AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 17 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ብስቱር ኣብ ስዊዘርላንድ ዘቐመጥዎ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ሃብቲ ህዝቢ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን  ኣዘራራቢ ኮይኑ።
 
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ከምዝተሓበረ፣ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ሓጎስ ክሻ ብስርቂ ኣዋህሊልዎ ዘሎ ናይ 695.2 ሚልዮን ዶላር ሕሳብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታት ደሊና ይሕብሩ‘ለዉ። እቲ ካብ ባንክ HSBC ሶሊኹ ኣብ ኣደባባይ ወጽዩ ዘሎ ምስጢር ንላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ዕርቃኖም ዘውጽአ ብሙኻኑ ህዝቢ በዚ ኣርእስቲ ጊዜ ረኺቡ ከየዕልል ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፣ ናይ ዳንኬራን ሆይሆይታን ሰሙን ዕድል ተጠቒሙ ክሕባእ እኳ እንተፈተነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዚ ጉድ ሎሚ ቕነ ብሑሹኽሑኽ የዕልለሉ ከምዘሎ፣ ዝበጸሓና ዜና ይሕብር። ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ትዊተር ንመንግስቲ ኤርትራ ብምሕላቕ ዝልለ የማነ ሻርሊ ካብ ጋዜጠኛ ሊዮናርድ ቪንሰንት ብዛዕ‘ዚ ጉዳይ ንዘቐረበሉ ሕቶ ካብ ምምላስ ተቖጢቡ‘ሎ።
 
ክቡራት ሰማዕትና ድምጺ ደሊና ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ጥሉል ሓበሬታ ንምርካብ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ከተካይድ ድሕሪ ምጽንሓ ተስፋ ዝህቡ ጩራታት ረኺባ‘ላ። ኣብ ቀረባ እዋን ድሩዕ ዜና ሒዛትልኩም ከምትቐርብ ከኣ ተስፋ ትገብር።

መእተውን መውጺእን ቀይሕ-ባሕሪ ዝኾነ ስትራተጂካዊ መስመር ስዊዝ ካናልን ባብ ኤልመንደብን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ‘ዚ ቐረባ እዋን ተቓወምቲ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ የመን ተዓዊቶም ንቐንዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ቦታ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ንባብ ኤልመንደብ ብምዕጻው በቲ ኸባቢ ንግዳዊ ናይ መራኽብ ልውውጥ ደው ከይብል ብዝለዎ ስግኣት ስክፍቱኡ ይገልጽ ኣሎ። ካብ ደይሊ ኒውስ ኢጅብት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ነቲ ከባቢ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክዓግትዎ እንተፈቲኖም፣ ግብጺ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክትወስድ ሙኻና ኣፍሊጣ‘ላ። እዚ ኸኣ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከየውድቖ ናይ ብዙሓት ወገናት ስግኣት ኮይኑ‘ሎ። ከምዝፍለጥ ግብጺ 21 ክርስትያት ዜጋታታ ብሰንበት ብISIS ብዝብል ስም ዝፍለጡ ናይ ሽበራ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ድሕሪ ምቕታሎም፣ ተሪር ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ወሲዳ‘ላ። ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን‘ውን፣ ሓያሎ ምዕቡላት ናይ ኩናት ነፈርቲ ካብ ፈረንሳ ብምሽማት ክመጻ ንዝኽእል ተጻቦኦታት ክትምክት ድልውቲ ኮይና‘ላ።


*** ፍሉይ መደብ ***

ምሩጻት ግጥምታት ዶ/ር ርእሶም ሃየለ 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...