AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 25 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138 
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ ሕጂ‘ውን መስመርና ክፉት ምህላዉ ደጊምና ክንሕብረኩም ንፈቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ተኸታተልትና ኣብ መስመር ብቐጥታ ኣባላት ድምጺ ደሊና ክትረኽቡ ብዘይምኽኣልኩም መልእኽትኹም ኣብ ተቕባሊ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ኣየቐመጥኩምን። ንመጻኢ መልእኽትኹም ቀሪጽኩም ጥራሕ ክትገድፉልና እንዳተማሕጸናን ስለቲ ተገዲስኩም ምድዋልኩም እናመስገናን፣ ንሎሚ ናይ ሓደ ተኽታታሊና ብስልኪ ዝሃበና ርእይቶ ከነቕርበልኩም ኢና ።


ድምጺ ደሊና ብምኽንያት ዕረፍቲ ሓውና ሃይለመለኮት ቢተው ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብ ትብል። ሓውና ሃይለመለኮት ቢተው ንድምጺ ደሊና ኣብ ምጅማራ ዘታተያ ሓያል ኣገልጋሊኣ እዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ድምጺ ደሊና በቲ ዝገበሮ ተወፋይነትን ጻዕርን ብስም ሰማዕታ ካብ ልቢ እናመስገነት ንስድራን መቕርብን መዋቲ ደጊማ ጽንዓት ይሃብ፣ ንመዋቲ ድማ መንግስተ ሰማያት ይቀብሎ ትብል።


መላኺ ኢሳያስ  ብጉዳይ ጎረቤት ሃገር ጁቡቲ ናብ ቀጠር ናይ ስምዕታ ደብዳቤ ሊኢኹ።

ድሕሪ‘ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ- ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቓነዐ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ንኤርትራ ዘራጊት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና‘ላ ብምባል ከምዝኸሰሳኣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን መራሒ ጁቡቲ እስማዒል ገለን‘ውን ሓባራዊ መግለጺ ከምዘውጹ ዝዝከር ኮይኑ፣ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኮቑማ ከምዝተሰማማዓ ክሕበር ቀንዩ እዩ።

ሎሚ ካብ ሬድዮ ኤረና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረደኦ፣ መላኺ ኢሳያስ ናብ ንግስነት ቀጠር ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ እዚ ናይ ጅቡቲ መግለጺታት፣ ነቲ ብቀጠር ዝሳሰ ዘሎ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ዘነኣእስን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ ክብል ከምዘጠንቀቐ  ንምንጭታታ ብምግላጽ ሓቢራ።

ስርዓት ህግደፍ ምስ ጁቡቲ ኩናት ከፊቱ ኤርትራውያን ኣሰዊኡን ሓያሎ ኤርትራውያን ሙሩኻት ኩናት ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጁቡቲ እናሃለዉን፣ ኣብ ፈለማ ናይ ፈጠራ ዜና ከምዝኾነን ምስ ጁቡቲ ዝተፈጥረ ሽግርን ዝትኻየደ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከምዘይነበረን ክሽፍን ኣኳ እንተሃቀነ፣ ምስ እገዳ ዝሰዓበ ምዕባለታት ግን ነቲ ጉዳይ ብምእማን ንግስነት ቀጠር ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ክትሽምግል ኣሜን ኢሉ ከምዝተቐበለ ይዝከር። ብወገን ጁቡቲ ኣብዚ እዋን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ሰላም ዝመጽእ ኣይኮነን ዝብል ርዲኢት ከምዘሎ ኸኣ ይግለጽ።


ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓደጋ የንጸላልዎም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ኣብ ጥርዙ ብምብጽሑ ናብ ናዕቢ ከየምርሕ እሞ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ከየምጽእ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብኣውነት የጠንቅቓ ኣለዋ። እተን ማሕበራት ኣብ ኢጣልያ ብገለ ፖለቲከኛታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ጸረ ስደተኛታት ቅሉዕ ጎስጋሳት ይካየድ ብምህላዉ፣  ህዝቢ ጣልያን ኣብ ልዕሊ‘ቶም ስደተኛታት ከይለዓል ብምስገአን እየን።

ካብ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያን ህጻናት ኣውሕስ ዝተባህለ ትካልን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራሕ 3528 ስደተኛታት ናብ‘ታ ሃገር ከምዝኣተወ ዕላዊ ኮይኑ ካብዚኣቶም 195 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ 374 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከም ዝነበሩ ኒውስ ዊክ ሓቢራ። እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብ 60 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ።

ናይዚ ሳዕቤን ኣብ ሓያሎ ኢጣልያውያን ቁጠዓ ፈጢሩ ከም ዘሎን ኣብ ሓደ ሓደ ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዓስከራት‘ውን ጎንጽታት ይረአ ከምዘሎ ዝሓበረት ኒውስ ዊክ ነቲ ኩነታት ካብ ዘጋደዶ ገለ ገለ ፖለቲከኛታት ንትርግታ ልቢ ህዝቦም ብምምዝማዝ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐነዐ መደረታት ብምግባር ናብ ስልጣን ክመጹ መንገዲ ክጸርጉ ይፍትኑ ምህላዎም ብሰፊሑ ገሊጻ። ማዕከናት ዚና ብተረአን ድማ ነቲ ጉዳይ የጎሃህሮኦ ከምዘለዋ ካብታ መርበብ ሓበሬታ ዝረኸብናዮ ዜና የረድእ።  


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.