June 12, 2018

 

“ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ” 

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡  

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሓን ኣሎኹ። እንተኾነ እቲ  ኣማኒኤል ኢያሱ - ኣሰና - ዘቃልሖ ብቀጥታ ምስ  ኣለክሳንደ ዝተብሃለ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናይ ሊብያ “ርድኡና፡ ካብዚ ገሃነም እዚ ኣውጹኡና፡ ኣሕዋትና እንዲኹም፡ ብዙሓት ቀቲሎሙልና፡ ሬስኦም ኣበይ ከም ዝደርበይዎ ኣይንፈልጥን፡ እቶም ዝተወግኡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቂቦም፡ ጠያይት ድኣ ኣውጺኦሙሎም እምበር ናይ ሕክምና ቆላሕታ ዝብሃል ፈጺሞም የብሎምን” እናበለ ዘእወዮ ኣውያት፡ ተስፋልደት ኣለም መሓረና - ኣዝማሪኖ - ናተይ መእትዊ ጌይሩ ብሙሉኡ ዝደጎሞ፡ ብሓፈሻ ኣዛራርባ  ንኣውያቶም ብህጹጽ ግብራዊ መልሲ ካባና ካብ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ዝርኽቡ ዘለው ኮይኑ ስለ ዘይስማዓኒ የታሓሳስበኒ፡ የሻቅለኒ’ውን።

ብዝኾነ ሎሚ ማዓልቲ “ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ኣንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ ሓይለን እንተዘይኣትዉኦ ቃልሲ ኤርትራ ምተወዓወተ’ዶ ዝብሃል ሕቶ ይሕተት’ዩ። መልሲ ናብ ህዝቢ ክገድፎ’የ።   ኣበርክቶኤን ግን እቲ ኩላትና ንፈልጦ ኣሕጽር ኣቢለ ክዝርዝር። ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣብ ገጠር ዝርከባ ኣዴታት፡ መጹ ክብሃል ከሎ ካብተን ዘላተን ግዓተንን ቀጫጭኤን እንተተረኽበ ምስ ሽሮ ትምትሞ፡ ከምኡ’ውን ከድሊ ከሎ ኣሰር ኣሰሮም እናኸዳ ክሕግዛ፡  ኣብ ከተማታት ዝርከባ ናይ ምስጢር ኣብላት  ኮይነን፡ ሓቤራታት እናማሓላለፋ ብረት እናሓብኣ፡ ዝተረኽባ፡ እናታኣስራ፡ እናተረሸና፡ ንወጽኢ ትምህርተን ክቅጽላ ዝኸዳ ተማሃሮ ትምህርተን ኣቋሪጸን ኣብ ምሳስን ገድለን እናእተዋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ብስራሕ ዝኸዳ፡ ዓንዲ ሕቆ ናይ ዓዲ ዘለው ስድራቤተን ኮይነን፡ንገድለን ገንዘብ ጥራይ ዘይኮን ንጽባሕ ከይበላ ማዕረ ወርቀን እናሃባ’የን ሓሊፈንኦ።  ብዓቢኡ ድማ መንእሰያት ብረት ዝዓጠቃ ተጋደልቲ ኮይነን፡ ሰንኪለንን ተስዊኤንን።  ሓንቲ ተጋዳሊት መንእሰይ ቁምጣ ስረ ዓጢቃ፡ ጸጉራ ቆሪጻ፡ ካላሺን ሒዛ ምርኣይ ዘደንቅን፡ ዘኹርዕን’ዩ ትርኢት’ዩ ነይሩ።  ንምሳሌ ኣብ ሓንቲ ስእሊ ብዙሓት ደቂ እንስትዮ  ዘለውኣ ሓንቲ ተጋዳሊት ምስ ዕጥቃ እንተትነብር፡  እታ ዝጸበቀት እታ ተጋዳሊት ምተባህለት።  ተጋዳሊት፡ በቲ ትጠንስ ትሓርስ፡ ተጡቡ፡ በቲ ድማ ትምርሽ፡ ትትኩስ፡ ትዋጋእ፡ ትስንክል፡ ትስዋእ።

እወ፡ ምስ መጋድልተን ደቂ ተባዕትዮን፡  ምስ መላእ ህዝበንን ኮይነን ዓወት ኣምጺኤን።  ዓዲ ምስ ኣተዋ ግን፡ ከምዚ ኹሉ ተጠሊመን። ህዝቢ ኤርትራ’ በልባባ’ዩ ተጠሊሙ፡ ኣይከም ደቂ ኣንስትዮን ግን። እተን ፡  ዝተመርዓውወን፡ ዝወለዱለን መጋድልቶም ገዲፎም፡ ሕንኽ ከይበሉ ኣእጋረን ዘይቀርንዔ፡  ኣእዳወን ዘይቶገረ፡  ጸጉረን  ቀለም ዝተልኽየ መሪጾም። ከምዚ ኹሉ ደርብዮመን።  እተን ዘይተመርዓዋኸ፡ ንሳተንየን ቀይረን እምበር እቲ ህብረተሰብ ከይተለወጠ’ዩ ጸኒሕወን። እታ ምዕቲ ተጋዳሊት፡ “እዛ ወዲ ወዶ እንታይ ኢልካያ” ኮይኑ። መርዓ ንጓል ኣንስተይቲ ግዴታ ኣይኮነን ምርጫኣ’ዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብረት ዘይሓዛ ይኹና ዝሓዛ ሓቢረን ዝተቃለሳ ካብ ድረብ ጭቆና ንምግልጋል’ዩ። ተጋዲለን ንኽምርዓዋ ኣይኮናን፡ እንታይ ድኣ እቲ ቀደም ዘይረኸብኦ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበን ተማሂረን፡ ርእሰን ኪኢለን፡ ኣብቲ ኩሉ ጽፍሕታት ማለት ኣብ  ማሕበራውን፡ፖቲካውን፡ ኤኮኖያዊን መዳያት ናይቲ ሃገር ብማዕረ ክካፈላ ከምኡ ድማ ኣብ መሪሕነት ክርካባ፡ ከም ምርጭኤን ድማ ተመርዕየን ክወልዳ ክዝምዳ።   ከምኡ ከይከውን ግን ዕድልና ገይርዎ ህዝቢ ዘይመረጾ ኣዕናዊ መንግስቲ ስልጣን ሒዙ፡ ይዋእ ደቀይ ክንዲ ቅንጣብ መሰለን ኣይረኸባን፡ መሊሱ’ኳ ድኣ ከፊእወን።

ተጋደልቲ ዓዲ ምስ ኣተዋ፡ ስድርኤን ከይሕግዘውን እቶም ዝሞቱ ሞይቶም እቶም ዝጸንሑ ድማ ደኽዮም’ይም ጺኒሖመን። ሓሪሰን ከይበልዓ፡ እቲ ናይ  ቀደም ኣገባብ ሕርሻ ፈጺሙ ንሕጂ  ዝኸውን ኣይኮነን። ጀጋኑ ተጋደልትና፡ ኣብ Parking Lot ንሱውን እንተረኺበንኦ’ዩ - ብዘይጠቅም ገንዘብ ጽሓይ ቀራዕ ክብላ ይውዕላ። ገሊኤን ከኣ ድራር እለተን ክረኽባ፡ ደቀን ከዕብያ ማዕረ ኣብ ነብሰን ምሻጥ ኣትየን። እተን እብ ወጻኢ ብኸብዲ ኢደን ገዲፈን፡ ብዝባን ኢደን ሰሪሐን ስድራቤተን ዝሓገዛ፡ ገድለን ደው ዘበላ ድማ፡ ነጻነት ምስ ተረኽበ፡ “ኣትን” እኳ እይረከብኦ “ኣቲ ትሽቅሊ ዲኺ ነይርኪ ኪዲ ኣብቲ ዝነበርክዮ” ተባሂለን። እተን ሓድ ሓደ  ጥሪት ገዛ ዝነበረን ድማ፡ ብኽቱር ዋሕዲ ገዛውቲ፡ ዘመን ኣካሒዳ ኮይኑ፡ ንግዚኡ ክቅመጡሉ ዝገደፋሎም ቤተሰበን፡ ገዛ ኣይናትክን’ዩ ተባሂለን ኣብ ጥሮታ ዘይብሉ ዓዲ ስደተን ተመሲለን፡ ገሊኤን ምስ ኣጉል ከብደን ዓዲ እግዚኣቢሄረን ከይደን፡ ገሊኤን ድማ ምስቲ ዕቤት ሕማም ተወሲኽዎ፡ ዳስ ተኺልካ ዘይሕዘኖ ሐዘን ኮይኑወን። ገለ ድማ “ደቅናስ ካልእ ምገበሩ እንታይሞ ወያኔ ዓንቂጾምና” ይብላ። ብዙሓት ካብዚኣተን ግን ሬሳ ናይዝጊ ከይኣቱ ኢሳያስ ምስ ከልከለ፡  "ኣቱም ተባሂልካ ኣታ ኣይትበለና፡ እንታይ ድኣ’ዩ ዚ” ኢለን ክሓስብኦ’ኳ ኣይደልያን።  እዘን ሕጂ ዘለዋ ንኣሽቱ ዝተሓወስኤን፡ ሕሉፍ ሐሊፈን ንኢሳያስ ከም መልእኽ ጌረን ቆጺረን፡ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት ስርሑ ወዲኡ  ዝዛናጋዓሉ ማይ ዘለዎ ቦታ ተሓጺበን፡ ጸብል ኮይኑና ዝብላ፡ ነተን ብደም ሰብ ዝጠልቀያ ናይ ድያብሎስ ኣእዳዉ ሰላም ምባል ዓቢ ዕድል  ጌይረን ዝቆጽርኦ በደልቲ ዘይኮናስ ንርእሰን ብዱላት’የን።  ከምዚ ኣቀዲመ ዝበልክዎ፡  እዚኣተን ኣይዉላድ፡ ኣይሓዳር፡ ኣይ እፎይታ ዕድሚኤን ሙሉእ ዓድና ክብላ’የን ኣሕሊፈንኦ።  እዚ ስርዓትዚ ንነዊሕ ዓመታት ዘማዕበሎ ናይ ፕሮፓጋንዳ ክእለት ተጠቂሙ “ዓዲ ተወሪራ፡ ሕጂ ደው ኣቢልናዮም ኣለና፡ ወይኔ ግን ንዓና ከይጥፍኡ ዘይድቅሱ ጸላእትና ኣይገድፉናን’ዮም፡  ንሰላሳ ዓመታት ተዋጊእና ነጻ ዘውጻእናያ ሀገርና ኣብ ሕጂ በጺሕና ኣይንደክምን ኢና፡ ዶብና ንሓሉ፡ ኢሳያስ ወስለትለት ዘይብል ደፋር ንኣመሪካ ከይተረፈ  ዘይምብርከክ” ክብለወን ከለው፡ ዓደን እንድያ ህይወተን ንሳ እንድያ ናይ ሙሉእ ዕሜኤን እምነተን፡ ዝበልወን ከምዘሎ ተቀቢለንኦ።  ድሓር ድማ ኢሳያስ፡ ሰራሕ ተኣምራት ክበህል እንድዩ እዚ ናይ ገድሊ ዓመታት ሓሊፉ። ኣብ ከምዚ ህሞት፡ ብመሪሕነቱ ትተኣማመን ማዕረ ተምልኾ መራሒ ኢኻ ትደሊ።  ኣብ ባዓላት ባንዴሬ ተኸዲንካ ምስዕሳዕ ድማ፡ ቀደም ተጋዳላይ ምስ ተሰውኤ ጓይላ ሕጂ ድማ ምኽንያት ጌርካ ጓይላ ከም እንኮ ባህሊ ተወሲዱ እዩ። ክኹነና ዝግብኤን እተን  ኣሽሓት ዝክፈላ፡ ቋንቋ እንጊሊዝ ጥራይ ኣፍልጦኤን፡ ሰብ ሓዳር ኮይነን፡  ደቀን ሐቁፈን፡ ደቂ እንዳማተን፡ ኣብ በረኻ ክበልዩ፡ ክኣስሩ፡ ክቅጥቀጡ፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ፡ ክሽየጡ፡ ክልወጡ ዝስሕቃ፡ ፈቀዶ ዓዲ እናኸዳ፡ ነቶም ጨካናት፡ ሰባኣዊ ርህራሄ ዝባሃል ዘይብሎም፡ ዝመርሕዎ ስርዓት ዘጻባብቃን ኣትኪለን ዝጣበቃ ዘለዋን እየን። ህዝቢ ኤህ ኢሊወን፡ እቶም ልኣኽተን ኣሽሓት ዘሕቁፍወን ዘለው’ውን ንጊዚኡ ድኣ እዮም ክብሪ ከም ዘለወን ጌሮይም ዘርእይዎን እምበር፡ ከም ልማዶም ዝድርብይወን እዮም። ኣብ መንጎ ክብርኻ ምሕልውን ሕስረትን፡ ሕልናን ዘይሕልናን ዘሎ ጋግ ከይፈልጥኦ ስለ ዝመረጻ ግን፡  ዘይርሃጻሉ ህጣራ ገንዘብ ኣብ ባንካ ስለዘለውን፡ ንዓኤን ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኹሉ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝበልክዎ ኣብ ምንታይ ከምጽእ እየ፡ ከብ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ “ደቂ ኣንስትዮ እንተዝላዓላ ካልእ ምኾነ” ክብሉ ተደጋጊሙ ስለ ዝለምዕ’የ። ኣቱም ኣሕዋተይ ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ ዘብለኒ ድማ  ንሱ’ዩ።  ደቂኣንስትዮ ከምዚ ዝጠቀስክዎ ቅስመን ተሰይሩ። እቲ ንምዕባሌ መላእ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዘባራትዕን  ዝሕግዝን፡ መሰለን ዝጣበቀን ዝቆመ ማሕበር ንሽሙ እዩ’ምበር ብህግደፍ’ዩ ዝዉነን።  እተን ክምሃራ ኢለን ንወጻኢ ዝመጻ፡ ትምህርተን ኣቋሪጸን ገድለን ንምሕጋዝ ኣብ ስራሕ ኣትየን፡ ኣብ ዓዲ ሃብታማት ደኽየን፡ ልክዕ ከም ኣብ ሜዳ ተጋደልቲ ዝነብርኦ ዝነበራ ካላሺን ምስካም ጥራይ ዝተረፈን፡  ኣብ ሓፍሽ ዉዱባት ንጡፋት ዝነበራ፡ ሓፋሽ ዉዳባት ኣየድልን’ዩ ዕጽው ምስ ተባህለ ናብቲ ጠንጢነንኦ ዝነበራ መነባብሮ “ሃ” ኢለን ክጅምራ ኣትየን።  እተን ዝተማህራን፡ በብዓይንቱ ናይ ስራሕ ተመክሮ ዝነበረን’ውን፡ ንምዕበላኤ ሀገረን ብሕልፊ ድማ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባለ ከገልግላ ተዓጢቀን ዝመጻ ድማ፡ ብጉሁዱን ዘይጉሁዱን መንገዲ ኣይትድልይን ኢኽን ተባሂለን፡ መደበን ፈሪሱ ምስ ግሁይ ከብደን ናብ ዝነበርኦ ተመሊሰን። እቲ ማሕበረ ሰብ - Community Centers - እውን  ኣብ ክንዲ ናይ ህዝቢ ናይ መንግስቲ ኮይኑ። ቅድሚ ነጻነት ኩሉ ሓውኻ ኩሉ ሓብትኻ፡ ዝነበረ ድሕሪ ነጻነት ተባታቲኑ። ብዙሕ ሰብውን ንምሳሌ ኣብ ዓዲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰቡ ወይ ቀረባ የዕሩኽቱ ዝነብርዎ ከይዱ። ካብ ላዓትካ ምስ ወጻእካ፡  እቲ ምስ ተኣከብካ ዝህበካ ሓይሊ ይምህምን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ሰሪሔን እየን ዝኣትዋ ዘለዋ፡ ኣብ ገለ ገለስ ወረ ዝነውሔ እየን ዝሰርሓ፡ ኣብ ስራሕ ዊዒለን ድማ ስራሕ ገዛ ካብ ኣስፕዛ ገዚእካ መግቢ ምኽሻን፡ ምቅራብን፡ ጽሬትን፡ ኩሉ እቲ ኣህላኽን፡ ጊዜ ዝወስድን ስራሕ፡ ወዲኤ ክትብል ከለኻ ዝፍልፍል  ምስናይ ምምሕዳሩ ኣብኣተን’ዩ ወዲቁ።  ናይ ሕርስን ጥንስን ንኣሽቱ ቆሉዑ ምእላይን’ሞ ንግደፎ፡ ነቶም ዓብይቲ ርእሶም ዝኽኣሉ’ውን ብሕልፊ ኣብ ሽግሮም ተረዲኤን ዝሕግዝኦም ንስተን እየን። ሰብኡት እንተሓገዙ ኣባይ ብጭልፋ ከም ዝባሃል እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዝእ ሓዳራንን ደቀንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓዲ ዘለው ስድራቤት እዉን ዋና ሓለይቲ ንሳተን’የን። ኣደ ናይ ኩሉ ሰብ ዝሰርሖ ስራሕ ክትሰርሖ ትኽእል’ያ ስፍራ ኣደ ዝወስድ ግን ሓደ የልቦን። ጓል 70 ዓመት ኣደ እያ፡ ሕጻናት ቆልዑ ዘለዋ ጓል 25 ዓመት እዋን ኣደ እያ። እታ ናይ ገዝእ ርእሳ በዓል እንዳን ደቅን ዘይብላ’ውን፡ ኣብ ስድራ ቤታን ከባቢኣን ኣደ’ያ። ናይ ኣደ ስራሕ’ያ ትሰርሕ። 

ምስዚ ክንድዚ ድኻማት፡ ከምቲ ዝድለን ዝግባእን ሓገዝ ዘይብለን ከመይ ገይረን ድእ እየን ኣብ ጉዳይ ሀገር ክዋስኣ? ዳሕራይ ድማ፡ ናይ መሰል ደቂ ሰብ -human rights - ተጣበቅቲ ዝርካቡ ንስተን’ኮ እየን።   ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣብ ሰነ 2016 መርማሪት ኮምሽን ኣብ ዘቅረበቶ ጸብጻብ፡ ካብቶም መርትዖታት ንምእካብ ዝሰርሑ፡ ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ እየን ነይረን። ኣብ ከም ባዓል ሲናይን፡ እስራኤልን፡ ክልኦት ቦታታትን፡ ሐደጋታት ክርከብን ህጹጽ ሐገዝ ከድልን ከሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ  እየን ዝጓየያ። ሀገር ማለት’ኮ ሰብ’ዩ። ካብ ማሕበራት እውን እንተኾነ፡ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ማሕበር ሀገረ እንጊዝ እየን ድሓን ዝኾነ ንጥፍታት ዘካይዳ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ይኹን ልምዲ ንነዊሕ ጊዜ ከም ባህሊ እንተድኣ ወሲድካዮ፡ ቅኑዕ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓካ። ሰብኣይ ኣብ ክሽነ እንታይ ስራሕ ኣለዎ ምባል፡ኣብተን ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ገና ይስማዕ’ዩ። ግን ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን። ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ኢሉ ከም ዝምሰል፡ እቲ ቀደም ቀደም፡ ኣብ ዓድና’ውን እንተኾነ ብዙሓት ክኾኑ ኣይክእሉን እምበር፡ ሓልዮት ዝነበሮም ሰብኡት ኣብ ህገረሰብ፡ ሰበይታይ ከይብሃሉ፡ ተሓቢኦም እኽሊ ይጥሕኑለን ኔይሮም። ይኹን ኣይኹን ቅሩብ ናይ ገዛ ዕዮ ተናኺፍካ፡ ተለቪዝን ምርኣይ፡ ድሕሪ ስራሕ ኣብ ቤት ቡናታት ኬድካ ምዕላል፡ ኣብ ደምቤታት ይኹን ኣብ ባዓል Youtube ዝርኣኻዮ፡ ንቁምነገር ዘይኮነስ ንወረ ሰሚዕኩምዶ ምባል፡ ኣብ ፓልቶክ መብዝሕትኡ ኣብ ቁምነገር ከብጽሕ ዘይክእል ልምዲ ዘረባ ሒዙካ ሁር ምባል ኩሉ ረሲዕካ  - ምዕላል - ጥዑም ክኽውን ይኽእል’ዩ። ናይ ብሐቂ ፍትሒ ክብሃል ከሎ ኣብ ቤትካ’ዩ ዝጅምር። እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ክንዲ ከተገልግለካ ምጽባይ፡ ንሳኻ ጾራ ከተሳኽማ ወረ ከተዕርፋ ምድላይ፡ ሃገርካ ኣብ ክንዲ ተገልግለካ፡ ንሃገረይ ንህዝበይ እንታየ ዘገልግል ምስ ዝባህል’ዩ፡ ዘላቂ ሰላም ዝረክብ። እተን ፍርቂ ህብረሰብ፡ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዓንዲ ስድራቤት፡ ዓንዲ ዓዲ፡ እንተዘይመዕቢለን ዓዲ ሰጎመት ማለት ዘበት’ዩ።  እምብእር እቲ “ምስኹም ዘረባ ኣለኒ” ኢለ ዝጀመርክዎ ኣብዚ ይዓጽዎ ኣለኹ። ስማዒ ክረክብ ተስፋ ኣገብር።

ዘላኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንልዑል ኣምላኻና ይኹን። ኣሜን። 

ኣበባ