ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ መራሕቲ መንግሥቲ ኤርትራ፥ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት፥ ካህናት፥ ምእመናንን ምሉእ ሕዝቢ ኤርትራን ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቦታኦም ክምለሱ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዖም።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብቲ ናይ 45 ደቓይቕ ዝወሰደ ናይ video መልእኽቲ፥

  1.  መንግሥቲ ኤርትራ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናጻ ክገድፋ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከውጽእ።

  2. ጳጳሳት ኤርትራ ምሒሎም ንዝተሰከምዎ ሓላፍነት ክሳብ ሞት መስዋእቲ ክኸፍሉን ኣቦኦም ክመልሱን ዳግማይ ኣብ ጌጋ ከይወድቁን።

  3.  ፖለቲከኛታትን ግሩሃት ሰባትን ብስም ስእሊ ቅድስት ሥላሴን፥ ጥንተኣብሶን ካልእን ዝብል ምኽንያት ንቤተ ክርስቲያን ዝኸፋፍሉሉ ዘለዉ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም፥ ብሲኖዶስ ክሳብ ዝውሰን፥ ኣብ ዘለዎ ተዓሊቡ ክጸንሕ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከም መካትዕን መዘራረብን ከይለዓል ኣዚዞም።

  4. ኩሎም ኤርትራውያን ክርስቲያን ይኹን ኣስላም፥ እዚ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ ዘሎ፥ ናብ ኩሉ እምነታት ዝልሕም፥ ጽባሕ ንግሆ ነታ ሃገር ፈጺሙ እምነትን ሃገራውነትን ኅውነትን ባሕጒጉ ዘጥፍእ ስለ ዝኾነ ብሕብረት ዓገብ ክበሃል ሓዋርያዊ ጸዋዒት ገይሮም ኣለዉ።