"ሕሳብና ንግበር"

ቃል ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)

"ሕማቕ ሰላምን ጽቡቕ ኩናትን የለን" ዘይተፈልጠ

ኣብ 2000 ዓም ስምምዕ ሰላም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀርስ ክፍጸም እንከሎ ከም መምህር ኮይነ ድግሳ ኣብ እትበሃል ንናጽነት ኤርትራ ኣማኢት ጀጋኑ ዝኸፈለት ዓዲ ኔረ። ነቲ ስነስርዓት ምፍርራም ብቴልቬዝን ክከታተሎ ሕጂ ምስ ምንዋሕ ግዜ ረሲዐዮ ከይከውን ደኣምበር ናብ ክፍሊ ቁጠባ ክፍለ ሰራዊት 13 ይመስለኒ ኣምሪሐ። ነቲ ኩነታት ኣዴታት ገለን ቆልዑ ዝሓዘላን ገለን ዕብይ ዝበላ ቆልዑ ዘይብለን፡ ኣቦታት ገለን ሰብ ምርኩስ ገለን ከኣ ሰብ በትሪ ነቲ ቀጽሪ መሊኦሞ ነበሩ። ዜና ምስ ተነበ ይመስለኒ። ነቲ መስርሕ ምፍርራም ክፍኖ እንከሎ መለስ ዜናዊን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብመንገዲ ዓብደል ዓዚዝ ቡታፍሊቃ ሰላም ሰላም ተባሃሂሎም ወጠጥ እናበሉ ክሰዓዓሙ እንከለው ኣዴታት ድግሳ ዳርጋ ብሓደ ድምጺ ኣውያት ክድርጉሖኦን እናበኸያ ነናብ ገዘአን ፋሕ ክብላን ሕጂ ኮይኑ ይስመዓኒ። ብኽያት ኣዴታት ድግሳ ከም’ተን ኩለን ኣዴታት ኤርትራ ክኸውን ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ። ዘብከየን ምኽንያት ከኣ “እዚ እንድሕሪ ክኸውን ኮይኑ ንምንታይ ኣሽሓት ብሉጻት መናእሰይ ከፊልና? ንምንታይ ኣድለየ እዚ ኩሉ ኩናትን ዕንወትን ቅድሚ እቲ ዕንወትን ምቕዛፍ ህይወት ኣሽሓትን ዘይከውን ዝነበረ።” ዝብል’ዩ። ኣዴታት ድግሳ ናይቲ ዝሓለፈ ዝጠፈአ ህይወትን ዝዓነወ ንብረትን የብክየን ምንባሩ ቅቡል’ዩ። ኩናት ኩሉ ግዜ ሰብ ከም ዝበልዕ ንብረት ከም ዘዕኑ ቁጠባ ከም ዝረማስስ ማንም ሰብ ዘይስሕቶ’ዩ። ስዉእ መምህር ዘርኣይ መብራህቶም ሓደ ካብ’ቶም ኣብ 2000 ዓም 3ይ ወራር ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ ኩናት ኣብ እምባሶይራ ካብ ዝወደቑ መምህራን ሓደ ነበረ። መምህር ዘርኣይ “ኩሉኹም መምህራን ክተቱ !” ዝብል ኣዋጅ ህግደፍ  ስለዝወጸ ነቲ ዝተወቕዐ ነጋሪት ኩናት ሰሚዑ ከም ኩሎም መምህራን ካብ ዝኸተቱ ሓደ ነበረ። ንሱ ክኸትት እንከሎ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ መስዋእቱ ኣብ ዝነበረ ግዜ’ዩ ዝኸውን ዘሎ “ኣንታ መምህር ዘር ኣይ ናበይ ደኣ ትኸይድ?” ኢሉ ንዝሓተቶ ፈላጢኡ። “ኣንታ ወዲ ኣባኣተ እዚ ኩናት ንዓየ ንዓኻየ ድኻታት ከይለከመዶ ይዓርፍ ኢልካዮ” ክብል መለሰሉ። ከቲ ዝበሎ ከኣ እቲ ከም ኣቦን ቦኽሪ ገዛን ኮይኑ ን ወላዲቱ ን ኣሕዋቱ ዘተዓብያ ዝነበረ ህርኩት መምህር ዘርኣይ መብራህቶም ቅድሚ ኩናት ደው ምባሉ ኣብቲ ጎቦታት እምባሶይራ ተቐብረ።

ድሕሪ ስምምዕ 2000 ዓም ሽዑ ንሽዑ ሰላም ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክንምለስ ዘይተተስፈወ ሰብ ኣይነበረን። ከምቲ ሓደ ገዲም ጥዩስ ተጋዳላይ ክተት ምስ ተባህለ “ደሓን ሕጂ ክንከትት ኢና፡ ድሕሪ ምኽታትናን ኩናት ደው ምስ በለን ግን ክንተሓታተ ኢና፡ ኣኽላባት መኣስ ይበኣሱ? ዝብኢ ሰጉጎም ምስ ተመልሱ ዝብል ምስላ ኣይትረስዕዎ” ዝበሎም ድሕሪ ምፍራራም ናብቲ ድሒሩ ዝመጸ ዕንወት ክንመጽእ ከም ዝኾና ግሉጽ ብዝኾነ መንገዲ ሓቢሩ ነበረ። ህግደፍ ብዓቢኡ ኢስያስ ኣብ ኣይሰላም ኣይኩናት ዝብል ሸፈጥ ንዓመታት ተሓቢኦም ከም ዝጸንሑ፡ እቲ ሸፈጥ እቲ ከኣ ጠንቂ ምብታትናን ብርሰትናን ከም ዝኾነ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ህግደፍ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ በዓቲ መሰስ ኢሉ ዝወጸሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። ካልእ በዓቲ ኣይምህዝን’ዩ ዘይበሃል እኳ እንተኾነ ብውሑድ እታ ዓባይ መመኽነይታ ኢትዮጵያን ወያነን ኣይክህልዋን’የን። እዚኤን እንተዘይሃልየን ከኣ ቅዋም ዘይትገበረሉ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶብ ዘይህልወሉ፡ ምርጫ ፕረዚደንት ዘይካየደሉ፡ ምህላው ሰልፍታት ዘይፍቀደሉ፡ ምንቅስቓስ ዜጋታት ብዘይ ዶብ ዘይኮነሉ ካልእ ምኽንያት ኣይክህልውን’ዩ። ነዚ ንዘይምግባር ንዝፍጠር ምኽንያታት እዚ ሕጂ ዘሎ ኢሳያስ “ወያነ በል እንተበሎ” ዝብል፡ ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ በል እንተበሎ “ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ” ዝብል ደጋፊ ምሉእ ብምሉእ ክድግፎ’ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይመስለንን። ብውሑድ እዚ ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት እቲ ደጋፊ ምስ ነብሱ ክመሓሳሰብን ክዘራረብን ዕድል ክፈጥር’ዩ። ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝርከብ ደሓን ሞያ ዘለዎ ሓደ ኤርትራዊ ንስርዓት ህግደፍ ብጭፍን ብምድጋፉ ዘሻቐላ በዓልቲ ቤቱ ሰብ ጌራ ናብ ልቡ ክምለስ ከም ዘለዎ ክትልምኖ ፈቲና ነበረት። መልሲ እቲ ተለማኒ “ሓንትስ ወያነ ካብ ባድመ ጥራሕ ይወጹኡ እምበር ንጽባሒታ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሓቶ ሕቶታት ክህልወኒ ምስ ህዝበይ ኮይነ ድማ ክቃወም’የ" ዝብል ነበረ። እዚ ዜጋ ሕጂውን ካልእ ምኽንያት ከምጽእ ይኽእል እኳ እንተኾነ ብውሕዱ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ተሃኒጹ ዝንጸንሐ ወያነን ባድመን መመኽነያታ ኣይክጥቀመሉን’ዩ። እንድሕሪ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ብልሙጽ ከይዱን ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ኩነታት መጽየንን ከኣ እቲ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ዝብል መመኽነይታ ኣይክህልውን’ዩ።

ጌም ኦቨር እትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ንሰምዓ ዘለና ሓረግ’ያ። ጌም ኦቨር እንድሕሪ ብንጹህ ልቦና ንርእዮ ሃሊና ጌም ኦቨር ብዓይኒ ኤርትራውያን ንኢሳያስ’ዩ። ወያነ ዘይብሉ ኢሕወደግ የለን። ኣባይ ጸሃየ እንተዘይሃለወ፡ ኣርከበ ኣሎ፡ ጀነራል ሳሞራ እንተዘየሎ ጀነራል ሰዓረ ኣሎ። ኢሕወደግ ናብ ዕንወት ዝወስዶ ዝነበረ መንገዲ ኣንፈቱ ክቕይር ደልዩ ማለት ወያነ ተሳዒሩ ጌም ኦቨር ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ይኹን ዋላ ወያነ ተሳዒሩ ንበሎ። ወታህደራቱን ጀናራላቱን፡ እቶም ትማሊ ኣብ ቡሬ ዘዋጉኡን ዝተዋጉኡን ግን ኣብ ቦቶኦም ኢዮም ዘለው። እቶም ትማሊ ኣብ መረብ ሰቲት ዘዋግኡን ዝተዋጉኡን ኣብ ቦቶኦም’ዮም ዘለው። እቶም ትማሊ ኣብ ጸሮን ዓይጋን ዝተዋግ ኡን ዘዋጉኡን ኣብ ቦቶኦም’ዮም ዘለው።

ጌም ኦቨር ንኢስያስ’ዩ ዘብለኒ ቀንዲ ምኽንያት እምበር ብሕጂ ብኽሕደት ሃገር፡ ብኣይ ሰላም ኣይኩናት፡ ብጸላኢትና ኢትዮጵያ ዝማኻነ ዝኾነ ይኹን ኣርእስቲ ኣይክህሉን’ዩ። እዚ እንድሕሪ ዘይሃልዩ ከኣ ህዝቢ ናብ ሕቱኡ ክምለስን ክጸባጽበን ከምቲ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ “ሕሳብና ንግበር" ዝበሎ ሕሳብና ምግባር ጥራሕ’ዩ። ሕማቕ ሰላምን ጽቡቕ ኩናትን ዝበሃል የለን። ምስ ኢትዪጵያ እንድሕሪ ሰላም ተፈጢሩ ዝቕጽል ሕቶ ህዝቢ፡ ሕቶ ደላዩ ፍትሒ ብሓደ ድምጺ ሕሳብና ንግበር፡ ቅዋም ይተግበር፡ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ዜጋታት ይፈትሑ፡ ዜጋታት ብናጽነት ናይ ምዝራብ መሰሎም ይተሓሎ፡ ብዘይ ገደብ ክኽይድ ዝጸንሐ ግዱድ ዕስክርና ደው ይበል ወዘተ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ከኣ እዋኑ ዝጠልቦ ሕቶ’ዩ ክኸውን።

መኮነን ተስፋይ