AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 01 መጋቢት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ሃገራት ኤውሮጳ ብዝውሕዘን ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ስደተኛታት ንመጽለሊ ዝኸውን ቦታ ይሽገራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ፣ ሰሜንን ምዕራብን ኤውሮጳ ሎምዘመን ይውሕዙ ናይ ዘለዉ ስደተኛታትን ገና‘ውን ኣብ ዋሕዚ ዝርከቡ ካሎኦት ስደተኛታት ዝኸውን መጽለሊ ከምዝተሳእነ ይሕበር ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ተወዚዖም ክሳብ ጉዳይ ስደቶም ዝጻረ ደሓን ዝኾነ መጽለሊ‘እኳ ክረኽቡ እንተጸንሑ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ግን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ብሰኪ ተፈጢሩ ዘሎ ጽበት መቐበሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ቆራሪ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ከይተረፈ ኣብ ግዝያዊ ብቴንዳታት፣ ኮንቴኒራት፣ ዝዓነወ ህንጻታትን ኣብ ሚዳ ኩዑስ እግሪን ከተረፈ ክነብሩ ይግደዱ ምህላዎም ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት እትሕተም ፍራንክፉርተር ሩንድ ሻው ዝተባህለት ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

ኣብ ጀርመን ሓያሎ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ብዝሒ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳይ ከይተጻረየ ንውሕ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ክጽበዩ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ። ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ኸኣ ንሶርያውያን ስደተኛታት ቀዳምነት ሂበን ይሰርሓ ምህላወን ይስትብሀል።


ፍሮንተክስ ዘተባህለ ትካል ሓለዋ ባሕሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንስራሕ ሂወት ኣድሓን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ኢጣልያ ብምርካቡ ሎምዘመን ሓያሎ ስደተኛታት ብመደብ ከይጥሕሉ ስግኣት ፈጢሩ።

ኣብ 2013 ዘጋጠመ ንሂወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐዘፈ ፍጻሜ ንሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ብምስንባዱ ብህጹጹ ናይ ሂወት ኣድሕን መስርሕ ክሕይል ብኢጣልያ ስጉምቲ ተወሲዱ ብሉዑል ዓቕሚ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክሕገዙ ክስርሓሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ግን ኢጣልያ ንበይና ኣቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ስራሕ ወጻኢታት ክትሽፍን ዓቕሚ ስለ ዝሓጸራ ብፍሮንተክስ ዝፍለጥ ትካል ምክትታል ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ስራሕ ተረኪብዎ‘ሎ።

ፍሮንተክስ ብሓያሎ ወገናት ዝንቀፍ ብዙሕ እዋናት‘ውን ኮነ ኢሉ ስደተኛታት ክጥሕሉ ከምዝገብረን ወይ ድማ ንድሕሪት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዘገደደን‘ዮም ሓያሎ ወገናት ዝወቕሱ። እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ ዝሓለፈ ዓመት 160 000 ስደተኛታት ብሰላም ኢጣልያ ክሰግሩ እንከለዉ 3500 ስደተኛታት ግን ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ዙድ ዶቸ ሳይቱንግ ሓቢራ።

ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝካያድ ዘሎ ሓያል ግህሰት ሰባኣውንትን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ኣተሓሕዛ መለኽትን ድኽነትን ንሓያሎ ኣህዛብ ንስደት ደሪኽዎም ብምህላዉ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ሎምዘመን‘ውን ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ንኤውሮጳ ክሰግሩ ክፍትኑ ሙኻኖም ይግመት። ካብዚኦም ግን ክንደይ ክዕወቱ ከምዝኽእሉ በዚ ሓድሽ ዝተቐያየረ ስራሕ ሂወት ኣድሕን ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ‘ለዉ።  


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.