AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE

ድምጺ ደሊና  09 መጋቢት 2015  

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


 

ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ንጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣጥቂዖም!
 
ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ደቂቕን ዝርዝራውን መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ብ ሰንበት 08 መጋቢት 2015  ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ:  ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊራ ካብ ሕሰም ምልኪ ከምልጡ ዶባት ንዝሰግሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ትሃድን  ንዝነበረት ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መዓስከራ ከባቢ ዳሰይ አዕሪፋ እንከላ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣርባዕተ ኣባላት ቀቲሎም ሓያሎ ንብረት ማሪኾም።
 
ኣብቲ ስርሒት፡ መራሒ እታ ጉጅለ፡ ተለንተ ግርማይ ወልደማርያም መሓሪ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ስለያ ከምዝተቐትሉ፡ እንተኾነ ናይቶም ሰለሰተ ኣባላት ስለያ መንነት ገና ከምዘይተፈልጠ  ይሕበር። እዛ  ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ፡ ንስርሓ ዝሕግዛ እኹል ዕጥቅን መሳርሕን፡ ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያ ስለዝነበራ፡ ኣብ ዶባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሶሊዃ ብምእታው፡  ካብ ምልኪ ንዘምለጡ ዜጋታት ክትጨውን ከተእስርን ከምኡ እውን ብኮንትሮባንድ እናመኽነየት ንብረት ህዝቢ ክትዘምት ዝጸንሐት አዕናዊት ጉጅለ እያ።
 
ኣብቲ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ 
•  ክልተ ተዓጸፍቲ ክላሺን፡ እታ ሓንቲ 1954R/ 360436053 ዝቑጽራ እታ ካልኣይቲ ከኣ 1977R/ 709864589  ዝመለለይኣ፡ ምስ ሽዱሽተ ካዝናን ሰለስተ ሚእትን ሓሙሳን ሾመንተን (358) ጠያይት። 
•  ሓንቲ H232790 ዝመለለይኣ ስርሓት ሶቬት ሕብረት ቀጭሕርሙ (SNIPPER) ጠበንጃ ምስ ክሻፍኣን ምስ ኣርባዕተ ካዝናን ሰማንያ (80) ጠያይትን። 
• ሓንቲ 92fs/ H7845 ዝመለለይኣ ብሬታ ሽጉጥ ምስ ሰለስተ ካዝናን 20 ጠያይትን። 
• ብለይቲ ንዝተወሰነ ርሕቀት ዘርኢ ኢንፍራሬድ ዘለዎ CND 2863 P  ዝመለለይኡ ናይ ለይቲ ወተሃደራዊ ክሻፋ
• • ሓንቲ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ወትሃደራዊ ሳንጣ ምስ ናውቲ ሕክምና፡ ሰለስተ ቦምባታት ኢድን ወተሃደራዊት ካርታን ከምኡ እውን ሓምሳን ክልተን ሺሕን ክልተ ሚኣትን ኣርብዓን (52, 240) ናቕፋን፡ ዓሰርተ ክልተ ሺሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ሾመንተን (12, 758) ብር ኢትዮጵያን ገንዘብን ካልእ ኣገደስቲ ዶኩሜንትን ከምዝተማረኸ ተሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ደባይ ኣሃዱ ሰደገኤ ብ11 ጥሪ ናይዛ ዓመት ኣብ ሞንጎ ግርማይካን ተማራትን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ተዋፊራ ንዝነበረት፡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሓንቲ ገበነኛ ጉጅለ ስለያ ምልኪ ደምሲሱ ንብረታ ከምዝማረኸ ዝዝከር እዩ።
 
ድሕር እቲ ናይ ጥሪ ፍጻሜ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ኮሎኔል ጋይም ተስፋንኪኤል ዝመርሖ ህጹጽ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነዚ ደባይ ስርሒት ንምግታእ ኣብ ከባቢ ተማራት፣ ግርማይካ፣ ሸላሎቭ፣ ክራየት፣ ሞስወዲብ፣ ሃውሻይት ኦሌፍ፣ ጎልጅን ከባቢኡን ንዝርከቡ ኣመሓደርትን ነበርትን ኣብ ከባቢኦም ጽኑዕ ቁጽጽር ክገብሩ  መምርሒታት ከምዝሃበ ተፈሊጡ ኣሎ።
 
ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡  ነቶም ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉ ዕሉላት ኣገልግልቲ ምልኪ ፈልዩ ከምዘጥቅዕን ከምዝቐጽዕን ብምሕባር ንኹሉ እቲ ብዘይፍታውን ኣማራጺ ጸቢቡዎ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ተሰሊፉ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት ምስዚ ህዝብን ሃገርን ሓራ ንምውጻእ ዝዓጠቐ ውድብ ክተሓባበርን ህዝባዊ ማዕበል ከልዕልን ጻውዒቱ  ኣቕሪቡ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...