January 5, 2018

 

ናይ ሐዲሽ ዓመት መልእኽቲ

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡                                 

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቂኒኻን፡ ኣውደ ኣመታት ከምይ ሓሊፉ? ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ።

እምበኣር ናይ ሎሚ ኣርእስተይ 2017 ዓመት ምሕረት ንሃገርናን ህዝብናን ከመይ  ኒይራ፡ ናይዛ ሓዳስ ዓመት 2018  እቲ ናይ ወትሮ ሕልምናን ተስፋናን ክውን ንምግባር እንታይ የድሊ ንዝብላ ሕቶታት ከም ንዓይ ዝመስለኒ ጌይረ መልሲ ክህብ ክፍትን’የ።

2017 ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ኣርባዕተ/ሓሙሽተ ዓመታት ብዙሕ ኣይትፈለይን እያ። ክልተ ነገራት ግን ይፈልያኣ፡

ቀዳመይቲ) ኢሳያስ ነቲ ብግብሩ “እቲ ሃገር ናተይ፡ ወናኒ ባሕርን ባህርያዊ ሃብትን ባዕለይ: ዉጹ እንተዘይወጻእኩም ድማ ይኣስረኩም: የሕቅቀኩም፡ የጥምየኩም፡ ግዳይ በቢዓይነቱ ሕማማት ትኾኑ፡ ምንባርኩም ከም ዘጽላኣኩም ይገብረኩምም። ኣብ  ፈቀዶ ማዓሰክራት ከርተት በሉ፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ተቀበሩ፡ ኣብ ልብያ ዘመናዊ ብርነት ተሸየጡ ተለወጡ፡ ክፍላተ ኣካላትኩም ንዕዳጋ ይውረድ፡ ኣዴታትኩም ይብከያ ይዋረዳ፡ ኣዋልድኩም ብኣሕዋተንን በደዊንን ይግሃሳ፡ ኣብ ርእሲ በሰላ ቁስለንን፡ ድኽነተንን፡ ሓዘነንን ኣቦ ዘይብሉ ክድርብይኦ ዘይክእላ ቆልዓ ይሰከማ፡ ኣብ ኤርትራ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ይግበር ከም ዘሎ ይረጋገጽ  ኣይግድሰንን’ዩ።  ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ከይቀርብ፡ ጭካኒኦም ከም ናተይ ኣይከውንን እምበር ክሱሳት መራሕቲ ኣለው፡ ዓበይቲ መንግስትታት ድማ ንሓቂ ዘይኮነስ ረብሓኦም እዮም ዝርእዩ” ኢሉ ከምዚ ኹሉ  ነቲ ዓይኒ ዘይብሉ ጥልመቱን ጨካን ልቡን ዘግደዶ ይመስል። ህዝቢ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፈ ዝረኸበ ይርከቢኒ ኢሉ ብቀጻሊ ይስደድ ኣሎ።  እቲ  ዝወረደ ይውረደኒ ክጸወሮ’ዩ ዓደይ ኣይገድፍንዩ ዝበለ ቁጽሪ እናዋሓደ ዝኸይድ ዘሎ ድማ፡  ብዙሕ ዓይነት ስራሓታውቲ፡ ዓበይቲ ትካላትን ጋራጃትን ምዕጻው ዊሒዱስ ሕጂ ድማ ማእለያ ዘይብለን ንኣሽቱ ድልኳናታዉቲ’ውን ተዓጽየን ይባሃል ኣሎ።

ካልኣይቲ)  ቆራጽነትን፡ ጽንዓትን ናይ ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ  ኣል ድያእ ኣል-ኢስላሚያ ኣብ ጥቅምቲ 31, 2017  ተቃውሙኦም ክገልጹ ኣኽኢልዎም። ክሳብ ጠያይት ንላዕሊ ተተኩስ ህድማ ዝኸውን ህዝቢ ስዒብዎም። ብሓቂ እዚ ተስፋ ዝህብን ሞራልካ ሓፍ ዘበልን ናይ 2017 ተርእዮ እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓሰርተ ነገራት ሃልየን ትችዓተ ዘይተዓወታ ሓነቲ ጥራይ ዕውቲ እንተተረኽበተን፡  በተን ትችዓተ ተስፋ ምቁራጽ ዘይኮነስ በታ ሓንቲ ተስፋ ጌርካ ነትን ትችዓተ ብጻዕርን፡ ምውህሃድን፡ ዓወት ከም ዝጭበጥ ምግባር’ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ተሓባበርቱ ህዝቢ ኣብ ምጽናት ገጹ ክሳብ ዝኸይድ ክገብር ከሎ፡ ብናይ ሓባር ተቃዉሞ እንይታይ ተጌይሩ ስልመንታይክ እዚ ስቃይ እዚ ን26 ዓመታት ብዘይ ድልዱል ሓድነታዊ ተጻብኦ ቀጺሉ ኢልና ክንሓትት ይግባኣና።  ከመይ ከምዚ ናህና ሕሪሕራይ ጌርካ ምስ ወዲቅካ፡ ጌጋኻ ፈሊጥካ፡ ካብ ጌጋኻ ተማሂርካ ቆሪጽካ ምትንሳእ ዘየማት ዓወት ከም ዝርከቦ ዝተመስከረ ስለ ዝኾነ።

እምበኣር ሓንቲ ካብተን ጎሊሄን ዝርኣያ ጌጋታትና ንዓይ ከምዚ ዝስዕብ ኮይነን እስምዓኒ፡

ቀዳማይቲ) ከምቲ ዘይተጠንሰ ቆልዓ ዘይትወልዶ፡ ዘይተወለደ ሕጻን ዘይተዕብዮ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ እንተዘይትጅምር ህዝባዊ ግንባር ኣይምቀጸሎቶን። መብዛሕትኡ ጊዜ ዝኾነ ነገር ጽቡቅን ሕማቅን ኣለዎ። ሕማቅ ብጽቡቅ እንተወድኤ፡ እቲ ጽቡቅ ኣብ ሰፈሩ ኮይኑ፡ እቲ ሕማቅ ድማ ክዝከር ኣልዎ። እቲ ጽቡቅ ብሕማቅ እንተተወድኤ ድማ ከምኡ እቲ ሕማቅ ኣብ ሰፈሩ ኮይኑ፡ እቲ ጽቡቅ ክዝከር ይግባእ።  ዝጀመርካዮ ናይ ሓባር ስራሕ ባዕልኻ እንተዛዘምካዮ ግርም። ካልእ እንተፈጸሞ ድማ ጽቡቅ’ዩ፡ ሕማቅ ኣይኮነን። መንዩ ሽም ረኺቡሉ ዘይኮነስ፡ ቀንዲ እቲ ናይ ሓባር ቅዱስ ዓላማ እዩ ዝርኤ። ወረ ሽም እንታይ’ዩ ኢልካ እንተተንተንካስ እንታይ’ዩ?  እቲ ቃልሲ ድማ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳትፎ  ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ እዩ። ህዝባዊ ግንባር እንተኾነ’ውን ኣብ 1991 ስልጣን ንህዝቢ ከርክቡ እዩ ዝግባኣ ዝነበረ። ኣባላት ፈለምቲ ቃልሲ  ኣብ ዕስራን ሰላሳን ተኻፊፊሎም፡ ዋና ጸላኢኦም ረሲዖም፡ ብስምና ዘይመጸ ነጻነት ነጻነት ኣይኮነን ኢልካ ዝተኣምነ ይመስል፡ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን ኣብየት ክንብል 2 ሰንደቅ ዓላም ሒዝና ክንከይድ ዘሕፍርን ዘጉህን’ዩ።  እቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ጉጀለ’ውን ኣየድምዑን። ጥሙር ድልዱል  ሓይሊ ናይ ብሓቂ ደላይ ፍትሒ፡ ህዝቢ ዝኣምኖ እንተዝረከብ ኔይሩ ታሪኽ ካልእ ምኾነ እብል። ግን  ህዝቢ ኤርትራ  ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽሲ ትፈልጦ ሰይጣን  ኮይኑዎ። ምርጫ ሲኢኑ።

ካልኣይቲ) ኣብ መንጎና ፍቅሪ ጎዲሉና፡ ፍቅሪ ናይ ኣቦታትና ኣዴታትና፡  ኣባሓኣጎታትና እኖሓጎታትና፡  ታተ ኣቢሉ ዘዕበየና። እወ ፍቅሪ፡ ፍቅሪ፡ ፍቅሪ ጎዲሉና። ፍቅር’ዶ ኣይኮነን ብኸተትኡ ንበረኻ ዘውጽኣና። ፍቅሪ ብዙሕ ነገር’ያ ትሽፍን። ፍቅሪ ሻራ ኣይትፈልጥን’ያ። ፍቅሪ ሰባት እንተተጋጋዩ፡ ሕማቅ እንተረኸቡ “ሕራይ ኮኑ”  ኣይትብልን እያ፡ “ኣንታ እንታይ መዓልቲ ዊዒሎም፡ እንታይ ረኸቦም፡ ከምይ ጌርናኸ ክንሕግዞም” እያ ትብል። ፍቅሪ “በጃይ ኪዱ” ኣይኮነትን ትብል እንታይ ድኣ “ቅድሜኹም ይስጥሓኒ ንዓይ ይግበረለይ” እያ ትብል። ፍቅሪ ንንእሽቶ ጽቡቅ ነገር ኩሉ ክሕጎስ ተታዓባብዮ፡ ንዓቢ ሕማቅ ድማ ልቢ ሰብ ከይሓዝን ተናኣእሶ። ፍቅሪ እንተዘየለ ድማ ምክብባርን፡ ምትሕልላይን፡ ጽን ኢልካ ምስማዕን፡ ተጋጋየ ክኽውን ይኽእል’የ ምባልን  ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ዘረባ ትዛረቦ ንዘረባ ኢልካ ዘይኮነስ ነቲ ዝደለ ንምትግባር’ዩ።   ናህና ግን  - ብሓፈሻ ኣዛራርባ -  ኣቲ ዘረባ ከም ዕላማ ኮይኑ፡  ነዝን ነትን ዘይሃንጽ ዘረባታት  ኣብ ሶሻል መድያን፡  ብኣካልን ኮይኑ።  እወ፡ ኣብ ዘዘለናዮ ኣብ ዝኸድናዮ ዕላል ንዕላል ኮይንና።  ኣብ ቤተክርስትያናት ከይተረፊ፡ ቅዳሴ ተወዲኡ ድሕሪ መኽፈልቲ ዕላል ይጅመር። ንዘረባ ኢልና ኣብ ዘይንፈልጦ ኣቲና ንፋላሰፍ። ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን፡ እቲ ክቡር ግዜና ኣብቲ ዓዲ ስደትና ብሕታውን፡ ስድራቤታውን፡ ማሕበራውን ሽግርና ከመይ ጌርና ንፍትሓዮ፡ ከምይ ጌርና ሰብ ንኸውን፡ ብኽሉ መዳይ ንምዕብል ንድልድል፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምግሃስ መሰል ወዲ ሰብን ዘመናዊ ብርነትን፡ ዓይኒ ዘይብሉ፡ ሕሱም፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ድኽነትን፡  ኣብ ስደትን መንገዲ ስደትን ዘሎ ህዝቢ መንእሰይን ትሕቲ ዕድመን ዝበዝሖ ከምይ ጌርና ንበድሃዮ ኢልና፡ ተማያይጥና ክንሰርሕ እዩ ዝግባኣና’። ብዝሓለፈ ናይ ገድሊ ሕማቅን ጽቡቅን ናይ 26 ዓመታት ክሳብ ሕጂ ተፈጺሙ ዘሎ ዓለም ዘስካሕክሔ ግፍዕን ስቃይን ብደቂቁ ተሰኒዱ ካብ ወለዶ ንወለዶ ካማሓላልፍ እዩ ስርዓቱ። ሕጂ ኣቃልቦ ዝውሃቦ ናይ ጽባሕ’ዩ እምበር ናይ ትማሊ ኣይኮነን። ናይ ኢሳይስን ዘሎ ስርዓትን ድማ ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ ሓዲስ ነገር ምንም ዝፍለጥን፡ ዝንገርን ካብ ዘይህልዎ ሓያሎይ እዋን ኮይኑ’ዩ፡ ሕጂ ምቅጻሉ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ግዜኻ ምጥፋእ ጥራይ’ዩ።

እሞኽ ሕጂ እቲ ግፍዕን ስቃይን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ይገድድ ካብ ሃለወ፡ ኣብ ምጽናት ገጽና ንጓዓዝ ካብ ሃለና እንታይ ንግበር? ካብ ጌጋና ተማሂርና፡ ብፍቅርን፡ ኣፍልጦን፡ ምስትውዓልን ውዓል ሕደር ከይበልና ከም ዳሕራይ ቀዳምይ ምትንሳእ እዩ። ዘይነበረና ጊዜ ዘምጽኦ ኣንነትን፡ ርእሰ ዉዳሴን፡ ተጋጊና ይቅረ በሉልና ዘይምባላን ገዲፍና፡ ነብሲ ወከፍና ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ጓል ምስ ወዲ ትሕትና ለቢስና፡ ልብና ኣንጺህና፡ ከምቲ መራሕቲ ሃይማኖታትን መብዛሕትኡ  ህዝቢ ዝብሎ ዘሎን፡ ገጽና ናብ ኣምላኽና መሲስና ኣብ ጸሎትና ምእታው እዩ። ካልእ ኣማራጺ የብልናን። እቲ እምነት ዘይብሉ’ውን፡ እግዚኣቢሄር ዝሃቦ ሕልና ኣለዎ። ንሕና ምብትታን ስድራቤታት ዝዓብለሎ ማእለያ ዘይብሉ ስቃይና ዘምጽኦ፡  ኣብ ዘለና ንሃሉ ዝስዕበና፡  ንእመነሉን ዘይንእመነሉን በቢዓይነቱ ጽልኢ ልብና ዓብሊልዎ ኣሎ፡ እሞ ምስ ጓሂኡ፡ ክቱር ሓዘኑ፡ ምስ ሓረቆቱ፡ ምስ ሸገርገሩ።  ጽልእን ቅርሕንትን ድማ ነቲ ትጸልኦ ኣይኮነን ዘረኻኽበሉ ብቀንዱ ንዓኻ ከም መራት መስማር እዩ ዝኾነካ፡ ሀዲእካ ፍጹም ልብኻ ንጎይታ ሂብካ ክትጽሊ ኣይሕግዘካን’ዩ።  ረሳሕ ማይ ዝመልኤ ኩባያ፡ ጽሩይ ማይ እንተወሰኽካሉ እቲ ማይ ይፈስስ። ሓዲስ ማይ ክትገብረሉ እንተኾንካስ  ቅድም  ነቲ ረሳሕ ማይ ከትፍስሶ ኣለካ። እወ መሊሰ ክደግሞ፡ ሓንቲ ተሪፋትና ዘላ ናይ እትወሰነ ክፋል ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ነብሲ ወከፍና ጸሎት’ዩ። ኮይኑ ግን ጸሎት ብዘይ ግብሪ ኩላትና ከም ንፈልጦ ከንቱ እዩ።  እታ ውርይቲ ጻድቅ ንኽትባሃል ዝዝረበላ ዘሎ ማዘር ተረዛ፡ “እዚ ኹሉ ሰናይ ስርሓት ከምይ ጌርክን ተዓዊትክናሉ?” ተባሂላ  ምስ ተሓተተት፡ “ኩሉ ብጸሎት ከም ዝፈጸም ጌርና ኣበርቲዕና ንጽሊ፡ ኩሉ ሰሪሕና ከም ንዕወት እሚና ድማ ኣበርቲዕና ንሰርሕ” በለቶም። ፍቅርና፡ ግዜና፡ ገንዘብና፡ ፍልጠትና፡ ልዋም ሓሳባትና  ከነወፊ ኣሎና። እቲ መብዛሕትኡ ማእከላይ  ቦታ ሒዙ ስቅ ኢሉ ዘሎ፡ ርእሰ ፍትወት ይሃሉ እምበር፡ ታሓጉሱ ኣይኮነን ዝሓድር ዘሎ፡ ተስፋ ስለ ዝሰኣነሉ’ዩ። ተስፋ ዝህብ ምንቅሳቃስ ምስ ረአየ ክስዕብ’ዩ ዝብል ዘይጣራጥር እምነት ኣሎኒ። ፍቅርን ሓቅን እምነትን ሒዙ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል የለን። ፍቅርን፡ እምነትን፡ ተስፋን እንተይዘብልካ ግን፡ ከለኻስ ከም ዘይለኻ ኢኻ። ሓደ ክወድቅ ከሎ ሓደ ከልዕሎ፡ ሓደ ንናይ ሓባር ጽቡቅ ክትስእ ከሎ ብዙሕ ክስዕቦ ንቡር እዩ። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ደንበ ኣሰና “ዓመትና ናይ ቅዋም ዓመት ንግበራ” ዝብል ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ። ኢሳያስ ቅዋም የለን እንተበለ ቅዋም ዘይብልና ኣይኮናን፡ ከነተግብሮ ባይታ ስለ ዝስኣና እዩ እቲ ጸገምና።  ሰብን ስርዓትን ነበርቲ ኣይኮኑን፡ ደቂስና ክንትስእ ውሕሰነት የብልናን፡ እቲ ስርዓት ምስ ፈረሰ፡ እንታይ ኢና ክንገብር ኢልና ኣብ ሕንፍሽፍሽን ጊዜ ምብኻንን ኣይንኣቱን ኢና። ቅዋምና ኣለና። ቅዋም ድማ ሓወልቲ ኣይኮነን፡ ከም ኣድላይነቱ ባይቶ ምቅይያር ክገብረሉ ይኽእል’ዩ።

እወ፡ ኣብቲ ፍቅርን መሪሕነት ኣቡኡን ኣዲኡን፡ ሕቁፎ ህብረተሰቡን፡ ርእሱ ዝፈልጠሉን፡ ብዝዕባ ሰረት መጻኢ ህይወቱ ብጽሞና ዝሓስበሉን ጊዜ መንእሰይ ንሳዋ ተመንዚዑ ይውሰድ። ውጺኢት ሳዋ ድማ እዛ ንርእያ ዘለና’ያ። ናብራ ሳዋ ከሪርዎ ነዊሕዎ፡ ብሕማም ማሲኑ፡ ካብ ቤት ማእሰርታት እንተወጸ ዶብ ይሰግራ’ዶ ኣይሰግራን ኢሉ እናተጨነቀ፡ እንተሰገረ ድማ ዓዲ ጓና ምኽኣል ሲኢንዎ፡ ግናይ ተመክርኡ በዲልዎ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ዝተደኽመሉ ቅዋም ዓዲ ምስ ተመልሰ መሰሉን፡ ግቡኡን ዘኽብረሉ ክትምህሮ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ እንካ መግብኻ እንካ ክዳንካ፡ እንሆ መንገዲ ትምህርትኻን መናባብሮኻን ዝጠቅመካ ዝሕብር፡ ኣጆኻ ተመሃር ጥራይ፡ ዓድኻ ክትምለሳ ከለኻ ምስ ፍልጠትካ ኢኻ ዝብላ ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካ ኣድማዕቲ Community Centers ኣለዋኻ ምባል’ዩ ዘድልዮ። ርግጽ’ዩ ገዲም ስደተኛ ይኹን ናይ ቀረባ፡ እንተበዚ እንተበቲ ተዋጢጡ ኤርትራዊ ወላ ሓደ’ኳ ዝጥዓሞ የለን እንተበልኩ ኣየጋነንኩን።  ግንከ ፍቅርን ምትሕልላይን ምስ ዝህሉ፡ እቲ ኣብ ዘይጥጡሕ መናባብሮ ዘሎ፡ ነቲ ካብኡ ዝኸፍእ እቲ ካብኡ ዝኸፍእ ድማ ነቲ ካብኡ ዝኸፍኤ ምርዳእ ይከኣል’ዩ።  ንመረዳእታ ዝኣክል፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ 1929 ኣቢሉ ጀሚሩ ንገለ ዓመታት ዝቀጸለ ብርቱዕ ናይ ኤኮኖሚ ሽግር ኣጋጢሙ ኔይሩ - The Great Depression፡ ቆልዑ ብዋሕዲ መግብን ጥሜቴን ይሞቱ ነይሮም ብሕልፊ ኣብ ገለ ዓብይቲ ከተማታት ከም ባዕል ንዩ ዮርክ ዝኣመሰላ። ናይ መንግስቲ ፖሊሲታት ምቅይያርን፡ ናይ ወነንቲ ዓቢይቲ ትካላት ሙጉያይን  ነቲ ኩነታት በዲህዎ። ሓደ ዋና ካብቲ ዓቢ ረቋሒታት ነቲ ሽግር መኪቱ ዘሕመቆ ግን፡ እቲ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ መጎ ህዝቢ ዝተገብረ ምትሕግጋዝን ዝተራእየ ምድንጋጽን’ዩ። ኣብ ዝኸዶ ዘይፈልጥ ሰብ ገዝኡ ገዲፉ ንቅድሚኡ ይኸይድ ነይሩ። ኣብ መንገዲ ብዓበይቲ ኣጋንእ ሱፕ ተሰሪሑ  ኣጋር ኣጽሊሉ እናበልዔ፡ ምስቲ መግቢ ዉልቀ ሰባት ሙዚቀኛታት እናተጻወቱ፡ ግዕዞኦም ይቅጽሉ ኔይሮም፡ ምስ ደኸሞም ድማ ኣይተራሕርሑን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እምበኣር 2018 ዓመት ሰላምን ራህዋን ክትኮነልና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘረክዎ መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ኣመንትን፡ ጉዱሳትን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝገብርዎ ዘለዉ ጸሎት ጥራይ’ዩ ዘዋጽኣና። እወ ጸሎት ምስ ነስሕኡ፡ ምስ ፍቅሩ፡ ምስ ምክብባሩ፡ ምስ ምስትውዓሉ ኣርሒቅካ ምጥማቱ፡ ምስ ጽን ኢልካ ምስምዑ፡ ምስ ልግሱ፡ ምስ እንታይ ኣተወኪ፡ እንታይ ኣተውካ ምብልን መጥፍእ ወርቂ ዝኾነ ጊዜ ዘይምዕር ዕላል ምግዳፉ፡ ምስ ካብ ጥዕናና ጀሚርካ ብኹሉ መዳያት ርእስና ምምዕባሉ፡ ምስ ኤርትራውያን ጥራይ ሕግብግብ ምባል ገዲፍካ፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ዓዲ ምስ ህብረተ ሰቡ ምውስኡ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሕዋተይ ኣሓተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ። ደጊም ነዊሕ ተዛሪበ እየሞ፡ ዘረባይ ኣብዚእ ብጸሎት ክዕጽዋ’የ።

ዎ እግዚኣቦሄር ኣምላኽ፡ ዝልመነ ኩሉ ይቅበል’ዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዘበለ’ውን ይኽፈተሉ እዩሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም፡ ድለዩ ትረኽቡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ኣብሉ ይኽፈተልኩም እዩ፡ ኢልካና ኢኻማ እንሆ እብዛ ሓዳስ ዓመት 2018 ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ኣብ ጎራባብትና፡ ሰላም ኣብዛ ኣጋይሻ ዝኾንና ዓለምና ክንገስ፡ ንልምነካ ኣለና፡ ማዕጾኻ ንኹሕኩሕ ኣለና። ጌታየ ስምዓና። ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ንዓኻ ይኹን። ኣሜን።

ኣበባ