“በብወልቅን ብጉጅለታትን በብእዋኑን እንተዘይኮይንና፡ ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢርና መኪትና፡ ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት እዚ ሓንሳእን መወዳእታን ብንግህኡ ካብ ሱሩ ሚሒና ዘይጓሓፍናዮ፡ ን28 ዓመታት ዝኣክል ዝተዓዘምናስ እንታይ ኮይንና ኢና?

Augusts 1, 2019

መልእኽቲ ካልኣይ ቀብሪ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ እምበኣር ሎሚ “ውዓል ሕደር ዘይድልዮ ካልኣይ ቀብሪ”  ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ብሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ - ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ብቀጻሊ ዝሓታ - ጀሚረ ዝመስለኒ መልሲ ክህብ ክጋደል’የ። እታ ሕቶ ከምዛ ትስዕብ’ያ፡

“በብወልቅን ብጉጅለታትን  በብእዋኑን እንተዘይኮይንና፡ ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢርና መኪትና፡ ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት እዚ ሓንሳእን መወዳእታን ብንግህኡ ካብ ሱሩ ሚሒና ዘይጓሓፍናዮ፡ ን28 ዓመታት ዝኣክል ዝተዓዘምናስ  እንታይ ኮይንና ኢና?  እያ ትብል።

ንምሳሌ ሓደ ሰብ  ንበሎ፡ ክገይሽ ጉዕዝኡ ክጅምር ከሎ፡ ብግስ ከይበለ ሬሳ ወዲቁ ምስ ዝርኢ ቁሊሕ ሚሊሕ ይብል፡ ነቲ  ሬሳ ነጸላ ከውድቀሉ፡ ሰብ ከናዲ፡ እቲ ዝግበር ክገብር ይሕልን። ድሓር ግን ብግስ ከይበለ ብየማን፡ ብጸጋም፡ ብቅዲሚት ሬሳታት ምስ ኣጋጠሞ ሓሞቱ ይፈስስ፡ ጎሰስ እናበለ መንገዲ ይቅጽል፡ ኣብራኽ ወለል ይብል፡  ከብዲ ተእዊ፡  ዝብላዕ ጥራይ ይርኣዮ፡ ከምዚ ኹሉ ድማ ይድንዝዝ። እቲ መጀመርያ ዘሰንበዶ ሬሳታት፡ ከም ብዙሕ ጥማሮ የዕጫው ኮይኑ ይርኣዮ፡ የዕንቱ ይለምዶ፡ እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ገይሩ ይወስዶ። ንሕና ድማ ከም  በዓል ቪትናም፡ ካምቦድያ  ክንክውን ኢልና ኣይሓሰብናን ክንሓስብ እውን ጊዜ ኣይነበረናን፡ ሕራይ ሕራይ ጌርና ተጠሊምና፡ ዝኣመንካያ ድሙስ ተምጽኣለይ ተመን ኮይኑና። ናይ 30 ዓመታት ዝኣክል ኩናት ዘስዓቦ ድኻማት ኣለሽ ኣቢሉና። ኣብ ርእሲኡ ነጻነትና ገና ከይኣስተማቀርና፡ ሓርጎጽገጽ ይንበር እምበር ምስ ጎረቤትና፡  ምስቶም ኣብ ሓደ እዋን ኣንጻር ደርጊ ሓቢርና ዝተቃለስና፡ ልኡላውነትና እውን መጀመርታ ዝፈለጡልና -  ሃገር ትጠፊና ኣላ -  ኢልና ኣብ ሕሱም ዳግማይ ኩናት ኣቲና። ሐወይ ዶክቶር ግርማይ ነጋሽ ኣብታ “መገዲ ዓድና” እትብል መጽሓፉ -  ኩላትና ከም ንፈልጦ - ኣብ መንጎ  መንግስትን - government - ዳውላን - state  ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ፡  ማለት መንግስቲ ብሕጊ ተቀይዱ ሃገርን ህዝብን ዘገልግል ድኣ እምበር፡ ተገልጋላይ ኮይኑ ህዝቢ ባርይኡ ከም ዘይኮነ።  ሃገር ኣብ ኩናት ከላ’ዶ ሕጂ ክንዛረብ፡ ተባሂሉ ገሌና ምስ መንግስቲ፡ ገሌና ኣንጻር መንግስቲ ተባሃሂልና፡ ኣብቲ ረቂቅ መጻወድያ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣቲና። ተበላጻይን ንጽቡቅ ተጻባኣይን ኣብ መንጎ ዝኾነ ህብረተሰብ ምህላው ድማ ሓዲስ ኣይኮነን።

 በዚ ኮይኑ በቲ፡ ልብና ኣትሪርና፡ ዓይንና ሸፊንና፡ ኣእዛንና ኣጽሚምንና፡ ኣብ ዘዘለናዮ ብኽቱር ፍርሒ ተዋሒጥና፡ ብሓፈሻ ኣዛራርባ ከም ታሪኽ ሰኒድና ካብኡ ተማሂርና፡ንቅድሚት ክንዲ ንስጉም ፡ መባዛሕትና ኣብ ዕላል፡ ኣብ ዝተባህለ ምስ ምቁንጻቡ መልስታት ምሃብ  ክቡር ጊዜና  እናጥፋእና፡ ዘረባ ከም ኣድማዒ ስራሕ ጌርና ወሲድና  ንዘስካሕክሕ ዘይንቡር ተርእዮ ከም ንቡር ጌርና ወሲድናዮ።

 ቤት ማእሰርትታ ልዕሊ 350 ኮይነን፡ ኮንተይነራት ከይተረፈ ተወሲኽወን፡ “ኣጽኑሑለይ” እናበልካ ህዝቢ ናብኣተን ምጉዓዝ።  ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይተረጋገጸ ሰባት ቁጽሮም ማእለያ የብሉን።  ዓዶም ክሃንጽዋ፡ ክነብሩላ ዝመጹ በቢዓይነቱ ትምሃርትን፡ ተመክሮን፡ ዝነበሮም፡ መማሃራንን፡ ነጋዶን ሓኻይምን ዝረክበዎም፡ ዛንዛን ኢሎም ኣብ ዓዲ ስደቶም ተመሊሶም፡ ብዙሓት ድማ ብምስምስን ብርእዮን ተቀቲሎም። እቶም ንሃገሮም ህይወቶም ክህቡ ዓጢቆም፡ ብስንክልና ሓሊፊሎም፡ ብሰላም ክንበሩ ዝሓሰቡ ከይተረፉ ብኣረሜናዊ ጭካኔ  ተረሺኖም። መንእሰይ ኣብ ሳዋ፡ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ዘመናዊ ብርነት ተጸሚዱ፡ ብማይ ዝተጀልሔት ዓደስ ምስ ንቁጽ ባኒ እናበልዔ ኮቢሊልካ፡  ዶብ ክትሰግር ሓሲብካ ተባሂሉ ተኣሲሩ ፡ሕሱም ማህረምቲ ተቀጥቂጡ፡ ሰንኪሉ  ክሰግር ዝተረኽበ ድማ - shoot to kill - ተኩስ ክትቀትል ብዝብል መምርሒ ተቀቲሉ።  ምስ ከም በዓል በደዊን ዝኣመሰሉ ጠለፍቲ  ተሻሪኾም፡ ሓለፍቲ ክፍለ ሰራዊት፡ ጀነራላት ኮረናላትን “ገንዘብ ክፈሉ ከነሳግረኩም” እንዳበሉ፡ ክንደይ መንእሰይ ኣብ ምድሪ  ኣጻምእ ብኻራ ተሓሪዱ፡ ክፍሊ ኣካላቱ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ፡ ከም ባርያ ኮይኑ ክገልግል ተሸይጡ ሓረስታይና ሸቃላይና ብዋጋ ሽሮ ዓሳ ክንበልዕ ዝሓሰብናዮ፡ ቀለብ ዓስ ኮይንና።   እቶም ንስክላ ዝወጹ እውን ዓዲ ዘላማምዶም፡ ዝሐቅፎም ማሕበረ ሰብ ብዘይምህላው ኣድማዒ ትምህርቲ ብዘይምቅሳም፡ ብስነ ኣእምራዊ ቁልውላው PTSD Post Traumatic Syndrome Disease ዝጥቅዑ ዉሕዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ርእስቲ ከም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋተን ዝወርደን ማእሰርትን፡ ምቅቃጥን መሸጣን፡ መቅተልትን፡  ብጀነራላት፡ ኮለናላት ሰራዊትን ኣሰሮም ዝኽተሉን  ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮና - ካብ ማህጸን ኣዲኦም ከም ዘይፈለሱ - ክብረተን ግሂሶም፡  ብቀሊል ዘይሐዊ ስነ ኣእምራዊ በሰላ ምግዳፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣቡኡ ዘይፉሉጥ ቆልዓ ተሰኪመን፡ ኣብ ስደተኛታት ኮይነን ዝሓስራሉ ዓዲ ብዙሓት ለማኖ ኮይነን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ኣብዚ ከምዚ ህሞት’ሞ እንታይ ይገበር?  ሓደ እቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ኩሉ ዓይነት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላሉ፡ መሬት ከይተረፍት ጸጉራ ላጽያ ዝሃበትሉ፡ ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ማይ ሐቆነ ኮይንና፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዘሎን ዝመጽእን ንመያየጥ፡ ብዛዕባ እቲ  ካብኡ ክንማህር ተሰኒዱ ክሕለፍ ዝግብኦ “ሆ” እናተባሃሃልና፡  ድኽነትን፡ ድንቁርናን፡ ስደትን፡ ምፍልላይን፡ ዉርደትን ኣስዕብና፡  ዛንታና ኣኽፊእና ሕልፈት ወሪስና ምቅጻል እዩ፡ እቲ ካልኣይ ምርጫ ድማ ካብ ሕሱም ድቃስና ተባራቢርና፡ ቁስልና ፈዊስና  መንገዲ ንቡር መናባብሮ ምሓዝ’ዩ። እግዚኣቢሄር ይመስገን ድማ መንእሰይ ዝተዓጠቀሉ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ሕዝቢ ዝስዕቦ ዘሎ ኣብ ምትግባሩ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።  ኮይኑ ግን ን28 ዓመታት ፋሕ ኢልካ ጸኒሕካ፡ ብሓንሳእ ስምር ክትብል ቀሊል ከይከውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ዝኾነ ይኹን ነገር ቀሊል’ዩ ኢልካ ምስ ትኣትዎ’ሞ ዘይቀሊል ኮይኑ ምስ ትረኽቦ  ተስፋኻ ይምህምን’ዩ።  ከቢድ ምዃኑ ፈሊጥኻ፡  ሕማቅ ዝገበረን ሕማቅ እንዳተገብረ ስቅ ኢሉ ዝርኣየን ክልቲኦም ገበኛታት ምዅኖም ኣሚንካ፡ ሕልናኻ ዳኛኻ ኮይኑ ጠመተኻ ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ናብ ርእስኻ ጌርካ፡   ቆሪጽካ ምስ ትትንስእ፡  ኩላትና ከም ንፈልጦ ዓወት ትጭብጥ ኢኻ።  ድሓር ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ እቲ ርኡይ ሽግር ዘለዎ’ሞ ንግደፎ፡ እቲ ድሓን  ኣሎ ትብሎ’ውን ዝእመነሉን ዘይእመነሉን ናይ ገዝእ ርእሱ ቁስልን፡ ናይ  ሃገሩ ቁስልን  ኣብ ውሽጡ ከም ዘሎን፡  እዚ ድማ ነቲ  ናይ ምጽውዋር ዓቅምና ከም ዝትንክፎ ንገንዘብ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓድና፡ ኣብ ብዙሕ ባህልታት፡ ሰብ ምስ ሞተ እንተይከሰምዔ፡ እንተጸጊምዎ ኣብ ቀብሪ ዘየርክብ ኣሎ። ስድራ ጊዜ ከይነውሔ ሓንቲ መዓልቲ ወሲኑ ካልኣይ ቀብሪ ከም ዘሎ የፍልጥ’ሞ፡ ካብ ቀረባን ርሑቁን ቤተሰብን ፈታውን ይእከብ። ከም ሓዲሽ ሬሳ ክቁጸር ኣብ ወገፈ ነጸላ ዝወደቆ ዓራት ይወጽእ፡  ከም ዳሕራይ ቀዳማይ  ነቲ ሬሳ መሰል እናዞርካ ልቅሶ ይኸውን።  ኣማስይኡ ተበሊዑ ተሰትዩ፡  ብዓል ርሑቅ ንዓዱ ይምለስ፡ ዝተረፈ ድማ እተን ዉሱናት ናይ ሓዘን መዓልታት ይምልኤን። ነቲ ሞት ፈጢርዎ ዘሎ ናይ መነባብሮ ሃጓፍ ብዝተኻእለ ንምጽባብ ድማ  ግዝያውን ዘላቅን ደበሳት በዝን በትን ይግበር።

ንሕና ድማ፡ ደንዚዝና ኢንዲና ዘለና፡ ነቲ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኩነታት ይፍጠሮ እምበር ኣዕናዊ ዝኾነ ተግባራት ከምኒ፡ ከብድኻ ክትዕንግል  ኢልካ ነንሕድሕድካ ምትሕስሳው፡  ስርቂ፡  ዘይናትካ ናተይ ኢልካ ሕፍር ከይበልካ ምዝማት፡ ማዕረ ነንሕድሕድካ ምቅትታል፡ ነቲ  ከም ሰብ ሰብ ዝገብረና ባህርያትና እውን በኪልዎ እዩ። ቅድሚ ኤርትራዊ ሙዃንና ሰብ ኢኻ። ኮይኑ ገን ፈጺምና ብኹሉ ጠፊእና ማለት ኣይኮነን፡ ተደጉልና እምበር ከምቲ  ሃልሃል ኢሉ ኣሰር ሐዊ ዘይብሉ ቀሸም  ዝጠፍእ ኣይጠፋእናን።  ከምቲ ካልኣይ ቀብሪ ጌርካ ተዳባቢስካ ናብራኻ ተካይድ፡ ንሕና ድማ ካብ ጌጋና ተማሂርና ኣብ  ንቡር መነባብሮ ክንመለስ - ሕማቅ ዝገበረን ሕማቅ እንዳተገብረ ስቅ ኢሉ ዝርኣየን ክልቲኦም ገበኛታት ምዅኖም ኣሚንና፡ ሕልናና ዳኛና ኮይኑ ጠመተና ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ሰብ ናብ ርእስና ጌርና፡ ንመንእሰያትና፡ ሓላፍነት ክወስዱ፡ ብግብሪ እናባራታዕና፡  ነቲ “ይኣክል” ዝብሎ ጭርሖ እናተጻዋወርካ ኣብ  ግብሪ ምውዓል’ዩ።  እወ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ፍናን ክገብር፡ እዚ ኣብ ወጻኢ በብዓዱ ዝቀዉም ዘሎ ባይቶታት ተማእኪሉ ክሰርሕ፡ በርጌሳውያን ማሕበረት -  ከምኒ ማሕበር ተማሃሮ፡ መማህራን፡ ሓካይም፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሚድያ፡ ጽሓፍቲ፡ ሐርስቶት፡  ሰራሕተኛታት፡ ጠበቃታት፡ ስነ ጥበባውያን፡ ኢንጂነራት ነጋዶ፡ ወዘተረፈ -  እተን ነጢፈን ዝሰርሐ ዘለዋ ብዝያዳ ክነጥፋ፡ ዝነበራ’ሞ  ዝዝሕተላ፡ ክብርትዓ፡ ዘይነበራ ድማ ክጅምራ፡ ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ስራሕ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ሕጂ ክንዕጠቀሉ ኣሎና።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ  ካብ ካልእ መዓልቲ ኣዝዩ ደንፊዑ ክውንጨፍ ናይ ግድን’ዩ። 30 ካብ ሚእቲ ተጋደልትና ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ጥይት ክትመጸን ከላ፡ ኣደይ፡ ማማየ ዘይኮነስ፡ ዓወት ንሓፍሽ ዝበላ፡  ናይ ከተማ ተንቃሳቀስቲ  ብኽልተ ሓዊ እንዳተበልዓ፡ ብጸላኢ ተታሒዘን ተኣሲረን ተዛረቢ ምስ ተባህላ፡ ኣስማት ብጾተን ከይነግራ፡ ኣሕሊፈን ከይህባ፡ ኢደን እግረን ተቀፊደን፡ ብኽያትሲ ይትረፍ ኣብ ገጾም ጡፍ ዝበላሎም፡ ብምቕጥቃጥ ዝተሰውኣ፡ ክምሃራ  ንወጻኢ ከይደን ትምሃርተን ኣቋሪጸን ኣብ ምንቅቃሕን ኣብ ገንዘብ ንገድለን ምድላብን ዝኣተዋ። እንዳ የዕራብ ይኹን ከዋጃታት ሰሪሔን ንስድርኤን ዝሓገዛ፡ ንጽባሔይ ከይበላ ማዕረ ወርቀን ንገድለን ዝሃባ፡ ደድሕሪ ደቀን እንዳኸዳ ዝምግባን ዘምዕራን ዝነበራ። ብሕጊ ትቅየድ ፍትሒ ዘለዋ ዓዲ ኮይና ደቂ ኣንስትዮ መስለን ዝሕለወሉ ዝኸብራሉ ሃገር ንምምስራት’ዩ። ስለዚ ኣትን ኣሓትይን፡ ደቀይን፡ ደቂ ደቀይን እንታይ’ዮም ዝብሉ እዞም ዓዲ ዝብሉ - the ball is in your court - እቲ ሓይሊ ኣብ ኢድክን እዩ ዘሎ። በዘን ኣብ  ላዕሊ ደገጊመ ዝጸቀጥኩለን - ሕልና ተጣቃልለን  ብርእሰ ታእማንነት ምትንሳእ’ዩ። ኣባልት ባይቶታትን ካልኦት ዓበይቲ መሕበራተን እንተኾንክን፡ የሔልክን እምበር ኣየዛሕትለንን እዩ። ድሓር ድማ ዘየመስከርክን’ መኣስ ኮይንክን።  ሃገር ማለት’ኮ ኣብ ዓዱ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ’ዩ።  ኣብ ትንፋሳት ምድሓንን፡ ስቃይ ህዝቢ ንዓለም ምቅላሕን፡ ስደተኛታት ምርዳእን ዝካየድ ንጥፈታት ብብዝሒ ንስኻትካን ኣሎኹንኦ።  ድሓር ድማ ሎሚ መማሃራን፡ ሓኻይም፡ ኢንጂነራት፡  ጠበቃታት ኣለኽናና፡   እዘን ዓብይቲ ድማ ኣጆኽን ንብለክን፡ ጠቃሚ ንብሎ ተመክሮታትና ድማ ብሓጎስ ነካፍለክን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ሕሙማት ካብ ዓራታውቶም እናደርበኻ 22 ዝኣኽላ ክሊኒካት ምዕጻው፡ ጠረብ እናበልና ዘይኮነስ፡ ብሓንሳእ ብብዝሒ ብኣካል፡ ብጽሑፍ እናሓንሓና ነእውየሉ።  ጳጳስ ናይ ካቶሊኽ ብዛዕብኡ ምዝራቦም መንግስቲ ኣመሪካ መሰል ሃይማኖታት ምግሃስ ኣይንጻወሮን ምባል፡ ንዓና ኣብ ጎስጓስና ዓቢ ሓገዝ’’ዩ።  እዚ ግን ተወሳኺ እዩ እምበር መሰረታዊ ስቃይና ነኽትሞ ንሕና ባዕላትና ጥራይ ኢና። መድያታት ኤርትራ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለወን። ተለቪጅን ኣሰና ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ኮይናቶ ኣላ፡። ከምኒ ኤረሳት እውን ይጅምራ ኣለዋ። ግን ምውድዳር ዘይኮነስ፡ ምትሕግጋዝ - cooperation not competition - ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ሚድያ ይኹን ኣብ ኩሉ ማሕበራት  እቶም ቀዳሞት ነቶም  ሓደስቲ ዝጅምሩ፡ ክሕግዝዎም ፡ ከባራትዕዎም፡  እቶም ሓደስቲ  ድማ  ኣማኹርና ክብልዎም፡ ከመስግንዎም ሐቢሮም ክሰርሑ ይግባእ። ዘዝቀደመ ምርሳዕ፡ ፈጺሙ ንቅድምት ኣይሰጉምን እዩ።  ኣቲ ሎሚ ሰብይቲ ወዲ ዘለኺ፡ ጽባሕ ሓማት ትኾኒ’ዩ እቲ ነገሩ።፡

ኽቡር ህዝቢ ኢርትራ ስነ ጥበባውያን፡ ኣብ  እዋን ገድሊ  ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ሕጂ’ውን ከምኡ ኣሰር ስድርኦም መንእሰያት ይልዓሉ ኣለዉ፡  ንምሳሌ ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ መንእሰይ መናል  ይኑስ፡ ጽሓፊትን ገጣሚትን፡ ነቲ እግዚኣቢሄር ዝሃባ ህያብ ኮሊዓ፡ ዓዲ ዓዲ እናኸደት “ኣጆኻ መንእሰይ፡ ንዘይ ዓድኻ ዓድኻ ክትገብር እናተማሳሰልካ፡ ሽልብ ግልብ እናበልካ ምንባር የብልካን፡ ጀጋኑ ስድራኻ ምስ ጽቡቕ ባህልታታ ንዘመናት ዝዓቀብዋ ኮሪዕካ ትነብረል ሃገር ኣላትካ”  እናበልት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ብስምዒት ክትዛረብ ከላ ልብኻ ትምስጥ! መንእሰይ ኣትዩ ሽዑ ሽዑ ስራሕ እንተዘይረኺቡ ጸገም ክርከብ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ። እቲ ዝገርም ግን፡ እዞም፡ ብስርቂ ዘይኮነስ ብኣጋባብ፡ ኣበርቲዖም ሰሪሖም ኣብ ናይ ሃጋራት ኣፍሪቃ ኤኮኖሚያዊ  ምዕባለ ዘርኣዩስ ይተረፍ፡ እቲ ጊዜ ነዊሑ፡ ዕድመ ደፊኦም ምስቲ ሃገር ከማዕብሉ ኢሎም ከይዶም ዘጎነፎም ጸገማት፡ ሎምስ ክንደየናይ ትብሎም ዝነበረካ፡”ጥዕና ድኣ ይሃበና እምበር፡ ሕጂውን ገና ምስ ሓይልና ኣሎና፡ ትማሊ ዓድና፡ ሎሚ ዓድና፡ ጽባሕ ዓድና” ዝብሉ ድማ ኣሰምዕ ኣሎኹ። እምበኣር እንሆ ኣቲ ብርኽቲ ሃገረይ፡  ኣታ ሓላል ህዝበይ ኢልና ን “ይኣክል” ነቃላጥፎ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር መልእኽተይ ኣብዚኣ ክዓጹ’የ።  ገጽና ናባኻ ንመልስ ኣሎና፡ ሓሳረ መከራና ይእከልኩም በለና ኢልና ምስ ልምኖ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ዝቅበል እምበር ኣበይ ኔርኩም ዝብል ኣምላኽ የብልናን፡ ክብርን ምስጋናን ከም ወትሮ ንዕኡ ይኹኖ፡ ኣሜን።

ኣበባ