ጺ  ዜና 

ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ

ኣንበብቲ፡ ራሄል ሰሎሙንን፡ ግርማይ ተወልደን

11 ታሕሳስ፣ 2014


ካልኣይ ሕታም መልእኽተ-ዜና ሪፓብሊክ ተዘርጊሓ

ኣብ ውሽጢ ሃገር ስርዓተ ሕግን ደሞክራስን ንኽሰምር ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን፥ ካልኣይ ሕታም ናይታ “ሪፓብሊክ” ኢሎም ዝሰሚዩዋ መልእኽተ-ዜናኦም ዘሪጊሖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቶም ጀጋኑ ኣባላት ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ሕታሞም፡ ንኩሉንትናዊ ድኻማት ስርዓት ኣስመራ ዘቃልዑ መሰረታውያን ሓቅታት ፥ ህዝቢ ከነቓቕሑ ዝኽእሉ ሓበሬታታት፥  ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ዘበርኾ ዘሎ ጽላኣትን መጻኢ ተስፋታት፥ ምልኪ ስርዓት ኣስመራን ዝጥቀመሉ ሜላታትን ኣብ ዝኣመሰሉ  ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ግንዛቤ ኣስፊሮም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

መልእኽተ-ዜና ሪፓብሊክ ኣብ’ዚ እዋናዊ ሕታማ፥ ንዘይስሩዕ ተኸታልነት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ቊጠባዊ መዳይ ነዊሕ ሸፈነ ከምዝሃበት፥ ነቲ ብዉ-ልቀሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ዝምእዘን ካቢኔ ሚኒስተራት ኣብ’ዚ ዛዕባ እዚ ዝግበር ምስሉይ ጸወታታት ኣመልኪታ’ውን ኣረዳእቲ ሓበሬታታት ከምዘቃልዐት ክግንዘብ ተኻኢሉ ኣሎ።

“ምልኪ ነቶም ዝምለኸሉ ህዝቢ ጥራይ ከምዝመልኽ” ዘመለከተት መልእኽተ ዜና “ሪፓብሊክ” ፥ ህዝቢ ክሳብ ዘይነቕሐን ዘለዎ ኩሉንትናዊ ኣማራጺታት ክሳብ ዘይፈለጠን ፡ ካብ’ቲ ብመለኽቱ ዝተሓጸጸ ጸቢብ ዓንኬል ክወጽእ ዘሎ ዕድል ዝተሓተ ምዃኑ ኣገንዚባ ኣላ።

“ሪፓብሊክ” ካብ ውሽጢ ሃገር ንካልኣይ እዋን  ትዝርጋሕ ምህላዋ ንስርዓት ኣስመራ ኣብ ዝበኣሰ ሻቕሎት ከይሸመመቶ ከምዘይትተርፍ ዘተሓሳሰቡ  ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ንኣሳናዳእቲ እታ መልእኽተ ዜና ሞሳ ከምዝግቦኦም፥ ጂግነቶምን ድፍረቶምን ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተጨኲኑ ዘሎ ህዝቢ ንመሰሉ ደውይ ክብል - ቀጥታዊ መርኣያ ከምዝኸውን ኣስሚሮምሉ።


ሓድሽ መጸዋዕታ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ሰማዒ ይስእን።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ዛጊት ሰማዒ ከምዘይረኸበ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣቃሊሑ።

ዉልቃዊ ዋኒኑ ራሕሪሑ  ናብ መደበራት ታዕሊም ክወር በቲ ስርዓት ብቐጻሊ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ልቡ ኣትሪሩ ኣብ ተቛውሞኡ ጸኒዑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ ከም ኣካል ናቱ ሎሚ  ሓምስ 11 ታሕሳስ 2014  ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሃገር ክትግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሓድሽ መጸዋዕታ ከም’ቶም ዝሓለፉ ቂሂሙ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ምምሕዳራት ከባቢታት ኣስመራ ፥ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንሎሚ 11 ታሕሳስ ኣብ ቦታኦም ንኽርከቡ ዝጠልብ ሓድሽ ምልክታ ከም ዛዕባ ዘተኮሮሉ ሰብ ውሑድ ምዃኑን፥ እዚ ድማ ስርዓት ኣስመራ ክሳብ ክንደይ ብህዝቡ ተጸሊኡን ክድፈር ይቐርብን ከምዘሎ ዘግህድ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣተሓሳሲቦም።

ስርዓት ኣስመራ ካብ መፋርቕ ዓመተ 2014 ክጽውዖ ዝጸንሐ ታዕሊምን ዕጥቆን ብዝበዝሐ ዜጋ ክንጸግ ምጽንሑ ዘፍለጡ እቶም ተዓዘብቲ፥ ግዜ-መጸ ዝጥቅዑ ናይ መጸዋዕታ ምልክታታትን ንተዓላሞ ክወስዳ ዝቕረባ ናይ ጽዕነት መኻይንን ፍረ ስኢነን ምህላወን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ነዚ ህዝባዊ ኣብያ ንምድኻምን ንምብርካኽን ቀጻሊ ወተሃደራዊ ግፋታት ክውን ይገብር እኳ እንተሎ፥ ህዝቢ ነዞም ግፋታት ብዝተራቐቚ ሜላታት ይብድሆም ከምዘሎ’ዩ ዝንገር። 


መንግስቲ ዴንማርክ ኣረኣእያኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ይቕይር

መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከተግብሮ  መዲቡ  ዝነበረ  ተሪር ዉሳኔ ዳግመ ግምት ከምዝገበረሉን ሓሳቡ ቀዪሩ ከምዘሎን ካብ’ቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ክፍሊ ኣገልግሎት ኤሚግሬሽን ዴንማርክ ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2014: ፍልይቲ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ብምስዳድ፡ ኣብ’ታ ሃገር ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ድሕሪ ምጽናዕ፥ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ነቲ ኣብ ሃገሮም ኣሎ ዝብልዎ ኩሉንትናዊ ስግኣት ኣብ ባይታ ከምዘየለን ንሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከምዝኾነን ዘመልክት ጸብጻብ ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ክፍሊ ኤሚግሬሽን’ታ ሃገር ኣብ’ቲ ብ ሰሉስ 9 ታሕሳስ 2014 ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክኽተሎ መዲቡ ዘነበረ ናይ ምጥራዝ መደብ ካብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣውነት ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራት ከኣ ብፍላይ ክግንፍል ብዝጸንሐ ናይ ተቛውሞ  ጸቕጥታት ፥ ሓሳቡ ክቕይር ከምእተቐሰበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ’ታ - ገደብ ኣልቦ ባርነትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ዓቕሎም ስለዘጽበበሎም ዝራሕርሑዋ ሃገር ምምማልስ  ማለት ናብ ዝበኣሰ መግረፍትን ዓዛብን መንግስቶም ምምላስ ምዃኑ ከምእተገንዘበ ዘመልከተ እዋናዊ  መግለጺ  ክፍሊ ኣገልግሎት ኤሚግሬሽን ዴንማርክ ፥  መንግስቱ ኣብ ጠለባት ዑቕባ  ኤርትራውያን  ኤርትራውያን ስደተኛታት  ዝኽተሎ ዝተኸለሰ መመርሒ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ  ከምዝገብር ኣተንቢሁ።

መንግስቲ ኤርትራ በዚ ዴንማርክ ክትወስዶ ኣቀዲማ መዲባ ዝነበረት ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ መደብ እወታዊ ስምዒት  ከርኢ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ከኣ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ’ቶም  ራሕሪሖሞ  ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕርን ዘምርሑ ዜጋታት ክወስዶ ዝደሊ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጒምትታት ገና ከምዘይበለየሉ  ዘረድእ ህያው  ኣብነት ከምዝኾነ ‘ዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ ዘለዉ።

እዚ ብክፍሊ ኤሚግሬሽን ተዋሂቡ ዘሎ ክሉስ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ልዑል ሩፍታ ፈጢሩ ከምዘሎ ወሲኾም ዘገንዘቡ እቶም ተዓዘብቲ፥ እዚ ናይ ዴንማርክ ተበግሶ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተሪር ናይ ስደተኛነት ሕግታት ከጽድቕ ዝቃረብ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል እወታዊ መርኣያ ክኾኖ ዘለዎም ተስፋ ኣፍኢሞም።


 

ሰነዳት ቃለ-መሕትት ዳን-ኮኔል ንኤርትራውያን ስደተኛታት

ጸሓፊን ጋዜጠኛን ዳን ኮኔል ምስ ዝተሓላለኸ ጸገማት ሓሊፎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገበሮን ዝስንዶን ዘሎ ቃለ መሕትት ንቀጥታዊ ጸገማት ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ  ተሓቢሩ።

ንመርበብ ዓምዲ ናይ’ቲ  ክኢላ ብቀረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ከምዝሕብርዎ፥ ዳን ኮኔል ዝስንዶም ዘለዉ ሓቀኛ ዛንታታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንቀጥታዊ ስእሊ ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ከምዘመስክሩ ፥ ንኩሉንትናዊ ሽግር ኤርትራዊ ድማ  ብማሕበረ ሰብ ዓለም ብሩህ መረዳእታ  ንኽተሓዝ ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም።

ዳን ኮኔ ኣብ ሰነድ ቃለ መሕትቱ ኣስፊርዎም ካብ ዘሎ ተንከፍቲ ፍጻሜታት ፥ ምስ ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ እንተዘይተደናጊጽካ ክወርደካ ዝኽእል ዓዛብን ተነጽሎን፥ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተኾብሊሉ ኣብ ልዕሊ ስድራኡ ዝወርድ ግፍዒን መግረፍትን፥ መንግስቲ ዘይጠልቦ ሕቶ እንተሓተትካን  ንህዝቢ ዘነቓቕሑ ዘረባታት እንተዉጻእካን ዝወርደካ መዓት፥   ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ተዘሪአን ዘለዋ መዳጎኒ መዓስከራትን  ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝምዝገብ መግረፍትን ጭቆናን ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት  ብቃል’ቶም በዚ ጸገም እዚ ዝሓለፉ ስደተኛታት ኣራጒዱ እዮ  እቕሪብዎ ዘሎ።

ኣብ’ቲ ቃለመሕትት  ዝሓለፍዎ ተዘክሮታት ዘስፈሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምርግጋእ ዝሰኣነን ኣብ ዝተናውሐ መግዛእቲ ዝርከብን  ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ዘይነጽፍ ጸገም ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዳን ኮኔል፥ ሃገራት ምዕራብ ነዞም ከምዚ ዓይነት ዘቤታዊ ጸገማት ሓሊፎም  ዑቕባ ዝሓቱ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣረዳድአአን  ከልዝባ ተማሕጺኑ።

ኤርትራ ዝበዝሑ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ እተበርክት ሃገር ኮይና ምህላዋ ወሲኹ ዝጠቐሰ ዳን ኮኔል፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ’ዚ ዛዕባ እዚ ክወስዶ ዝነበሮ መሪሕ ሓላፍነት ዛጊት ከምዘይተሰከመ  ኣተሓሳሲቡ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.