AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

30 ታሕሳስ፣ 2014


ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል

ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ብ27 ታሕሳስ 2014 ኣብ ደቡባዊ ከባቢ እስራኤል ብምትእኽኻብ ፥ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከተግብሮ ወሲኑ ዘሎ ተሪር ሕጊ ዘለዎም ተቛውሞ ከምዝገለጹ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣቃሊሑ።

እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ጸዲቚ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ ፥ ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ክሳብ 20 ኣዋርሕ ዝኸይድ ማእሰርቲ ዝብይን ኮይኑ፡ እዚ ሕጊ እዚ ካብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ተቛውሞ ኣኸቲሉ ከምዘሎ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኻየደ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ መቐጸልታ ናቱ ከምዝኾነ ኣረዲኦም ኣለው።

እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ’ታ ሃገር ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ብሰብ መዚ እታ ሃገር ይግለጽ ከምዝሎ ዘመልከቱ ካብ’ቶም ኤርትራውያን ሰልፈኛታት፥ ስደተኛታት ብዘይ ቀይዲ ክትኣስርን ክትዳጒንን ግና ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ከምዝኾነ መረረኦም ገሊጾም።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ንኤርትራውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብቐንዱ ዝዓለመ ከምዝኾነ’ዩ ብሓያሎ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ።

ሰልፈኛታት ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዝወጸ ፡ ምእሳር ስደተኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝዂንን ዉሳኔ ዘለዎም ደገፍ ድሕሪ ምግላጽ፥ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸዊዖም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ናይ ዝሓለፈ ውሳኔኡ፡ እቲ ሓያሎ ኤርትራውያን ብዘይውሑስ ኣገባብ ተዳጒኖምሉ ዘለው ኣብ ምድረበዳ ነገቭ ተደኲኑ ዝርከብ መዓስከር ሓሎት ክዕጾ ጸዊዑ እኳ እንተነበረ እቲ ጻውዒት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽለኣት ካብ ዘለዎም ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተጻብኦታት ብቐጻሊ ይገጥሞ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ካብ 2006 ጀሚሩ ልዕሊ 50 ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብኣጻምእ ሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ከምዝኣተዉ፥ መንግስቲ እስራኤል ነዚ ዋሕዚ ንምዕጋት ድማ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ ብ “ሓሎት” ዝጽዋዕ መዓስከር ከምዝድኮነ ዘመልከቱ ጸብጽባት፥ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ እናጸበበን እናበኣሰን ይመጽእ ከምዘሎ ይዛረቡ።


2014 ቀዛፊት ዓመት ንስደተኛታት ባሕሪ

ዓመተ 2014 ካብተን ዝሓለፋ ዓመታት ዝለዓለ ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዘህለቐት ዓመት ኮይና ምህላዋ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተ (IOM) ገሊጹ።

ኣብ’ዛ ንፋነዋ ዘላን ዓመተ 2014 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ናይ ዝሰኣኑን ሃለዋቶም ዝጠፍአን ስደተኛታት ቊጽሪ 4,868 በጺሑ ከምዘሎ፥ እዚ ቊጽሪ እዚ ድማ ኣብ’ተን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ብእኩብ ንዝጠፍአ ሂወት ስደተኛታት ዝዛይዶ ከምዝኾነ ዘመልከተ እቲ ውድብ ፥ ዓመተ 2014 ቀዛፊት ዓመት ኢሉ ከምዝሰመያ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ወርሒ ጥሪ 2014 ዛጊት ልዕሊ 200 ሽሕ  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ንጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) መርኲስ ብምግባ ወሲዂ ዝጠቐሰ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM)፥ መሰረታዊ ጠንቂ ስደት ፍታሕ ከይተረኽቦ እዚ ዋሕዚ ክጎድል ከምዘይኮነ ኣጠንቂቚ ኣሎ።

ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፥ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 34 ሽሕ ኤርትራውያን ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣትዮም ከምዘለዉ፥ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘሎ ዘቤታዊ ጸቕጥን ግህሰትን ፍታሕ ክርከበሉ እንተዘይክኢሉ ድማ እዚ ኣሰካፊ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ከብቅዕ ዘሎ ተኽእሎ ዝተሓተ ከምዝኾነ’ዩ ዘረድእ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት መሰረታዊ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ይኸውን ከምዘሎ፥ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እትከታተል ዘላ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ሼላ ኬታሩት ብቐጻሊ ትገልጽ ምህላዋ ይፍለጥ። 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...