ክቡር ተጋዳላይን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ምስ ወዱ ክቆርስ ኢሉ ምስወጸ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረጋግጽ

ክቡራት ኤርትራውያን፦

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ እዚ ስርዓት ንዝሓለፍ ብዙሓት ዓመታት ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ የእቲዎም ዝጸንሐ ከም እኒ ክቡር ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣባላት ጉጅለ 11፣ጋዜጠኛታትን ካልኦት  ብኣሽሓት ዝቁጸሩ   ናይ ሕልናን ናይ እምነት እሱራትን ሎሚ ይፍትሑ ይኾኑ ዝብል ተስፋ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ሃገራውያንን ደለይቲ ስላም ማሕበረሰብ ዓለምን ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ እዩ።                                                      

በቲ ሓደ መንጽር ጉጅለ 11ን ጋዜጠኛታትን ካብ ዝ እሰሩ ድሮ ጽባሕ ዕለት 18 መስከረም መበል 17 ዓመቶም መሊኦም ሃለዋቶምን ድሕነቶም ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃዋሁ ብሓዘን ንዝክሮም ኣለና።

ንዘለዎ ተወሰኮ ክምዝበሃል ግን፡ ወዮ ኣብ ፎቆዶ ሃገራት ሃዋርያ ሰላም ብዝብል ኣፍልቡ ብወርቂ ዘግይጽን ዝሽለም ዘሎን ዕሉል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ "ሃገረይ ኤርትራ" ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ዝደረሰን ብድምጹ በዳሂ ሕቶታት ንኢሳያስ ዝሓተተን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዘይተርፍ ለውጢ ቅልጽሙ ኣተሓባቢሩ ብሓንሳብ ክቃለስ ሃገራዊ ጻውዒት ዘቅረበን ሓውና ክቡር ተጋዳላይን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ሎሚ ንጉሆ ንክቆርስ ኢሉ ምስ ወዱ ምስ ወጸ ብሓይልታት ጸጥታ ተጨውዩ ክምዝተወሰደን ኣበይ ከምዘሎ'ውን ከምዘይፍለጥን ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጽሓና ጽጹይ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ብዓልቲ ቤቱን ኣደ ኣርባዕተ ደቁን ተጋዳሊት ኣልማዝ ሃብተማርያም'ውን ወድኺ ዓዲ ገዲፍ ከይዱ፡ ተሓባቢርክዮ ኢኺ ኢሎም ካብ ዝኣስሩዋ ኣስታት ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

ክልቲኦም ዝወለዱዎም ኣርባዕተ ደቆም ብዘይ ኣደን ኣቦን ተሪፎም ኣለው።

ክቡራት ኤርትራውያን፦

ነዚ ናይ ሓውናን ኣያናን ብርሃነ ኣብርሀ ተባዕ ውሳነን ተባዕ ስጉምትን ተኸቲልና፡ ህዝብና ሓራ ከነውጽእ፡ ነቲ ውልቀ መላኺ ክንብድህን፡ ኣሰሩ ክንስዕብን ኣትሪረ ይምህጸነኩም።

ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ እንበር ኣይነብርን እዩ!

ኤልሳ ጭሩም

ኣካያዲት ሓልዮት ሰብ ኣዊ መስላት - ኤርትራ

ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ

17 መስከረም 2018