ሰላም ሰላም ኪሉኹም ኤርትራያን ኣሓተይ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቀዩ ኣብ ዘዘሎኹሞ።

ዝሐለፈ ሰሙን ኣብ ናይ  ኣመሪካ ባዕል ኣዴታት  ንኤርትራውያን ኣዴታት መልእኽተይ ኣመሓላሊፈ ነይረ ሕጂ ድማ ንኽብረን ቅሩብ ክዛረብ።

ህዝቢ ኤርትራ ጨኒቕዎ ኣብታ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን Korea  ተባሂላ ትጽዋዕ ዝፈትዋ ሀገሩ ከምዚ ኹሉ ምንባር ሲኢኑ ብኣፉ፡ ብኸብዱ፡ ብኹሉ እንትንኡ ተታሒዙ፡ ከም እንሳሳ  - እንሳሳ’ኳ ይኸብር  - ተተጎቲቱ ኣብ ማእሰርቲ  ይዳጎን ኣሎ። ይሃልዉ ኣይሃልዉ እዉን ኣይፍለጥን።  ናይ ቀዳም ቤት ማእሰርቲ ውሒዱ ኣብ ፈቀዶ ዓዲ ቤት ማእሰርትታት እናተኸፍተ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኮንተይኔራት እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቀይረን።  ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ኳንካ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ እንተተኣሰርካ ምስ ሰብ ስለ ትዛናጋዕ ይቀለካ። በይንኻ  ብፌሮ ኢድካን፡ እግረኻን፡  ምስ ተሓለከ ግን ስቃዩ  ክትግምቶ ይኸብድ። እሱር ብዓለም ለኻዊ ሕጊ መሰል ኣለዎ።   እንታይ ይብል  - all persons deprived of their liberty shall be treated with humanity and with respect for the inherent dignity of the human  person - ናጽነቶም ዝሰኣኑ ሰባት እቲ መሰረታዊ ክብሮም ከም ሰብ ክንፈጉ የብሎምን።

 መንእሰይ  ኣብ ሕቁፊ ኣዲኡን ኣብኡን ኮይኑ ብመንፈስ፡ ብኣእምሮ፡ ብኣካል ተኾስኳሱ ዓብዩ ፡ ንስድርኡን፡ ክባቢኡን ፡ ንሃገሩን ክንዲ ዝኾውን፡  ካብ ቤቱ መንዚዕካ ወሲድካ፡ ኣብ ሳዋ ነቁትካ: ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ኣእቲኻ፡ ኣብ ባዕልኻ ዘሳዋርካዮ ኩናትን፡ ኣብ ናይ ከንየው ዓድታት ፈጺሙ ዘይብጻሓካ  ኩናት  የእቲካ ተሰንኩሎ፡  ተቅትሎ: ተደርብዮ።    ወርቅን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ናይ ኤርትራ ንዝጽምጽእ ወለዶታት ክዕቀብ ዝግብኦ ክግሕጣ ዝመጻ ኩባንያታት መንእሰያት ከም ባሮት ኮይኖም ይሰርሑ። ዓቅሎም ጸቢብዎም ክወጹ እንተፈተኑ shoot to kill ተኩስ ከተፋራርህ ዘይኮነኣስ ቅተል ዝብል መምርሒ ተዋሂቡ ወይ ይቕተሉ እንተምለጡ ድማ ክሓልፈሎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ  ብባሕሪ ክጉዓዙ ከለው ብዙሓት ክብኣቶም ድንገት የጋጥሞም እሞ ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም  ይተርፉ።    መከረኛታት ተረፍ ጥየትን ተረፍ ባሕሪ መዲተራንይን ድማ ኣብ ምድረ በዳ ስሃራን ጎቦታት ሲናይን ተወሲዶም ኩሎቶምን ልቦምን ንዕዳጋ ይወርድ። ካብዚ ኹሉ ዝገደደ ስቃይ ትረክብ ግን መከረኛ ጕል ኣንስተትይቲ እያ።  ናይ  ቀደም ኤርትራዊ ወዲ ተባዕታይ  ጓል ኣንስትይቲ ሓብቱ ከይትድፈር ይከላኸለላ ነይሩ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራዉትያን ደቂ ተባዕትዮ ግን   ዐመጽቲ ኣሕዋቶምን ደቆምን ባዕላቶም ኮይኖም፡   ዓሚጾም ንዓመጽቲ በደዉንን ካልኦት ማፍያታትን ኣሕሊፎም ይህብወን። እዚ ንጓል ኣንስተይቲ ንዘንት ዕለት ዘይድምሰስ በሰላ እዩ። ኣቡኡ ዘይፍሉጥ ቆልዓ፡ ዝዕንግላ ዘይብላ፡ ትሳቀ። ከይትድርብዮ ከመይ  ገይራ  ወላዲት’ያ ከይተጥብዎ ካበይ ዝመጸ ጻባ እንታይ ምስ በልዔት ኣበይከ ኮይና ። ኣካላዊን ስነኣምራውን ስቃይ ይወርዳ።

እምበኣርክስ መራሒ መንግስቲ ኤርትራን ኣባላት መንግስቲ ኤርትራን  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ኣብ  ልዕሊ መንእሰያትና ካብኡ ንናብኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብሓለፋ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ -  እተን ተማሂረን ኣካለ መጠን በጺሔን ተመርዕየን ወሊደን ሃገር ክመርሓ ዝክእላን ናይ ጽባሕ መራሕቲ ዝኮኑ ዘዕብያን -  መግለጺ ዝስኣኖ  ዓለም ዝኣመነትሉ  ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ይፍጽሙ ኣለው።

ክቡራት ሰማዕቲ፡  ከምዚ ይኹን እምበር ኣብዚ ዘለናዮ ዓዘቅቲ  ክንወድቅ ንሕና እዉን ኢድ ኣሎና። መብዛሕትና፡ ደቅና ሐቁፍና ኣምሂርና፡ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሕና፡ ሕልናና ቀቲልና፡ ዓይንና ሸፊና፡  እዝንና ዓጺና  -  ክላ ናይ ዓድና ነገርሲ ስቅ ኢልካ’ዩ  - እናተባህለ እዚ ኹሉ ስቅይት ኢ-ሰብኣዊ ፍጻሜታት እናራኣና ከም ንቡር ወሲድናዮ ኣብ ማዕዶ ተዓዘብቲ ኮንና ትም ስለ ዝበልና እዩ። Dante Alighieri ዝተባህለ ዉሩይ  ኢጣልያዊ ገጣማይ  ካብ 1265 ክሳብ 1321 ዝነበረ እንታይ ኢሉ ይመስለኩም፡ “the hottest places in hell are reserved for those, in time of moral crises., maintain their neutrality”  ኣብ ዝኽፍኤ ቦታ  ናይ ገሀነመ እሳት ተታሒዝሎም ዘሎ እቶም ኣብ እዋን ናይ ሞራላዊ ቅልውላው ማእከላይ ቦታ ዝሓዙ ኢዶም ኣጣሚሮም ስቅ ዝበሉ እዮም። ገበን ዝገበረን ገበን እናተገበረ ትም ዝበለን ክልቲኦም ገበነጛታት እዮም ከም ማለት’ዩ።

ክቡራት ሰማዕቲ፡  ስቕታና ሕጂ ኣይከነን ጀሚሩ። ደድሕሪ ነጻነት  ኣብ ከረን ከመይ ዝኣመሰሉ መማሃራን ተኣሲሮም ሐቂቆም ተሪፎም ኣበይ ኣለው ኣይበልናን። ካብቲ ዝኸፍኤ ድማ  ዝኸፍኤ ኣሎንዶ ስንኩላን ኣብ ማይ ሓብር ምስ ተቀትሉ ትሒም ትሒም ኢልና ትም ኢልና። ኣስራተ ካሳ ወኪል ናይ ሃይለ ስላሴ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩሉ እዋን ተማሀሮ ኣዕገርጊርኩም ተባሂሎም ምስ ተኣስሩ ኣዴታት ነጻልኤን ኣልዒለን ቤተ መንግስት ከይደን “እንታይ ምስ ገበሩ እዮም  ሕጻናታዉቲ ደቅና ዝእሰሩ” ምስ በላ  ሽዓ ንሸዓ ፈቲሖሞም።  ዋና መዕገርገርቲ ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝቀነዩ ብዋሕስ ወጺኦም፡ ብድሕሪኡ ብኻልእ ዝጠርጠርዎም ብስልቲ ተኣሲሮም ክኹኑ ይኽእሉ። ፍርዲ ግን ኔይሩ።  ሰብ ዝፈልጦ እንድዩ ዝዛረብ ቀኝዝማች  ሱናበራ ደመናን ኣነን ናይታ ኣብ 1974  ንደርቂ ንምብዳህ ተገልግል ዝነበረት ማሕበር  ኣብላት ኔርና ፡ ፍልጠትና ድማ ዓሙቅ ምስ ምክብባሩ ኔይሩ።  ድሕሪ ነጻናት ከም ሰቦም ካብ ስደት ዓዲ ኣትዮም ዓይኖም ደም ሰሪቡ ገጾም ትኪ ተኸዱኑ “ኣብ ጊዜ ሂትለር ይሁዳውያን በብሓደ ክልቀሙ ከለው ናብይ ኣይመጸንን እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ እዮም  ኣብ ርእሶም ምስ በጽሔ ግን ነገር ሳዕሪሩ  ዝግብር ኣይነበረን። ኣድግስያ ተማህሊላ በላዒኣ ተምጽእ  ከይንኸውን ይፍርህ ኣሎኹ። እዞም ደቅና  መንገዲ ጸጋም ይሕዙ ኣለዉ። ሕጂ ተኣኪብና ዓይንና ኣፍጢጥና እንተዘሪኢናዮም በዚ ዝርእዮ ዘሎኹ  ሰብ ዘስሩሩ ኣይመስሉን’ዮም ሃይማኖትን ኣውራጃን ፈላሊኻ ንምግዝእ ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።” ክብሉኒ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየኒ።

ኣቱም ተቃወምቲ ትብሃሉ ኣብ ዕስራ ሰላሳ ተፋኒጭልኩም ዘለኹም ንሽጉር ህዝቢ ኣብ ፈቀዶ መደበር ስደትኛታት ቀንፈዘው እናበለ ከምቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝጠቀስክዎ  ኩሉ ዓይነት ስቃይ ክሳብ ክፍእ ኣማውታ እናሞተ ሓድ ዝጠቅም ኣድማዒ ሐገዛት ዝገበርክምሉ ኣይመስለንን።  ይዋእ ህዝቢ ኤርትራ ኣግዲዕኩሞ ካብ ዘይትፈልጦ መላኣኽሲ ትፈልጦ ሰይጣን ኮይንዎ።  ሽምጊልኩም ኢኹም። ተጋድሎ ሓርነት ታሪኽ ኣለዎ።  ህዝባዊ ግንባር  እንተጸለመኩም  ንሳቶም ድማ ናቶም ኣለዎም። ቃልሲ ኤርትራ ንስኹም ተጋድሎ ሓርነት ኢኹም ጀሚርኩሞ ሓያሎይ መንገዲ ድማ ኣጉዒዝኩሞ።  ቅድሚ ሰብ ተሰዊእኩም፡ ሰንኪልኩም፡ ተሰዲድኩም ኢኹም። ንደቅኹም ጽቡቅ ታርኽኩም ንገርዎም። “ንሕና ማሙቅ ቤትና ገዲፍና ብረት ዝዓጥቅና ንሃገርና ንህዝብና ነጻ ከነውጽእ ኢልና ማለት ነጻነት ካብ ድንቁርና፡ ነጻነት ካብ  ሕማም፡ ነጻነት ካብ ድኽነት፡ ነጻነት ካብ ጽልኢ፡ ብሐጺሩ ነጻነት ንፍጹም ሰላም ኢና ተቃሊስና” በልዎም።ኣሽምባይዶ ኣብ ሓደ ማሕበር - ናይ ገድሊድማ - ኣብ ሓንቲ ስድራቤት’ውን ላዕልን ታሕትን ኣሎ። ውድብ ጊዚኡ ሐሊፉ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ  ፓርቲታቱ ባዕሉ የቅዉም  መራሕቱ ይምረጽ። ታእማንነትኩም  ንህዝብኹም ድኣ ይኹን እምበር ነቲ ስም ዉድብኩም ዝነበረ ኣይኹን።

ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ሓድ ሓደ ዓድታት ዝርካባ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ትንፋስ ከድሕኑን ኣብየት ክብሉን  ኣብታ ንስደተኛታን  ሲኦል ዝኾነት ሀገረ እስራኤልን ኣብ ሱድንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ብመግብን፡ ትምህርትን፡ ጥዕናን ይረድኡ አሎዉ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ መዓልቲ ሐንቲ ዶላር ሓንቲ ዩሮ  እንተዘዋፅእ ኣጎልጉሎትና ዓቢ ምኾነ ይብሉ ኣለዉ። 

ብዓለም ሕጊ  ናይ ወጻኢ ኩባንያታት  ኣብ  ምስ ኢ-ሰብኣዊ ትፍጽም ሃገር ከይዶም ክሰርሑ ኩልኩል እዩ። ወርቅን ካልእ ክቡር ማዕድናትን ካብ ኤርትራ ምግሓጥ ክተርፎም ዘይደለዩ ከምኡውን ዓዶም ስደታኛታት በዚሖምና ይኣከለና ዝብሉ ንሓቂ ብርእዮ ጨፍሊቖም  ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምስኣን ናይ  economy ሽግር ዩ መንእሰይ ዘስድዶ ዘሎ እምበር ካልእ ኣይኮነን እናበሉ  ንመንግስቲ ኤረትራ ስራሓታዉቲ ክኽፈት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኽገብሩሉ ይሻባሸቡ  ኣለዉ።  እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎም ኤርትራውያን ማዕረ ጠበቃታት  ቆጺሮም “እዞም ሀብታማት ሰብ ጥቅሚ ዝብልዎ ዘለው ጌጋ’ዩ።  ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ስመ-ኣልቦ ጥሜትን፡ ቅትለትን ማእሰርትን፡ ሰደትን dictatorship እዩ” እናበሉ ኣብ ዓዶም ዝተነገፎም ፍትሒ ንወጻእተኛታት  ንፍትሒ  ጠጠው ክብሉ ይጓየዩ ኣለዉ ።

ኣብ ፈረቃ ስሳታትን ሰባዓታትን ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ እንጊሊዛውያን - ብጊዜ ሃይለስላሴ ሙዃኑ’ዩ -  ናይ Moral Rearmament ተጸዋዕቲ ሕጂ  ብ Initiatives of Change  ዝፍለጡ  “መንእሰያት  ኢርትራ ናይ ሞራል ሽግር የብሎምን ፡ሽግሮም ናይ ትምህርትን ስራሓን ስእነት’ዩ”  እናበሉ ዝዛረቡ ዝነብሩ፡ ብእዋን ቃልሲ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝበሉ ሕጂ ድማ ኣብ ኤርትራ ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ እናበሉ ዓቅሞም ብዝፈቀዱ ይንቀሳቀሱ ኣለው። ካብቶም ናይ ቀድም ዓበይቲ ብህይወቶም ዘለው Mr. Baynard Smith   ምስ በዓልቲ ቤቶም  Mrs. Sally Smith እዮም።  Mr.  Smith ካልኣይ ነጻነት ናይ ኤርትራ ክንርኢ ኢና ኢሉ ኣብቲ ናይ 88 ዓመት ልደቱ ዘኽበረሉ  ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት  ዝተረኸብሉ ተዛሪቡ።  ኣብቲ ዕድማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጸባ ሰትዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይሎይ እዋን ይገብር ንሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ተማህሮ  scholarship  ሂቡ።  ከምኡ’ውን  እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ብ transportation ይኹን ብኻልእ ነገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይረድእዎም ከም ዘለው ነጊሮም።

ኣቱም ከይተሓለልኩም ንኣብ ፈቀድኡ ዘለው ምግዱራት ኤርትራውያን ኣሕዋትኩም ብበቢዓነቱ መንገዲ ትረድኡ ዘሎኹም ከምኡ’ውን ስድተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ኣይነእቱን ኢና ንዝበሉ ኤውርጳውያን ትከራኸርዎም ዘለኹም እግዚኣብሄር ይሃብኩም። ጽባሕ ኣይናህናን እያም ንዓለም ትብለጹላ ኣሎኹም ጽቡቅ ዝገብረ ብዓቢኡ ንርእሱ እዩ።  ነቶም ወጻእተኛታት ገበርቲ ሰናይ ብኹሉ መዳይት ዝቃለሱ ዘለው  ድማ ጻምኦም ፍትሂ ዝነገሰላ ኤርትራ ምርኣይ እዩ’ሞ፡  ጻምኦም ይሃቦም። ን Mr. Smith ድማ Happy 88th Birthday በሉለይ ይብል ኣሎኹ።

ነዞም እንተበዚ እንተ በቲ ትም ኢልና ዝጸናሕና ድማ ሃየ ደጊም ብኹሉ መዳያት ንበራበር እብል ኣሎኹ። You cannot undo the past but you  can change the future.  ዝተገብረ ከም ዘይተገበረ  ክትገብሮ ኣይክኣልን እዩ ንዝመጽእ ግን ክትልዉጦ ትኽእል። ሞት ንወዲ ሰብ ዝተዋህቦ መሪር ጽዋእ ዩ።   ሞት ማልት ከለኻ ሞት’ዩ ።

ክቡራት ሰማዕቲ፡  ንሕና  ዋና ጸገምና ጉድለት ፍቅሪ’ዩ።  ኣብ መንጎ ኩላትና ደቂ ሃገር ፍቅሪ ስለ ዝጎደለ እዩ።  ኣብ ፍቅሪ ምትሕግጋዝ፡ ስጋይ ስጋኻ ምባል፡ ጸገም ብጻይካ ልክዕ ከም ጸገምካ ወሲድካ መፍትሒ ምድላይ፡  ሓውኻ ይኹን  ጻለኢካ ዝፈጸሞ ገበን ገብን ምባል  ተበዲልካን በዲልካን ይቅረ ምባል ኣሎ። ኣምላኽ ፍቅሪ ይብሃል እዩ።  እምንቶኻ ኣብ ፍቅሪ ምስ ዝኸውን ብኹሉ  ሸነኻት ትህብትም።  ተዳባቢስና፡ እቲ ናይ ብሐቂ ጸላኢናን ፈታዊናን ኣለሊና፡ ተፋቕርና፡ ተኻባቢርና፡  ዓቢ ጉድለት ብጻይና እናናኣኣስና፡ ንንእሽቶ ጽቡቅ ዝገብሮ እናታዓባቤና፡  ኣብ ፍትሒ ኣሚንና እንድሕሪ ተጓዕዝና፡ እዚ ን26 ዓመታት ዝኣክል ነዚ ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ደኺመ ዘይብል ዘይሕለል “ጻላእትና ብዙሓት’ዮም ወትሮ ኣብ ተጠንቀቅ ኢና ዘለና፡ መንገድታትን ሓጽብታትን  ነሰርሕልኩም ኣሎና፡ ነታ ሓንቲ  ህዩኒቨርሲቲ ዓጺና  ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኮሎጃት ዝኸፈትናሉ ምኽንያት ሓፋሽ ብምሉኡ ክጥቀም ምእንቲ ኢልና ኢና፡ ቅዋም ኣድላያይ ኣይኮነን" እናበለ መንእሰይ ተማሂሩ ሰብ ከይከውን፡ ህዝቢ ዓስኡ ጊፊፉ፡ ማሕረሱ ሓሪሱ፡ ንግዱን ሸቀጡን ጌይሩ ስድራቤቱ ሓብሒቡ እፎይ ኢሉ ብሰላም ከይነብር፡ ሓደስትን ነባራትን መማህራንን መሃንዲሳታትን፡ ሓኻይምን፡ ኣዛውንትን፡ ሰብ ትካላትን፡ መማዕበልቲ ትካላትን፡ ብዘይካ ህዝቦም ምርዳእ፡ ሃገሮም ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ምህናጽ ካልእ ዓላማ ዘይነበሮም ገሊፉ ሰጉጉ  ኣብ ርእሲ ዋሕዲ ገዛውቲ ገዛዉቲ እናዳማቱ እንድፍረሰ፡ ፊን ከም ዝበሎ እናኣሰረ ብሕሱም ምቅጥቃጥ እሱር ኣይብላዕ ኣይስተ እናገበረ፡ እናሕቀቀ፡ ብኣውራጅነትን ሃይማኖትን ብርኡይ  እናፋላለየ፡ህዝቢ ብኹሉ ተታሒዙ ነዛ ምንባር ሲኡኑ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ኣዘ ዝይብልሓዞ ዘትቭ ከም ዝስደድ እናገበረ ሃገር ኣብ ምጽናት ዘምርሓ ዘሎ ከዳዕ ጨካን ስርዓት ደው ክብል ኣይክእልን እዩ።  ገጽና ናብ ፈጣሪና ንምለሶ።  ኣምላኽ ከም ሰብ ኣይኮነን ኣበይ ኔርካ ክሳብ ሎማ  ሐውኻ ደርቢኻ ኣይብልን’ዩ ።ገጹ ንዝመለሰ ማሓራይ እዩ።

 ሕጂ ናብ ነብስና ተመሊስና ሕልናና ብቀጻሊ እናመርመርና - ንበገስ። ርእሰ ለውጥ self-transformation - ዝብሎ ካልእ ኣይኮነን ሕልናኻ ምምርማር እዩ ።

ሰብ ክቡር’ዩ። እንተ ብመጽሓፍ፡ እንተ ብቃል ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝመሓላላፍ ፍልጠት ኣለዎ። መጀመርታ ፍልጠት ድማ ፍርሓት እግዜኣቢሄር ሙዃኑ ንዘክር።  ነብሲ ወከፍ ሰብ ድማ  ኣምላኽ ዝሃቦ ክእለት ኣለዎ።  ሎሚ ኣብ ኣፍ ጉድጓድ ኢና ዘለና። ኣብ ምጽናት  ንኸይድ ኣለና። መሬት ናይ መንግስቲ ተባሂሉ ተኣዊጁ፡ ሓረስታይ ነታ ሓሪሱ ዝበልዓላ መሬቱ፡ መንግስቲ ከም ቃሕ ዝበሎም ዝሸጥዎን ዝዕድልዎን ኮይኖም፡ ህዝቢ ብኣፉስ ይትረፎ ብኸብዱ ተታሒዙ፡  ኣብቲ ርእሲ ዘለና ዋሕዲ ኣብ ወርሒ ማዕረ ኣርባዕተ ሽሕ  ዝስደድ እንተኾይኑ ከመይ ጌርና ኣለና ክንብል ንኽእል።    ባህርያዊ ሃባትና ተተጓሕጒሑ ይኸይድ ኣሎ።  ካልኦት ሀገራት መኸዘን መሳርያታተን ጌረን ካብኡ ተላዒለን ንጸላእትና ዝብልኦም ዝድብድባ ኮይነን፡ ወደባትና ዴሴታትና ናትና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ኣነ ሎሚ ኣብዛ  ፈላሚት - Pioneer - ደንበ ኤርትራ፡ ደንበ ኣስማሪኖ።  ኮይነ ይዛርብ ኣሎኩ፡ እሞ ኣቱም ካልኦት ወነንቲ ደምቤታት ድማ ብኽብረትኩም መልእኽተይ ግዳ ኣማሓላለፉለይ።  ኣቀዲማ  ድማ የምስግነኩም ኣሎኹ።

 እምብኣር ሕጂስ ነዊሕ ተዛሪበ እየሞ ዘረባይ ኣቦና ኣብ ስማይ ትነብር  ልናበልኩ ብጸሎት ክዓጽዋ።