ሓተታ

መንግስቲ ኤርትራ ንውሳነ ውዕል ኣልጀርስ ብፕርብስፕል ተቐቢሉ ን16 ዓመታት ከይተሓለለ ኣብ ትግባረ ከውዕሎ ክሰርሕ እኳ እንተ ጸንሐ ካብ ሎሚ ንንየው ግን ውሳነ ዶብ ክትግበር እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ክልቲአን ሃገራት ብቐዳምነት ኣብ ጣውላ ክዝትያ ከም ዘለወን ወሲኑ ኣሎ።

ካብ ባድመ ጠቕሊልና ክንወጽእ ኢና እንዳ በልካ ዝትግበር ውዕል ዶብ ስለ ዘየሎ ጭፍራ ወያነ ነቲ ብሓይሊ ሒዛቶ ዝጸንሐት መሬት ኤርትራ ሕጂ'ውን ሒዛቶ ክትጸንሕ'ዩ ዘለዋ። ኤርትራ ድማ ነቲ ገዲፋቶ ዝሃደመት መሬት ብዘተ ጥራይ ኢያ ክትርከቦ ዘለዋ።

እዚ ጠቕሊልካ ካብ ባድመ ምውጻእ ዝብል ሃንደበታዊ ውሳነ ጭፍራ ወያነ: ነቲ ክሳብ ሕጂ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና መመኽነይታ ኮነ ኢልካ ንምፍራስ ዝዓለመ ሽጣራ ስለ ዝኾነ: ጭፍራ ወያነ ኣብ ዘለቶ ክትጸንሕ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

ዘተ ክካየድ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ'ውን ከም ናይ ቆልዑ ጭርጭር ዓበደ ጸወታ ምስ ኣቢ እሕመድ ክንዘራረብ ከም ዘይኮንና ኣቐዲምና ነተሓሳስብ።

መለስ ዘናዊ ባዕሉ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ናብ ዝርርብ ክቐርብ ፍቓደኛ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ግን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ናብቲ መለስ ዘለዎ ቦታ ከይዱ ክዘራረብ ድሉው ኢዩ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ቅድመ ኩነት ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ተቐባልነት ምስ ዘይረክብ ካልኦት ኣብ ዶብ ዝርከባ ዓድታት ገዲፍና ናይ ምውጻእ ዘለና መሰል ክንጥቀም ምዃና ነጠንቅቕ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓምለ 8 2018 ኣስመራ ኤርትራ


Latest

ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!

    መስራቲ፡  ዳይሬክተር፡  ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡  ናይቲ፡  ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡  ድሕሪ  ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ...