ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ

[ትንሳኤ]

ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና

ሓምለ 2018

 

መእተዊ

ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ንሕና ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ ወይ ብሓጺሩ ትንሳኤ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኢና።   ምስቲ ኣብ ሃገርና ዝጸንሐን ዘሎን ፖሊሳዊ ዓፈናዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ኣብ ባይታ ዘሎ ርዱእ ሓቅታት ብስቱር ዝተውደበን፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሕብረተሰብ ህዝብና ዝተጸፍየን፡ ስርሒታቱን ውዳበኡን ብዕድመን ቦታን ዘይሕጸር፡ መንኮርኮር ቃልሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሰረተ ስፊሕ ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ሃገርናን ኩለንተናዊ ህላወናን ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ኩሉ መዳያዊ ትንሳኤ ከነበስረሉ ንኽእል ባይታ ብህጹጽ ክፍጠር ከምዘለዎ ንኣምን።

ንሳኤ ነቲ ንሃገርናን ህዝባን ብሰንኪ ሓደ ውልቀ-ሰብን በጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሃገራውያንን ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ ብዝግባእን ብዝቐልጠፈን ሃገራዊ መፍትሒ ክረከበሉ ከምዘለዎ ኣሚኑ ወለዶኣዊ ሓላፍነቱ ከተግብር ኣንቂዱ ዘሎ ውጽኢት እዚ ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝባዊ ሓይሊ’ዩ። ኣብ’ዚ ጉዕዞ ትንሳኤ፥ ሓርበኝንትን ጅግንነትን፡ ኩሉ ሃገራዊ ብዓቕሙ ክሳተፍን፡ ክብሩን ክብሪ ህዝቡን ህላውነት ሃገሩን ከውሕስ፡ ብሓጺሩ ትንሳኤ ህዝቡን ሃገሩን ከበስር ብዘይ ውዓል ሕደር ክብገስን ክነጥፍን ሃገራዊ መጸዋዕታና በዚ ኣጋጣሚ ነቕርብ። ብምቕጻል ንህሉው ኩነታትና ብምሕባር፥ ክንርድኦ ዘለና ሓቅታትን ሳዕቤናቱን ትርጉሙን ብምብራህ ሃገራዊ ጻውዒት ነቕርብ።

 

  • ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥
  • ጻውዒት “ሰላም” መንግስቲ ኢፌድሪ፥
  • ሃገራዊ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈርቂ፥
  • ሃገራዊ ጻውዒት

 

  • ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብሓቂ ናበይ ገጹ ይጎዓዝን፥ ብኸመይን ብመንን ይዝወርን ይናወጽን ምህላዉ ንህዝቢ ኤርትራ ምሕባር ከም ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝቑጸር። እቲ ብሩህ ነገር ህዝቢ ኣብ ከውሊ፤ ጉዳይ ሃገሩ ግን ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብፖለቲካዊ ሽሕጣንን ጨለነትን ኣብ ዳግም ናይ ጥፍኣት ፈተነ ኣትዩ ምህላዉ እዩ። እዚ ነቶም ናይ’ዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ግዝያዊ ዘወርቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሽኩሽኳን ለዃኹቶን ዝዓይነቱ ጉያጉያ ንጹር እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕዱር ሕልሞም ተጋሂድሎም ነቲ ኣብ ከስዐኦም ደጉሎሞ ዝጸንሑ ተጻይ ሎሚ ብዓቐን ከቕርብዎ’ውን ኣይፈተኑን፥ ብኣንጻሩ ህሩፍ ስሚዒቶም ምቁጽጻር ከሊእዎም ፕሮቶኮላዊ ኣደብ ስኢኖም ክድርጉሑዎ ሕንኽ ኣይበሉን፥ ናይ’ዚ ቀንዲ መሪሕ ድማ ንዓና መሲሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ልኡኽ ጥፍኣትና ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። እቲ ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም ሎሚ ብግህዶ፥ እቲ ብኣብነት ከተምህሮ ተጸጊሙ ዝጸነሐ ግሩህ ልብን ኣእምሮን ዜጋታትና ሎሚ ብትሕዞ ሕዱር ሕማም ኢሳያስ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከምዘይኮነ እቲ ሓቂ ፈጋዕ ኢሉ ወጺኡ ይርከብ።

ሓርበኛታት ኤርትራውያን ድሕሪ’ዚ እንታይ ንጽበ፥ ዳግማይ ሰላሕታዊ ዘለኣለማዊ ኣርዑት፥ ወይስ ኩሉ ደቀቕቲ ጉዳያት ንጎኒ ሓዲካ ልኡላዊ ክብርኻ ምውሓስ፣ መንነትካ ምዕቃብን ንስኻ ኮንካ ምንባር፣

እዚ ሕጂ ዝሓንን ዘሎ ህቦብላ ሃቐንኡ ፍሉጥ እዩ፥ ሓደግኡ ብኣግኡ ክግታእ ግን ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ሃጸፍጸፍ ብዝርዝር ክንፍትሾን ትርጉሙ ክንርዳእን፥ በዚ መሰረት ሓላፍነትና ክንስከምን ክብርናን መሰልናን ክንመልስን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕብረትን ልዑል ሃገራውነትን፥ ሃገረይ፥ ክብረተይ፥ ርስተይ፡ መንነተይ መሰለይ ትንሳኤይ ክብል ይግባእ።

ጻዊዒት ‘ሰላም ኢትዮጵያ’፥

ሰላም ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደኸመላ፥ ዝበሃጋ፥ ዝተጋደለላ፥ ዋጋ ዝኸፈለላ የለን፥ ዛጊት ግን ምሉእ ሰላም ኣይረኸበን፥ ምኽንያቱ ሰላም ኣለኒ ክትብል እንተኾንካ ኣብ ሃገርካ ሕረስ ሓረስታይ፥ ንገድ ነጋዳይ፥ ስራሕ ሰራሕተኛ፥ ዝብል መንግስትን ብፍትሒ ዝተዋሕሰት ሂወትን ምስ ዝህሉ እዩ። እዚ ኩሉ ግን ኣብ ኤርትራ የለን። ስለዚ ሰላም ኣሎ ክበሃል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ንፍጹም ህላውነትና ዝፈታትን ብኣዝዩ ረቂቕ ዝመስል ስብከታዊ ህቦብላ ኣንጸላሊዩና ኣሎ። ናይ’ዚ ፈላሚ ተበግሶ እዚ ብዕለት 9 ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ “ሰላምን ዕርክነትን” ውዕል ዝተፈረመ እዩ። እዚ ሓሙሽተ (5) ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናትን፡ ሃዋሁ ኲናትን ከምዘኸተመን፤ ኣብ መንጎአን ክህሉ ዘለዎ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህልን፡ ጸጥታ ጥቡቕ ምትሕብባር ዝኣመተ ዝመስል እዩ። ከምዚ ዓይነት ውዕል፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝመድና ክልቲኤን ዘርሑን፡ ንኻልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጸገማት ንምፍታሕ ዝኸፍቶ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ምስዛኣቱ፡ ነቲ ውዕል ሃንጉፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ድንዕ ትብል። ብሕልፊ እቲ ብሰንኪ ደማዊ ኲናት ዝጠፍአ ሂወትን ብሰንኪ ንልዕሊ ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታትን፡ ብኡ ብምምኽናይ ውልቀ-መላኺ ደማሒ ምሕደራ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታትን ቁጠባዊ ብርስትን ማሕበራዊ ምብትታን ተተሓሒዙ ምስ ዝረአ፡ ነዚ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ውዕል፡ ትንፋስ ክህብ እዩ ዝብል ተስፋ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ይኹን ድኣምበር፡ እዚ ውዕል ፖለቲካዊ ባህሪ ስለዘለዎን፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ስለዝምልከት፡ ካብ ስምዒት ተወጺኡ ብዕቱብ ክርአ የድሊ።

 

ሰላም ብሓደ ኣካል ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ናይ ክልተ ወገናት ምዕሩይ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺን ድልየትን ክህሉ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ስምምዕ ሰላም ዝበሃል ዘሎ እዚ ምዕሩይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ የለን እዩ። ምኽንያቱ ብወገን ኤርትራ ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ፥ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ፥ ንሃገር ዝመርሕን ንመንግስቲ ልጓም ዝገብርን ቅዋም፥ መሰረታዊ ነጻነትን ሃገራዊ ልኡላውነትን ዘረጋግጽን ረብሓ ሃገርና ዝሕሉ መሪሕነት ይኹን ትካል ይኹን መባእታዊ ፍትሒ ዘየብሉ ሃዋሁው እዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ነዚ ኩነታት’ዚ ከይቀየርካ ሰላም ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን ሃገራዊ ረብሓኻ ከተረጋግጽውን ኣይከኣልን። ስለዚ ኤርትራውያን እዚ ሰላም ዝመስል ግን ድማ ንጎደቦና ድግስ ንዓና ግን ተስካር ዝዓይነቱ ሓደገኛ ምዕባለ ምዃኑ ብኣንክሮ ክዕዘቦን ከም ህዝቢ ካብ ዳግማይ ስእነት ዋንነት ልኡላዊት ሃገር ክንድሕን ሕጂ ግዚኡ እዩ።

ነስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ስምዒት ኣወጊድና፥ ካብ ክቱር ጭቆናን ጸቕጥን ኢሰያስ ዝፈጠሮ ዘይንቡር ኩነተ-ኣእምሮ ወጺና ንነብስና ኣረጋጊእና፥ ካብ ጭርሖታት ጎሲምካ ምኻድ ተናጊፍና፥ ብነቐፌታዊ ዓይኒ፥ ሚዛኑ ብዝሓለወን ብዝበረኸን ደረጃ ነዚ ኩነታት ብዕምቆት ንተዓዘቦ፥ ንገምግሞ፥ እቲ ሓቂ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ።

 

እዚ ኣዋጅ “ሰላምን ዕርክነትን” ካበይ`ዩ መጺኡ?

ከምዝፈለጥ ኣብ ጉዳይ ዶብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ “ቅድም ልዘብ ደሓር ምምልካት ዶብ” ዝብል ቅድመ-ኩነት ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋኑ ክትግበር ኣይተኻእለን። ጭፍራ ኢስያስ ብወገኑ “ብይን ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትገበር ኣለዎ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ!” ዝብል መርገጺ ብምሓዝ ህዝብና ብሰበብ ጉዳይ ዶብ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፥ ብወገን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ካብ 2015 ጀሚሩ ከም ህቦብላ ንፋስ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክምለስ ዘይክእል ኣዝዩ ፍጡንን ዓሚቕን ፖለቲካዊ መስርሕ ለውጢ ጸኒሓ። ነቲ ምልዕዓል ንምግታእ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዝነበር መንግስታዊ ገብረ-መልሲ ኣብ ውሽጢ ከስዐ ፖለቲካዊ ሰልጣን እታ ሃገር ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ። በዚ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ኣልጊሱ፤ ድሕሪ ነዊሕ ውድባዊ ‘ግምገማታት’፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ኣቦ-መንበር እቲ ገዛኢ ሰልፊን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ። ምምጻእ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሰልጣን፡ ንሱ ክኽተሎ ዝጀመረ ፖለቲካዊ መስመር ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅለሳ ዘተምብህ ኮይኑ ይርአ፤ ዉሑድ ዘይኮነ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ደጋፊኡ ዝኾነ ይመስል። ኣብ’ዚ ሓደ ንኩሉ ክዉል ዘይኮነ ነገር በዚ ለውጢ ንህዝቢ ትግራይ ልቡ ከይረግኣሉ ዝቕስቡ ተርእዮታት ኣብ መድረኽ ብጋህዲ ምውጽኦም፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ሓደገኛ ዓሌታዊ ነውጺን ምቅትታልን ይቕጽል ምህላዉ እዩ። ብሓፈሻ ግን መግለጺታት ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሕብረትን፡ ስኒትን፡ ዕርቅን ወ.ዘ.ተ ዘብሎ ስብከታዊ ኣቀራርባ ዘስመረ ስለዝኾነን፡ ነዚ ስብከታዊ መደረታት ዘሰኒ’ውን ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራት፡ ምልዓል ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን፥ ምዕዳም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣብ ስርዓት ደርጊ ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣዘዝትን ሓለፍትን ስርዓት ደርጊ ነበር ከይተረፉ ሃገሮም ክኣትዉን፥ ክፉት ሓውሲ ህዝባዊ ሰሚናር ዝዓይነቱ ብምክያድ ብይቕረታ ዝተሰነየ መደረ፡ ንቀ/ሚ ኣቢይ ውሽጣውን ግዳማውን ደገፍ ከምጽኣሉ ክኢሉ እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣነጻጺርካ ምስ ዝርአ እቲ ዘይምዕሩይ ኩነተ-ህላወ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ዝኾነ ኣበርክቶ ንሰላም ክህልወን ከምዘይከኣልን ዘግህድ እዩ።

ህሉው ሓቅታት ሃገርና እንታይ ይመስል፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ጎዳጉዲ ብዘይፍርዲ ማሲኖም ይሞቱን ሞይቶም፥ ዝበዝሕ መንእሰይ ኣብ ጎዳጉዲ ተሃድሶታት ዝብል መሳቐዩ መዳጎኒታት ይርከብ፡ ብቐጻሊ መንእሰይ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ይርከብ፥ ሓርነት ካብ ሃገር ምውጻእ ወይ ምእታው የለን፥ ሰብ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጺኡ ክሰርሕን ነብሱ ክመርሕን ዘይከኣለሉ፥ ኣሽሓት ሰደተኛታት ኣብ ፈቐድኡ መዓስከር ስደተኛታት ተዳጉኖም፥ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕዩር ሓታቲ ወኪል ዘይብሎም ይማስኑ፥ ድኽነት ዓቐኑ ሓሊፉ ህዝቢ ድራር እለቱ ክረኽበሉ ዘይከኣል ኩነተ-ህላወ ይርከብ። እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ዉሑድ ሓቀኛ ኩነታት ኤርትራ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፥ ኢሰያስ ሰላም መጺኡ፥ ምስ ኢትጵዮያ ሽግርና ተፈቲሑ ክብል በየናይ መለክዒ እዩ፣ ቅድም ከብረት ዜጋታት ይመለስ፥ ህዝቢ ልኡላዊ ስልጣን ይሓዝ፥ ዕድሉ ባዕሉ ይወስን። ድሕሪ’ዚዩ ሰላም ምስ ጎረበባብቱ ከጽንዕ ዝኽእልብ፥ ሓቀኛ ናይ ሰላም ማሻርኽቲ ዝኸውንን።

 

ሰላም ማለት ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ክስተት ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ጉዳይ ዶብ ዝነበረ መርገጺ እዩ። ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ቀ/ሚ ኣብይ ዝወሰዶም ውሳኔታት ብዛዕባ ግጭት ዶብ ምስ ኤርትራ ብዘመልከት እዩ። ቀ/ሚ ኣብይ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚቴ ገዛኢ ስልፊ ኢትዮጵያ ብዕለት 5 ሰነ 2018 ነቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተቐቢሉ ከተግብር ድሉው ከምዝኾነን ምስ ሃገረ ኤርትራ ንቡር ርክብ ክጅመር ዘሎ ድልየትን ገሊጹ። እዚ ሓድሽ መርገጺ ኢህወደግ ኣይኮነን፥ እቲ ፍልልይ መን ኢልዎ፥ መዓስን ንምንታይ ዕላማን ጥራይ እዩ።

ብወገን ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ነዚ ጻዊዕት መልሲ ኣብ ምሃብ ንህዝቢ ከደናግር ኣፉ ሓቲሙ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ብኣፈኛ ኢሳያስ ዝኾነ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል “ስራዊቶም ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ይውጽኡ ቅድም!” ትብል ሓጻር መግለጺ እያ ኔራ። ብድሕሪ’ዚ ዝሰዓበ ጉያጉያ ግን ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ዘግሃደ እዩ።

ቅድሚ ናብ’ዚ ዘሎ ህቦብላዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምእታው ግን ክኸዱ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ድፍኢታትን ፍጻመታትን ምፍላጥ የድሊ፥

  • ብዶናልድ ያማሞቶ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ማዓልታት ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣብዝገበሮ ዑደት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሒላብ ቀይሕ-ባሕሪ ንዝምዕብል ጂኦ-ስትራተጂካዊ ምቅይያር ከምዘስክፎን፡ ኣብ’ኡ ወሳኒ ግደ ክህልዎ ክምዝደልን፤ ምእንቲ’ዚ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሕልፊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ርግኣት ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፤ ሕቶ ዶብ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ከምዘለዎን፡ ኣመሪካ ዘድሊ ግደ ክትጻወት ምዃና ዝሓዘ መልእኽቲ ኣምሓላሊፉ። ብዘለዎም ውሽጣዊ ድፍኢታት፡ ክልቲኦም መንግስታት ነዚ ምሕጽንታ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምቕባል ናይ ሰላም ሓይልታት መሲሎም ቀሪቦም።
  • ብድሕሪ እዚ፡ ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳያት ዕስማን ሳልሕን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብን ዘለውዎ ወኪል ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ክራኸብ ናብ ዋሺንግቶን ብምኻድ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ ከምዘነበረ ይፍለጥ። ዕላምኡ ድማ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዘቐረበ ጠለብ ኣተገባብርኡ ንምልዛብን፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ በየናይ ደረጃ ወይ ኣገባብ ርክባት ምግባር እዩ ኔሩ።
  •  ብድሕሪ ቀ/ሚ ኣብይ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብን ዝምድናን ምስ ኤርትራ ዝገበሮ መግለጺ፡ ኢሰያስ ናብ ስዑድያ ኣብ ዘገበሮ ስቱር ምብጻሕ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ርክብ ክጅምር ብግልጺ ተሓቢርዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኢሰያስ ናብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ብስቱር ተራኺቦም ነዊሕን ደቒቕን ዝርርብ ከምዝገበሩን፡ መንግስቲ ዓረብ ኢማራት ንኽልቲኤን ሃገራት ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ግን ብዙሕ ሚልዮናት ገንዘብ ክዋሃቡ ከምተማባጽዐት ዝፍለጥ እዩ። ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ገንዘብ ብምልክዕ ሓገዝን ወፍርን 3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ኣብ ኣጋጣሚ ዑደት ወራሲ ዓራት ኢማራት ኣዲስ-ኣበባ ተቓሊሑ ኔሩ። ንኤርትራ ዝዋሃብ ግን ከምውትሩ ጉዳይ ውልቀመላኺ ኢስያስ ጥራሕ ኮይኑ፡ ይትረፍ ሓፋሽ ህዝቢ እቶም ካቢነ ሚኒስተራት’ውን ዝፈልጥዎ ኣይኮኑን።
  • ብድሕሪ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተስታፍን ተዓዛብን ብሕልፊ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘስደምም መንገዲ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ዕለት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ንመጸዋዕታ ቀ/ሚ ኣቢይ ከምዝተቐበሎን፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ጭፍርኡ ክልእኽ ከምዝወሰነ ዘፍለጠ። እቲ ንኣዲስ-ኣበባ ዝኸደ ልኡኽ ብዝተገበረሉ ኣቀባብላን እንግዶትን ብምምሳጥ፡ “ምድማር፡ ሕብረት፡ ዶብ ኣገዳሲ ኣይኮነን!” ዝብል መንፈስ መደረታት ሂቦምን ኣብ ምላሾም ንመቐበሊ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸውን ባንዴራታት ኢትዮጵያ ጽዒኖም ናብ ልኣኺኦም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም። ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ቀ/ሚ ኣብይ ወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ኤርትራ ኣካይዱ።
  • ህዝቢ ኣስመራ ነቲ ድሕሪ ዕስራ ዓምታት ዝተሓረሞ ወረ ሰላም ብምስምዑ፡ ሓጎሱ ክገልጽ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ወጺኡ። ብትካላት እቲ ጭፍራ ዝተዋደደ ሰልፍታት ባንዴራታት ኢትዮጵያ ብምሓዝ “ተደሚርና ኢና! ሓደ ኮይንና ኢና! ፍቅር ያሸንፋል!” ኢሎም ብምጭራሕ፡ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነበሮ ቅኑዕ ተስፋ ሰላም ስምዒት “ኣንድነታዊ መልክዕ” ከትሕዝዎ ፈቲኖም እዮም። ምስ’ዚ ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ዘሰለፎም ዝብልዎ ዘነበሩ ዝመዓራረን ንዝተኣሳሰርን፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣብ ንኽብሪ ቀ/ሚ ኣብይ ኢሉ ዘዳለዎ ናይ ድራር እንግዶት ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ፤ “እዚ ን25 ዓመት ተነፊጉና ዝነበረ ዕድል'ዩ፡ 25 ዓመት ቀሊል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና" ክብል ከይሓነኸ ተሰሚዑ። ምስ’ዚ "ዶብ ኣየድልየናን'ዩ፡ እዚ ህዝቢ'ዚ ዝምድናኡ ብዶብ ዝጋረድ ኣይኮነን" ዝብል ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ። እዚ “ንለባም ኣምታሉ፡ ንዕሻ ኻኣ ዶርግሓሉ” ብምባል ክትሓልፎ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ምብርሁ ኣገዳሲ እዩ።
  • መግለጺ ኢሰያስ ብልክዕ ነቲ ናይ ነዊሕ ሃንቀውታኡ ዘግሃደ እዩ። “ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና” ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ እንታይ ዓይነት ዝጠፈአት ንብረት ስለዝነበረት እያ ሕጂ ትምለስ ዘላ፥ ኣስተውዕል ህዝቢ።
  • ኢሰያስ 25 ዓመታት ክብል ዝገለጾ ካበየናይ እዩ ዝጅምር፥ 25 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ሃገርና  ነቲ ብመሪር መስዋእቱ ዝረኸቦ ነጻነት፥ ብድምጹ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትህልዎ ዝወሰነሉ ዓመት እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይበረሃሉ ዝነበረ ግን ቅድሚ 25 ዓመት ነጻነትና ብረፈረንዱም ክዛዘም እንከሎ ንኢሰያስ ግን ሓንሳብን ንሓውሩን ኤርትራ እንተስ ብግህዶ ብወረራ ወይ ብሰላሕታ ኣብ መቑሕ ኢትዮጵያ ክትምለሰሉ ከምዘይኮነት መርድእ ዝተቐበለሉን፥ ሕልሙ ዝጸልመተሉን፡ ምንባሩ ሕጂ ኣግሂድዎ፥ ኦሮማይ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራ ንዘንተእለት ኤርትራ ኮይና ክትቅጽል እያ ዝብል ስምባደ ኣትይዎ ከም ዝነበረ ሕጂ ንኹልና ተጋሂዱ። እንተኾነ ኣይደቀሰን፥ ነዚ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ንምፍጻም ንህዝቢ ንምድኻም ህዝቢ ብግርሁ ክሰርሓሉ ጸኒሑ፥ ሕጂ ሃገር ደኺማ ህዝባ ባዲሙ ዳግም ሕልሙ ኣበራቢሩ ሃገር ከረክባ ብናህሪ ይጋልብ ኣሎ፡ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ክንዮ’ዚ እንታይ ንጽበ፣

ብሓጺሩ እዚ ብዕለት 09 ሓምለ ኣብ መንጎ ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ካብ ዓይንን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸወለን ዝርሓቐን መንፈስ ዝለበሰን መስርሕ ዝሓለፈን እዩ። ኣብ`ዚ ሃገራውያን ክንግንዘቦ ዘድሊ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት፡ እንትርፎ ንስልጣኑ መሳርሒ ክጥቀመሉ፡ ከም ክብርን መሰልን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሓሳቡን ድልየቱን ከምኡ`ውን ግዲኡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ክዋሓሰሉ ከምዘይብሉ፥ ረጊጹ ከምዝሕዞ ብዘየደናግር መልክዕ ክንግንዘብ ኪኢልና ኣሎና። ብሕልፊ ኣብ ጉዳይ ዶብን ልዑላውነትን ሃገርን ብዘምልከት፡ ህዝቢ ኤርትራ ስፍ ዘይበል መስዋእቲ ዝኸፈለሉን፡ ጽንዓቱ ዘመስከረሉ፡ ካብ’ቲ ንነጻነት ሃገር ዘውሓሰ ረፈረንዶም ብዘይንእስ መገዲ፡ ርኢይትኡ ክሕተትን ክሳተፍን ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት እንተ ብቐጥታ ተሳትፎ ህዝቢ ወይ ብሕጋውያን ወከልቱ ኣቢሉ ክዝትየሉን ሓሳቡ ክድምረሉ ይግብኦ ኔሩ። ብእንጻሩ፡ ኣገዳስቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ከም ውልቀ ዋኒን ብሓደ ውልቀ-ሰብ ተታሒዙን ተገቢቱን፡ ንናይ ሓደ ሰብ ጥቕምን ድልየትን ክማልእ እዩ ክስራሕ ጸኒሑን ዘሎን። ይትረፍ’ዶ ሓፋሽ ህዝቢ፡ እቶም ስልጣን መንግስቲ ሚኒስተራት፥ ዓበይቲ ሓለፍቲ፥ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ክሰምዕዎን ክሳተፍዎን ይትረፍ ብዛዕባ ዝሓለፈ መስርሕ ብዙሕ ዝፈልጥዎ ከምዘየለ ዘግህድ ኩነታት እዩ ንዕዘቦ ዘለና። መስርሕ ናይ’ቲ ብዕለት 9 ሓምለ ዝተኸተመ ውዕል እምበኣር ውልቀ-ልኣኺ ብውልቁ ዝወድኦ መስርሕ እዩ፥ ተሰካሚ ሳዕቤኑ ድማ ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ክሳዕ ሕጂ፡ ማዕከን ዜና ኤርትራ ብዛዕባ እቲ መስርሕን ውዕልን፡ ትሕዝትኡን ትንታነን ዘይመቕራበን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛቢ ክኽውንን ኣፍልጦ ንኸይህሎዎን፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ማዕረ ክንደይ ከም ዕላማ ክምዘሓዞ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ ኣሎ። ብዛዕባ ትሕዝቶ ውዕል ዝተሰምዐ ኣንተሃልዮ ብናይ ወጻኢ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ እዩ። ህዝቢ ሕጂ’ኸ እንታይ ይመጽእ፥ ፍትሒ፥ ነጻነት፥ ሂወትና ንውንነሉ መዓልቲ መዓስ’ዩ እንዳበለ ብከቢድ ስግኣትን ሃንቀውታን ይጽበ ኣሎ።

 

ሳዕቤን ናይ’ዚ ውዕል እንታይ እዩ፣

ከም ኩሎም ኣህጉራዊ ውዕላት፡ እዚ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ውዕል፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ`ዩ ዘለዎ። ሰለዝኾነ ከኣ፡ ነቶም ዋናታቱን ካልኦት ኣካላትን ብብዙሕ መንጽር ክትንትንዎን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትግብርዎን ዘሎ ተኽእሎ ሰፊሕ እዩ። ንዓና ን ትንሳኤ ከም ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ብቐዳምነት ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ውርሻ ሰማእታትናን ዘረጋግጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተቐባልነት ዝህልዎ። ኣብ ትንታነ ትሕዝቶን ሳዕቤንን ናይ’ቲ ውዕል ከም ቀንዲ ረቛሒ ንወስዶ ከኣ፡ ባህርን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ውክልና ወሲዱ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝኸተመ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ሰለዝኾነ፡ እዚ ውዕል ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሳዕቤኑ ኣንታይ ክኸውን እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ።

ናብ’ቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል ምስንመጽእ፡ እቲ ውዕል ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘለዎም ብብዙሕ መዳያት ዘተኣሳስር ዝምድናታት ዝብገስ ናይ ሓባር ረብሓታት ክምዘለዎም ይጠቅስ። ብምቕጻል ኣብ “ዝሓልፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዕድላት ከምዝተነፍጎም[ን]” “ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን. . . ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈ ምዕራፍ. . .” ክምዘነበረ እቲ ውዕል የዘኻኽር። እቲ ውዕል ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ “ነዚ ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ክምዘለው” ይነግር። ከም ህዝቢ ክንዮ’ቲ ኣብ መቐድም ሰፊሩ ዘሎ ወርቃዊ ቃላት ምርዳእ ከድልየና እዩ።

ኣብ’ዚ ሽሕጣን ዝመልኦ ቃላት፡ ብዙሕ ሕቶታት ክልዓል ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣብ ጎረባብቱ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ዘለዎ ኩለ-መዳያዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ኣይኮነን። እቲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ድልውነት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ምክብባርን ምዕባለን ብልጽግናን ምጉዓዝን’ውን ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ መድራኻት ንህላውነቱን ክብርታቱን ዝፈታተን ኲናት ብምምካትን፡ ኣብ 1991 ሃገራዊ ናጽነቱ ብምውሓስ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ምዕባለን ብልጽግናን ሕውነትን ምትሕበባርን ምስ ጎረባብቱ ዝኣንፈተ ህዝቢ እዩ። ነዚ መሰረት ክኸውን ከኣ ውሽጣዊ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ብምንጻፍ ሃገራዊ ቅዋም ዘጽደቐ ህዝቢ’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ስእነት ልቦና ዘለዎ ካብ ትምክሕቲ ነጻ ዝኾነ መሪሕነት፡ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ዴሞክራስያዊ መስረሕ ንምዕንቃፍን፡ ስልጣን መንግስቲ ንምብሓትን፡ ኣብ ዘይሓሰቦ ኲናት ከም ዝሽመም ኮይኑ ጸኒሑ። ብሰንኪ እቲ ኣሰቃቒ ዶባዊ ኲናት ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት መንእስያት ሂወት ዝተቐዝፎን፡ ስንክልና ተሰኪሙ፥ ኩለእንትናዊ ምድኻምን ምብትታንን ኣጋጢምዎ፤ ኣብ ርእሲ’ሲ ውልቀ-ምልኪ ጎብሊሉ፡ ዓስርተታት ኣሻሓት ዜጋታቱ ኣደዳ ማእሰርትን፡ ግፍዕን፡ መቕተልትን፡ ሰደትን ፍልሰትን ተሳጢሑ።

ኣብ ከም`ዚ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ፡ እቲ ዓቢ ሕቶኡ፡ ሕቶ ውክልና፡ ሕቶ ተሓታትነት፡ ሕቶ ግዝኣተ-ሕጊ እዩ። ኢሳያስ ራእን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ውክልና ሰለዘየለ ብሽሙ ክዛረብን ኣብ ክንድኡ ኮይኑ ክውስንን ክኽትምን ፍጹም ሞራላውን ሕጋውን መሰረት የብሉን። ስለዚ፡ ኣብ’ዚ ኣብ መቕድም ናይ’ቲ ብውልቀ-መላኺ ተኸቲሙ ዘሎ ውዕል ሰፊሮም ዘለዉ ወርቃዊ ቃላት ንኣምስሉ ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል። ከምቲ ምስ ነብሱ ሰላም ዘይብሉ ሰብ ምስ መቕርቡ ሰላም ክህልዎ ዘይክእል፤ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ ትሕቲ መቕተልትን ጭቖናን እንከሎ፡ ቅድሚ ውሽጣዊ ኩነታቱ ብዛዕባ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድና ምስ ጎረቤቱ ቀዳምነት ሰሪዑ ክሰርሓሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ዘይምኽኑይን ፖለቲካዊ ኣመንዝራነትን ስለዝኾነ፡ ሃገራውያን ክንነቕሓሉ ይግባእ።

እተን 5 ነጥብታት እቲ ውዕል ብመንጽር እዚ ምስእንርእየን፡ “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ-ጉምባሕ ዛግራ ትብላ” እዩ ዝኸውን ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ነጥቢ 2 “ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጉምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባራት ክሰርሑ እዮም” ትብል። ብመሰረቱ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ምትሕብባራት ክትበጽሕ፡ ብዙሕ መሰርሓትን ምምኻርን ትካላዊ ምቅርራብን ዘድልዮ እዩ። ብሕልፊ፡ እቲ ህዝብና ን30 ዓመታት ንመሰል ርእሰ-ውሳነ መሪር ቃልሲ፡ ዕስራ ዓመታት ብግጭት ዶብ ዘሕለፈት ሃገር፡ ከም`ዚ ዓይነት ውዕል ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ክትኣቱ፡ እሞ’ኸኣ ምስ ሰራዊታ ካብ ልኡላዊ መሬታ ገና ዘየውጽአትላን፡ ናይ ኲናት ኣዋጅ ዘይሰረዘትን ሃገር።

ብተወሳኺ፡ እቲ “ህያው ረብሓታት” ዝብል ኣመር፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ መን ኣብክንድኡ ኮይኑ ነዚ ውዕል ሃንዲስዎ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ሃገራዊ ረብሓ ካብ’ዚ ዝግበር ምሕዝነት ምጽባይ፡ ካብ ደርሆ “ጸባ” ምጽባይ ማለት እዩ። ብመሰረቱ’ውን፡ ከም ሃገር ከም ህዝቢ ኣብ’ቲ ዘተሓተ ደረጃ ዓቕሚ ስለዝወረድና፡ ብሕልፊ ከኣ ብዓይኒ ትካላዊ ዓቕሚ መንግስታውን ብሕታዊ ትካላት ሃገርና ትሕቲ ባዶ ወሪድና ከምዘለና ንጹር እዩ። በዚ ዘሎ ትካላዊ ተሓታትነት ዘይብሉ ኣካይዳ፡ ካብ ምትሕብባር ዝርከብ ረብሓ ምሉእ ብምሉእ ናይ’ቲ ውልቀ-መላኽን ኮራኩሩን ክምዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃብቱ ተመጽዋቲ ኮይኑ ትሕተ-ዜጋ ኮይኑ ዝኸደሉ ኩነታት’ዩ ክፍጠር። እዚ ድሮ ንጉዳያት ወጻኢ ሃገርና ዝምልከት ብኣላይነትን ውክልናን ኢትይጵያ ክሰላሰል ምጀማሩ መርኣያ ነቲ በዚ ውዕል መሰረት ክብጻሕ ዝተደልየ ኤርትራ ጽግዕተኛ ሃገር ዝገብር ዘይሚዛናዊ ምሕዘነት ከም ዘኸውን ንርኢ ኣሎና። እቲ ዝብሃል ዘሎ ምትሕብባር ከም’ዚ እቲ ውዕል ኣቀሚጥዎ ዘሎ ገደብ ከምዘይብሉ ንጹር እዩ። ንምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ፖሊቲካ ሃገርና ዘብህግ ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ።

ንሕና ከም ሃገራውያን ክንግንዘቦ ዘሎና፡ ድሕሪ እዞም ውቅባት ቃላት ኩነታትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ በጃ ዝገበረ ፖለቲካዊ ዋጋ-ዕዳጋ ከምዘሎ እዩ። ፍሉያት ምንጭታት ጸኒሖም ዝሕብርዎ ዘለው፡ ኣብ ዞባና ጂኦ-ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘኸተሎን ከምኡ`ውን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ንዕኡ ዘገልግል ምስ ናይ ወደብ ዓሰብ ተጠቃምነት ዘተኣሳስር ቁጠባዊ ጽገና ኢትዮጵያን እዮም። ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ንረብሕኡ ክጥቀመሉ ክጓየን፡ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ንምውሳንን፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንምጥላምን፡ ዓይኑ ኣይሓሰየን። እዚ ድማ በዚ ናይ ሰላም ስምምዕ ወልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈውርቂ ክበጽሖ ዝሃቀኖ ባህግን ሃንቅውታን ብሕጽር ዝበለ ንምርድኡ ከምዚ ይመስል፥

  • ነቲ እንዳ ተፈራኸሸ ክመጸእ ዘተራእዮ ህላውነቱ ኣብ ሰልጣን ሰለዘደናጒ፤
  • ካብቲ ንዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ከም ተናኻሲ ዕኮት ኣብ መቐራቕሮ ዓዲ-ሓሎ ዝጸንሖ ተነጽሎ ክወጽእ ዕድል ስለዝኸፈተሉ፤
  • ዘይዓግብ ሽውሃት ስልጣኑ ከርውየሉ፤
  • ንዘለዎ ጽልኣተ-መንነቱን ክሑን ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሓውና ዝኾነ ክቡር ህዝቢ ትግራይ ዓወት ዘመዝገበ ስለዝመሰሎ
  • ንህዝቢ ኤርትራ ንሱ ‘ፈጣሪኡ’ ንሱ ‘ኣጥፋኢኡ’ ክምዝኾነ ዋግኡ ብዘየገድስ ከርኢ፤
  • ተሰለጠ ብምኽንያት ‘ዞባዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር` ቆሪንካ ዓባይ ኢትዮጵያ ‘ምንጋስ’።

ክንዮ ባህጊ ኢሰያስ ሓሊፍና እምበኣር እቲ ዝሃምም ዘሎ ፖለቲካዊ ዕንደራ ንነዊሕ ዕላማ ከገልግል ዝተነድፈ ኮይኑ እዚ ሕጂ ብጉያጉያ ዝትግበር ዘሎ ብህጹጽ ኣብ ባይታ ሓቅታት ምውዳድ ምዃኑ ብንጹር ከበርሃልና ኣለዎ። ብሕልፊ ምስ’ቲ፡ ብቕልጡፍ ማዕቢሉ ዝረአ ዘሎ ውልቃዊ ዝመስል ምሕዝነት ቀ/ሚ ኣቢይን ውልቀ-መላኺ ኢስያስን፡ እቲ ዝምድና ክንዮው ዕላውነት ዝሰገረ፡ ሃገርዊ ረብሓ ኤርትራ ንቑልቁል ዝሸምም ሓደገኛ፥ ንመጻኢ’ውን ብኣግኡ ሃገራዊ ሓልፍነትና ወሲድና ናብ ንቡር ሚዛኑ ክንመልሶ እንተዘይኪኢልና ከቢድ ዋጋ ክንከፍል ምዃንና ንጹር እዩ።

 

ሃገራዊ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ኣብ’ዚ እዋንዚ እቲ ዝነበረ መሰረታዊ ሃገራዊ ጸገም ካልኣዊ ኮይኑ፥ እቲ ካልኣዊ ዝነበረ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይርከብ። እዚ ዘብል ምኽንያት፡ ጉዳይ ዶብ ምኽንት ጎንጺን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ ብሰሩ’ውን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተበጺሑን ብይን ክትግበር ኣለዎ ክበሃል ጸኒሑ ከብቕዕ፡ ምትግባር ውዕል ዶብን ምኽባር ልኡላውነት መሬትን ብቐዳምነት ኣብ ባይታ ክንድዝውዕል፡ እቲ ብሰንኪ እዚ ውግእ ዝዓነወን ዝተተንከፈን ዝደመየን ዝሰንከለን ህዝብን ኣካላትን ግቡእ ፈውሲን ካሕሳን ስሩዕ ሂወትን ክመርሑ ኣብ ክንዲ ምስራሕ፥ ን ‘ሰረጋላ ቅድሚ ፈረስ’ ዝሰርዕ ኣካይዳን ፖለቲካዊ ጥሙሕ ኢሳያስ ዘርዊ ፖለቲካዊ ዕንደራን ሃገራዊ ክሕደትን ይፍጸምን ይካየድን፡ ኣደብ ኣልቦ ከም ሃገር ዘሕንኽ፥ ዘዋርድ፥ ኣገባብ ጠገለ ኣልቦ ዕንደራ ኢሰያስ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ እቲ ኣዝዩ ግሩህ ኤርትራዊ ከይተረፈ ክርድኦ ዝኽእል ቅሉዕ ሃገራዊ ጥልመት እዩ።

ብመዐቀኒ ክብረታ ዝሓለወት ሃገርን ንድሕነትን ንረብሓ ሃገሩ ዝቖመ መሪሕነትን ዝዝውተሩ ልሙዳት ኣገባባትን መትከላትን ክኽተልስ ይትረፍ ብክሕደት ሃገር ዘሕትት ብወልቀ-መላኺ ኤርትራን ልኡኻቱን “ዶብ ኣየድልን እዩ!”፥ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ንባዕዳዊ መራሒ ‘መራሒና እዚ እዩ’ ብምባል ነቲ ብምልኪ ሒዝዎ ዝጸንሐ ስልጣን ሃገር ኣብክንዲ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዘረክብ መሪሕነት ሃገር ንባዕዳዊ መራሒ ዝርከበሉ ብፍጹም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ተግባር ኢሰያስ ውጹእ ሃገራዊ ክሕደት ከምዝፈጸመ ነገንዝብ።

ኢሰያስ ንኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ብምኽንያት ዶብና ተወሪሩ ብምባል ንመስዋእትን ስንክልናን ዘኸተለ ኩናት ዘእተወ ክንሱ ሕጂ ዶብ ኣይኮነን መባኣሲና፥ ዶብ ዋጋ የብሉን፥ ዶብ ዝበሃል የለን ብምባል ብወግዒን በሽካዕላልን ገሊጹ፡ እዚ ተወሳኺ ክሕደት ሃገር’ዩ፡

ባዕዳዊ ሰራዊት ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ገና ከይተነቓነቐ እናሃለወ፥ ብመስዋእቲን ብሕግን ዝተረጋገጸ መሬት’ውን ክሳዕ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ እጀታኡ ከይተረከበ እንከሎ፥ ኢሰያስ ኣብ ባዕዳዊት ሃገር ዝተዳለወሉ ድግስን ዳንኬራታትን ከዳምቕን ንነብሱ ደሚቑ ከርእን፥ ኣለኹ ናትኩም ኢና ብሓባር ክንከውን ኢና ብምባል ኤርትራዊ ዜግነት ዘሕፍርን ዘዋርድን ክብሪ ሃገር ባይታ ዘዝብጥ ተግባር ፈጺሙ፥ እዚ መቐጸልታ ንዝፍጽሞ ዘሎ ሃገራዊ ክሕደት እዩ።

ኢሰያስ ንኹሉ ጉዳይ ሃገር ከም ብሕታዊ ንብረቱ፥ ብፍጹም ተሓታትነት ኣልቦ ኩሉ ሰብኣዊ፥ ንዋታውን ባህርያውን ጸጋታት ሃገር ኣብ መዓላ ጥልመትን ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲታት ብምውሳዱን ብዝለዓለ ሃገራዊ ክሕደት ዝሕተት ሰብ ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ተፈጺሙ ዘሎ ተግባር ዝለዓለ ሃገራዊ ክሕደት ተረዲኡ፥ እዛ ሃገር፥ ሃገር ህዝቢ ኤርትራ ደኣምበር ሃገር የሕሊፉ ንክህባ ዝጓየ ዘሎ ደማሒን ጉሒላን ንኽትከውን ፈጺማ ክትሕደግ የብላን። ስለዚኾነ ድማ ናይ ኩሉ ኣፍቃሪ ኤርትራ፥ ንመንነቱ ዓቂቡ ክነብር ዝሓስብ ኤርትራዊ ሎሚ ኢሰያስ ሞሳ ክሕደቱ ክፍደየሉ ዝግባእ በጺሕና ከምዘለና ንሕብር።

እዋናዊ ሃገራዊ መጸዋዕታ፥

ዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ኩሉኹም ኣዘዝቲን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ መንእሰያትን፡ ከምኡውን ኣብ ደገን ወጻእን እትርከቡ ኣባላት ህግደፍ ብፍላይ፥ እዚ ዘለናዮ ህሞት ሃገርና ብሓቂ ወካሊ ዘይብላ ሃገር ምዃና ዝተነጸረሉ፥ ካብ ኢድና ወጺኣ ንባዕዳዊ ዋንነት ክትርከብ በቲ ዝኣመንክምዎ ልዑል ሃገራዊ ክሕደት ተፈጺሙ፥ ሃገር ሓንሳብን ንሓዋሩን ዋንነትኩም ትስእንሉ ናይ መጨረሻ ሰዓት በጺሑ ይርከብ። ሎሚ እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። ንውዲት ጉሒላ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ብምዕዛብ፥ ሃገር ዘይብልካ ምትራፍ፥ ወይ ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን መንነትካ ምርግጋጽን ንትንሳኤኻ ደው ምባልን እዩ። ልዑል እምነትና እዚ ዳሕረዋይ ምርጫ እዩ፡ ኤርትራ ኣደ ወራዙት፥ ኤርትራ ኣደ ጅግንነት፥ መኸተን ጽንዓትን፡ ኤርትራ ኣደ ሕግን ኣገባብን ክብረትን፥ ኤርትራ ኣደ ትብዓትን ቆራጽነትን፥ ኤርትራ ኣንጻር ክሕደትን ጥልመትን ምዃና ዳግም ነረጋግጸሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ጸላኢና ሓደን ሓደን ጥራይን ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ክህልወና ዝኽእል ሓሳባት ትሕቲ ኤርትራ ዝስራዕ ጥራይ ምዃኑ ኣሚንና ብሓባር ክንለዓልን ንኢሰያስ ወጊድ ብምባል፥ ሃገርና፥ክብረትና ንምለስ፡ ትንሳኤና ነውሕስ።

 

ሎሚ ዘይተላዕለ፡ ብደዉ ከምዝሞተ!

ንትንሳኤ ሃገር፡ ኩልና ንበራበር፡ ኩሉና ንሕበር!

ፈጣሪ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ!

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ (ትንሳኤ)