AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 14 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዘካርያስ ክብርኣብ


ካልድ እድሪስ ዝተባህለ ወዲ ዕስራ ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ትማሊ ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ሞይቱ ከምዝተረኽበ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ ኣለዋ። ፖሊስ ጀርመን ኣብ ፈለማ ጠንቂ ሞት እዚ ስደተኛ ብዙሕ ክኸውን ስለዝገመተ፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓበሬታት ከይሃበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ጠንቂ ሞት ወዲ ዕስራ ዓመት ካልድ እድሪስ ቅትለት ሙኻኑ ኣረጋጊጹ‘ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ድረስደን ከምዝገለጾ‘ውን ካልድ ኣብ ክሳዱን ኣፍልቡን ብኻራ ተወጊኡ ከምዝተቐትለ ወሲኹ ገሊጹ‘ሎ። ፖሊስ ጀርመን ብወሃቢ ቃሉ ዲተር ክሮል ኣቢሉ፣ ብጉዳይ ቅትለት እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ ምጽራይ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ዘጋርድያን ዝተባህለት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የተምብህ። እታ ጋዜጣ ወሲኻ፣ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ፌስ ቡክን ትዊተርን ጠንቂ ቅትለት ካልድ ምስቶም ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ኣብ ከተማ ድረስደን ኣንጻር ስደተኛታትን ምስልምናን ሰላማዊ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ከካይዱ ዝጸንሑ ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ንነብሶም ከም ሃገራውያን ኤውሮጳውያን እናገለጹ ብዝሒ ስደተኛታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ጀርመንን ዘሰከፎም ጥሩፋት የተሓሕዝዎ ከምዘለዉ ገሊጻ።

ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ በርሊን ካብ 200 ክሳብ 300 ዝኾኑ መብዛሕቶኦም ስደተኛታት ዝኾኑ ህዝቢ, ኣብ ጉዳይ ካልድ ህጹጽ ዝኾነ ምጽራያት ክገበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ከምዝወዓሉ ካልእ ኣብቲ ከተማ እትሕተም ጋዜጣ ጸብጺባ። እታ ሞፖ24 ዝተባህለት ጋዜጣ፣ ፖሊስ ጀርመን ድሮ ንገለ መዳቕስቲ ካልድን ክልኦት ሰባትን ክምርምር ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጻ። ኣብ ጀርመን ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ከኣ ድምጺ ደሊና ካብ ጀርመን ብዝለኣኻ ዘሎ ሓበሬታታት ከተረጋግጽ ኪኢላ‘ላ።   ግዳይ ቅትለት ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ‘ዩ ድሕሪ ነዊሕን ፈታንን ጉዕዞ ስደት ናብ ጀርመን ኣትዩ።


ኤርትራ አብ ገምገም ገደል! ምሕጽንታ ንህዝቢ!

ኤርትራውያን፡ ሃገርና ንእሽቶ፡ ህዝብና ውሑድ፣ መከራና ግዙፍ ሬሳታትና ብዙሕ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ጥፍኣትን ህልቂትን፡ "ኤርትራዊ ሞይቱ!" ዝብል ወረ፡ ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ከኣ ክብሪ መንነትና ሓሲሩ፡ እትረፍ እታ ዜና ጥፍኣትና እትሰምዕ ዓለም፡ ንሕና ንባዕልና እውን እቲ መከራን ጥፍኣትን ኣሪዚዙናስ፡ ሞትን ጥፍኣትን ንዓና ጥራይ ከምዝግባእ ጽዋእ ዝተቐበልናዮ ንመስል። ኣብ ሑጻ ሰሃራ ተደፊንካ ሞት፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒልካ ሞት፡ ተገሪፍካን ተሳቒኻን ሕልፈት፡ ሕሱም ኑሮ ኣብ ባርነት ከም ንቡር ወሲድና፡ ብዝሓለፈ እናስተንተንና ንዝመጽእ ምጻኣት አሕዋትና ደንዚዝና ንቕበሎ ኣሎና። ኣርዑትና ስቓይና ክንድርቢ ፍኒሕኒሕ ዘይምባልና፡ ሓቢርና ድምጺ እምቢታ ከነቃልሕ ዘይምኽኣልና ከም ህዝቢ ሕልናን ክንምርምር ይግበኣና። ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ምንቅስቓስ እንተልዩ ከኣ ኣዙዩ ውሑድን እተነጻጸለን እዩ።

ሎሚ ቕነ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ቓዛ ኣስታት 1600 ዝኾኑ ሰባት ስለዝሞቱን 298 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ብሚሳይል ተሃሪማ ብምውዳቓ ዓለም ተናዊጻ'ያ ቀንያ። ኣብ ነብሲ ወከፍ መስኮት ተለቭዥናት ዓለምና ከኣ እቲ ዜና እቲ እዩ ክደጋገም ቀንዩ። ማዕረ ማዕረ ናይዚ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዝቐነየ ዜና ከኣ፡ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ግን ምስቲ ጥፍኣት ዝዳረግ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኤርትራውያን ከጋጥም ወሪሑ'ሎ። ኣብዚ ወርሒዚ ጥራይ እኳ ሓያለ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ገለ ብማይ ጽምኢ፡ ገለ ወቕዒ ጸሓይ፡ ሞይቶምስብሑጻ ተደፊኖሙና ኣለዉ። ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ከኣ ገለ ደቂ ሃገርና፡ ኣብ ማእከል ትርቡሊ ኣብ መንበሪ ገዞኦም እንከለዉ ቦንባ ዓሊቡዎም፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ሂወቶም ዝሰኣኑ እውን ኣለዉና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ኣስታት 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጃምላ ዝሃለቑ ኣለዉና። ካልኦት፡ ቅድሚ ወርሒ ተበጊሶም ደሃይ ኣጥፊኦም ዝጸንሑ ኮይኖም ሕጂ ብዘይ መላስ ወረ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ዝገልጽ ወረ ይነፍስ ኣሎ። እዚ ዘይንቡር ሞት እዚ ኣብ ነብስ ወከፍ ገዛ በጺሑ እዩ። እንተ ብቐጥታ፡ ኣብ ደቃን ውላዳን፡ ወይ ኣብ ዘመዳን መቕርባን ዘየጋጠማ ኤርትራዊት ስድራ-ቤት እንተልያ ምስትንክር ክበሃል እዩ።

በዚ ዘሰቅቕ ዕለታዊ ሞትን ጥፍኣትን ህዝቢ ኤርትራ በብሓደ ይውሕድ ኣሎ። እዚ እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት እዩ። ኤርትራውያን ግን ካብ ዓድና ምስ ወጻእና ጥራሕ ኣይኮናን ንመወት ዘሎና። ኣብ ሃገርና እውን ህዝብና ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ሕክምናን፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብን ጓሂን ይረግፍ ኣሎ። ትማሊ ትማሊ እኳ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጽንዓት ዓዲ ዃላ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት፡ ከካብ ገዞኦም፡ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ክወርዱ እንከለዉ 15 መንእሰያት ምስ መምህሮምን መራሕ መኪናኦምን ብጥንቁልሓስ ጸዲፎም ተቐዚፎም። ኤርትራና ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ሬሳ 17 ደቃ ቀቢራ። ከምዚ ዓይነት ትራጄዲ መወዳእታ ስኢንናሉ ኣሎና። ብሰንኪ ሓደ ሕሱም መላኺን ውሑዳት ጉጅልኡን፡ ብዝኸድናዮ ጥፍኣት፡ ብዝወፈርናዮ ሞት ይሃድነና ኣሎ። ብኸምዚ እንኸዶን ዘጋጥመና ዘሎን እንተቐጺልና መወዳእትና ከሰንብደና እዩ። ምዚ ኢልና እንተቐጺልና ከኣ መወዳእታና ዘ

ኣብ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ብነብሰ ቅትለታዊ መጥቃቲ 100 ሰባት ሞይቶም፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ድማ ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ዝብል ወረ ኣብ ኣእዛን ኣህዛብ ዓለም ልሙድ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መሰል ዜጋታተን ዘኽብራ ሃገራት ግን፡ ሓደ ህጻን ብዘይከውን እንተሞይቱወን፡ ጠንቅን ምኽንያትን ናይቲ ሞት ክሳብ ኣጻርየን ዝግባእ ስጉምቲ ዝወስዳ ማዕከናት ዜናታተን ጫቚ-ጫቚ ክብል እዩ ዝቕኒ። ምኽንያቱ ብድሕነት ህዝቡን ዜጋታቱን ዝግደስ መንግስቲ ስለዘለወን። እዚ ሓልዮት ህዝቡ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ግን፡ ዜጋታትና ብጃምላ እናጠፍኡን እናጠሓሉን፡ " ኣፍሪቃውይና ስደተኛታት" ብምባል ብውክልና ነህጉርና ከላግበላ ሒዅ ክብል ሰሚዕናዮ። በዚ ኸኣ ንህዝብና አሕሱርዎ ንክብርና ደዊኑዎ።

ንሱ ንጥፍኣትና ተዓጢቑ እናሰርሐ፡ ንሕና ሰሚርና ሃገርና ከነድሕን ኣይተጋህናን። እኤርትራውያን ሎሚ በቲ ንናጽነትናን ንሓርነትና ዝኸፈልናዮ ዋጋ ኮሪዕና ምነበርና። ሎሚ ኤርትራዊት ኣደ ኣብ መመረቕታ ትምህርትን መርዓን ደርዓን ደቃ፡ ጸጒራ ተቖኒና፡ ተሓኒናን ተዃሒላን ብሓጎስ ወዛሕዛሕ ምበለት እምበር፡ ጸጒራ ደርሚማ መንጠለይና ሓዘን ተኸዲና ሬሳታት ደቃ ክትደሊ ፈቐድኡ ኮለል ኣይምበለትን።

ዝቐበጸን ዝነቐጸን ከምዝበሃል፡ ዝቐበረስ እቐብጽ እኳ፣ ናህና ግን ካልኣይ የብሉን። ካብ ክትጸውየሉ ክትሰትሮ፡ ክትቀብሮ ይሓይሽ። ኤርትራዊ ኣቦሎሚ፡ ሻቕሎት ደሃይ ዘይገበሩ ደቁ ከይኣኽሎ፡ ክጾሮ ዘይክእልብረት ክሕንገጥ ተገዲዱ ኣሎ። ኣባይቲ ኤርትራውያን ብፍረን ውላድን ናጽነት ፉሕ-ፉሕ ምበለ እምበር ሎሚ'ዶ ሕልምልም ምበለ። ኤርትራና ቤት ኣጓብዝን ኣባጽሕን ምኾነት እምበር ሃገር ቆሉዑን ኣረጋውያንን'ዶ ምኾነት።

ኣንቱም ህዝቢ ንጠፍእ ኣሎና። ሬሳታት አሕዋትናን ደቅናን ተሳጊርና ንጥቕሚ በይንና ኣይኑግየ። ኣንታይ ገደሰኒ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። ርግእ ኢልና ንሕሰብ። ክምከርን ክግበርን ዝኽእል ብዙሕ ነገር ኣሎ። ወለዶና ምስ በረሰን ምስ ፈረሰን "ዋይ ኣነ!" ከይከውን ሕጂ ንለብም። ጽባሕ ንግሆ ተጣዒስና ክንመልሶ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ከይንወድቕ። ኣይንገማማዕ... ንሰማማዕ። ንምነዮን ዘለናዮን ንገብሮን ነሳንዮ።

ንኣብነት ኤሪ ቲቪ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሃሮ ኣዝዩ ኣሰንባዲን ሃገራዊ ትራጀዲ ክነሱ፡ ንናይ ዕለት 05 ነሓሰ ሸፈነ ዜናኣ ብፈስቲቫል ቶሮንቶ እያ ክትከፍቶ መሪጻ። ሳዕሳዒት ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ተወሲዱ ኸኣ እቲ መርድእ ዕሸላት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ተነቢቡ ተሓሊፉ። ንሕና ግን ከም ህዝቢ ናይ ውሽጥና ንውሽጥና ቀቢርና ደሓን ከምዘለና ብሳዕሳዒትን ከበሮን ንነብስና ኣይንጠብራ። እቲ ናይ ብሓቂ ምስልና ነንጸባርቆ። ጓሂ ልብና ንስለ ህዝብና ዝርንዛሕ ንንበዓሉ። ኣዴታት ኤርትራ ደቀይ ደቀይ በላ። ኣንቱም መንእሰያት ኣብ እትደልይዎ ሃገር ምስ በጻሕኩም ንሃገርኩም ብጎቦ ዓይንኹም ኣይትጠምትዋ። ክቡራት ስለዝኾንኩም ነቲ ክብርኹም ቀንጢጡ ኣብ ስደት ብሕስረት ክትነብሩ ዝቐሰበኩም መላኺ ተቓለስዎ። ኣንጻር ሕልናኹም ደው ኣይትበሉ። ኤርትራን ኤርትራውያንን ክነብሩ ምእንቲ ናይ ኩላትና ኢድ የድሊ‘ሎ። ሞት አሕዋትኩም ንቡር ኣይኮነን ።እቲ ንቡር ብሂወት ብኽብሪ ኣብ ዓድኻ ምንባር‘ዩ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...