January 17, 2018

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡    

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቂኒኻን፡ ኣውደ ዓመታት ከመይ ይሒልፍ ኣሎ? ኣነ እግዚኣብሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ።

እምበኣር ሎሚ ክልተ፡ ኣገድስቲ ነጥቢ ዘለዋ መልእኽቲ ሒዘ ቀሪበ ኣሎኹ። ቅድሚኡ ግን ንሓንቲ ካብተን ኣብ ናይ ዝሐለፈት  መጨረሽታ መልእኽተይ ዝተዘረብክዋ ክውስኸላ’የ።፡  ንሳ ድማ እታ ብዝዕባ ፍቅሪ እንታይ ሙኻና ትገልጽ እያ።  ሓንቲ ሓፍተይ” ኣጋላልጻ ፍቅርኺ  ደጋጊመ ኣንቢበዮ፡ ንልበይ ድማ ፍቅሪ’ዶ ኣለኪ ኢለ ሓቲተያ ”  ኢላትኒ። መልሲ ናይ ሕቶኣ  ኣይነገረትንን፡ ግን ርእስኻ ምሕታት ኣወንታዊ ውጺኢት ስለ ዘለዎ ርእሳ ብምሕታታ ተሐጉሰ። ሓደ ሐወይ  ድማ  “ፍቅሪ ኔይሩ ግና ክሳብ ክንድዚ ኣይኮነን፡ እንተ ብመርየት እንተ ብገለ ኩሉሳዕ ባእሲ ነይሩ፡ ፍቅርስ ብድሕሪ ሕጂ ድኣ ይፍጠረልና” ኢሉኒ። 

ኩቡራት ሰማዕቲ፡ ሰባት መላእኽቲ ስለ ዘይኮኑ ኣብ ሓደ ህብረተሰብ ንእሽቶን ዓብን ምግርጫዋት ክህሉ ናይ ግድን’ዩ፡ ባህርያዊ’ዩ። እቲ ዋና ቁምነገር ግን ኣፋታትሕኡን ምዕራፉን’ዩ።  ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግን ከምቲ  ኣብ ዝሓለፈት መልእኽተኣይ ዝበልክዎ፡ እወ ፍቅሪ ነይሩ። ፍቅሪ’ዩ ንመንእሰይ ኤርትራ ንበረኻ ዘውጽኦ። ፍቅሪ’ዩ ወለዲ ደድሕሪ ዉላዱም ዘኽየዶም።  ኣዴታት መታሕት ተገደልቲ መጺኦም ክብሃል ከሎ፡ ብዘደንቅ ቅልጣፌ ሻቡ እኽሊ ጢሒነን፡ ጊዒተን፡ ከበሳ ቀጪየን በታ ዘላተን እንጣጢዕ ይኹን ሽሮ መቋስይ ጌረን፡ ዝዓንገለኦም ፍቅሪ’ዩ።  ዝጠቡ ቆልዓ ገዲፋ ዓዲ እግዚኣቢሄራ ዝኸደት ወላዲት፡ ጠባው ጎሪቤታ ምስ ዉላዳ ጌራ ኣጥብያ ክትገዕብዮ ዝገዳዳ ፍቅሪ’ዩ። ህይወት ክብርቲ’ያ ተጋደልቲ  ኣብ ጽዕጹዕ ኩናት  ንብጾቶም ኣልግሱ ንሕና ክንስዋእ ኢሎም ግንባሮም ንጥይት ብሓጎስ ዘውሃቦም ፍቅሪ’ዩ።  “ተማሃራይ ኣድማዒ ትምህርቲ፡ ሽቃላይ ስርሕ፡ ነጋዳይ ንግዲ፡ ሓረስታይ ምቹእ ናይ ሕርሻ ሃዋህው ስኢኖም፡ ኣይትዛረቡ መሰልኩም ኣይትሕተቱ ተባሂሉ ህዝቢ እናተሸገረ፡ ንሕና ጽቡቅ ስራሕ ጥጥሑ መነባብሮ ኣለና ኢልና ስቅ ኣይንብልን ኢና” ኢሎም ደቆም ኣዘኽቶሞም፡ ኣንስቶም ኣጸምዮም፡ጠቃሚ ሰነዳትን ንብረትን ሒዞም ንበረኻ ዘኸየዶም ፍቅሪ’ዩ።  ናይ ከተማታትጠን ገጥራትን ፡ ኣባላት እተን ግንባራት ተታሒዞም፡ ሓበራታት ንምርካብ ብደርጊ ሕሱም ትርኢት ተቀጥቂጦም  ምእንቲ ንብጾቶም ኣሕሊፎም ከይህቡ፡ ኣስማቶም ከይረቅሑ፡ ኣብ ኢድ መርመርቲ ዘሰውኦም፡ ዘልመሶም ፍቅሪ’ዩ።   ቁጽሪ ኣዋልድ ተመሃሮ ኣዝዩ ድሩት ኣብ ዝነበረሉክ እዋን፡ እዝከረኒ፡  ክልተ ኣዴታት ኣብ ጊዜ ምዕጻዉ ቤት ትምህርቲ ተራኺበን ወድኽን’ዶ ሓሊፉ?” ኢለን ይጠያየቃ። ሓንቲኤን “እንታይ ክሓልፍ ኣድጊ ተሪፉ ናትክንከ?” እተን ሓንቲ ድማ ትቅበል ኣቢለን ”ናተይሲ ሓሊፉ ብጽቡቅ እኳ ድኣ” ምስ በልኤን፡  እተን ሓንቲ ድማ “እንቋዕ ናትክን ሐለፊ ኩላትካ ሓደ ኣይትኹን” ይብላ። እዚ ዓይነት ኣራኣእያ ‘ዚ ፍቅሪ ዝወለዶ’ዩ። ትሕዝቶ ዝነበሮም ስድራቤታት ብበቢዓይነቱ መንገዲ ተኻፊሎም እዩም ዝነብሩ ነይሮም።  ሽሕ ይሙቱ፡ መሕደር ሽሕ ኣይሙት ዝብል ተረት፡ ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ዝገልጽ’ዩ። ርግጽ’ዩ፡ ካብ ኢድ ሓደ ገዛኢ ናብ ሓደ ካልእ ገዛኢ ምስግጋርን፡ ናይ 30 ዓመታት ኩናትን፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ናይ ዉዱባት መንእሰያት ካድረታት  ዓዲ ዓዲ  ከንቅሑ ኸይዶም፡ ናይቲ በብዓይነቱ ባህልን ያታን ሀገርና ፍትሒ ዝሕመረቱ ካብ ሽማገለታት ዓዲ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ንርእሶም  መጀመርታ ክንዲ ዝምሃሩ፡ ተቃዳዲሞም ናይ ኣያ ማርክስን ኣያ ለኒንን ትምሃርቲ ምስባኾም፡  ሕጂ ድማ ናይ 26 ዓመታት ሓሰራ መክራን፡ ድኽነትን፡ ብርነትን ምስዳድን፡ ምእሳርን፡ ምሕቃቅን፡ ሞትን  ብዙሕ ካብቲ ዝነበረ ጽቡቅ ባልታት ተበኪሉ’ዩ።፡ ግን ሽሕኳ ሽማገለታት ዓዲ ደቆም ሲኢኖም፡ ሓይሎም ተጸንቂቁ ኣሪጎም፡ ሬሳ ክቀብሩ ማዕረ መቃብር ሙኹዓት እንተሰኣኑ፡ ሀገረሳባትና ብፍርሓት ክበድኻ ዘሕቁፍ  እናባዳማ ይኸዳ እንተሃለዋ፡ ከምቲ ማይ ሓሪምዎ ጸምልዩ ዝጸንሔ ተኽሊ ማይ ምስ ረኸበ፡ ኣቆጸልጺሉ ኣሎኹ ኣሎኹ ዝብለካ ዘሎ ዝመስል፡ ጊዜ ድኣ ኣይንወሰድ እንበር ኣብ ኤርትራ’ውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል’ዩ።  እሞ 2018 ዓመት ራህዋናን ሰላምናን ክትኮኖልና ምእንቲ ንሕና ፍቅሪ ዝጠልቦ ስራሓት ክንሰርሕ ኣሎና። ዝገብርናዮ ጌጋታት ፈሊጥና ከይድገም ካብ ጌጋታትና ምምሃር፡ ቅድሚ ክፋእ ናይ ብጻይና ምዝርዛር፡ ልብና ኮሊልና ርእስና ምእራም፡ ይቅረ ምብህሃል፡ ሕድገታት ምግባር፡ ምትሕልላይ፡ ምድንጋጽ፡ ምክብባር፡ ኣርሒቅካ ምጥማት፡ ፍረ ዘይህብ ምድግጋም ዘረብታትን ዛንታታን ገዲፍና ኣብ ናይ ሕጅን፡ ንዝመጽእን ምዝታይ፡ ዘትኻ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ኣብ ዘለና ኣሊና፡ ብኹሉ መዳያት ክንምዕብል ምጽዓር። ንሕና ከም ህዝቢ ግቡእና ምስ ገበርና ኣምላኽ ድማ ጊዲኡ ይገብር።

ክብራት ሰማዕቲ፡ ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

እንሆ እምበእር መወስኽታ ዝሐለፈት መልእተይ ወዲኤ። ካብተን ናይ ሎሚ መዓልቲ ከቅርበን ዝበልኩ ነጥብታት ብሓንቲኤን ክጅምር፡  ቀዳመይቲ፡ ወትሮ መዓልቲ ህጹጽ ቆላሕታ’ኳ ዘድልዮ እንተኾነ፡ እቲ እዝንና ለሚድዎ፡ እቲ መንፈስና ሓሳረ መከራ  ምርካብን ምስማዕን በዚሕዎ፡  በዝን በትን ደንዚዙ፡ ሓሞትና ፈሲሱ፡  መብዛሕትና፡ እዝንና ኩኩዕ መሊእናዮ፡ የዒንትና ድማ ክንሪኦ ዘይንደሊ ምእንቲ ከይንርኢ ጭልምልም ኣቢልናየን ኢና። ሕጂ ግን  ኩነታት ስደተኛ ህዝብና  ካብቲ ዝገደደ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ እንሆ ኣብዛ ተስፋ ንገብረላ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2018 ነቲ ገዚፍ ዕማም ሓቢርና ንመክቶ።

 ኤውሮጳውያን፡ ስደኛታት በዚሖሙና ኢሎም ኣንጻር ዓለማዊ ስምምዕ ማዕጸኦም ዓጽዮም።  ኣብ ሊብያ ሓውሲ concentration camp ተፈጢሩ፡ ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ይሳቀዩ ኣለው። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ዘመናዊ ናይ ኣፍሪቃ slave trade ተሓዲሱ ስድተኛ ኣብ ልብያ ብ $200 ዶላር ምሻጥ ምስ ተጀመረ፡ እንሆ  ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ምስ  ዘይመንግስትውያንን፡ ገበርቲ ሰናይትን፡ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ማሕበራትን፡  ውልቀ ሰባትን ብርቱዕ ተቃውምኦም ገሊጾም። እቲ ውሩይ መሓዛ ኤርትራ ዝኾነ እንጊሊዛዊ  ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት “What the European Union is doing is not only a shame; it is a political mistake of historic proportion.” ኤውሮጳውያን ንስደተኛታት ዝገብርዎ ዘለው ዘሕፍር ጥራይ ዘይኮነ ዓቢ ታሪኻዊ ጌጋ እዩ እናበለ ብቀጻሊ ይዛረብ ነይሩ። ጸቅጢ ምስ በዝሖም እንሆ ዓዲ ጥልያን 10,000 ስታኛታት ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ክትቅበል ወሲና።

ሕጂ ድማ ብ ፕራይም ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ትምራሕ እስራኤል  40,000 ስደተኛታት - 32,000 ኤርትራውያን 8  ሽሕ ድማ ደቂ ደቡብ ሰዳን ንሩዋንዳ ክትሰዶም ወሲና’ላ።  እስራኤል ሓንቲ ካብተን ሃገራት ነቲ ኣብ 1951 ኣብ ጀነቫ ዝጸደቀ ዉዕል ማለት ብውግእ ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣብ ሀገሩ ክነብር ዘይክእል ሰብ ዑቁባ ክትህብ ዝፈረምት’ያ። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ክስዕ ንሩዋንዳ ዝኸዱ ኣብ ሆሎት -  Holot -ዝተባህላ concentration camp ኣብ ማእከል ምድረበዳ ሰሃራ ጥቃ ዶብ ግብጺ ዝርከብ ከተጽንሖም’ያ።  ብምኽንያት ኤኮኖሚ ንእስራኤል ተሰዲዶም ዝነበሩ ደቂ ናይጀርያ መንግስቶም ብነፋሪት ዓዶም መሊሶሞም፡ ኤርትራዊ ግን ብኸተትኡ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ፡ ንዕኡ ክርህዎ ምእንቲ ኢሎም ኣቦታታቱ፡ ኣዴታቱ ኪቢድ ዋጋ ዝኸፈሉላ ሃገሩ ተገዲዱ’ዩ ወጺኡ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተሓጉሱ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቅበሎም፡  ዋላ ሓደኳ የልብን። እንተድኣ ሃልዩ ባሕሪ መዲተራንያን ጥራይ እዩ። እዚ ዘሎ ስርዓት ፈሪሱ ህዝቢ ዝመረጾ ብቅዋም ዝምራሕ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል እዚ መንእሰይን ትሕቲ ዕድመን ዝበዝሖ ስደተኛ ኤርትራዊ ንዓዱ ዘምልስ ሃዋህዉ የብሉን። እሞኸ ድኣ እንታይ ኢና ንገብሮ?  ጸቅጢ ንዘይፍትሓዊ ዉሳኔታት ዘቀይር ካብ ኮነ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ጸቅጢ ምግባር’ዪ።   እምበኣር ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን ሓቢርና ኣብ ሓደ እዋን ተቃውሞና ንግለጽ። እወ ሕጂ ኣብየት ንበለሉ ሰዓት’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ብጭቡጥ ዝኾነ መንግዲ፡ ንብዙሕ ዓመታት ሓልዮት ህዝብኽን ኣርኢኽን ኢኽን።  ብትቅምቲ 2017 ማእሰርቲ ናይ ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ንምቅዋም ኣብ ዝተገብረ ሰልፍታት ዘርኣኽንኦ ኣገባብር ምቅዋም ዘኹርዕ እዩ ነይሩ። “መሲሉኩም ድኣ እምበር ንሕና ኣስልማ’ባ ክርስትያን’ባ ኢልና ኣይንፈላለን ኢና ሃይማኖት ናይ ብሕትና እታ ሀገር ግን ንኹላትና ሓንቲ እየ ትብጽሓና” ትብላ ዝነበርክን ኳንክን ተራኢኽናኒ። ድሓር ድማ ህዝቤ ኤርትራ ብሐፈሽኡ’ኳ ይሰቀ እንተሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብኡ ንናብኡ ድማ እተን ተማሂረን ርእሰን ክኢለን፡ ስራሕ ሒዘን፡ ተመርዕየን፡  ወሊደን ህገር ክመርሓ ዝኽእልላ ኣዋልድ፡ ክምርሑ ዝኽእሉ  ዘዕብያ እየን ብዝያዳ ዝሳቀያ ዘለዋ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ዓዲ ከለዎም ዓዶም ዝስኣኑ፡ ብፍርሕን፡ ጥሜትን ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራን ዝጥቅዑ ዘለው፡ ኣሕዋትናን ደቅናን  ሓቢርና ንዘቲ፡ ሓቢርና ነእዊ። ሕጂ ካብ ኣምላኽ ምሕረት እናተጸበና፡ ዓይንናን ልብናን ዐጺና ስቅ እንድሕሪ ኢልና ነውሪ፡ ነውሪ ጥራይ ዘይኮነ ገበንውን’ዩ  ክብል እደፍር። እምበኣር ንበገስ። ኣብዚእ ዶክቶር ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበላ ክጠቅስ እደሊ፡ “ in the end, we will remember not the words of our enemies, but the silence of our friends.”   ኣብ መወዳእታ እቶም ጸልእትና ዝተዛረብዎ ዘይኮነስ ስቅታ ናይ ፈተውትና ኢና ንዝክር።

ካልኣይቲ ነጥበይ ብዛዕባ ዶክቶር ንርኣዮ ተክለሚካኤል እዩ፡ ብዙሕ ሰብ ይካታተሎ ከም ዘሎ፡ ዶክተዶር ንርእዮ፡  ኣብቲ ጽንኩር እዋን - እዋን ገድሊ - ንህዝቢ ኤርትራ ሓኪም ኮይኑ ዘገልገለ ህዝቢ ብስርሑን ጠባይኑ ዝፈትዎን ዘመስግኖን፡ ሕጂ ከቢድ ናይ ጥዕና ሽግር ኣጋጥምዎ ዝሳቀ ዘሎ’ዩ።  ከም ናይ  ዶክቶር ንርእዮ ትምህርትን ተመክሮታትን፡ ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ኣብ ንእስነቶም፡ ምስ ሓይሎም ከለው ሰሪሖም  ንጥሮታ ዝኸውን ገንዘቦም ኣቂሚጦም፡ ሎሚ ናብርኦም ጥጡሕ ኮይኑ ዕድመ ደፊኦም ጽሓይ ከይዓረበት እቲ ኣብቲ ከቢድ ስራሕን ሓላፍነትን ከለዎም ክገብርዎ ዘይከኣሉ ይገብርዎ ኣለው - ከምኒ ዙረት ናይ ዘይርኣይዎ ዓድታት፡ ስፖርት፡ ንሓኻይምን ሕክምናን ዝጠቅም ኣስተምህሮታት ምሃብን፡  ኣብ medical journals ምጽሓፍን ። ቀደም ከቢሮም ብኣገልግሎቶም፡ ሕጂ  ድማ በዓል ተመክሮ ዝገብሮ ሽማግለ እናገበሩ ነዛ ዓለም  ብጽቡቅ ይሓልፍዋ ኣለዉ።  ዶክቶር ንርኣዮ ግን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ናቱ ጣዕሚ ናይ ህዝቡ ሽግር ከቃልል መሪጹ። እወ ከምቲ ምጉሳይ  ጠለበጊዑ፡ ሕርሽኡ፡ ንግዱ፡ ናይ ሞያ professional ስርሑ፡ ደቁ፡ ሓዳሩ ራሕሪሑ ንሜዳ ዝተሰለፈ፡ ከምቲ ኣብ ከተማታትን፡ ገጠራትን፡ ዝነብር ዝነበረ ብኽልተ ሓዊ እናተበልዔ ሃይ ከይበለ ዝሰርሔ፡ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ሕሱር ሽቅልት እናሸቀለ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኣርባዕተ ሓሙሽተ እናተቀመጠ፡ ጥዑይ መግቢ ወሰን ኢሉ ሀምበርገር እናበልዔ ኣብ ዓዲ ሃብታማት ደኽዩ፡ ህዝቢ ክሓልፈሉ ዝተወፈየ ተወፍዩ።   ስለዚ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ዶክትዶር ንርኣዮ፡ ናብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ክወድቅ ናይ ግደን’ዩ። ርግጽ’ዩ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ብብዙሕ ሸነኻት ተዋጢጡ፡ ኣብ ገሊኡ ገንዘቡ ንመናባብርኡ’ውን ኣይኣኽሎን፡ ግን እንታይ ተገብረ፡ ግቡእና እዩ’ሞ ኢደይ ኢድካ ንበል። እወ ነዋጽእ ብሓልዮት፡ ነዋጽእ ብፍቅሪ። ንሕና ባዕልና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘይኤርትራውያን ግዱሳት ዝመስሉና ሓጉዙና ንበል። ከምኡ ድማ  ካብ ሕሙም መልዓል ሕሙሙ ከም ዝብሃል ፡ንወይዘሮ ኤልሳ ናይ ሞራል ድጋፍ ንሃባ።   

እምበኣር ናይ ሎሚ ዘረባይ በታ ክፋል ናይ ማርየን ዊልያምሰን ዝገጠመታ ህብብቲ ግጥሚ፡  -  ነልሶን ማንደላ ኣብ ዘረባታቱ ብዙሕ ግዜ ዝጠቅሳ ዝነበረ - ክዓጽዋ እዩ፡ 

Our greatest fear is not that we are inadequate,

Our deepest fear is that we are powerful beyond measure

It is our light not our darkness that most frighten us.

We ask ourselves who am I to be brilliant, gorgeous, talented and fabulous

Actually, who are you not to be

You are a child of God.

እቲ ክቱር ፍርሕና ናይ ሓይሊ ዘይምህላውና ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ድላይና ክንገብረሉ  ዘኽእለና ሓይሊ ምህላውና’ዩ ዘፍርሓና።

እቲ ጸልማትና ኣይኮነን ዘፍርሓና፡  እንተይ ድኣ እቲ እንከን ዘይብሉ ተዋሂቡና ዘሎ ብርሃንና’ዩ ።

ኣነ መን ኮይነ’የ ብልህን፡ መስተውዓልን በዓል ብዙሕ ተኽእሎታትን ዝኾንኩ።  ከመይከ ዘይትኽወን ዘይትኾኒ፡ ወዲ እግዚኣብሄር እንዲኻ ጓል እግዚኣቦሄር እንዲኺ።

ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽ ይኹን። ኣሜን

 

 

ኣበባ