ናፊቐያ

 

መዳሕንተይ ዝተቐብረትላ 
ብህጻንነተይ ዝዓበኹላ
ብፍቕሪ ስድራ-ቤት ዝማመቑኩላ
ዓደይ ክብረተይ ከመይ ኮን አላ
ናፊቐያ ተራእዩኒ ምስላ::

ናፍቖታ ሑሱም ጥርዚ በጺሑ
ብሎሚ ጽባሕ ግዜ ነዊሑ
ምውቕ ፍቕራ አብ ልበይ አሳፊሑ
ብትዝታ መስዩ ወጊሑ
ናፍቖት ሓዚሉ ግዜ ሓሊፉ::

ይረአየኒ ቆላ ከበሳ 
ዑቑር ሃብቲ ካዕበት ዝሕፈሳ
ኤረይ ጽላለይ ሓድነት ዩ ፈውሳ 
ማህደር ታሪኽ ሰላም ይፍሰሳ 
ፍቕሪ ዋሕሳ ሓድነት ዩ ፈውሳ::

ውቁብ ምስላ አብ ቂድሚ ዓይነይ 
ሕዛእታ ኮይኑ ማህደር ናይ ዝኽረይ
ምስኣ ከይዱ'ቲ ሃመይ ቀልበይ 
ከይረአኹዋ ድቃስ ነይብለይ
ሰለም ነይብለይ ቅሳነት የብለይ፡፡


ድርብ

 

ቃንዛ ፍቕራ አይተኻእለን
ከቢዱ'በር አይፈኾሰን  
መሪር'ወ አይጠዓመን
ኩርካሕ እንዲዩ ድቃስ የለን::

ፍቕራ ዕዙዝ'ዩ አይርከቦን መስፈር 
ካብኣ እንተረሓቅኩስ መሊሱ ይግንፍል
ብዘይከአስ ከምይ ኢልካ ይንበር 
ናፍቖት ሃገረይ አሰኒፍኒ'በር፡፡

ጀለምታ ንብዓተይ ንታሕቲ ዚዒጉ
ንውሽጢ መሪጹ ንቆርበት ሓዲጉ
መልሲ እንተረኸበ ንልቢ ሓቲቱ
መልሲ ምስ ሰአነስ ናፍቖት ሸቲቱ፡፡

 


 

ናፊቐያ
መንግስትኣብ ሓጎስ

ዜማን ግጥምን
መንግስትኣብ ሓጎስ

ሳክስፎን፡ 
አሮን ሳጢር

በይዝ፡ 
ሞሓመድ ሞርቲሒን

ኪራር+በገና፡
ሙሴ ቺኒስ

ኪቦርድ+ሚክስን ከማኡ ውን ማስተሪን፡
ዳዊት ኪዳነ  ሃርሞኒ ዲጂታለ ስቲድዮ

 

 

Latest

ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!

    መስራቲ፡  ዳይሬክተር፡  ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡  ናይቲ፡  ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡  ድሕሪ  ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ...