AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 29 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዘካርያስ ክብርኣብ  ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ


ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን ጀርመን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣብ ምስግጋር ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ሰባት ቀይዱ።

ፖሊስ ጀርመን ኣብ ከተማ ከለን ኣብ ምስግጋር ንግዲ ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ዝበሎም ዛጊት መንነቶም ዘይተፈለጠ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣብታ ሃገር እትሕተም ገነራል ኣንዛይገ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ። እቶም ጥርጡራት ንብዙሓት ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ገለ ካሎኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ካብ ኣፍሪቃ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ብምስግጋሮምን ከምኡ‘ውን ካብ ጀርመን ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣብ ምስግጋር ተፋፊሮም ብምጽንሖም‘ዮም ብፖሊስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ እቶም ጥርጡራት ንኽሶም ዞራጉድ መርትዖታት ከምዝረኸበ‘ውን ይሕበር ኣሎ። ኣብቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ገለ ወረቓቕትን ኮምፑተራት እቶም ጥርጡራት ፖሊስ ንምርመራ ሃጊርዎ ከምዘሎ ኸኣ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ።

ከምዝፍለጥ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ምስጋሮም ኣብ ኢጣልያ ክነብሩ ስለዝኸብዶም ሓያለ ካብኣቶም ብጀርመን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ክሰግሩ‘ዮም ዝፍትኑ። እዞም ሕጂ ተቐይዶም ዘለዉ፣ ኣስታት 100 ሰባት ኣሰጋጊሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ፖሊስ ገሚቱ‘ሎ።


ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 4000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሆላንድ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተገሊጹ።

ኣብ ሆላንድ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 23 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብ ዓመት 2013 ዝተመዝገበ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ብ 66 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዳች ነውስ ሓቢሩ። ሃገራዊ ጸብጻብ CBS ሆላንድ ከምዝሕብሮ፣ እዚ ሎም ዘመን ዝተመዝገበ ኣሃዝ‘ዚ ድሕሪ 2002 እቲ ዝበዝሐ ሙኻኑ ኣፍሊጡ‘ሎ። ካብዞም ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ናብ ሆላንድ ዕቕባ ዝሓተቱ እቶም 10 ሽሕ ሶርያውያን ክኾኑ እንከለዉ ቁጽሪ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ 4000 ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ሆላንድ ኣብ ዓመተ 1994 ኣስታት 53 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሓደ ዓመት የአንጊዳ ከምዝነበረት ዝገለጸ ትካል CBS እዞም ናይ ሎም ዘመን ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ብተናጸል ክቑጸሩ እንከለዉ እቲ ኣሃዝ ካብ 23 ናብ 28 ሽሕ ክብ ከምዝብል ኣረዲኡ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...