ዓዲ ጽምብላ

 

ዘርኢ ጽምብላሊዕ

ሃሪ ነጸላ፡ ዝጉልባባ

ኣብ ዝባን ቆጽሊ ተኽሊ’ውሊዕ

ዝትውልዳ

ንመገሻ ክትቅረብ፡ ንዓዲ ጽምብላ

መንገብገብ ኣርኒባ፡ ወግሐ ጸብሐ

መለኸት ብርሃን ክትጽበ

 

በለት እኖኹ'ብዚ ተኾርምየ

በቃ ብቆጽለ’መጽሊ ተጀኒነ

ባዕለይከ ዘይመልካ፡ ካብ ነታ መለኸት ዝጽበ

 

'ዛ መለኸት ደኣ ጓል መን ኮይና?

ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ባሕሪ ቃላት ጠሊቓ

ኣምሳል ወለዶ፡ ምስሊ ከተጻሪ

ጀመረት ጉዕዞ፡ ጉዕዞ ሕልሚ

 

ይዝከረኒ ሓደ እዋን

ካብ ሓደ መልኣከ ዝበሃል

ክቕበል መልእኽቲ  ካብ ዓዲ ማልኽቲ፡ ክንዮ ሽምብላ

መገዲ ጫካ’ውሊዕ፡ ጎደቦ ጽምብላ

 

ነቲ'ኮ ምለኽዮ፡ ብሞያ

ነዚኣ ኣምልኽያ

ነዚኣ ኸኣ፡ ከውሒ ረጊጽኪ ምዘዝያ

ነታ ትለዓል፡ ኣልዕልያ

ነታ ሞኽሲት፡ ተወከስያ

ነታ ሽምኪ፡ መለኸት በልያ

ነታ ምስሊ፡ ምሰልያ

ነታ እምኒ፡ እመንያ

ነታ ዓቕሊ፡ ዓቅልያ

ነታ ውላድ፡ ውለድያ

 

ሓው ቃልቃል፡ ካብ ወረደኪ

ገና መንገብገብ ከየብቆልኪ

ፍር ከይበልኪ

ኣብዚ፡ ገና ከይዓለብኪ

 

ክእለት እምበር

ሰብ ዶ ይምለኽ

'ታ ጓል ህብቲ'ዝጊ ዝብልዋኸ፡ እንታ'ዩ  ወሪዱዋ

መን'ሞ ልቢ ገበረላ፡ ነዛ ክንድዛ

ንየው ነጀው ክትብል፡ ሰኣን ባይቶ ባይታ ጸቢቡዋ

ገና ኣፋ ዘይከፈተት፡ ኣብ ገዛእ ገዝኣ

ኣምላኽ ህብቲ'ዝጊ፡ ግዲ ጠሊሙዋ

ኣቦየ'ቦየ ክትብል፡ መሬት ዓሪቡዋ

 

ኣብዛ ጸምጸም ዓለም፡ ኣብዛ ዓዲ ጽምብላ’ውሊዕ

መንከ ዘይዓውር፡ ሰኣን ዕንጸይቲ ሓው ወሊዕ

ዝረኣየ፡ ዓይኒ በርሀ

ዝሰምዐ፡ እዝኒ ሰምዐ

ንዝመለኸስ፡ እንታይ ይበሃል

ኣንታ ኣምላከ፡ ዶስ መልኣከ?

 

ንዘምለኸትከ፡ ካብኣ ናብኣ

እንታይ ይበሃል፡ ጓል ኪኢላ

ዶስ  መለኸት ይኣኽላ?

 

ባህሊ ብሂል፡ ባህላ

ምስ በዓል ክን’ብል፡ ክንብልብል ኢላ

ጽን በለት፡ ጽምብል ክብላ

 

ደሃያ ከተስምዕ፡ መለኸት ተሓንጊጣ

ሽም ጥምቀታ

መሬት ህዋ ጸልሚትዋ

ጠሊቓ ኣብታ ቀላይ ባሕራ

ግዲ ሕልማ ክትመልኽ፡ በታ ዓቕማ

 

ኣብተን ፊደላት ቀላያ

ሃሰስ ክትብል ከተናዲ፡ ጥሒላ ኣብ ዓዲ’ዳልያ

ምስ ፈትለ መትሊ፡ ጉልባብ ነጸላ

ክትሕምብስ በተን ክልተ'ኽናፋ

ተሓልያ ብጻዕዳ ጋቢ  ዓለባ

 

በለት ከኣ፡ ካብ መሓልኩ ጠሓልኩ

ኣብ ህዋ ማይ፡ ሰላም ካብ ረኸብኩ

ብቒሐ ጽልሚ ባሕሪ፡ ሕብረይ ካብ ረኣኹ

ነጸብራቕ ምስለይ ካብ መሰልኩ

 

መለኸት በሉዋ

ጽምብላ’ሊዕ  ጓል ዓዲ ጽምብላ

ወይ ክጽብቓ’ተን የእዳው'ኽናፋ

ካብ መለኸት ቀያሕ ጸላም፡ ቀለም ለምለም ጻዕዳ

ክብረት ይሃባ፡ ምስቶም ወምስተን መላእኽታ

 

ሰኣን ዝብላዕ፡ ወርቂ ክልሓስ ርኢናዮ

ገዓት ነቒዑ፡ ጠስሚ ክውሕዝ ሰሚዕናዮ

ኣብ መንፍቑ፡ ሃረርታ ናፍቖት ግዲ ሒዙዎ

ብዘልዘል መልሓስ፡ ዘረባ ኣብዩዎ

ዓይኑ ግዲ ዓዊሩ፡ ዶስ ሕውዝወዝ ኢሉዎ

ሰብ ክረግፍ፡ ሰማይ ዘይጸድፍ መሲሉዎ

 

ገና ከይነፈሰ፡ ንፋስ ሃፋ

'ታ መፍትሓ ሒዛ፡ ኣብ ኢድ ኣፋ

መለኸት ቃል ሃንደበታ፡ ምስ መሓዛ ሂወታ’ኸላ

ብዕርቃና፡ ተዓሪቓ ምስ ነብሳ

ምስ ትንፋሳ

 

ኣብታ ወርሒ ብርሃን  ለይታ

ዘርኢ ሕልሚ ባሕሪ፡  ሃሪ ቃላት ቀለማ ኣራጊፋ

ምስ ጥብ መዓር ወለላ

ብር በለት፤ ምስ መንገብገባ

ገፍገፍ ኣቢላ ክትበርር ግዲ፡ ናብታ ናታ

ናብታ ህዋ ዓለማ

 

ኣብዛ ዓዲ ንእዳ፡ እንዳ ዓዲ ገለመለ

ፍረ ኣድሪ ወለዶ ከተዋልድ፡ ወሊድ ወለደ

ክትዘርእ፡ ኣብ እዋን ሓምለ ሰነ

ክትሓርስ መሬት፡ መረታ ሰብ ኣነ

ብሸኽም ፈኽም፡ ዱብዱብ ደብዳበ

መልእኽቲ መለኮተ

ማይ ጸባ ክትሰቲ፤ ምስ ማይ መስተ

ጓል ዘርኡ ወይዘር’ኢት፡ ወይዘር’ኦ ዘዲኣ

እነሆ ዓብያ                                                                                              

ብር ኢላ ትበርር፡ ናብ ዙርያ ዘርኣ

ኣብ ገዛእ ግእዝ ገዝኣ

ካብ  ኣ  ናብ  ኣ                

 

16 ሕዳር 2016

ገብርኤል ጓንጉል

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...