AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 18 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


መንግስቲ ካናዳ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ስደተኛታት፣ ብሕቡእ ናብ ሃገሮም ምብጻሕ ምስ ዝፍጽሙ፣ መንበሪ ወረቐቶም ክስሕቦ ሙኻኑ ይሕበር ኣሎ።

መንግስቲ ኦታዋ ድሕሪ‘ቲ ኣብ 2012 ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝቐየሮ ሕጊ፣ ኣብ ልዕሊ‘ቶም ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ሓቲቶም ክነብሩ ጸኒሖም፣ ተገልቢጦም ናብቲ ብሂወት ምንባር ኣስጋኢ ኮይኑና ዝብልዎ መበቆል ሃገሮም ምብጻሕ ናይ ዝፈጸሙ ስደተኛታት ብስቱር ወረቓቕቶም ክስሕብ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ። መንግስቲ ካናዳ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን በዚ ጉዳይ ንዝተኸሰ ስደተኛ ክሳብ ናብ ሃገሩ ምጥራዝ ዝኸይድ ስጉምቲ ክወስድ ሙኻኑ የጠንቅቕ ኣሎ።

ከም ዝዝከር መንግስቲ ካናዳ  ንዘይሕጋዊ ምእካብ ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ብትሪ ብምቅዋም ንቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ብጽኑዕ ተኸታቲሉ መጠንቀቕታታት ድሕሪ ምሃቡ፣ ብወገን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ተደጋጋሚ ምጥሓስ ሕጊ ብምስዓቡ፣ ንሓደ ዲፕሎማሰኛ ህግደፍ ናብ ኤርትራ ኣባሪሩ ኔሩ‘ዩ።


ISIS ዝተባህለ ናይ ሽበራ ጉጅለ ካብ ሊብያ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ብምልኣኽ ስነ ኣእምራዊ ኩናት ከካይድ ይዳሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝነበረ ምንቅስቓስ Isis ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መሬት ሊብያ‘ውን ዓሪዱ ከምዘሎ ንዓለም ንምሕባር ን21 ግብጻውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ድሕሪ ምጭዋይ ኣብ ገማግም ማኣከላይ ባሕሪ ብኣሰቃቕን ባርባራዊ ኣገባብን ክሳውዶም ብምቕንጣብ ንዓለም ዘሰንበደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘርጊሑ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ። ሎሚ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ፣ እዚ ሽበራዊ ጉጅለ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ መንጎኦም‘ውን ግብረ ሽበራውያን ብምሕዋስ ናብ ኤውሮጳ ክልእኽ ልዑል ትኽእሎ ከምዘሎ ክጽሕፋ ዊዒለን ኣለዋ።  ነዚ ወረታት ናብ ረብሖኦም ከውዕልዎ ዝጓየዩ ዘለዉ ገለ ነጋዶ ደቂ ሰባት‘ውን ንቡዙሓት ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክብገሱ ይደፋፍእዎም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ሓያሎ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ይገልጽዎ ከምዘለዉ እቶም ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ‘ቶም ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንስደተኛታት ኣመንቲ ክርስትና ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን ከውሩዱሎም ከምዝኽእሉ ይግምቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድምጺ ደሊና በዚ ብናህሪ ናብ ሕማቕ ኣንፈት እንዳማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ሊብያ፣ ን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩን ቅድሚ ምውሳኖም ነገራት ከመዛዝኑን ንምኽሪ ነጋዶ ደቂሰባት ክምርምሩን ትመክር።

 


*** ፍሉይ መደብ ***

  • ናይ ዋዛ ሓተታ ህግደፍ
  • እህህህህምምም

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...