#Eritrea: ሎሚ ንሕተት!

Posted by Asmarino English Pages on Thursday, April 14, 2016

ሎሚ ንሕተት!

ቂምታ ዘይምሓዝ፣ ረሳዒ ሙኻን ሰናይ እኳ እንተኾነ ንነገራትን መብጽዓታትን ምልስ ኢልካ ምዝካሮምን፣ ንዝተረግጹ መሰል ምሕታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ንሓደ ህጻን ዝደለዮ ነገር ከተተዓሽዎ ብግዝያዊ መጠበሪ ህያባት ከተታልሎ ቀሊል'ዩ። ሓደ መራሒ ሃገር'የ ዝብል ንሓደ ክብረትን ታሪኽን ዘለዎ ህዝቢ ብኸምኡ ኣገባብ ከታልሎ እንተጀሚሩ ግን እቲ መራሒ ነቲ ህዝቢ ክሳዕ ክንደይ ንዒቕዎ ከምዘሎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ንኣብነት'ሲ መላኺ ኢሳያስ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሓድሽ ቅዋም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተነዲፉ ከምዝወጽእ ገሊጹ ነይሩ፣ ህዝቢ ኸኣ ኣብ"ቲ እዋን ብዙሕ እኳ እንተተዛረበ ድሕሪ ግዜ ግን ረሲዕዎ ትም ክብል'ዩ መሪጹ። ወላ'ቶም ነቲ መላኺ ኣብ ጎድንኻ ኣለና ዝብልዎ ዓቀይቱ ከይተረፈ'ውን ንመብጸዓታት ጎይቶኦም ክዝክርዎ ኣይረኣዩን። በቃ ኩሉ ዝዝረብን ዝሕሰብን ናይ እዋኑ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይሓልፍ'ሞ ከይተተግበረ ካልእ መዛረቢ ይፍጠር። ዝሓትት ግን ብፍጹም የልቦን። ኣብ ሃገርናን ወጻኢ ካብ ኤርትራን ህልቂት ኣሕዋትና የጋጥም'ሞ ንሓደ ሰሙን ዋይ ዋይ ይበሃል፣ ከይዶንገየ ከኣ ይልመድ፣ ተረሲዑ ድማ መዝገብ ይዕጾ። ክሳብ ሓድሽ ህልቂት ዝወርደና ኸኣ ኣብ ሓድሕድ ምትህልላኽን ኣብ ኣንነትን ተጸሚድና ንጸንሕ። ንኣብነት ድሕር'ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ህልቂት ላምፓዶሳ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ሓዚኑን ቃዚኑን እኳ እንተኾነ መዕረ'ቲ ዘጋጠመ ህልቂት ዝዳረግ ናይ ቃልሲ ወኒ ከይተራእየ ግን ተረሲዑ። ትማሊ ትማሊ'ውን ብዕለት 03 ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ቤተሰቦም ብተመልከተለይ መንእሰያት ምስ ተረሺኑ ብተመሳሳሊ ብዘይካ ገለ ዋዕሮታት ኣሕዋትና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኤምባሲ ህግደፍ ብምኻድ ብሕቶ ዘዋጠራን ቁጥዐአን ዘርኣያን፣ ነቶም ግዳያት ዝሓተሎም ኣይተረኽበን። እቲ ፍጻሚ ኸኣ ክንሕርነሉ ይግባእ እኳ እንተነበረ፣ ቆዚምና ጥራሕ ኣፍና ብምርምጣጥ ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ብምውላዕን ክንሓልፎ በቒዕና ኣለና።

ኣብ ካልእ ዓለም ኣህዛብ ንሓደ ግዳይ ዝኾነ ዜግኦም ሚልዮናት ክነዓውሉ እናረኣኻ ተመሊስካ እብ ሃገርና ንሚልዮናት ዉጹዓት ዉሑዳት ክሓትሎም ዘይምኽኣሎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘጉህን ኮይኑ ትረኽቦ።

ሎሚ ቕነ ኣብ ገጻት ፌስ ቡክ ወዝቢ ሓዳስ ደርፊ ናይ ንእሽተይ ሓወይ ፍረሰላም ሙሴ ምስ ሰማዕኩ ናይ ብሓቂ ውሽጠይ ሓወይ ተንኪፋትኒ፣ ሙሉእ መዓልቲ ኸኣ ብፍላይ በታ "ሎሚ እንተዘይሓቲትና ጽባሕ ንግሆ ብገዛእ ታሪኽና ተሓተቲ ኢና" እትብል ሓረግ ግጥሚ ከስተንትን ዊዒለ። በዚ በታ ደርፊ ተመሲጠ ዝጽሕፎ ዘለኹ መልእኽተይ ከኣ ንኹሉኹም ሃገራውያን ካብ ቁዘማ ወጺእና ንህግደፍ ንሕተቶ ነቶም ሚልዮናት ደቂ ሃገርና፣ ንሕና እቶም ድምጺ ዘለና ንተሓለቐሎም። ካብ ሓዘንን ጸልማትን ወጺእና ዝጭበጥ ፍረ ዝህብ፣ ናብ ጎደና ሓርነት ዝወስድ መንገዲ ንተሓሓዞ። ሎሚ ንሕተት እንተዘየለ ጽባሕ ንግሆ ብገዛእ ታሪኽና ክንሕተት ኢና!

ዘካርያስ ክብርኣብ