ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ ዘመን ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወናኒ ሕሳብ /account / አብ ማሕበራዊ መርበብ (ኢንተርኔት) ከም ባዓል ፈዩሰቡከን ትዊተር ዘኣመሰላ፡  ድላዩ ክብልን ክንድርን መሰል ሰለ ዝረኸበ፡ ብፍላይ አብ ስደትዘሎ መንእሰይ፡ አብ መትሓዚ ዘይብሉ ክትዓት ተሾኺሉ ክግስግስ ጸኒሑ።

እዘን ንማሕበራዊ ምርኻብ ዝተሰየማ መርበባት ኣብክንዲ እትጥቅመንን ኣገዳስነተን ኣብ ገለ እዋናትን ጉዳያትን በሰለአን ከየትረፋ ኣይ ሓለፋን፡ ገለኦም ብፍልጠትን ብሕሰምን ገለኦም ድማ ብየዋህነትን ድንቁርናን ገዳያት ዘየድሊ ናይ "ጽልኢ ማኣዲ" ኮይኖም ጸኒሖም። ጽልኢ ሽሕ ግዜ ኡኮ ሰላብን ማራኽን እንተ ኾነ እቲ ናይ መጨረሻ ታዓዋቲ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። 

ምንልባሽ "ጽልኢ" ንሓጺር ግዜ ሰብ ክርብሽ ይኽእል ይኸዉን፡ ልቢ ሰባት ከርስሕ፡ መንፈሶም ክብክል፡ ሓሳባቶም ክብትን፡ ባህጎም ከባስን፡  ዝጻወቶ ተራ ብቀሊል ክረአ ኣይግብእን ። 

እንተኾነ ግን "ጽልኢ" ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ሓዲሽ ታሪኽ ክምስርት ዓቅሚ የቡሉን።  ኣብ መደምደምታ ዝኾነ ታሪኽ፡  ፍቅርን ሕውነትን እምበር፡  ጽልእን ቅርሕንትን ዘምጽእዎ አወንታዊ ለውጢ የለን። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይ የካትዕ ሙስኩር ታሪኻዊ ፍጻሜ  ወላኳ ተኾነ፡ ነዚ ምዕራፍ እዚ ዘሊሎም ሓዲሽ "ቤላ በለዉ " ዝሰረቶ ጽንጽዋያት ዝኣልሙ አይተሳእኑን።  ኩሉ ሻዕ "ተረኽቲ ጽልኢ" ኣብ ዝቅልቀሉሉ ግዜ ናይ ለባማትን ሙሁራትን ተራ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረአ።  እዚ ተራ እዚ ኻኣ ሹቶኡ ክወቅዕ እንተኾይኑ ናይ ኩሎም ለባማትን፡ ሰብ ሕልና ተሳታፍነት የሓትት፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ተራ ስነ ጥበብ እዩ። 

ስነ ጥበብ  ኣብ ተሞኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ ናይ ትማሊ ታሪኽ ብሙኻኑ ብዙሕ ኣብነት ዘድልዬ ጉዳይ ኮይኑ ኣይራኣየንን። ኣብዚ ንነብሮ ዘለና ወቅቲ ድማ ምስ ኩሉ  ግዝያዉን ታሪኻውን ቡዶሆታቱ ናይ ስነ ጥበብ ተራ እንዳ ዓበየ ክመጽእ ምተገበአ። እንተኾነ መብዛሕቶም ስነ ጥበበኛታት ኤርትራ ንሞዮኦም ከም መዘናግዕን መብለዒ እንጀራን ጥራይ ጌሮም እዮም ዝቆጽርዎ፡  ዝብል ቡዙሕ  ሕሜታ ይስማዕ እዩ።  ሓቅነቱ ክሳብ ክንደይ ሙኾኑ ንምፍላጥ ዑሙቅ ዝበለ መጽናዕቲ ዋላኳ እንተድለየ፡  እዚ ሕሜታ ዚ ዘይምልከቶም ብርክት ዝበሉ ስነ ጥበበኛታት ከም ዘለዉ ግን  ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። 

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ከም ኣብነት  ከቅርባ ዝደለኹ ስራሕ፡ እታ ካብ ዝሓለፈ 1 መስከረም ኣትሒዛ ብመርበብ ዩቱብ ትቃላሕ ዘላ "ባህጊ አለኒ" ዘርእስታ ደርፊ እያ። እዛ ብአብራር ዑሰማንን: መንእሰሰይ ፉጹም በራኺን እትድረፍ ስራሕ ፉሉዩነታ ብብርክት ዝበላ ነጥብታት ክግለጽ ምተኻእለ። እንተ ኾነ ግዜ ንሙቁጣብ አብ ዉሑዳት ነጥብታት ከድህብ ይመርጽ። 

1- አርእስትን ተልእኾን (title & messages)

መጀመርታ ኣርአሰቲ ክንሰምዕ ኮለና "ባህጊ አለኒ"፡ ኣብ  ተዘከሮና ዝመጽእ ሓሳብ ኣሎ ኢለ እየ ዘኣምን፡ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ 1963 (ኣብ ዋሽንተን) ብማርተን ሎተር ኪንግ ዝተነበ ታሪኻዊ መግለጺ (I Have a dream) እዩ።  መበገሲ እዚ ተዘክሮ እዚ ኣብቲ ኣርእሰቲ ጥራይ ዝሕጸር ኮይኑ ግን ኣይራኣየንን።  ንምንታይ ወላ እቲ መልእኽቲ ውን ተመሳሳሊ ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ። ኣብ ሱሳታት አመሪካ አብ ዓቢ ናዕብን ቁልውላዋት አብ ተሸኽለቱሉ እዋን፡ ማርተን ከም ቀንዲ ጸዋዒ መሰል (ጸለምቲ አሜሪካውያን)፡ ንፍቅርን ሓድነትን ከም ጭሮሖ እዩ መሪጹ። ንኹሎም ፈተውቱን ተኸተልቱን ድማ  "ልስና ምእንቲ ፍትሒ በፍቅርን ሓድነትን ጥራይ ኢዩ ክዕወት ንኽእል" ኢሉ መልእኽቱ ዘሕለፈ። 

ልክዕ  መልእኽቲ አብራርን ፍጹምን ካኣ  ንሱ እዩ ዝመስል ፣

ሓድነት'ያ ሓይሊ - ክመልካ 'ዛምድሪ
          ፍትሒ'ውን ክዛሪ
 
'ቲ ሰላም ክነፍስ ራህዋ ክነስተንፍስ
         ሓደነት'ያ ዋሕስ

2- ፉሉይ ተርእዩ 

ሓደ ካብቲ ዘይ ልሙድ አብ ስነ ጥበብ ኤርትራ፡ ክልታዊ ስራሕ (Duets) እዩ፡ ብፍላይ አብ ሞንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ወለዶታት (Generations) ዝውቱር ኣይ ኮነን።  ገለ ካብ ቁጽሪ ናይ  ሓንቲ  ኢድ አጻብዕቲ ዘይ በዝሓ ስራሓት ገዲፍካ ብክልታዊ መልክዕ ዝተዳለዋ ደርፍታት ናይ ምርካብ ዕድል ብጣዕሚ ዱሩት ኮይኑ ይራኣየኒ። 

3- ዓይነት ክሊፕ ( the quality of clip)

ድሕሪ ጽፈት ግጥምን ዜማን ተሰሪዑ ዝመጽእ ነጥቢ፡ አቀራርጻን ውህደት ቪድዮ ክሊፕ እዩ ኮይኑ ዘሎ ሞ፡ ናይ ባህጊ አለኒ ክሊፕ ከመይ ይመስል ? 

ንዓይነት ስእሊ ( quality of image) ከም ቀዳማይ ነጥቢ እንተ ተዓዚብና፡ ንጹር ብቡሉጽን ጹፉፍ አመራርሓ ዝተታሕዘ ስራሕ ምንባሩ የመስክር።  ሽሕ ኮ እቲ  ክለብ ንጽርን ሱሩዐ ዛንታ (story) ኣይሀልዎ፡ ግን ብሓፈሻ ነቲ መልኽቲ ዘንጸባርቅ ኡኹልን ምሩጽን panorama ከቅርበልና በቂዑ። 

  • አብ ድሕሪ ባይታ (background) ኮይኖም ዝተዋሰኡ characters አገዳሲ ተራ ኔርዎም፡ ዘዝሰንደውዋ ኩዑሶ አብ ሰኪዐት ብዘይ ምዕላባ፡ ዘብጹሑልና መልእኽቲ ዳይረክተር ኑጹር ኔሩ።
     
  • ኣብራርን ፍጹምን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ ሙሉእ ምውህሃድን ሉዑል መንፈስ ዘለዎ Scene ከቅሩቡልና በቂዖም ክባሀል ይከኣል።
     
  • ሓንቲ ካብተን መሰጥቲ ተርአዮታት ድማ እታ ናይ መጨረሻ ደምዳሚት Scene ክብል ይደፍር።
     
  • ክልቴኣቶም ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ብምዝላሎም ልክዕ ነዚ ኩሉ አብ ቅድሜና ዘሎ መሰናኽልን ብዶሆታተ ብስምረትን ሓድነትን ክንሰግሮ ከም ንኽል ኣስሚሮምልነ። 

ኣብ መጨረሻ ባህጊ ኣብራርን ፍጽምን ክጋሃድ ናይ ኩሉና ትምኒት ሙኾኑ ጥርጣረ የብለይን፡ ንምንታይ ባህጎም ባህግና ክሳብ ዝኾነ። 

ማሕሙድ ኣቡበከር