ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡- ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ሶማል ዝነበረ ዕግርግርን ስእነትን ቅሳነትን  ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ምምሕያሽ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ናብ ውድቀት ገጻ እተምርሕ ዘላ ሃገርን ዳግም ከጋጥማ ይክእል’ዩ። እታ ኣብ’ዚ ዞባ ትርከብ ብኤርትራ ትፍለጥ ንእሽቶ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ነጻነታ ካብ እትርከብ 20 ዓመታት ጥራሕ ዘቑጸረት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝረአዩላን ኣብ ዓለም ከኣ ሓንቲ ካብ’ተን ብወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣዝየን ዝተፈልጣ ሃገራትን ኮይና እትርከብ ዘላ’ያ። እዛ ሃገር፡  ብጥንቃቐ እንተተመልኪትና፡  በብቑሩብ  እቲ ሃገር ዘብላ  ባህሪያት እናጥፈአት ኣብ ልዕሊ ምምጻኣ፡ ነበርታ  ክጻወርዎ ዘይኽእሉ ማሕበራዊ ኲነት ፈጢራ ትከብ ኣላ።  ሽሕ’ኳ ኤርትራ መብዛሕቲኡ ግዜ ብናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮሪያ ዝብል ስም እንተተፈልጠት፡ ኣብ ምውድዳር መጺእካስ ምስ ሶማሊያን ከመይነት ኣብ ኲናት ሕድ-ሕድ ምውዳቕን ሓያል ዘመሳስል ኣለዋ። ኣብ’ዚ እዋን  ማሕበረ ጸጥታዊ መዳያት እተን ዝተረፋ ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ድሮ ዘሻቕል ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ከም ሃገር እንተብቂዓ ከኣ፡ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ጉዳያት መሊሱ ክብእስ’ዩ።

እዛ ሃገረ ኤርትራ ኣትበሃል ኣቐድም ኣቢላ፡ ማለት ኣብ1998 ብምኽንያት ዶበይ ዶብካ  ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ኣካይዳ። እዚ ከይኣክል ውሽጣዊ ሰላምን ምርግጋእን ስኢና፡ እነሆ ብውልቀ ምልኪ ክትሕመስ ትረአ። እዚ  ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዝበሃል ፕረዝደን ናይ’ዛ ሓዳስ ሃገር፡ ብዘይክኡ ካልእ መራሒ ኣይተራእየን።  ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ ዶብ ኲናት ኣሳቢቡ ንኹሎም ናይ ውሽጢ ተቓወምቱ  ብዘይምሕረት ድሕሪ ምጭፍላቑ፡ ኣብ’ታ ሃገር ቅዋም ከም ዘይሰርሕ ፣ ምርጫታት ከም ዘይካየዱ ገሩ ይርከብ።

ንክተት ዝምልከት፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ዕድመ ዘበለ ኩሉ ጠመንጃ ሓዚሉ ኣሎ። ኣብ’ታ ሃገር ክተተን ጠመንጃ ምሕዛልን  ኣድማሳውን ግዴታን’ዩ። ሎሚ ኣብ ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ዝትርከብ ዕጡቕ  ሓይሊ ሰብ እቲ ዝበዝሐ ኮይኑ፡ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተሓጋገዝቶምን ብዝሒ፡  ብማእከላይ ገምጋም  ብዘይካ ሰሜንን ኮሪያ ንኤርትራ ዝዳረጋ የብላን። እዚ ከይኣክል ኣብ 2011 ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ንዕኡን ነቲ ንሱ ዝኣቦ-መንበሩ ዝኾነ እንኮ ሰልፊ ኣብ’ታ ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን /ህግደፍ እሙን ዝኾነ ዕጡቕ ሓይሊ ክምልምል ተራእዩ።

ሽሕ’ኳ ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ኤርትራ ኣብ ምፍራይ፡ ምዕጣቕን ምምሕዳርን ሰራዊት እንተፈስሰ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ናይ’ቲ ሰራዊት ኣይግድን’ዩ ዘሎ። እቲ ትካል ብፍልልያት ዝተበልዐ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘተኣማምን ሓይሊ’ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ኣይትኽእልን። ኣብ ኤርትራ ስልጣን ክበሃል እንከሎ  ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ፡  ናይ ውልቀ-ሰብ’ዩ። ኣብ’ዚ እቲ ብቐዳምነት ዝረአ ንሱ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ከም መላኺ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ዕማኾ ጀነራላት’ውን ኣለው። እዚኣቶም ኣብ ነንሕድሕዶም ስኒት የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስልጣን ኣብ ምጭባጥን ገንዘብ ኣብ ምእካብ  ንብረት ኣብ ምግባት ሓያል ህልኽ ከካይዱ’ዮም ዝረኣዩ።

ህድማ፡- ኣብ ኤርትራ ካብ ሰራዊት ኮነ ኣብያተ ጽሕፈታት ሓያል ህድማ ይረአ’ዩ።  ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡  መንግስታዊ ትካላት ክምህምን ይረአ ኣሎ።  ህድማ ንሚኒስትሪ ዜን የመናይ ኢድ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ፡ ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ከም በዓል ሚኪኤል ኣዶናይ ዝተባህሉ ስነ-ጥበበኛታት፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋናታ ኦሎምፒክ፡  ከምኡ’ውን ዓሰረታት ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት የጠቓልል። ኣብ ኤርትራ ክትጻወሮ ዘሽግር ብስጭት ይረአ።  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንኣብነት፡  ብሓደ ኮሎኔል እትምራሕ ብርጌድ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምልዕዓላት ኣካይዳ ኔራ። ስርሒት ናይ’ዛ ብርጌድ- ምቁጽጻር  ሚኒስትሪ ዜናን  ጠለባት ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ማለት ቲቪ-ኤረ ክንበብ ምግባርን  ንባዕሉ ነቲ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘሎ ነቓዕ ዘብርህ’ዩ።  ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእል ብርግጽ ዝፍለጥ ኣይኮነን። 

ስታቲስካዊ ሓበሬታ ዘቐብለካ የብልካን።  ብግምት ግን 3-4 ሚሊዮን ክበጽሕ ይኽእል። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ሃገር ገዲፎም ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።  ጸብጻብ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ነብስ-ወከፍ ወርሒ 4000 ኤርትራውያን  ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ  ስደት የምርሑ። እቲ ስርዓት ኣሉ ክብል፡ ኤርትራውያን ከኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ከብሉ፡ ሓያል ህልኽ ይረአ ኣሎ። መብዛሕቲኦም እዞም ካብ’ዚ ስርዓት  ዘምልጡ ዘለው ዜጋታት ደቂ-ተባዕትዮ መንእሰያትን ኣፍረይትን’ዮም። እወ ካልእ ኣማርጺ የልቦን- ወይ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ህይወት ወይ ከኣ ህድማ። ብዙሓት ካብ’ቶም ካብ’ቲ ስርዓት ዘምልጡ፡ ወይ ብግዴታ፡ ወይ ብምትላል ናብ ሓውሲ ደሴት ሴና ከም ዝጭወዩ ይግበሩ’ሞ ኣብኡ ወለዶም፡ መቕርቦም፡ ፈተውቶም፡ መልቀቒኦም ዝኸውን  ገንዘብ ክሳብ ዘተኣኻኽብሎም፡ ብብደዌን ክሳብ ኣካላቶም ዝጎድል ወይ ህይወቶም ዝሓልፍ ይግረፉ።  እቲ ናይ ገበን ኔት-ዎርክ  ገና ኣብ ኤርትራ እንከለው’ዩ ዝጅምር።  ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ  ተኸታታሊ ጉጅለ ( ኤርትራ-ሶማልያ)  ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ’ቲ ገበን ኢድ ከም ዘለዎም ይሕብር።

ናይ ከም’ዚ ኣቶም ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ስራሓት ከዋፈሩ ምርኣይ ከኣ፡  ክንደየናይ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክግሕጡ ከምዘኽእሎም  ንምግማቱ ኣየሸግርን። መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ’ቲ ስርዓት ብረትን ባሮትን’ውን ይሸጡ’ዮም። ዝኾነ ኮይኑ እዛ ሃገር ከም’ዚ ኢላ ክትቅጽል’ያ ኢልካ ምሕሳብ ተቐባልነት ኣይህልዎን። ለውጢ ክመጽእ’ዩ። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ፡  ናይ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ  ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ስትራተጂ ንኤርትራ ናብ ኲናት ሕድ-ሕድ ከውድቓ ይኽእል’ዩ።

ካብ ሶማሊያ እንታይ ንመሃር፡- ኤርትራ ሎሚ ነቲ ሶማልያ ኣብ 1991 ዝነበረ ኩነታት ዘመሳስላ ብዙሕ ኣሎ። ስደት ዜጋታታ፡ ህድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ወጥሪ ኣብ መንጎ ብሄራት፡  ከምኡ’ውን ናይ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ኣእምሮ ምስሓት ዝመስል ኣካይዳ ክጥቀሱ ይኽእሉ። ሓንሳብ እዚ ምስ ኣጋጠመ ነዚ ስዒቡ ዝረአ ማእከላይ መንግስቲ ምዕናውን ጠመንጃ ዝሓዘሉ ዕጡቓት ምብዛሕን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ምዕባሌታት  ካብ ናይ ሶማልያ ኣዝዩ ዝኸፍአ ንክኸውን ሓያል ተኽእሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ኩሉ ጠመንጃ ዝሓዘለን  ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ብረትን  ስለዘሎ። እቲ ክለዓል ዝከኣል ኲናት ሕድ-ሕድን ግጭትን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡  ብሄርን ሃይማኖትን ዝመበገሲኡ ፍልልያት እናዓሞቐ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሓደ ነገር ክንዝክር የድሊየና። ዳርጋ ነብስ-ወከፍ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዝን ፖለቲካዊ መራሕን ካብ’ታ ኢሳያስ ዝውለደላ ሓማሴት እትበሃል  ኣውራጃ ዝውለድ ኮይኑ፡ እምነቱ ከኣ ክርስትያን’ዩ። እዚ ኣብ’ቶም ዝተረፉ ካልኦት ሓያል ስምዒት ከም ዝፈጥር ርኡይ’ዩ።

ከም ኣብ ሶማልያን የመንን ዝተራእየ፡ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ከም ኣል-ቃዒዳ ዝኣመሰሉ ናይ ውጹዓት ምስልምና ዝእምነቶም ደገፍ ክረኽቡ ዘይኽእልሉ ምኽንያት ኣይረኣየካን። ኤርትራ ዋላ’ኳ ድኻን ንእሽቶን  እንተኾነት፡ ዘነይት ባህሪያዊ ሃብት’ውን እንተዘይብላ፡ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ግን፡  ነዊሕ ናይ ገማግም ግዝኣት ኣለዋ።  ምስ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣  ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ጎረቤት ስዑዲ ዓረብያን የመንን ‘ውን ስለ ዝኾነት፡  ብመንጽር ኣህጉራዊ ንግዲ  ጸጥታን ስለያን  ኣገዳሲት’ያ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባ ግጭት’ዩ።  መብዛሕቲአን ጎረባብቲ ኤርትራ ከኣ፡ ንባዕለን ድኹማት’የን። እዘን ሃገራት ሕድሕደን ተደጋጊፈን ዝኸዳ ከም ምዃነን መጠን ከኣ፡  እንተደኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ለውጢ ከጋጥም ክኢሉ፡ ንሳተን’ውን ክልከማ’የን። እዘን ኣብ ውሽጠን ናይ ባዕለን  ሓያል ጸገም ዘለወን  ጎረባብቲ ኤርትራ፡ ኤርትራ ፈጺማ ንከይትዓኑ ክረድኣ፡ ክሕግዛኣ ዓቕሚ የብለንን። ዋላ እንተደለያኦ። ኤርትራ ክትርዳእ፡ ክትድሕን እንተኾይና፡ ሓያል  ኣህጉራዊ ሓልዮትን ደገፍን ከድል’ዩ።

ብፕሮፈሰር ጀቲል ትሮንቮል

 ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ