AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 03 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊ ቪድዮ: ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ


ውፉይ ኣቦና ኣባ ሙሴ ንሽልማት ኖበል ሰላም 2015 ተሓጽዮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ምውሓስ ሂወት እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደተ ግዳይ ነጋዶ ደቂሰብን ጨወይትን ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ዘለው ውፉይ ኣቦና ኣባ ሙሴ ንሽልማት ኖበል ሰላም 2015 ተሓጽዮም ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ካፕኤሪ ኒውስ ንዜናዊ ፈነወ ሮይተርስ ሞርኩስ ብምግባር ኣመልኪቱ።

ኣባ ሙሴ ንጸገማት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምጒዋሕን ቀጥታዊ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረክብን ዘይነዓቕ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ቅኑዕ ዜጋ ኮይኖም ፥ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስልማት ኖቤል ሰላም ምስ ከም ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብጹእ ፍራንሲስ-ን ኣብ ምቅላዕ ምስጡራት ሓበሬታታ ግኑን ጽልዋ ከሲቡ ዘሎ ኣመሪካዊ ኤድዋርድ ሽኖውደንን ዝኣመሰሉ ውሩያት ዉልቀሰባት ተሓጽዩም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኦስሎ ናይ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ትካል ምርምር ንሰላም (Peace Research Institute) ከም ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ክርስቲያን በርግ ሃርቪከን ፥ ኣባ ሙሴ ኣብ’ቲ ዝርዝር ሕጹያት ንሽልማት ኖበል ሰላም ክኣትዉ ክውን ተራ ከምእተጻወተ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ካፕኤሪ፥ እዚ ንተፈላጥነት እቶም ኣባ ጥራይ ዘይኮነ ንኣህጉራዊ መረዳእታ ናይ’ቲ እቶም ጽኑዕ ኣባ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሰፊሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኸውን ኣሚቱ ኣሎ።

ሕጽያ ኣባ ሙሴ ኣብ ቀጻሊ ቃልሶም  ደራዒ ሓይሊ ክኸውን ምዃኑ ዘመልከቱ ሓያሎ ወገናት እዉን፥ ብፍላይ እቶም ኣባ ምስ መርበባት ሰብኣውነትን ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ንዝህልዎም ዝምድና ዘጠንክር ከምዝኸውን ዘለዎም ልዑ ተስፋ ይገልጹ ኣለው።


ንኣመንቲ ክርስትና ቀጥታዊ ጉድኣት ካብ ዘውርዳ ዘለዋ 50 ሃገራት ፥ ኤርትራ ኣብ መበል 9ይ መስርዕ ተቐሚጣ ምህላዋ ተገሊጹ።

ንኣመንቲ ክርስትና ቀጥታዊ ጉድኣት ካብ ዘውርዳ ዘለዋ 50 ሃገራት ፥ ኤርትራ ኣብ መበል 9ይ መስርዕ ተቐሚጣ ምህላዋ “ኦፐን ዶርስ” ዝተባህለ ትካል ስበኣውነት ፥ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን “ዝርዝር ዓለማዊ ሓለዋ” (World Watch List) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ  ዝዘርገሖ  ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ፥  ምልካውያን ስርዓታት ህዝቢ ንዓኣቶም ከምልኽ ጥራይ ስለዝጠልቡ መንፈሳዊ  ተኸታልነት ዘለዎም ሕብረተሰባት ብሓፈሻ ተኸተልቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ ካብ’ቲ እምንተኦም ክላቐቚ በቶም ስርዓታት ቀጻሊ ጸቕጢ ከምዝግበረሎም  ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኤርትራ ካብ 50 ንክርስትናን  ተኸተልቱን ተጻባእቲ ዝኾና ሃገራት ኣብ መበል 9ይ ደረጃ ምርካባ ፥ ስርዓት ኣስመራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግህሰት መእመናን  ተዋፊሩ ምህላዉ ዘግህድ ምዃኑ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እዚ ብ “ኦፐን ዶርስ” ተዘርጊሑ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓተ-ምልኪ  ልዕሊ ካልእ እዋን ዘቃልዕ ከምዝኸውን  ትጽቢቶም ይገልጹ ኣለው።

ሓላፊ ትካል “ኦፐን ዶርስ”  ኣቶ ዴቪድ ኩሪ ብዛዕባ እዋናዊ ጸብጻብ ትካሉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ምምሕዳር ዋሺንግቶን ነዚ ብመለኽቲ ስርዓታታን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ መእመናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ቅትለትን ኣብ ምግታኡ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ዘይምህላዉ ወቒሱ፥  ምልኪ ዘቐደመ ስርዓት  መንፈሳዊ ተኸታልነት ዜጋታቱ ጨውዩ  ንሱ ጥራይ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ደዉ ክብል ስለዝመርጽ  ፥ ከም ሳዕቤኑ ክኽሰት ዝኽእል ማሕበራዊ ውድቀት ቀሊል ከምዘይከውን ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ መእመናን ዘለዎ ኣተሓሕዛ  ልዕሊ ካልእ እዋን ቅሉዕ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ካብ’ቲ እቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ መዓስከራት  ንነዊሕ ዓመታት ሓዪርዎም ዘሎ  ተኸተልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክርዳእ ከምዘየጸግም’ዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘገንዝቡ።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...