ዝኽረ ስዉዓት

ንዘክሮም ብኽብሪ
ነቶም ስለ ነጻነት
ስለ ሓርነት
ስለ ማዕርነት
ስለ ሕጊ
ስለ ልዑላውነት
ስለ ኅውነት
ስለ ሕዝቢ
ስለ ሃገር ዝተበጀዉ
ሕይወቶም ዘወፈዩ
ኣብ ሰዊት ዕድመኦም
ኣብ ግንባር ወዲቖም
ዝሓጸረ  ሕይወቶም ዕምሪ
ፍትሓት ዘይረኸቡ ነባሪ
ሬሳታቶም ዝሓረሞ ቀብሪ
ሓመድ ወዲ ኣዳም ዘይዓለቦ ጸምሪ
ግናኸ ዝሃቡና ሕድሪ
ንዘክሮም ብኽብሪ
ብሰላም ይዕረፉ ንዘለዓለም ዝኽሪ።

ንዘክሮም ጀብሃን ሻዓብያን ከይፈለና
የማናይ ጸጋማይ - ሓረስታይ ሸቃላይ ከይበልና
ብኃባር ጀጋኑ ተጋድሎ
ሰብ ነዊሕ ተመክሮ
ስብ ብዙሕ ተኽእሎ
ሰብ ርሑቕ ተርእዮ - ዕላማኦም ዝነጸሮ
ነውሪ’ዩ ወለዶና ረጊጹ ክሰብሮ።

ንዘክሮም ግዳያት ውሽጣዊ ግርጭት
ስውዓት ኵናት ሕድሕድ
ንዘክሮም መቃላሕቲ ፍትሒ
ዘቃልዑ ናይ ተበለጽቲ ጕርሒ
ዝመጐቱ ጸረ ሥልጣን ጭርሒ
ዘፍሸልዎ ግለ-ጥቕሚ ሽርሒ
ንዘክሮም ብዘይ ስግኣት ፍርሂ።

ብኽብሪ ንዘክሮም
ግዳያት ጥርጠራ ማእሰርቲ
ቀይዲ “ካርሸሊ” መዓልቲ
ምቕጥቃጥ ማርያም-ግምቢ ለይቲ
ምኽነት ጎደሎ ኣካል ማህረምቲ
ኣብ ክንዲ መሰል ማሕነቕቲ
“ፍረደ-ገምድል ዳኛ” ብጥይት መውቃዕቲ
ዘብርሃትልና ድቕድቕ ጸልማት ለይቲ
ንዓቅባ ሽግ ሰማዕታት ኵልዕቲ።

ንዘክሮም ንግዳያት ጥልመት
ዝተኣስሩ ብመቝሕ ሰንሰለት
ዝተጨፍጨፉ ብዘይ ምሕረት
ቀይዲ መሓውሮም ቀጢን ፍሕሶ “ሔሮ”
ዝተጨውዩ ዕቡስ ድምጾም ጎሮሮ
ኣብ ሳሕል ባርካ “መሮሮ”
ግዳይ ሳንጃ መታሮ
ምልኣት ጋሕሲ ጭራሮ
ግፍዓት ውሕጅ ስንጭሮ።

ንዘክሮም ጀጋኑ ማይ-ኃባር ስንኩላት
ሓለገት ክብሮም ስንብራት
ዳግማይ መስዋዕቲ ቅትለት
ግዳያት ምልኪ ምብሓት
ሕቡሳት ዓዲ-ኣበይቶ ግፉዓት
ሕልፈት ዝኸተሮም ፍርዲ ዘይወዓሎ
ንዘክሮም ንግዳያት ሰምበል ደንጎሎ
ጭዉያት ዊዓ ገልዓሎ
እሱራት ኣጻድፍ ዒራዒሮ
ሕዩራት ኅሊና ከይመራመር ኣኣምሮ።

ንዘክራ ፈሊና ብጾታ
ንዘክራ ምስ ጅጋኑ ብጾታ
ንሓርበኛ ዋዕሮ - ከይድፈር ክብራ
ንጥይት ዝሃበት ግንባራ
ዘውፈየት ክሳዳ ንኻራ - ኣምዑታ ንሻምላ
ሓበን እኖታታ፡ ዘይውዕላኳ ስማ ከየልዓላ
ትምክሕቲ ኣኃታ ብስማ ዝምሕላ
ንጹር ለበዋኣ “ንጎሮሮ ሓደራ - መስዋዕተይ ዘክራ”
ኣብ መደረኽ ማዕርነት ብኽብሪ ክትነብራ።

ንዘክሮም ንዅሎም ብኃበራ
ስብ ንጹር ዕላማ
ዘርኣዩና ናይ ናጽነት ጩራ
ብጅግንነት ንሃገር ዝሞቱላ
ከልምዑዋ ብናይ ደሞም ዛራ
ክሃንጹዋ ኩምሪ ዓጽሞም ዛላ
ከድኅኑዋ ካብ ዕንወት ክሳራ
ካብ ወገን ካብ ሻራ
ካብ ሁከት መከራ
ንዘክሮም ዳግም
ዝወረዶም ኣብ ቃልሲ ስንከላ
ኣብ ዓዲ ጽልጸላ
ተጻወርቲ ስነ-ኣእምሮ በሰላ
ዝተመቝሑ ብኅልና ሕየራ።

ኣካሓድ ዘብንና ብምንታይ ንስመዮ?
ጣቓ ዝሸፈኖ ዓፋኒ ተርእዮ
ስጕሚ ዘየኽይድ - ነእጋርካ ዝቖጽዮ
“ሕሱም ሰጓጊሲ ብግልጽ ትርእዮ”
ፋሕ ጨንግራሕ ጨቓውቲ ዛግራ
እግረይ ኣውጽእኒ ከምልጣ ካብ ሊላ
ዝወልደት ማሕጸን መኺና ሓሪራ
ደቃ ሓድጉን ተኽኣን  ብኃይሊ ተመንጢላ
ኣውያታ ጽርሓ ኣርያም ንብዓታ’ውን ዛራ
ዘበን ናዅራ ያኢ ሰሲና ሣዕሪራ
በዚሓ ተባዚሓ ወሊዳ ሲና ሳሃራ
ሥጋ ዝቐለበን ዝሕላ ከይመተራ
ሕሱም ዘብዐኛአን ኣመሉ ሽበራ
ኣእዳዉ ዘይርብርብ ብክሳድ ቅንጸላ
ቀላይ ገደናአን ዘይትመልእ ዔላ
ኮላሲት ወሓጢት ሕምብርቲ ዘይቢላ
ንዓለም ገረሞ “ኣደና ኤርትራ!!!”

ንዕዘብ ኣሎና ብቐረባ ብማዕዶ
መስደምም ርኢና ሰሚዕና’ወ ጋዶ
ዘበን ፍዳ ኣትዩ ብሕይወት ሰብ ጽዕዶ
ብስዉዓት ማሕላ - ብዕሥራ-ሰነ ፈኻራ
ቁምነገር ንመለሰ ገዲፍና ዘቐራ
ፋይዳ ዘይቢሉ መደረ፡
ኣድባር ተሳሊመ  እምባታት ኾሊለ
ሽምዓ ወሊዐ ጥዋፍ ኣንቀልቂለ
እቶቱ ቍንጣሮ ተግባር ምስ’ዘየለ
ፍሩስ ደጀን ሃገር ጎደሎ “ጎምበለ”
ሓደራ ኣሎና ሓኺኽካ ዘይእለ
ለበዋ ስማዕታት ቃሎም ዝነጸረ።

ንዘክሮም ኵሎም ጀጋኑና
ንዘክሮም ብብርሃን ኅሊና
ንዘክሮም ልባትና ኣንጺሕና
ንዘክሮም መሰል ኣቐዲምና
ንዘክሮም ሕግታት ኣኽቢርና
ንዘክሮም ቅዋምና ኣጽዲቕና
ንዘክሮም ጭቆና ወጊዝና
ንዘክሮም ኣፋትና መሊእና
ንዘክሮም መድኅንና ተኺልና
ንዘክሮም ምሒልና ጥሒልና
ጭቆና ክነፍርስ
ፍትሒ ክነንግሥ
ንቡርና ክንመልስ
ሃገር ክነሕድስ
ሕዝብና ክንድበስ
ንዘክሮም ብሰላም ኪዓርፉ
ዘለዓለማዊ ክብሪ ኵሎም ዝሓለፉ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...