1,ንመሰለይ ንኽብረተይ ንሓርነተይ ክጣበቐለን እየ ክሳብ ዝወግሓለይ፡

  2፡ ሰኣን ሓቂ ትበአስ ምስ የሕዋት

    ሃገር ትመስለካ ናይ በይንኻ    ቕርዓት ፡                            

  ከጣዕሰካ እዩ ምስ ሓለፈ መዓት ፡

ውዒሊ ሓዲሩ ክቕንጠጥ እዩ ጸልማት 

ናይ እዝጊ ውን ኣሎ ዘይነግረካ ዕለት፡

 አብ ምድሪ ምፍጣርካ ውን ኣለዎ ኮ ገደብ ፡፡

    3,ሕጊ እንድያ ትወልዳ ንፍትሒ፡አንታ ትብል ደላይ ፍትሒ ፡

ምክብባር እንድያ ትወልዳ ንፍቕሪ፡አንታ ትብል ሰላም አሎ ህዝቢ፡ብሕጊ ተሰራዕ ክትረኽባ ንፍርዲ፡ንመሰልካ ሕተት ክትረኽበሉ መልሲ፡ሰላም ኢልካ ኣይትኺድ ከም ሓላፍ መንገዲ፡

ዓቢ እጃም ኣሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ፡፡

   4, ሰአን ፍቕሪ ሰኣን ኣላዝቦ ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡

ሰኣን ሕጊ ሰኣን ዝሕብሕቦ መንእሰይ ይጠፋእ ኣሎ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡፡

5,መንገዲ ዝሰሓተ ኩሉ እንዳ ጠፍኤ ፡

ቁስሉ ዝሓበኤ ፈውሲ እንዳ ስኣነ፡መራሕቲ ስኢኑ ፋሕ ብትን እንዳ በለ፡

 ከምዚ ኢሉ ከይቅጽል ዝዝተወለደ ፡ገደብ ንግበረሉ ንፍትሒ ዝነጸገ፡ገደብ ንግበረሉ ንህዝቢ ዝበተነ፡፡          

    6,  ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝቓለስ ህዝቢ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡

ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝቃለስ ዜጋ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡፡

 Back to # 2,3,4

   7,ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ናብ ስደት ዘምረሐ፡

ፍታሕ ከናዲ እንድዩ ፋሕ ብትን ዝበለ፡

 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ፍጹም ዘየዕረፈ፡ከምዚ ኢሉ ከይቅጽል ዘዝተወልደ ፡ገደብ ንግበረሉ ንፍትሒ ዝነጸገ፡ገደብ ንግበረሉ ጠንቂ ስደት ዝኾነ፡፡

     8፡  ነመሰሉ ንኽብረቱ ዝጣበቕ ህዝቢ እዩ ፈታው ሃገሩ፡

ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝቃለስ  ዜጋ እዩ ፈታዊ ዓዱ።

     9,ንመሰለይ ንኽብረተይ ንሓርነተይ ክቃለሰለን እየ ክሳብ ዝወግሓለይ፡

10,ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝጣበቕ ህዝቢ  እዩ ፈታዊ ዓዱ፡

      11,ንመሰለይ ንሓርነተይ ንኽብረተይ ክቃለሰለን እየ ክሳብ ዝወግሓለይ፡

12,ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝጣበቕ ህዝቢ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡፡

      13,ወርቂ ተፋሒሩ  ብርቕሪቕ እንተበለ፡

እንታይ ዋጋ ኣለዎ ህዝቢ እንተ ዘይረብሐ፡

ሰብ ንኸምስል ክዳን እንተቐየረ ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ክብረት እንተ ዘየለ፡

ምን እዩ ተሓማዪ መን እዩ ኸ ሓማዪ አስተውዒልና ንሕሰብ ናይ ህዝብና ጥቕሚ፡

ዓማጺ ምስ ኣልገሰ ሕጊ ምስ ተተኽለ፡

ማዕረ እያ ትብጸሖ ንኹሉ ኣብኣ ዝተወልደ፡

ሪሙ ውን ይረክብ ዜግኣ ዘበለ፡መሊኡ ይረግጽ ዓደየ  እንዳበለ፡፡

       14,ንሓርነቱን    ናጽነቱን ዝጣበቕ ህዝቢ እዩ ፍረ ናይ ጀጋኑ፡      

    15,ንናጽነትን ንሓርነትን ንመንነትን ከምጽኡ እንድዮም ከርተት ሓሊፎም ጀጋኑ፡

    16,ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝቓለስ ዜጋ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡

     17,ንመሰለይ ንኽብረተይ ንሓርነተይ ክጣበቐለን እየ ክሳብ ዝወግሓለይ፡

      18,ንመሰሉ ንኽብረቱ ዝቃለስ ዜጋ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡

    19,ንመሰለይ ንኽብረተይ ንሓርነተይ ክጣበቐለን እየ ክሳብ ዝወግሓለይ፡

     20,ንሓርነቱን ናጽነቱን ዝጣበቕ ህዝቢ እዩ ፍረ ናይ ጀጋኑ፡

       21,ንናጽነትን ንሓርነትን ንመንነትን ከምጽኡ እንድዮም ከርተት ሓሊፎም ጀጋኑ፡

      22,ንመሰሉን ንሕብረቱን ዝቃለስ ዜጋ እዩ ፈታዊ ዓዱ፡