ድኣ
እንታይ ረዲኤቱ…
ዓው ኢሉ “ ርእሲ-ምርኮሳ” ዘይድምጸ
ደሃይ ቃንዛ ዶ የስምዕ’ዩ
ቖርባብሻ ዩሁዳ ገንዘብ ምስ ቀበጸ…

ኣምስሉ………
ጻዕዳ ወረቐት ልቕልቕ እንተወዓለ
ልቝሉቕ መቓብር ሙዃኑ
ኣይ ብመልክዑ እንዲዩ ካብ ማዕዶ ዝለለ
ጻድቕ ዶ ይሰመ ኮይኑ
ብልያልን መልኣኽን ኣብ ሓደ እንተ ቖረነ

ኣብዚ ዘመነ ውርውራ…
ሓቒ ተዛሪብካ ነብስኻ ኣይትዕብራ…
ስነ-ፖለቲካ ኣብ ከርሲ ሓቂ ተሰባጢራ…
ጨለ ክትባሃል…
ዘገም ትብል ኣላ ንግዕዘ ጠባቢራ…

እምበር…..
    
እኽሊ ካብ ገዘተ ንሸመተ
ዘይረሃጸሉ ቖፎ ብድሎ ካብ ዘመተ...
ክፋእ መጋቡሩ እንዶ እንሆ
ቍልጭ ኢሉ ይምስክር….
ወይስ ጣልያን* ኢዩ ባዕሉ ከይዱ
ርብዒት ሒዙ ክሰፍር

ስርናይ እውን ተሸይጡ ገንዝብ ይኸውን ኢዩ”

ኪሮስ ዮውሃንስ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...