AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

2 ጥሪ 2015


ስግኣት ኣብ መዓስከር ሸገራብ

ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ’ቶም ብዓረብ ዝፍለጡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ራሻይዳ ክመጾም ንዝኽእል ስግኣት ዛጊት ዘተኣማምን መግትኢ ከምዘይተረኽበሉ ሪድዮ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ሓቢራ።

እታ መደበር ሬድዮ፥ ንገለ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነበሩ እሞ ድሕሪ’ቲ ዝተኸስተ ናዕቢ ካብ’ቲ መዓስከር ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዘራሪባ ዘመሓላለፈቶ ሓበሬታ ክምዘነጽሮ፥ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ካብ ራሻይዳ ከይመጾም ዝሰግእዎ ዳግማይ መጥቃዕቲ ንምኽዋል፥ ካብ’ቲ መዓስከር ብጉጅለን ንጽልን ይሃድሙ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዙሑት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ’ቲ መዓስከር ውሕስነቶም ከረጋግጸሎም ዝኽእል ወገን ዛጊት ብዘይምህላዉ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ዘመልከተት ሪድዮ ድምጺ ኣመሪካ ፥ እዚ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡሉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ቀጻሊ በደል ክፍጸም ልዑል ዕድል ከምዘሎ ኣአንፊታ።

ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 25 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከር ሸገራብ ሃዲሞም ብሩባ ዓትባራ እናተጓዕዙ ሃንደበት ካብ ዝተጓነፍዎም ጨወይቲ ክሃድሙ ክብሉ ጃልባ ከምዝጠሓለቶም ፥ ከም ሳዕቤኑ ድማ 15 ካብ’ቶም ተሳፈርቲ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ፥ እዚ ብዝጠንቊ ድማ ኣብ ሞንጎ’ቶም ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ራሻይዳ ናይ’ቲ ከባብን ሓያል ግጭት ከምእተኸስተ ይፍለጥ። 


ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ደቂ ሰባት

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ  ንጉዳይ ንግዲ ደቂ ሰባት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ጸብጻብ ከምዘውጽአ  መርበብ  ሓበሬታ “ዲፕሎማት”  ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ጸብጻቡ ዘስፈሮ  ሓቅታት ከምዘመልክቶ፥ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ምንጪ ንነጋዶ ደቂ ሰባት ኮይና ምህላዋ ፥ ሓያሎ ዜጋታት ድማ ካብ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ብብዝሒ ናብ ስደተ የምርሑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝዋፈሩ ትሕቲ ዕድመን ሽማግለታትን ኤርትራውያን’ውን ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ዘገንዘበ እቲ ጸብጻብ፥ እዚ ንነጋዶ ደቂ ሰባት ስቡሕ ባይታ ይፈጥር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናብ ስደት ዘምርሓ ዘለዋ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ዝተፈላለዩ ጾታውን ኣካልውን ዓመጻት ነጋዶ ደቂ ሰባት ይኾና ምሃወን ወሲኹ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምግታእ ንግዲ ደቂ ሰባት ዘርእዮ ዘሎ ድኻማት ከመዓራሪ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጽገና ክገብር፥ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝወስዶ ፍርዳዊ ስጒምቲ ከትርር፥ ወተሃደራዊ ዕስክርና ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት  ደዉ ከብል፥ ኣብ ምግታእ ንግዲ ደቂ ሰባት ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ምትሕብባራት ከርኢ፥ ንሰብኣውነት  ዝጣበቓ ዘይመንግስታውያን ትካላት ናብ ሃገሩ ኣትየን ክተሓጋገዛ ከፍቅድ ከምዝግባእ ኣትሪሩ ጸዊዑ’ሎ።


ፍሉይ መደብ ት ት 

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሸገራብ ይጭወዩን ይግፍዑን:

  ወርሒ ታሕሳስ ክንዛዝማ  ኣብ ልዳት ሓድሽ ዓመት ክንስጋገር   ብተስፋን ሰናይ ትምኒትን  ኣብ እነቋምተላ ዝነበርና እዋን ሎሚ እዉን እቲ ንኣእዛንና ኮነ ኣዒንትና ዝለመድናዮ ዝስኻሕኽሕ ጨኻነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ህዝቢ ብፍላይ ካኣ መንእስይ ሎሚ እዉን ፍልይ ብዝበለ ን  ጠገለ ዘይብሉ ግፍዕን ይኻየደሉ  ኣሎ።

 እዚ  ኣብ   24 ታሕሳስ 2014 ኣብ ድሮ ባዓል ልደት ዝጀመረ   ኣብ መዕቖብ  መዓስኸር  ስደተኛታት ሽገራብ  ቅድሚ  ሳምንታት ዝተበገሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝሰዓብዎም ዕስራ ኤርትራውያን ስደተኛታትን በቲ ብተለምዶ ባሕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ሩባ ናብ ማእከል ሱዳን ንምእታው ብጃልባ ድሕሪ ምስጋሮም ብ ነጋዶ ደቂ ሰባት ራሻይዳ ተታሒዞም። እቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ከም ኣመሎም ስደተኛታት ንምጭዋይ ብዕለት 24 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዶም ይጸናጸንሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓንቲ ዕስራ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ንእሽቶይ ጃልባ ብምስባራ ዳርጋ ኩሎም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ‘ሎ።

እቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ገለ ደቂ ሃገሮም ሬሳታት ክቐብሩ እኳ እንተፈተኑ፣ ኮይኑ ግን በቶም ራሻይዳ ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ገለ ዕስራን ሽዱሽተን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዘስካሕክሕ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና እኳ እንተበጽሑ ግቡእ ሕክምና ግን ክረኽቡ ኣይከኣሉን።    እዚ ጠገለ ዘይብሉ ዝርፋን ማህረምቲን ኣካላት ምጉዳል  ክሳብ ሑቖኣ ዝተሰብረት መንእስይ ፥ እግራ ዝተሰበረት ኣደ፥   ፈረ ነብሱ ዝተሃርመ ጉበዝ፥ ሕቖኡ እግሩን ኢድን ዝተስብረ ኣቦ ፥   ዛጊት ክሳብ እዚ  እዋን   ግቡእ ሕኽምናዊ ክንክን ኣይተወስደሎምን።   ከሰላ ኬድኹም ራጂ ከይግበረልኹም  ወረቐት የብልኹምን ዝብል መልሲ ከምእተዋህቦምን  ካብቲ  ንግዜኡ ተዓቒቦምሉ ዝነበሩ ሕክምና ክወጹ ከምዝተገብሩ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ኣበሃህላ ከምዘነጽሮ ክኣ    ሓደስቲ ተጸንበርቲ ተዓቖብቲ ናይቲ መዕቖብ ስደተኛታትት ናይ ምምዃን ግቡእ  ናይ ስደተኛታት ወረቐት ብኣባሃህላኦም ብጫ  ካርድ ስለዘይብልኹም ተባሂሎም  እቲ ንሓደ ሕሙም ክግብረሎም ዝኽእል ምእላይን ምሕኻምን ተነፊግዎም   ከምዘሎ  እዮ ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

  እዚ ከይኣክል ከኣ ካብ ከሰላን ወደል ሒለውን ዝበሃል ዝመጹ ወተሃደራት ሱዳን 38 ዝኮነ ሎሪ፥ ቶዮታ ዝ  ዶሽኻ እናተኸሱ፥  ትኺ ብምዕብላኽ  መዕቖቢኦም ገዛ ብምንዳድ ንቶም ስደተኛታት ተንቀሳቓሲ ተለፎናቶምን ገንዘቦምን ግዜያዊ መሻርፎም መግቦም፥ መንጸፎም ብሓይሊ እንዳመንጠሉ  ከጋፍዕዕዎም እዮም ተርእዮም።

    ካብዚ ግፍዒ እዚ ከምልጥ ኢሉ ኣብቲ ጻሕ ዝበለ ከውሊ ዘይብሉ መሬት  ክሃድሙን ክሕብኡን  ክብሉ ዝወጹ እዉን  በቶም ብክልተ ሽነኽ ዓሪዶም ኣኽቢቦሞም ዝነበሩ ሱዳናዊያ ወተሃደራት   ተታሒዞም ከምእተወስዱ ን ኣብ  ትሕቲ ቖጽጽሮም ከምዝትሓዙ ኮኑ’’።   ሓንቲ ካብ ነበርቲ ናይቲ ዞባ ዝኮነት መንእስይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ክኣ “  መንግስቲ ኤርትራ  ብደገ ይገፍፍ፥ ራሻይዳ  ኣብ ውሽጢ መዓስከር”  ኤርትራዊ ዝኾኑ እዩ ጠፊኡዎ ክትብል ገሊጻትልና

ዛጊት ን 400 ዝኾኑ ሰባት   ጽዒኖም ወሲዶመን ዝነበሩ  ኣርባዕተ ዓባይቲ መኻይን  ክልተ ኣብ ከሰላ ክልተ ኣብ ሓፊር ከምዘለዋ ዛጊት ግና  ዝኮነ ይኹን ናይ ንህላውነቶም ምስኽር ዝኸዉን መረዳእታ ከምዘየልቦን እዮም ኣብቲ ቦታ ንንውሕ ዝብለ እዋናት ዝተቐመጡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ  ዝሕብሩ ዘለዎ።   4  ሰባት  ንምድሓን  ተባሂሉ  ዝተወጠነ 400 ሰባት ግዳያ ማህረምቲን ማእስርቲን ጭውያን ከኣ ኮይኖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዉን    ኣብቲ መንግስቲ ኣቓጺልዎ ዝብሃል  ዘሎ ሓደስቲ ተዓቖብቲ ስደተኛታት ዝርከብሉ ቦታ እዉን እንተኾነ  38 ዝኾና ሎሪን ዓበይቲን ናኣሽቱን መኻይን ዶሽኻታቶም ጽዒኖም  ክጥቕዑ እኳ መጺኦም እንተነበሩ  ብካልኣይ ወገን   ጸለምቲ ሱዳናዊያን ወተሃደራት መጺኦምውም ካብቲ ቦታ ከምዝተስወሮ  ኣብቲ   ሓበሬታ  ንምርካብ ብቴሌፎን ዘኻየደናዩ ዝርርብ ክፍልጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ዛጊት እቲ ኩነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃዲኡ ኣኳ እንተሃለወ  እቶም መንእስያት  ክረጋግኡ ግና  ኣይከኣሉን። ልዕሊ ኩሉ ክዕንገልሉ  ዝኽእሉ  ግዜያዊ መሻርፋቶም መግቦም ፥ ገንዘቦም፥  ቴሌፎናቶም ስለዝተዘረፎ ብቐሊሉ ሽግራቶም ዝገልጹሉ ቃሎም ከስምዕሉ ዝኽእሉ ዕድል ብዘይምርካቦም  ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ኣለዎ።

 ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ  ርስቱን መሬቱን ቀሲኑ ክነብሩ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ሃገሩ ጠንጢኖ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ብምባል  ሂወቱ ከውሕስ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን እዉን እንተኾነት ከምዚ ዝዓይነቱ ግፍዒ ከጉ`ንፎ እንከሎ ማሕበረ ሰብ ዓለም  ብፍላይ ክኣ ንስብኣዊ መሰላት ክጣበቃ ዝኽእላ ውልቃዊያንን መንግስታዊያንን ትካላት ብዕቱብ ክርእይኦን  ጉኒ ናይዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ መንእስይ  ትርግታ ስቕያቱ ስምዒን ቃለንን ክህባን፥  ንምፈታሕ እዚ ሽግር ክብገሳን  ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት  ምስናይ ምሕጽንትኡ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዎ።

እዚ ጻውዒት እዚ ናይ ሓደ ክልተ ዘይኾነ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እየ ዝብል ምሕጽንታ ክኣ እዩ።።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...