ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ካብ 6 ጥቅምቲ 1991 - ስጋዕ 6 ጥቅምቲ 2015 24 ዓመት ንበይኑ ኣብ ንእሽተይ ክፍሊ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ ኔልሰን ማንዴላ!

ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፡ ብዘይ ፍሉጥ ክስን ፍርድን በቲ እንኮ ዕሉል መላኺ እሳያስ ኣፈወርቂ ተቐይዱን ካብ ስድራ ቤቱ፣ መቕርቡ፣ መጋድልቱን ፈተውቱን ተነጺሉ ኣብ ሓንቲ ሸላ ካብ ዝዕጾ፡ ሎሚ 06 ጥቅምቲ 2015 መበል 24 ዓመቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ቢትወደድ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ኣዲኡ ወ/ሮ ቅድስቲ ተወልደመድህን ብ 1953 ተወሊዱ። ኣብ 1972 ድማ ን ናጽነት ኤርትራ ክቃለስ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ ን19 ዓመት ተጋዲሉ ካብቶም ንናጽነት ህያው ዝገበሩ ኣብነታዊ ጅግና እዩ።

ንማእሰርቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ  ቢትወደድ ኣብርሃ ኣመልኪቱ፡ በቲ ንዓመታት ብዘይ ክስን ፍርድን ኣሲሩዎ ዝርከብ ጨካን ስርዓት ንህዝቢ ዝተዋህበ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘየለ፡ ምኽንያት መእሰሪ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ብቐንዱ ምስ ምኽባር ሉኣላዊ ግዝኣት ሃገርና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ግን ብሰፊሑ ይንገር።

እንተኾነ፡ እቲ ክጸልኣካ ከም ኣረጊት ጨርቂ ዝጉሕፈካ፡ ጽግም ክብሎ ከሎ ድማ መታን ክጥቀመልካ ካብቲ ዝደርበየካ ጓሓፍ ከልዕለካ ምንም ዘይዓጅቦ ጉዳመኛ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ንሂወትን ንብረትን ኤርትራ ዝህሙኽ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ክኣጉድ ምዃኑ ኣብ ዘረጋገጸሉ ስዓት፡ ምፍታሕ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ኣድላዪ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ዕረ እናጠዓሞ ነጻ ክለቆ ተገዲዱ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ  ቢተወደድ ኣብርሃ ድህሪ ናይ ሰብዓን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ማእሰርቲ ወይ'ውን ድሕሪ ናይ ሽድሽተ ዓመታትን ክልተ ኣዋርሕን ቀይዲ ንፈለማ ግዜ ብዕለት24  ታሕሳስ 1997 ካብታ ከም ሕሱም ዝተሳቐየላ ሸላ ሓራ ወጽዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ  ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣየባህረሮን፣ ተስፋ ኣየቑረጾን፣ ኣየጃጀዎን። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ፡ መንፈስ ቃልሱ ብዝሓየለ ንኸጠንክር ዝያዳ ሓጊዙዎን ንብዙሓት ኣብ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘምጽእ ሰውራ ንኽዓስሉ ዝጽውዕ ሃያል መልእኽታት ናብ ህዝቡ ንኽዝርግሕ ሃጊዙዎ እዩ።

ኣብተን ክልተ ኣዋርሕ'ውን ዘይኣኽላ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ጽሓይ ብርሃን ደጊሙ ክርእየለን ዝኸኣለ ውሑዳት ምዓልታት፡ ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ጊዚኡ ጠንቂ መእሰሪኡ ከምቲ እቲ ስርዓት ብሓሶት ዘመኽንዮ ዘይኮነስ፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእቱን እየ ኢሉ ንውሳኔታትን ትእዛዛትን መላኺ ኢሰያስ ስለ ዘይርዓመ ምዃኑ ንህዝቢ ብግሉጽ እናረደእን ህዝቢ ስለቲ ዝወደቀሉ ዕላማጸኒዑ ደው ክብልን ኣንጻር ዝኾነ ዕንደራውን ፋሉላዊን ኣካይዳ እቲ ስርዓት ክምክትን ኣብ ምጉስጓስን ኣብ ምስትምሃርን እዩ ኣሕሊፉዎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓደገኛ ምልዕዓል ነቲ ንነዊሕ ግዜ ከጻውዶ ዝጸንሓ ብርሰትን ጽንተትን ሃገርን ህዝብን ዕሽሽ ኢሉ ኣመት ቀጻልነት ዕንደራዊ ምልኹን ስልጣኑን ጥራይ ዘቐድም እኩይ ኣተሓሳስቡኡ ዝዓግትን ዕምሪ ባርባራዊ ግዝኣቱ  ዘቕሕም ሓደገኛ ተበግሶ ምኹዋኑ ብኣግኡ ስለ ዝተሰቆሮ ንሓርበኛ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ናብታ  ካብ ጥቅምቲ 1991 ስጋዕ ታሕሳስ 1997፡ ንሽድሽተ ዓመታት ከም ወኻርያ ተዓምጺጹላ ዝነበረ ጸልማት ሸላ መሊሱዎ።

ካብ 1997 ክሳብ ሎሚ ድማ ገና ኣብታ ጸልማትን ጽምዋን ሸላ ተዓጽዩ ዝርከብ ኤርትራዊ ኔልሰን ማንዴላ እዩ! እዚ ክንብል ከለና ነቶም ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዘህለፎም ብዝሂ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው እምበር፡ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ካርሸሊ ኣብ ኣስመራ ምስ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ቤት ማእሰርቲ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዝማድ ክረእ እንከሎ፡ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልያት ከምዘለዎ ዘንጊዕና ኣይኮናን።

ካብዚ ብምቕጻል፡ ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡን ቅድሚ ናብቲ ዝወጻሉ ቤት ማእሰርቲ ደጊሙ ምእታዉን ኣብ ዝነበረ ሓጺር ጊዜ ኣብ መቓብር ናይቶም እሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ዝዓረፉን ዝተቐብሩን ወላዲኡ ተረኺቡ ዕታር ዕምበባ ናብ መቓብር ኣብኡ ምስ ኣንበረ፡ ንደቂ ዓዱ፡ ንተወላዶ ዓዲ ሞንጎንቲ ዘስምዖ ኣገዳስነቱ ነዚ ሕጂ ዘሎን ንዝቕጽልን ኤርትራዊ ወለዶታት ሓጋዚ ዝኾነን፡ ከም ኣገዳሲ ቅርሲ እዛ ሃገር ብጥንቃቐ ክተሓዝን ክስነድን ዘለዎ ብሱል መደረ ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ከም ዘለዎ ነቕርበልኩም።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት - ኤርትራ
ለንደን
ዓዲ እንግሊዝ