AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

1 ጥሪ 2015


ሰፊሕ መደብ ኤርትራውያን ተንቀሳቐስቲ ሰብኣውነት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ

ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ተንቀሳቐስቲ (ኣክቲቪስትስ) ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ኣስመራ ዝወርድ ዘሎ ጭኮና ንምግታእ ኣብ’ዘን ዝመጻ 6 ኣዋርሕ ሰፊሕ ጎስጓሳት ክገብሩ ተዳልዮም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቶም ተንቀሳቐስቲ ሰብኣውነት፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግኑን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕ  ኣብ ልዕሊ መንግስታት ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ትካላት ውድብ ሕቡርት ሃገራትን ተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዝገብሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ግዱሳት ኣብ ጽላል’ቲ “ጊልያነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ይበል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጎስጓሲ ምንቅስቓስ ተጠርኒፎም ነዚ ሰፊሕ መደም ተሊሞሞ ከምዘለዉ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ንመንግስታት’ተን ሰላማዊ ሰልፍታትን ዝተፈላለዩ ጻውዒታትን ክገብሩለን መዲቦም ዘለዉ ሃገራት ኤውሮጳ ጸቕጢ ከይፈጠረ ከምዘይተርፍ ኣሚቶም ኣለው።

ወደብቲ ናይ’ዚ ንዝመጽእ 6 ኣዋርሕ ተተሊሙ ዘሎ ጎስጓስ ኣብ ሓበሬታኦም፥ ብሰንኪ ልዑል ግህሰት ስርዓት ኣስመራ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ናይ ዘሎ ቊጽሪ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ  ብሰለስተ ዕጽፊ በሪዂ ከምዘሎ፥ እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ኤርትራ ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ዘነጽር ከምዝኾነ እህቢሮም።

ናብ ባርነት ዝዛዘወ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ቀጻሊ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያትና ይኽውን ኣሎ ዝበሎ እቶም ወደብቲ፥ እዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደዉ ክብል ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ግዱሳት ወዲቦም - ነዚ ናይ ጎስጓስ መደብ ሰሪዖም ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ጎስጎስቲ ጸቒጦም ዝዛረብሉ ዘለዉ ጉዳይ ፥ ኣብ ኤርትራ  ብስርዓት ኣስመራ ዝግበር ዘሎ ዝተሓላለኸ ሰብኣዊ ግህሰት ደዉ ንምባሉ ከምዝኾነ ዘመልከቱ ጸብጻባት ፥ እዚ ብጸቕጢ እቶም ጎስጓስ ዝገብሩለን ዘለዉ መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ በደል ክዛይድ፥ ከምሳዕቤኑ ድማ ዋሕዚ ኤርትራውያን ንስደት ክሕይል ምዃኑ ከምዝኣምኑ ኣገንዚቦም።


ጻውዒት 42 ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት

ካብ 2001ን ድሕሪኡን ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዝርከቡ 42 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ጸዊዖም።

እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት  ኣብ ጻዊዕቶም፥ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ተቐዲዪዶም ዘለዉ ብጾቶም ንሓቂ ደዉ ስለዝበሉን ኣንጻር እቲ ህዝቢ ዘይመረጾ ጸቓጢ መንግስቲ  ሓቅታት ስለዝተዛረቡን ኣብ ማሕዩር ከምዝርከቡ  ብምምልካት፥ ኩሎም ተደናገጽቲ ሰብኣውነትን ተጣበቕቲ ነጻ ፕረስን ኣብ’ዚ ጉዳይ ሓላፍነቶም ከርእዩ ጸዊዖም።

ኣብ 2001 ፥ 8 ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ብሕትን 20 ጋዜጠኛታት መሳርሕቶምን ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኣስመራ ተወሲዶም ከምእተዳጎኑ ዘዘኻኸሩ’ቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ግዳያት ዝወርድ ብመግረፍቲ ዝተሰነየ መርመራታት ይቕጽል ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ካብ 2001 ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፥ ጋዜጠኛታት፥ መእመናን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብሰንኪ ንስርዓት ኣስመራ ዝቋወም ኣረኣእያኦም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ምህላዎም ይፍለጥ።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...