AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 27 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዓንዶም ግርማይ  ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ


 ዕለታዊ ዜናዊ ፈነወና ቴክኒካዊ ዘይስሩዕነት ብዝጠንቊ ንኣስታት ሓደ ሰሙን  ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ ንምቊራጹ ዘመልክቱ ቅድመን ድሕረን ሓበሬታታት  ክውን ክንገብር ብዘይምኽኣልና ብትሕትና ይቕሬታ ንሓትት።  

 


ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ “ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን (EIPJD)”  ኣብ ሃገረ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካዪዳ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን (EIPJD)  ኣብ ሃገረ ቱርኪ ናይ ሓደ ሰሙን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፖለቲከኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እታ ሃገር ተራኺባ ንህልው ኩነታት ሃገርና ዛዕባ ኣብ ዝገበሩ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጣት ከምዘቃንዐት መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢሩ።

መሰረታዊ ዕላማ ዑደት ናይ’ታ ብዋናጸሓፊ ሼኽ ሳልሕ ሞሓመድ ዑስማንን ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ኣቶ መሓመድ ኑር ከራኒን ዝተመርሐት ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ፥ ብዛዕባ ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ምዕባለታት፥ እቲ ደምበ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክድኮን ዝደልዮ ደሞክራስያዊ ኣማራጺታት፥ ከም’ኡውን  ብምልካዊ ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸሙ ዘለዉ ግህሰታትን  ኣብ ዘመልክቱ ጉዳያት ንማሐበረስብ ዓረብ ብሓፈሻ ሰብ መዚን ፖለቲከኛታትን ቱርኪ ድማ ብፍላይ ሲፊሕ መብርሂ ንምሃብ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን (EIPJD) ምስ ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ “ሰልፊ ፍትሕን ምዕባለን ቱርኪ”ን ፕረዚደንት “ሰልፊ ሳዓደት” ፕሮፌሶር ሙስጠፋ ካማላት ተራኺቦም’ውን ንጉዳይ ሃገርና ኣብ ዝተኮሩ ኣርእስታት ከምእተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣመልኪቱ።

እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ (EIPJD) ን ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያትን ኣብ’ኡ ዝሃልቕ ዘሎ ሂወት ዜጋታትና ማእከል ዕላማ ጌራ ነቲ ናይ ሃገረ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ብዓወት ከምዝዛዘመት ነቲ ፍጻሜ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ሓቢሮም ኣለው።


ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ  ኣብ ልዕሊ’ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘለዎም እወታዊ ኣመለኻኻታ ፥  ኤውሮጳውያን ነቶም ስደተኛታት ተዛማዲ ኣጠማምታ ከርእዩ ይሕግዝ ምህላዉ ተሓቢሩ።

መንፈሳዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክትርስትያን ናይ ቫቲካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘለዎም እወታዊ ኣመለኻኽታ ፥  ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተዛማዲ ኣጠማምታ ክህልዎም ይሕግዝ ምህላዉ “ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርትረ” ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ማዕከን ኣብ ሓበሬታኡ፥ ጳጳስ ፍራንሲስ መንፈሳዊ ስልጣኖም ካብ ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት  ምስ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝደናገጽ መልእኽትታት ከስምዑ ምጽንሖም ብምዝኽኻር ፥ እዚ ብሓያሎ  ዜጋታት  ሃገራት ኤውሮጳ ተሰማዕነት እናረኸበን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግበር ሰብኣውነትን ርህራሄን እናዛየደን ይመጽእ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ዓዲ ጥልያን ብዜጋታት ጥልያን ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ምድንጋጻትን ወለንታዊ ምትሕግጋዛትን እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዘገንዘበ  ማዕከን ሓበሬታ “ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርትረ”፥ እዚ ነቶም  ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተረርቲ ፖሊሲታት ከተግብሩ ዝጽዕሩዘለዉ መንግስታት እታ ኣህጉር ከም ሓላፍነታዊ መርኣያ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍኢሙ።

ጳጳስ ፍራንሲስ  ድሕሪ’ቲ   ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማያዊ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሂወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ሓደጋ ፥ ንባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት  ኣብ ዘስምዕዎ ተንካፊ መግለጺ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ንማእከላይ ባሕሪ ከም መካነ መቓብር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከይከዉን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ተደናገጽቲ ክኾኑን  ተማሕጺኖም ኔሮም።

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ዘለዎም ተሰማዕነትን መንፈሳዊ ጽልዋን እናተረረ ዝመጽእ ዘሎ ኣተሓሕዛን ጠመተን መንግስታት እቲ ኣህጉር ክመሓየሽ ከምዝኽእል ትጽቢት ሓያሎ ወገናት ኮይኑ ይርከብ።

መንግስታት  ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ናብ ሃገሮም ብልዑል ዓቐን ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝተወሃሃደ ስሪሕታት ምድሓን ሂወት ንምጒዳሉ ይሰርሑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ወግዓውያን ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ፥ ኣብ ዓመተ 2014 ልዕሊ 165 ሽሕ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ከምዝኣተው ፥ ካብ ዓመተ 2000 ድማ ዛጊት ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ክርዳእ ይከኣል።


ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ  ስዊዘርላንድ  ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተገሊጹ።

ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ  ስዊዘርላንድ  ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ “ስዊዝ ኢንፎ “ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

እቲ መርበብ ኣብ ሓበሬታኡ፥ ቊጽሪ ናይ’ቶም  ኣብ 2014 ኣብ’ታ  ሃገር ዑቕባ  ዝሓተቱ ኤርትራውያን ምስናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2013 ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብክልተ ዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ ብምምልካት ፥ እዚ ኣሃዝ እዚ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ብኣሉታ ደሪኹዎም ከምዘሎ ዘረድእ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 2014 ልዕሊ 23 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ እዚ ድማ ኣብ 2013 ካብ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ 11 ሚእታዊት ዝብርኽ ከምዝኾነ ወሲኹ ዝጠቐሰ መርበብ ሓበሬታ “ስዊዝ ኢንፎ”፥ ኣብ’ዚ ኣሃዝ እዚ ኤርትራውያን ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዊዘርላን ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት  ብዝሒ ኤርትራውያን  ኣብ ፋልማይ ከምዝስራዕ’ዩ ወግዓዊ ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳይ ስደተኛታት  እታ ሃገር ዘመልክት።

 


ፈተነ ወዲ ዓሊ፣ ክዛዛም‘ዩ ብህዝቢ!!

ወዲ ዓሊ ፈቲኑ፣ ንመላኺ ደፊሩ።  ነቲ ዘይሕሰብ ዝመስል ከተግብር ሓሲቡ፣ ምስ ታንኪ ብረቱ ንፎርቶ ደይቡ። ኩሉ ተናዕዩ። ደለይቲ ፍትሒ ተተስፍዮም፣ ተሓለቅቲ ምልኪ ባህሪሮም። ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝወጽእ ሓበሬታ ስለ ዘይነበረ እዋናዊ ውዑይ ወረ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮነ። ኩሉ ገልጠምጠም ኢሉ። ገለ ክርህዎ ዝምነ ገለ ከኣ ክፈሽለሉ ዝህንጠ። 21 ጥሪ 2013 ጉድ ወሊዳ። እታ ሓስያ ዘይትርብርብ ግን ከኣ ብግልባጡ መአንገዲት ሓቂ ኢሎም ዝሰምዩዋ ኤሪ ቲቪ ህጣማ ጠፊኡ። እቲ ንዓመታት ብናይ ምስሉይነትን ምድንጋራትን ቃላት ሓተታ ከንብብ ኣስናኑ ዝሸረፈ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ክልተሳዕ ተዛሪቡ። ኢሳያስ እታ ኣዝዩ ከም ቁሪ ዝፈርሓ መዓልቲ ግብኣተ መቓብሩ ዝኾነት ዕለት ዛኣኸለት ኮይና መሰለቶ። ንወዲ ዓሉ ተመሻኺኖም ካብ ፎርቶ ከውርድሉ መማልድቲ ሃሰው በለ። ነዚ ከሳልጥ ወዲ ሞኬ ላኦልን ታሕትን በለ። ህዝቢ ኤርትራ ትሓቑነ። እቶም ንማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ብሓሶት ዝኸስወን ተደናገጽቲ ህግደፍ፣ ገለ ሓበሬታ እንተረኹቡ ክመላለስወን ጀመሩ። ወረ ገሊኦምስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ጽለኣት ምስ ዘለዎም ቤተሰቦም ተባቲኾም ከምዘይነበሩ፣ ሓድሽ ወረ ክሰምዑ ስልኪ ዘውቁዕሎም‘ውን ነይሮም‘ዮም። ብፍላይ እቲ ወረ ካብ ደምበ ተቓውሞ ናብ ኩለን ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ምስተበተነ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ዝጠፈኦም ኣሳሰይቲ ዳስ ምልኪ ነይሮም‘ዮም።

21 ጥሪ 2013 ተስፋ ብዙሃን እያ ነይራ። ህግደፍ ሂወት ዘለዎ ሬሳ ሙኻኑ ከኣ ደሃይ ኤሪ ቲቪ ምስ ጠፈአ ተመስኪሩ። ኣበይ‘ሞ፣ እንታይ‘ሞ እቲ መዓልቲ ኣይተወደአን። ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ክቕጽል ስለ ዝነበሮ፣ እነሆ ካብዚ ፍጻመ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣዝዩ ብዙሕ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ምልኪ ምቕጻሉ ከም ቆጽሊ ይረግፍ ኣሎ። መፍቶ ኢሳያስን ጉጅሉኡን ኮይኑ ብዝኸፈአ መልክዑ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትዩ ይርከብ። ፎርቶ ሓርነት ክትወልድ እናተጸበናያ ሰባት በሊዓትልና። እዚ ፍጻሜ‘ዝን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታትን ንኢሳያስ ከም ሓደ ንእሽቶ ድራማ እዩ ነይሩ። እቲ ኩነታት ምስ ሃደአ ንሱ ብመልሓሱ ክወራዘን ብዙሕ ከምዘይኣሰንበዶ ክገልጽ እኳ እንተፈተነ፣ ናይ ውሽጡ እንተዝፍተሽስ ካልእ ምኾነ።

ሎሚ ወዲ ዓሊ ብሂወት የለን። ከም ናይ ወዲ ዓሊ ታሪኽ ክሰርሑ ዝህንጠዩ ተቓለስቲ ግን ይፈርዩ ኣለዉ። ሎሚ ታንክታት ወዲ ዓሊ ሓድነትና ክኸውን ይግባኣ። መስዋእቱ ድማ ቁሩብነትና። ነታ ቁዋማ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝባ‘ውን ሞይቱ ዘሎ ኤርትራ ከነተንስእ፣ ከምዛ ናይ ወዲ ዓሊ ናብ ተግባር ናብ ሱጉምቲ ክንሰጋገር ኣሎና። እንሓስቦ ካብ ብወረቐት ኣብ ተግባር። እንሓልሞ ካብ ብለይቲ ብብርሃን ብጋህዲ ክንገብሮ ንሕተት ኣሎና። እቲ ክልሰሓሳብ ነዊሕ ዓመታት ምሳና ተሳልዩ እዩ። ሎሚ መድረኽ ስራሕ‘ዩ። ሓደ ንሓደ ብዝርሑ ክነቅፍ ክውንጅል ዘይኮነ፣ ሓደ ነቲ ካልእ ዝጎደሎ ምስ ዝምልእ‘ዩ ራእይ ወዲ ዓሊ ክዉን ዝኸውን።

ወዲ ዓሊ ንኣታሓሳስባ ህግደፍ ፈንፊንዎ። ብኻልእ ኣተሓሳስባ ክትኮኦ ወሲኑ። ንሕና‘ውን ቅድም ቀዳድም ነቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ወኒና እንመላለሶ ዘለና ጉዕዞ ቃልሲ ነስተብህለሉ። ቀንዲ ዓንቃፊና ኣተሓሳስባና ስለ ዝኾነ። ጹሩይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ተቓላሲ ጽፉፍ መንገዲ ቃልሲ ክኽተል ስለዝግደድ፣ ምንጪ ዒላና ንመርምር። ምስ ርስሓትና ወይ ንባዕልና ሓራ ከይኮና ንኻልእ ሓራ ከነውጽእ ኣይንበገስ። ምናልባት ኣዚና ዶንጊና ከምዘለና ወዲ ዓሊ ሎሚ ድሕሪ ዕረፍቱ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ተመሊሱ እንተዝዕዘበና ምገረሞ። ንሱ ሂወቱ ከፊሉ ከብቅዕ ሰባት ንዘጥረይዎ ንብረት ከይከስሩ፣ ጊዜ ከየጥፉኡ፣ ካብ ግላዊ ስርሖም ከይቦኽሩ ካብ ቃልሲ ዘልሓጥሓጥ ክብሉ እንክትዕዘብ ነብስኻ ዘጽልእን ሞራልካ ዝትንክፍን‘ዩሞ ፍኒሕኒሕ ንበል።

ሰባት ተቓሊሶም፣ ተሰዊኦም፣ ዕድል መጻኢኦም ከፊሎም ሓርነት ከምጹኡልና ንጽበ እንተሃሊና ነውሪ እዩ። ኩልና ጽላሎት ወዲ ዓሊ ክንክተል‘ዩ ዘሎና። ጾር ሓደ ንቡዙሓት ሸኸም ኣይኮነን። ስለዚ ጸጸጸርና ከነልዕል ንጽዋዕ ኣለና። እቲ ኣናሰመዓ ዝተደፍነ፣ ኣናረኣየ ዝዓወረን ክዛረብ እናኸኣለ ዝተደፍነን ሰብ፣ ንሱ ህሉው ምዉት‘ዩ። ንገዛእ ሂወቱ ባዕሉ ዝገነዘ ሙኻኑ ኸኣ ታሪኽ ክምህሮ እዩ።

ኣንቱም ህዝቢ ኣሰር እዚ ጅግና ንከተል፣ ንሕና ብማዕድን ሃብታም፣ ብኹነታት ኣየር ምቹእ፣ ብኣማኢት ዝቑጸር ደሴታትን ጽሩይ ገማግም ባሕሪን እንውንን ልዕሊ ኹሉ ክብርታት ዘለና ህዝቢ እምበር ኣብ ፎቖዶ ሃገራት መንበሪ ፍቓድ ክንልምን ቀንፈዘው እናበልና ኣብ ቅድሚ ዓለም ክንግየጽ ኣየምሕረልናን እዩ። እቶም ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስወኣትና ነዚ ሕጂ እንነብሮ ዘለናን ምናልባት ከምዚ እንተቐጺሉ ከጋጥመና ዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ሓደጋ ክንወድቕ ኢሎም ኣይሓለፉን። ወዲ ዓሊ ሃገር ናይ ውልቀሰብ ኣይኮነትን እናበለ ሓሊፉ‘ሎ። ንሕና ኸኣ ኣብ ኣሰሩ ልዓት ባሊላ ኤርትራ ካብ ኢድ መላኺ መንዚዕና ባዕልና ክንሕዞ ንበገስ። ስንፍንፍ ኣይንበል። ጊዜ የለን ክሳዕ ንመጣላዕ ህዝብና ኣብ ኢድና ከይሓውየና።

ወዲ ዓሊ እታ ካብኡ እትጥለብ ፈጺምዋ እዩ፣ ግደይን ግደኹምን ተሪፉ‘ሎ………


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.