ተማሃሮ ካልኦት ቤትምህርትታት አኽሪያ ድጋፎም ይገልጹ

ተወሳኺ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ኣኽርያ

ሓይልታት ጸጥታን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምስቲ ተቃውሞ ምትእስሳር ኔርዎም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ሰባት ዝወስድዎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ይቅጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ቤትትምህርቲ ዲያእ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።

1. ኢብራሂም ሽፋ
2. ማሕሙድ ዓብደልቃድር
3. ዓብደልዋስዕ ኣሕመድ
4. መሓመድ ኑር
5. ኣይተፈልጠን

ምስዚ ኣብዝተኣሳሰር'ድማ እቲ ስርዓት ነቲ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ተቃውሞ ከም ኣመሉ ናይ ሓደ ወገን ንምምሳል ዝገብሮ ዘሎ ኸይኣክል፡ ዝተፈላለየ ስውር ስርሒታት ይገብር ኣሎ።

ምንጭታት ዓርቢ ሓርነት ካብ ቤትምህርትታት ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ስርዓት ብፍላይ ኣብ ኣኽርያ ኣብ ዝርከባ ቤትምህርትታት ዝርከቡ ተማሃሮ ከይሓብሩ ዝሰገአ፡ ኣብ ውሽጦም ፍልልይ ብምፍጣር፡ እቲ ምንቅስቃስ ናይ ሓደ ሃይማኖት ብምዃኑ፡ ነቶም ኣብ ክፍሎም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ከይቀርብዎምን ከይጽንበርዎምን ብመንገዲ ኣብ ምምሕዳራት ዝርከቡ ብ "ኣባላት" ዝፍለጡ ዕሱባቱ ኣቢሉ፡ ብመንገዲ ወለዶም ጸቅጢ ከምዝፍጠረሎም ይገብር ኣሎ።

የግዳስ እቶም ተማሃሮ ነዚ ጸቅጢ ጥሒሶም ኣብ ሞባይላቶም ስእሊ ናይ ሓጂ. ሙሳ ጠቂዖም ይረኣዩ ከምዘለው፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መወዳእታ ኣኽርያ(ዝባን ምህራም ጭራ) ዝርከቡ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ሞባይል ተሌፎን ሒዞም ከይመጹ ከቢድ መጠንቀቅታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ስርዓት ኣንጻሩ ክለዓል ዝኽእል ምንቅስቃስ ንምምካን ኩሉ ጸይቅታትን ሜላታትን ክጥቀም ምዃኑ ፈሊጡ ኣቀዲሙ ክነቅሓሉ የተሓሳስብ።

ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ቃልሲ ክዕወት'ዩ።