ቅሉዕ ደብዳቤ ናብ ክቡር ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ

 

ኣቐዲምና፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ከይተሓለለ ዝዓዪ ዘሎ ብኣኻ ዝምራሕ መንግስትን ሰልፊ ኢሂወደግን ሃገራዊ ባይቶን ዘለና ናእዳን ኣድናቖትን ንገልጽ።

ክቡር ቐዳማይ ሚኒስቴር፡ ጻዕርካን ጻዕሪ እቲ ብኣኻ ዝምራሕ መንግስትኻን፡ ሰላም ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላይነት ምዕቃብ ሰላም ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ኣገዳስነት ብምርዳእ፡ ነቲ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ምፍልላይ ሓሊፉ ክሳብ ደም ዘፋሰሰ ፍጹም ዘይ ምኽኑይን ዘይርትዓውን ዶባዊ ግጭት ብመሰረት ኣብ ሚያዝያ 13 2002 ዝሓለፈ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ብይን ብዘይ ገለ ቅድመ ኹነት ኢትዮጵያ ተቐቢላ ንኽትግብሮ ድልውቲ ምህላዋን ተማሳሳሊ ኣወንታዊ መልሲ ካብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምስማዕ ኣብ ትጽቢት ከም ዘላን ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብደቂቅ ይከታተሎ  ከምዝጸንሕ ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፉ ከልተ ሰሙናት እቲ ጉዳይ ከም ዘይምልከቶ ኣስቒጡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣጋጣሚ ምኽባር ምዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ ንህዝቢ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ጻውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ከም ዝተቐበሎን፡ ኣብዞም ጉዳያት ንምዝርራብ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ከበግስ ምዃኑ ኣተንቢሁ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ርክባት ነዞም ድስዕቡ ጉዳያት ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክርእዮምን ኩሎም ዝወስዶም ውሳኔታትን ስምምዓት ኣብ ምውሓስ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኮረ ክኸውንን ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ዘቐድም ክኸውን ካብ ዘለና ባህጊ ዝነቐለ፥ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊጾም ዘለዉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ክትርድኡልና ኣጥቢቕና ንምሕጸን:-

  1. ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ፡ ዘማእዝኖን ዝሙርኮሰሉ ቅዋም፡ ንዓበይቲ ሃገራውያን ጉዳያት ድዝትን ዝውስንን ሃገራዊ ባይቶ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ዘየለን ዝኾነ ዓብን ሓገራዊ ዛዕባን ብሓደ ሰብን ዘይ ሓላፍነታውያን ውልቀ ሰባት ጥራይ ከም ዝሓልፍ።  ኤርትራ ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ዓመት፡ 1993 ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብዘይ ገለ ሃገራዊ ምርጫ፡ ብሓደ ውልቀ መላኺን ብሓደ ፓርትን ጥራይ ሃገር ክትመሓደር ከም ዝጸነሐትን ገና’ ውን ትቕጽል ከምዘላን ብምርዳእ፡ ንዶባት ክልቲኤን ሃገራት ኣመልኪትኩም ንእተካይዱዎ ርክብ ሰናይ ጉርብትና ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ጎድእ ክኸውን ንላቦ፣

  2. መንግስቲ ኤርትራ ኣብቶም ቀዳሞት ናይ ነጻነት ዓመታት ብዝረኸቦ ነጻ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ግዜ ገድሊ ንነጻነት ብዝተፈላለየ ጠንቂታት ናይ ምግዳል ምርጮኦም ቀዪሮም ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ናብርኦም ብሰላም ዝመርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ተወላዶ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናጨወየን እናሰወረን ንመቕተልን መቕበርን ክኸውን ናብ ዝተኻረዮ ስቱር ቤት (Safe houses) ከም ዝኣትዉ ኣገዲዱ ብምቕታል ኣብ ስዉር መቓብር ቀቢሩዎም እዩ።

    ሎሚ’ ውን እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣዝዩ ሕሱምን ኣሰቃቕን ምሕደራ ዝረዓዱ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝፈትዉዋ ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ናብ ስደት ኣምሪሖምን ገና ውን የምርሑ ኣለዉን። ስለዚ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን ሕሉፍ ጌጋ እንደገና ከይድገምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ተዓቑቦም ንዝርከቡ ስደተኛታት፣ ሞያውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት፣ ፖለቲከኛታት ኤርትራውያን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ፍሉይ ሓለዋን ክትትልን ክግበረሎም ኣጥቢቕና ንሓትት፣

  3. ኣብ መወዳእታ፡ እስኻ ክትድቅስ ሰብካ ይደቅስ ከም ዝተባህለ፥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዲሞክራሲ ክመሓደር መንብሮኡን ሂወቱን ሰላምን ቅሳነትን ክዓዞን ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ ቀጻሊ ዕብየትን ምዕባለን ክምርሽ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ጎረባብቱ ሃገራትን ኣከባቢኡን ምስ ዝነግስ እዩ። በዚ መዳይ ምስ እንምልከቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ መበል 27 ዓመተ ነጻነቱ' ውን እንተኾነ ገና ፍትሓዊ ምሕደራ ከስተማቕር ዘይተዓደለ መባእታውያን መሰላቱ ዘይክበረሉ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ትሕቲ 350 ቤት ማእሰርቲታት፡ ሸላታት፣ ኮንቴነራት ጎዳጉድን ኣጻድፍን ዝተኣስረ፡ እቲ ዝተረፈ ኩሉ ህዝቢ እታ ሃገር ውን ኣብታ ድሕሪ ነጻነታ ከም ክፍቲ ቤት ማእሰርቲ ክትከውን ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተፈርደት ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ተሓዪሩ ክነብር እዩ ተገዲዱ ዘሎ።

 ስለዚ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዶም ንህዝቢ ማእከል ዝገብር   ምሕደራ ንክህሉ፡ መስል ህዝቢ ክኽበር፡ ናጽነት ናይ ምንባር፡ ናይ ምዝራብ፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ናይ እምነት ንክህሉ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ይቃለሱን ድምጾም የስምዑ ስለዘለው፡ መንግስቲ ኢቲዮጵያ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከደናገጽን ብርህራሔ ሰብኣውነት ክሕብሕቦምን ሓልዮቱ ከርእዮምን፡ ሰሪሖም ንክነብሩ ከፍቅድን ነቶም ብሰላማዊ ቃልሲ ንኤርትራ ካብ ዘላቶ ናይ ገሃነብ ምሕደራ ኣውጺኦም ሰላምን መስተርሆትን ንኸምጹላ ሰላማዊ ቃልሲ ንዝቃለሱ ኤርትራውያን ክድግፍን ከተባብዕን ኣትሪርና ንላቦ።


ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡
ሕዝቢ ኢትዮጵያ ባህጉን ሕልሙን ክሰምረሉን ጽኑዕ ድልየትናን ትምኒትና እዩ፣

ምስ ሰናይ ኣኽብሮት
 ኤልሳቤጥ ጭሩም፡
ኣካያዲት ስራሕ
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት- ኤርትራ (ሓሰመኤ)
ለንደን፡
ዓዲ እንግሊዝ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

www.hrc-eritrea.org