ኣሎ ኢልኪ ኣይተዕልሊ ኣይተዕሊሊ. ....
ኣሎ ኢልኪ ኣይተዕልሊ የለን ከም ቀደሙ ......
የለን ከም ቀደሙ ኣሕጺሩ ኢዩ እግሪ. ...
ኣሎ ኢልኪ ኣይተዕሊሊ የለን ከምቀደሙ።

1 ዓደይ ሎምስ ደኺምና ደኺምና ኣቲ ሎምስ ደኺምና ክንከፍለልኪ ብሉጻት፡

ስለኪ እናበልና ስለኺ ፡ ስለኺ እናበልና ከም ብርሃን ቆጺርናዮ ንጸልማት

2 ከፊልናወ ዋጋ ዝመረረ

ከም ምዓር ቆጺርና ዝዓርዓረ

ንኡስ  ከይፈረየ አናሓረረ መዋእልና ኮይኑ ብዘይ መብረ፡

ዋዛ ይመስል ክውረ።

3ኣብቲ ዘበን ሰውራ ዘታተየ ገድሊ

ርካቡ ዝሃበ ንዓኪ ክናቢ

ኣታ ገባር ድማዕ ተፈዲካ ሕሰም

ሰለም ከየበልካ ሰሪ እምነት ጥልመት።

ህዝበይ ርእሱ ኣድኒኑ ብጓሂ ሓዚኑ፡

እናሪኣክዎ ባኣኺ ሓዚኑ ፡

ኣሎ ኣይትበልኒ የለን (2) ከምቀደሙ

ዓደይ ሎምስ ፈሪሕና ፈሪሕና ተስፋ እኳ ቆሪጽና ፡ጸልሚቱ  መጻኢኺ፡

ዘዝተወልደ እናተሰደደ ዘዝተወልደ እናተመንጠለ ፡

ሕቁፎ ተመን ኮኢኑ 'ትሕቁፈኺ፡

ከመዩ'ታ ዝኸውን ዘሎ ኩነቱ ዘይገልጾ ልሳን ዕሰለን መርድእን ኣብ ሓደ ዳስ ፡ መርዓውን ዝተገንዘ ሬሳን፡ ኣብ ውላዳ ካብ ጨከነት ሄዋን ገለ 'ለዎ ዝእዋን።

4 ኣሕዋት ክፋቀሩ ጸላኢ የባርሩ

ሓይሊ ሓድነትካዩ ሓያላት ስዒሩ

ንዓ ሓወይ ንዓ ወግድ ዝፈላሊ

በሰላ ኣይትሓኪም ገዲፍካ ንቁስሊ።

ህዝበይ ርእሱ ....

ኣታ ዝዓደይ መጻኢኣ እንታይ ምኳኑ ሒቅፊኣ ግዲ ኣሺኹ

ከርሳ ከሎ ብርህርሁ

 ፈልፋሊት ዛራ ክንሳ ጎሮሮና ብዘጽምኡ

ይግፋሓሎም እናበለ ኩሉ ይህባሎ ሕቁኡ።

ዓደይ ሎምስ ኣመና ፈሪህና

ዓደይ መጻኢኺ መጻኢና

ዓደይ ከመይ ከመዩ ዝነገር

ዓደይ ከይንስእነኪ ከም ሃገር።

ህዝበይ ርእሱ ....

ኣታ ዝዓደይ መጻኢኣ እንታይ ምኳኑ ሒቅፊኣ ግዲ ኣሺኹ

ከርሳ ከሎ ብርህርሁ

 ፈልፋሊት ዛራ ክንሳ ጎሮሮና ብዘጽምኡ

ይግፋሓሎም እናበለ ኩሉ ይህባሎ ሕቁኡ።

ዓደይ ሎምስ ኣመና ፈሪህና

ዓደይ መጻኢኺ መጻኢና

ዓደይ ከመይ ከመዩ ዝነገር

ዓደይ ከይንስእነኪ ከም ሃገር።

ሂወት ከም ሕጊ ተፈጥሮ ጸልማት ስዒሩ ክረፍድ

ቀውዒ ተግባርና በጺሑ ዝዘራእናዮ ክንዓጽድ

ወይለኻ ገባሪ ክፉእ ሓዉ ዝቀትል ዘንብዕ፡

ስኣን ልቦናኻ ኢዩ እምበር ደም ውጹዕ መኣስ ይሰዲድ።

ዓደይ ኣታ ኪንደይ እንድዩ ዘሎ

ዓደይ ኣውያት መንደቅ ዝኸወሎ

ዓደይ ኣብቲ ጎዳጉዲ ማሕዩር

ዓደይ ዝውዓለ እንተዝነግር

ዕደይ ሰብኪ ንሰብኪ በሊዑ ዕደይ ለባም ንውሽጢ ነቢዑ።