ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም ቀኒኽን፡  እነ እግዚኣብሄር ይመስግን ድሐን ኣሎኹ። ሎሚ ካብ ናይ ኩሉ ማዕልትታት ኣዝየ ቀልጢፈ መጺኤ ከመይ ኩነታት ስለ ዘገደደኒ። ብዙሕ ጊዜወን ሰባትስ ጸሓፉ፡ ተዘረቡ  ሰማዕቲ እቲ ዝተጻሕፈ፡ ዝተዘርበ ንዓኦም ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተሰምዖም ነጥብታት ኣልዒሎም ምክታዕን ምምያጥን ጥራይ ዘይከነ፡ ነቲ ጽቡቕ እዩ ኢሎም  ዝተሰማማዑሉ ተጕይዮም - እሞ ምስ ተስፍኡ ክቀንዓና’ዩ እናበሉ፡  እሞ ምስ ፍቅሩ፡ እሞ ምስ ግዚኡን ገንዘቡን ምልጋሱ - እንተዘይተተትገብረ’ሞ እንታይ’ዩ ጻምኡ ወረ እንታይ’ዩ ይብልየ። ብዛዕባ ርእሰይ ክዛረብ እንተኾይነ፡ “ጽቡቅ ተዝሪብኪ ወይ “ኣይግድን” ተባሂሉ ክሕልፍ ከሎ ብዘይቀለዓልመ ናይ ወሽጢ ጓሂ ይስመዓኒ። ወልፊ ናይ ዘረባ ወይ ጽሕፈት ኣሉዩካ ኣይኮነን ሕቖኻ ክሳብ ዝስማዓካ ቁኒኒ ትብል የገዳስ ኢሂን ሚሂን ምብሃሃል ናይ ብዙሕ ነገራት መፍትሒ ክኽውን ይኽእል እዩ ኢልካ ስለ ትኣምን እዩ። እወ ከም መዛናግዒ ንዕላል ንወረ ክጥዕመካ ዝቁጸር እንተኾይኑ፡ ዘየሕዝን ኣይኮነን። ኤርትራውያን ሎሚ ኾነ ሓምለ ኾን ኮይኑ’ዩ እምበር ካብ ሓደ መኣዲ ክንበል ንኽእል ናይ ትማሊ ድሕሪ መግዝእቲ ጥልያን ዘይኮነስ ናይ ኣሚኢት ዓመታት ዓለም ክጥቀመሉ ዝኽእል ሕግን ስርዓትን ዘለና፡  ብዝሒ ኣውራጃታትና መፋላለይና ዘይኮነስ ድሩዕ ስልማትና፡ ሃይማኖትና መናሻሸዊና ዘይኮነስ መካባቢሪና፡ ዓበይትና ንሰምዕ ንንኣሽኣቱና ነፍቅር ህዝቢ’ኮ ኢና።  ኣብ ማእከል ዓድናን፡  ኣብ መገድን፡ ሰድትን እናተሳቀና፡ ባህልና እናማህመነ ልዕሊ ሓምሳ ዝዕድሜኦም ሕልና ዘይብሎም ዉዱቃት ሰብኡት ካብ ወጻኢ ነስመራ ከይዶም ነተን ብሩህ መጻኢ ዘይርኣየን ይዋኣት ደቂኣንስትዮ ከም ኣዝብእ እናበልዑ  ገና ጠጠው ኢልናሉ ዘለና ምኽንያት ንዓይ ከም ዝመስለኒ ሰረት ስለ ዘለና ’ዩ።

ብዝኾነ   ሕጂ  “ንኹሉ ግዜ ኣለዎ”  ዘርእስታ ዘረባ ሒዘ  እንሆ ቀሪበ።

እቲ ዘማራይ “ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ” ይብል ንምዝራእ ጌዜ ኣልዎ ንምዕጻድ እውን ከምኡ፡ ንሓጎስ ጌዜ ኣለው

 ከምኡውን ንሓዘን።   ኣብታ ኢ-ሰብኣዊነት crime against humanity’ ዝፍጸመላ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ ተባሂላ ትጽዋዕ ሃገርና  በብዓይነተን ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ጉጁለታትን፡  ተጣበቅቲ መሰላት ደቂ ሰባትን፡ ውልቀ ሰባትን  መፍትሒ ክረበሉ ሃስው ካብ ምባል ዓዲ ኣይተዋዕለን።  እንተበዚ እንተብቲ ግን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን።  ምእንቲ ከይደጋገም ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ተማሪሚርና ፈሊጥና ንወግዶ።  ሕጂ ግን ሓቢርካ ምስራሕ ዉዓል ሕደር ዘይብሃለሉ ህሞት ኮይኑ። ኩነታት ካብ መዓልቲ ንማዓልቲ ዘይኮነስ ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።  ሬሳታትና/ኣዕጽምቲ ዝሓቀቁ ስድራና፡ ኣሕትና፡ ኣሕዋትናን ደቅናን ንቡር ክንገብረሎም፡ ክንቀብሮም ሃቡና፡ እሱራትና  ፍትሑልና ምባልን፡ ኩሉ እቲ ዘስካሕክሕ ዘሎ ፍጻሜታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እስከ ሕጂ ከም ሕጂ ብቀዳምነት ድሃይ ናይቶም መእተዊኦም ጨኒቃቶም ዘላ ማእለያ ዘይብሎም  ስደተኛታት ኣብ ከም ባዓል ልብያ - detention camp - ዘለው ንግበር።   ባዕዲ ብናቱ መዝማዚ ሕጊ ጌይሩ ይገዝኣካ ግን ውጻእ ካብ ዓዲኻ ኣይብለካን’ዩ። ጥልያን ይኹን እንጊሊዝ፡ ጃንሆይ ይኹኑ ደርጊ ዝበልናኩም ግበሩ ኢሎምና ዉጹ ካብ ዓድኹም ግን ኣይበሉናን።   እንተኾነ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ - ኢሳያስ - ብቃሉ ኣግሂዱ ዓው ኢሉ ዘይኮነ ብግበሪ እቲ መሬት መሬተይ እቲ ሃብቲ ናተይ፡  እቲ ባሕሪ ከም ድላየይ ዝዕንድረሉ ንሃብታማት ዘይፍትሓውያን፡ ጽጋበኛታት ሰብ በንዚና ዝልግሰሉ ባሕረይ፡  ውጹ እንተዘይወጻእኩም፡  ዕሉል ጨካን  ሙዅነይ ትፈልጡ ኢኹም፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ጀሚረ ዝሰራሕክሉ መጋበርያ ኣሎኒ፡   ኣቦን ኣደን ናይ ክልተ ስድራቢታት፡ ጳጳስ ን፡ መራሕቲ ሃይምኖት ን ጋዚጠኛታትን ከይተረፉ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ይኣስረኩም፡ የጥምየኩም፡ክቱር ፍርሒ፡ ራዕዲ ኣብ ከብድኹም የሕድረልኩም መፍጠሪኹም ከም ትጸልኡ ይገብረኩም ይብለና ኣሎ። ክንወጽእ ክንብል እንተተረኽብና ድማ ምሕረት ዘይብላ ንቅተል። እንተወጻእና ኣብ ፈቀዶ መዓስክር ስደተኛታት ከርተት ንብል። መንእሰያትና እቲ ዝዕምበበሉ ፡ ኣብ ሕቁፎ ስድራኦምን ኣብ ማእከል ህብረሰቦን ኮይናም ተሚሂሮም ሰብ ዝኾኑሉ መተካእታ ዘይብሉ ጊዜ  ንኸንቱ ይጠፍእ። እተን ወትሮ ከም ጸለምቲ ስደታኛታት ዝቆጽራና  ሃገራት ኤውርጳ ድማ  ደጊም በዚሕኩሙና ኣይነእትወኩምን ኢና ይብላና ኣለው።  ኣበይ ድኣ ኢና ንኣትዎ፡   ኣብዚ እዋን እዚ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቅበለና እንተልዩ ባሕሪ መዲተራንያን ጥራይ’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዛ ሓጻር ህይወት፡  ውሃ እንተተባህለ ካብ ሰማንያ ተስዓ ዓመታት ዘይተሓልፍስ ክንድዚ ስቃይ፡ ክንድዚ ሓሳረ መከራ። ዝተወለድናላ፡ መዳሕንትና ዝተቀበረላ፡ ሐወይ ሓፍተይ እናተባሃልና ሓሪስናን፡ ሸቂልናን፡ ነጊድናን ንበልዓላ፡   ሓሚምና ማእሲ ንሕዘላ፡  ሞትና ንቅበረላ፡ ናትና ክነሳስ ፍትሒ ሲኢና ፍትሂ ክንረብ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልና ዓድና ሲኢናያ።  ካብ ኩሉ ንዓና ንደቃ ሪሒቃትና።   እምበኣር ኣብ ወጻኢ ዘለና ኣብ ሓደ ተጠሚርና ብወግዓዊ መልክዕ ንሰርሓሉ፡ ንጓየየሉን ጊዜ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ እዩ።

 ዓለምለኻዊ ተበግሶ -  Global Initiative - ነዚ ንምግባር ካብ ዝብገሱ ሓያሎ እዋን ኮይኑ እዩ። ምናልባት ገለ ሰባት ተማሳሰሊ ማሕበር ተጀሚሩ ኔይሩ ንሱ ዘይስዓብ ኢሎም ክዝሕትሉ ይኽእሉ እዮም። ግን ነቲ ዕላማ ሪኢኻ ሕጂ ናይ ሕልናን፡ ናይ ለባማትን መገዲ ጌርካ ሓቢርካ ምስራሕ ጥራይ እዩ ዘዋጽእ።  እሞ ሃየ ነዛ  ሕዳር 15   መዲቦማ ዘለው ዕለት ወከልትና መሪጽና ብቀድምነት ጉዳይ መእተዊኦም ጨኒቃቶም ብቀትሩ ዝጸልመቶም ስደታኛታትናን፡ ኣባቲ ብመጠንኑ መሰል ኣሎ ዝብሃል ዓዲ ኣመሪካ ማዕረ 700 ዝኾኑ ክጥረዙ ተመዲቡ ዘሎ ንጓየ።

ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉኽን ደቂኣንስትዮ ኣብ ወጻኢ ኣብ ሙሉእ ዓለም  ዘለኽን ኣብዛ ናይ ወክልትኻ ምምራጽ ዋናታት ኵንክን ክትረካብ ሓደራ ይብል።   ሓብተይ ሲስተር ሙሉ  በየነ ኣብቲ ምስ ኣሕዋት ኣስሄልን ተወልድን ኣብ ደንበ ኣሰና ብ 9 ጥቅምቲ ዝሃበቶ መግለጺ ሕማቅ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ መዳይ ነጊራ። ሲስተር ሙሉ  ኣብቲ ብ Nursing School ዝፈልጥ፡ ቢት ትምህርቲ ኣለይቲ ሕሙማት  -ኑርሰ - ተመሪቃ ፍቅራን ክንክናን ሐልዮታን ብሕልፊ ንሓራሳትን ቆልዑን ፍልጥቲ ዝነበረት ዓባይ መምሃር እያ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ይስቀ ኣሎ ኣይ ከም ኣዴታትን ካብኡ ንናብኡ ድማ ኣይ ከም ናይ ኤርትራዊት ጓልን።  ናይ ኣዋልድ ተወሳኺ መሪር - እንተሓለፈውን በሰላ ዝገድፍ - ዝገብሮ ዓመጽን፡ ዘይትደልዮ ኣቦ ዘይብሉ ሕጻን ምስካም’ዩ።  ኣብዘን ዓላማና ሓደ እዩ ኢለን ከብቅዓ መግዳዕቲ ህዝቢ ኣብ  ወጻኢ ዘለዋ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾና ጉጀለታት ይኹን ኣብተን ሲቪካዊ ማሕበራት ደቂ ኣንስዮ ዳርጋ የለዋን። ኣብ ዋጻኢ ጥርኑፍ ወግዓዊ ተጻዋዒ ብዝይምሃልዎ እዩ ዓቢ ደሞንስትራሽናት ምስ ተገብረ ዝስዕቦ ዘይብሉ ግደ ድኻም ዝኽዉን ዘሎ። ኣብ 1993 ናይ ዓለም ባንካ World Bank ንሳልሳይ ዓለም ኣዎንታዊ ኤኮኖምያዊ ለውጢ የምጽእ ኢሎም ዝኣመንሉ ኣሳራርሖ ፈጺሙ  ኣይሰርሔን።  ክልተ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ሽመን ሕጂ እይዝክሮን ሓቢረን ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰሚናር ኣካይደን። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ብዓል ሰራልዮን ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ሲነጋል ማውሪታንያ ወዘተረፈ ተኽፊለን። ተኻፈልቲ ሰሚናር ናይ World Bank ዉሳኔ ንዓታተንን ንደቀንን ንማንም ስድርቤት ከም ዘይጠቅም ገሊጸን። ኣብ Department of State ከይደንውን ቃለን ኣስሚዔን።  ሽግራት ኣብ ካልእ ይወርድ ኣሎ ክትብልን ኣባና ኣብ ልዕሌና ይፈጸም ኣሎ ክብሃል ከሎ ንሰማዒ በበይኑ እዩ።  እንሆ እምበር ነዛ ሕዳር 15 ትገብር ዘላ ኣኼባ ኩሉእንትናዊ ልባዊ ኣቃንልቦ ንሃበላ። 

ኣብ ብኢሳህያስ ትምህራሕ ኤርትራ ብጥራይ ኢኻ ተገልግል።   ኣብ ወጻኢ ድማ ከምኡ ዐበይቲ ዕማማት ብሰብ ጽበቅ ፍቃድ ጥራይ ከኸይድን ሓለፍነት  ኣብ ምሉእ ኣባል ኣብ ክንዲ ሙዃን ኣብቶም ሓለፍቲ ምድርባይን ከም ቅቡል ተወሲዱ።   ንሓጺር ግዜ እንተዝይኮኑ ኣብቲ ዕላማ ዝኣምን ጽቡቅ ደሞዝ ዝኽፈል ካልእ እንተተፈፈ ሓደ ሰብ የድሊ።

ክብር ህዝቢ ኤርትራ፡  ህጹጹ ነገራት ኣድላይ ምስ ዝኸውን፡ ሰለስተ ማዓልትታት ውን ከም ዝኣኽለካ ይግበር እዩ፡ ክሳብ ሕዳር 15 እኩል መዓልታት ኣሎሞ ደጊመ ደጋጊም ሓደራ ይብል።

እምባኣር ወዲኤ  ዘረባይ ብጾሎት ክዕጹ’የ።

ዎ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንዓኻ ዝስኣነካ ይልቦን’ሞ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተና፡ ብጸጋኻ ከልለና፡ ብኽህያትን፡ ማእሰርትን፡ ምፕትን፡ ህልቂትን፡ ይእከልኩም በለና፡ ሰላም ኣብ ሃጋአርና ሰለም ኣብ ዓለምና ክነግስ ባዕልኻ ርድኣና

ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን። ኣሜን

 

ኣበባ