September 24, 2019

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ሎሚ ዝተዓዘብክዎ ጩራ ብርሃን ከካፍለኩም ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት ንምኽባር:  መስከረም 1, 2019 “ይኣክል ኣሰር ዓወተ” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ብዛዕባ ስደተናታትን፡ ካብ ብዙሕ ዓይነት ተመክሮታት እናተማህርካ ተኻኣኢልካ ምስራሕን፡ ሓይሊ መድያን ስፍሕ ዝበለ ሰሚናር ተኻይዱ።  ኣማኒኤል በርሄ - ኣባል ናይ ሓለፍቲ ይከኣሎ - ብዛዕባ ህልው ኩነታት ስድተኛታት ክዛረብ ክሎ፡ ዘመስከረ ግብራዊ ሓልዮቱ  ኣብ ገጹ ተራእዩ፡ ኣብ ድምጹ ድማ ይስማዕ ነበረ።  ክኽውሎ ስለ ዘይከኣለ ድማ ንብዓት ቀደሞ እሞ ሰብ ልቡ ተተንኪፉ፡ እቲ ስቃይ ስደተኛትት ከም ሓዲሽ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ክሕግዝ፡ “ኣሎኹልኩም” ክብል ዘኽእል ሃዋህው ተፈጥረ። 

ካልእ ብጣዕሚ ዘሐጉሰካን ዘኹርዓካን ድማ ሰለስተ ሰባት መዳልያ ተቀቢሎም። ንሳቶም ድማ ክቡር ኣቦና ዓብደላ ሱለማንን፡ ሐፍትና ዘቢባ ሸካያን ሐውና ተስፋልደት ኣለም ምሓረናን እዮም። 

ኣቦና ዓብደላ ሱለማን ገዲም ተጋዳላይ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -  ብ1965 ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሓላፋይ ዝነበሩ - ንመንእሰያት ክምህሩን፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፈለላ ሃገር ከም ዘለዎም ከፍልጡን፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ዘመተ ኣዝዮም ክንጥፉን እናታባብዕኡ ዘይሕለል ቃልሲ  የካይዱ ኣለው።  ስም እቲ ገደሊ ይለዋውጥ እምበረ ተጋዳላይ ተጋዳላይ እዩ፡ እቲ ገድሊ ድማ ገድሊ መላእ ህዝቢ ክይኑ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቃሊሳ ዓለም ልዑላውነታ ተቀቢልዎ። ኮይኑ ግን ኣብዚ ሃገር ከም ሃገር እመበርዶ ደው ክትብል’ያ ኢልክ ኣዚኻ ኣብ እትሰከፈሉ እዋን፡ ገለ ሰባት ገና ኣብቲ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ስሚዒታት ይርከቡ።  እሞ ከም ክቡር ተጋዳልይ ኣቦና ዓብደላ ሱለማን ዝኣመሰሉ “ሃየ ደቀይ” እናበሉ ናይ ፍቅርን ሕብረትን መርኣያ ኮይኖም ይርከቡ ኣለው።

ህዝቢ ኤርትራ ከይትዛረብ፡ ከይትጽሕፍ፡ ከይትመራመር ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፡ ፈላሚት ደንበ - ደምበ ኣዝማሪኖ - ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ትረክቦ ዝሑል ማይ  መተርከስ ጎረሮ - ማለት ልሳን  ማዕዶ ኮይናቶ።  ሐውና ተስፋልደት ኣለም ምሓረና ን22 ዓመታት ኣገልጊሉ ጥራይ ዘይከነ፡ ንሓደስቲ መድያታት እግሪ ክተኽላ ትሕዝትኡን ምኽሩን ወፍዩ፡ “ካብይ ዝሐሹ ናይ መድያ ሰባት ክስርሑ ምስ ዝርኢ ጥራይ እየ ተዓዊተ ክብል ዝኽእል” ዝብል ቅዱስ ኣታሓሳስባ ኣለዎ። ብብዙሕ ምኽንያታት ብሕልፊ ድማ ብጥዕና ኣብ ዝተጠቅዓሉ እዋን ሰባት “ምስቲ ዘዕበየካ ናይ ቢዝነስ ሃዋህውን ትምህርትኻን፡ ተመክሮኻን  ህድእ ኢልካ ትሰርሓሉ፡ ርቡሕ ደሞዝ ትረኽበሉ፡ ምስ ደቅኻ ጊዜ ተሕልፈሉ፡ ጽብቅ ስራሕ ክትረክ ትኽእል ኢኻ፡ ደጊም እዚ ከቢድ ሓላፍነት ናይ ኣዝማሪኖ ግደፎ” ዝብል ምኽሪ ምስ ተዋህቦ፡  “ሓቅኻትኩም ከምይ ጌይረ’ሞ ክገድፎ፡ ከምኡ ክሓስብ ከለኹስ፡ ንድሕሪት ተመሊሰ እዝከር። ምስ ብጾተይ ን ኣመሪካ ክንሰገር ብሜዳ ኣቢልና ክንሓልፍ ከለና፡ ኣብ ቃሮራ ተጋደልቲ ረኺቦሙና፡ ምሳና ትረፉ ኢሎም ኣረዲኦሙና። ብጾተይ ነቲ ሓሳብ ኣይገቀብልዎን መገዶም ክቅጽሉ ወሲኖም፡ ኣነ ድማ ክተርፍ ክጋደል ወሲነ። ድሓር ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ንበይነይ ፍልይ ኣቢሉ ‘ተሰፊት ከም ብጾትካ ኪድ ተማሃር፡ ጽባሕ ንግሆ እዛ ሃገር ብዘይ ምሁራት እንታይ ክትከውን’ያ፡ ኩላትና ነናትና ተተራና እሎና’ ኢሉኒ። እሞ ክገድፎ ኢለ ክሓስብ ከለኹ እቲ ታጋዳላይ ኣብ ኣእምሮይ እመጸኒ። ድሓር ድማ ኣደይ ልዕሊ ናይ ገዛና ሓገዝቲ ክትሰርሕን፡ ሕብእ ኢላ ንኽንደይ ስድራቤታት ክትረድእን እናራኣኹ’የ ዓብየ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ እንተደኣ ተማሂሩ፡ ብኹሉ መለኪዕታት እንተማዕቢሉ ጥራይ እዩ ንሀገሩ ክሕግዝ ዝኽእል ዝብል እምንቶ ድማ ነይሩኒ፡ ሕጂውን እምንቶይ ንሱ እዩ”  ዝብል ኤርትራዊ’ዩ።

ሓብትና ዘቢባ ሸካያ ሓደ ሰብ ክገብሮ ይኽእል’ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ፡ ማለት ኣብቲ  ልዕሊ 250,000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ነዋልድ ኣስሪሓ ካብ 2010 ድማ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ።  ከመይ ጌርካ ኢኺ ሃናጺ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ  ክትገብሪ ሓሊንኪ ኢለ ምስ ሓተትክዋ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂባትኒ፡

 “አነ ካብ ዓደይ ወጺኤ ብሱዳናን፡ ዓዲ ዓረብን፡ ኤውሮጳን ኣቢለ ድሕሪ ክንደይ ከርተት ዕድል ገይረ ኣመሪካ ኣትየ’። ትምህርተይ ወዲኤ ድማ  ጽቡቅ ስራሕ ሒዘ። መዕበይየን ሃገረይን ግን ኣይረሳዕኩን።  ንህዝበይ ብሕልፊ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ ሃረርታ ነይሩኒ። ኢርትራ ነጻ ምስ ወጸት ምስታ ቀዳመይቲ ነፋሪት ከይደ፡ ዳግማይ ውን ጊዜ ከይወሰድኩ  ነተን ኮሚደሮ ሽጉርቲ ወዘተ እናሸጣ ከምቲ ድኻመን ረብሐ ዘይረኽባሉ ዝሕግዝ microfinancing ፕሮጀከት ሒዘ ኣትየ። መንግስቲ  ክሕግዘኒ እዩ ትጽቢተይ ዝነበረ። ድሕፊ ክንድይ ኮለል ግን “እቲ ገንዘብ ከም ዘድሊ ጌርና ባዕልና ክንሰርሓሉ ሃብና” ኢሎም ኣቅቢጾሙኒ። ተስፋ ግን ኣይቆረጽኩን። ኣብቲ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝርከብዎ ገዳርፍ ሱዳን ከይደ ነተን ኣዴታት ብኸመይ ክሕግዘከን ምስ በልክወን ዘይተጸበኽዎ መልሲ  “ እንተ ኺእልክስ ነዋልድ ደቅና ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኢና ንደሊ” ኢለናኒ። ብዙሕ ድኻም ነይርዎ፡ ተስፋይ ዝምህምነሉ እዋን ውን ነይሩ፡ ግን እቲ ድልየት እዴታትን ሕድረንን ንኹሉ መሰናኽል ክወጾ ኣታባቢዑኒ። ብዙሓት ገብርቲ ሰናያት ድማ ሓገዞም ኣቢርኪቶም” ኢላትኒ።  ዘቢባ እቲ ኣብታ Building The Impossible: A Refugee’s Journey of Giving Back ትብል መጽሓፈ ብ 2018 ዝተሓትመት  ኩሉ ዘርዚራቶ’ላ። እቶም ቋንቋ እንጊሊዝ ክመሃሩ ዕድል ዝረኸቡ ድማ ነቶም ናይ ኣደ ቋንቋ ጥራይ  ዝፈልጡ ከካፍሎዎም እሞ፡ ዘይክኣል ዝመስሎም ዝነበረ  ተባራቲዖም  ሓሊኖም ክገብሩ  ሓደራ እብል።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎም ሰባት ብሐቂ ክምዚ ዝኣመሰለ በብዓይነቱ ሃገራዊ ኣበርክቶታት ተፈሊጥሎም ብኸባቢኦም መዳልያታት  ክውሃቡ ከለው ንኻልኦት መታባብዕዒ ነቲ ባህልን ሃገርን ድማ ክብረቱ’ዩ’

ካልእ ኣብዚ ብዓል ዝርኤ ዝነበረ ነዊሕ ጊዚ ዘይተራኸቡ ሰባት ተራኺቦም ክሕጎሱ’ዩ። ዝብላዕ ምስኣን ግናይ’ዩ፡ ጥሜት ሰብ ውን ካብኡ ከም ዘይንእስ ተገንዚበ።  ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ መብዛሕትኡ  ኣኬባታት ከም ቂሔ ጽልሚ መመልክዒ ጥራይ ዘይኮናስ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሳባ ተስፋዮህንስን ሓናን  ስዒድን ነቲ በዓል መርሔንኦ ደቀኣንስትዮ ድም ብብዝሒ ተኻፊለን።  እዚ ነታ ሃገር ዓብ ተስፋ’ዩ።

ክቡራት ሰማዕቲ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ጭራ ብርሃርን’ዩ እምበር ብርሃን ኣይኮነን። ብርሃን ክኸውን  ካብ ድኽነትን፡ ድንቁርናን፡ ስደትን፡  ፋሕፋሕ ስድራቤታትን፡ ውርደትን፡ ሕፍረትን፡  ሕልፈትን፡  ትሪ ልቢን፡ ንዘረባታት ከም ቁምነገር ከም ስራሕ ምውሳድን ወጺእና ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘእተወና ምኽንያት ዘኪርና፡ ሕልናና ዳኛና ጌርና ን “ይኣክል” ኩላትና ሓቢርና ብቀጻሊ መዳብት ግብራዊ ክንገብሮ ኣለና። ኢሳይስ ከም ውጹእ ርእሰ መላኽን ገብናኛን ብብዙሓት ወጻእተኛታት ምፍላጥን፡ እሱራትና ዘይምፍታሕን፡ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ደው ዘይምባልን፡ 22 ዝኣክላ ቤት ሕክምና ምዕጻውን፡ ቤት ትምህርታት ምህጋርን፡ መንግስቲ ኣመሪካ መስል እምነት ምውጋድን፡  ምእሳር መራሕቲ ሃይማኖታትን ኣይንጻወሮን ኢና ምባል፡  ዓለም ክቅልበሉ ን “ይእክል” ግብራዊ ክገብሮ ዓቢ ተራ ኣለዎ።

በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኒ ማሕበር ኢንጂነራት፡ ሓካይም፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ተማሃሮ፡ መማሃራን፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ ወዝተረፈ እተን ዝዛሕተላ ተባራቢረን ክውንጭፋ፡ እተን ዘይነበራ፡ ክጅምራ ናይ ግድንዩ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ስርሔን ከማልእኦ ድማ ኣብ ነብሲ ወከፈን ብቁዕ ዝኽፈል ሰራሕተኛ  ኣድላይ እዩ። ብጽቡቅ ድልየት volunteers ጥራይ ዝካይድ ጊዚኡ ዝሓለፈ ውጺኢቱ ርእናዮ ኣሎና።

ክቡራት ሰማዕቲ እምበእር ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት ንምኽባር  ኣብ  ሎስ ኣንጀልስ  ዝተገብረ በዓል ጩራ ብርሃን’ዩ ዝበልክዎ  ብርሃን ክኾነልና  ድማ  ሓዲሽ ሓሳብ ዘይኮነ ብዙሕ ሰብ ዝብሎ ኣብዚ ይዓጾጽዎ ኣለኹ። ስቃይ ህዝብና ዘኽትመሉ ቀረባና ይኹን ክብርን ምስጋናን ድማ ከም ወትሮ ንዕኡ ንእጊዚኣቢሄር ኣምላኽ ይኹኖ። ኣሜን።

 

ኣበባ