AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 10 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ


ብስም ኤርትራውያን ውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ተቐሚጡ ከምዘሎ ተቓሊዑ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት ባንክ ዝኾነ HSBC ብስም ኤርትራውያን ብምስጢር ዝተቐመጠ መጠኑ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ገንዘብ ማለት 699.6 ዶላር ከምዘሎ ካብቲ ባንክ ናብ ኢድ ናጻ ጋዜጠኛታት ዝኣተወ ሓበሬታ ይሕበር። እቶም ነዚ ገንዘብ ብሱቱር ዘቐመጡ ውልቀሰባት 28 ሚእታዊት ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም እንከሎ ዝተረፉ ግን ክልተ ዜግነት ዘለዎም ኮይኖም፣ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ገሊኦም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ።

ድምጺ ደሊና ብመርበባት ምንጭታት ኣቢላ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ፣ ካብቲ ጠቕላላ ብስቱር ኣብ ስዊዘርላንድ ብምስጢራውነቱ ዝፍለጥ HSBC ዝተቐመጠ 699.6 ሚልዮን ዶላር እቲ 695.6 ሚልዮን ዶላር ብስም በይናዊ ሕሳብ ባንክ ሓጎስ ክሻ እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ ብስም ወዲ በኺት ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ሱዳን ሓላፊ ቁጠባ ህዝባዊ ግምባር ኮይኑ ዝሰረሐን ኣብ 2006 ንቑሩብ እዋን ብህግደፍ ተኣሲሩ ዝነበረን፣ ከምኡ‘ውን ተኽለ ማንጁስ፣ ተኽላይ ሃብተስላሴን ኮነሬል ወልዱ ባርያን ካልኦት ንግዚኡ ኣስማቶም ነጣልሎም ዘለና ውልቀ ሰባትን‘ዩ ተቐሚጡ ዘሎ።

ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ሓደሽቲ ሓበሬታታት ብምፍታሽ ተወሳኺ ሓበሬታ ከነቕርበልኩም ሙኻና ቃል ንኣቱ።


ዛጊት ዜግነቶም ዘይተጻረየ ዕስራን ትሽዓተን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዶሳ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ዕስራን ትሽዓተን ስደተኛታት ኣብታ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ ትጎዓዝ ዝነበረት ኣዝያ ንእሽቶ ጃልባ ብሰንኪ ቀዝሒ ብቑሪ ከርዲዶም ከምዝሞቱ ኣንሳ ዝተባህለ ትካል ወሃቢ ዜና ሓቢሩ። ሓለውቲ ባሕሪ ገማግም ኢጣልያ ነቶም ኣብ ዘይምቹእ እዋን ኣብቲ ብርቱዕ ንፋስን ቀዝሕን ዘለወሉ ወርሒ ለካቲት ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ዝለኣኽዎም ኣሳገርቲ ብተሪር ኮኒኖም። እታ ናብ ሰኑይ ትሽዓተ ለካቲት ናብ ዘውገሐ ለይቲ ልዕሊ ሚእቲ ስደተኛታት ጺዒና ትጎዓዝ ዝነበረት ጃልባ ወላ‘ኳ ድሕሪ‘ቶም ስደተኛታት ዝገበርዎ ናይ ሓደጋ ጻዊዕት ህጹጽ ሓገዛት ክረኽቡ እንተኸኣሉ፣ ካብኣቶም እቶም 29 ስደተኛታት ክድሕኑ ኣይከኣሉን።

ኣብቲ እዋን ሓደጋ ማያት ገማግም ደሴት ላምፓዶሳ ክሳብ ትሽዓተ ሜትሮ ዝቑመቱ ብግልባጥ ማዕበል ከምዝነበረን፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ማዕበል ሂወት ሓያሎ ስደተኛታት ከትርፉ ብምኽኣሎም ተኣምር ሙኻኑ ዝሓበረ ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፣ እቶም ናይ ሂወት ኣድሕን ጉጅለ ንባዕሎም ሂወቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምውዳቕ ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ብሓልዮት መንግስቲ ኢጣልያ ክካየድ ዝጸንሐ ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምክትታል ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማለት ፍሮንተክስ ተተኪኡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ብኢጣልያ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ሂወት ኣድሓን ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ከንቲባ ደሴት ላምፓዶሳ ጁሲ ኒኮሊኒ በዚ ሓድሽ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተተኪኡ ዘሎ ዕማም ስራሕ ምድሓን ስደተኛታት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ገሊጻ።


ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ከምዘይግባእ መስኪሩ።

ስዊዘርላንድ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ካብ‘ተን ኣዝየን ዝነኣሳ ሃገራት እኳ እንተኾነት ብዝሒ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ዓመት መጸ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ክውሕዙ ጸኒሖም‘ዮም። ሓያሎ ፖለቲከኛታት ስዊዝ‘ውን ብተደጋጋሚ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ከምዝግባእ ንመንግስቶም ጸቕቲ ክገብሩ ጸኒሖም‘ዮም። መንግስቲ‘ታ ሃገር ከኣ ነዚ ንምምርማር ሓንቲ ጉጅለ ናብ ኣስመራ ሊኢኹ ድሕሪ ምቕናይ ሎሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዓዶም ክጥረዙ ከምዘይግባእ ድሕሪ‘ቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ከምዘፍለጡ ካብ መደበር ተለቭዥን sfr ዝረኸብናዮ ዜና ይገልጽ።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...